ሓጻር መልእኽቲ ንግዱሳት
1- ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ወያነ ኣብ ምንጻል ወይ ምጥፋእ ዘተኮረ ጥራይ ከም ዝኾነ ዘምስል መልእኽትታት ካብ ምዝርጋሕ ምቑጣብ።
2- ብልክዕ፡ ወያነ ካንሰር ናይ ዞባና ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ክሳብ ዝእደብ ወይ ዝውገድ እውን ገና ካንሰር ናይ’ዚ ዞባ ምዃኑ ኣይክተርፎን እዩ። ይኹን እምበር፡ ወያነ ኢትዮጵያዊ ሓይሊ እዩ። ብከመይ ይተሓዝ ብዓቢኡ ንኢትዮጵያን ትግራዎትን ይምልከት።
ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ኢዳ ከም ዘይተአቱ እምነት ኣለኒ። ኤርትራ ንሃገራዊ ረብሓኣ ዘኽብሩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ሞራላውን ደገፍ ክትህብ መሰላ እዩ። ነቶም ንልኡላውነታ ዝፈታትኑ ሓይልታት ዝብድህን ዘውድቕን እስትራተጂታትት ክትክተል እውን ግቡእ እዩ። ይኹን እምበር ወያነ ንምውቃዕ ምስ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ክትማኸርን እስትራተጂ ክትሕንጽጽን እያ—ወይልኻ ወያነ” ዘስምዕ መረጋገጺ ዘይብሉ ወረ ምግዋሕ ነቲ ክዕወት እንደልዮ መስርሕ ሰላም ዘጎናድብን ዝሓላልኽን ነቶም ነዚ መስርሕ ከም ውዲት ገይሮም ዝገልጽዎ ሓይልታት ድማ ዲል ዝህብን እዩ። ልዕሊ ክሉ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ጉጉይ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ከም ዝመስለኒ፡ ግጥምያና ምስ መራሕቲ ወያነ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ገበናት ከይኣኽሎም፡ ሎሚ እውን ንልኡላውነት ኢትዮጵያ ከም ድፋዕ ተጠቒሞም እቲ መስርሕ ሰላም ዝግባእ ናህሪ ከይረክብ ዕንቅፋት ይኾኑ ስለዘለዉን ገና ኣብ ልኡላውነትትና ቀጥታውን ናይ ኢድ-ኣዙርን ጉጥያታት የካይዱ ስለዘለዉን እዩ።
ብርግጽ፡ ነባሪ ሰላም ክርከብ እንተኮይኑ፡ እዚ ጉጅለ’ዝን እቲ መጻይን ከፋፋልን ኣተሓሳስባኡ ካብ ገጽ ዞባና ክሕጸብ ኣለዎ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይን ገስገስቲ ሓይልታቱን ሒዝካ እዩ ብውሑድ ክሳራ ክግበር ዝኽእል። ክሳብ ሕጂ ክልቲአን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ትዕግስቲ ኤርትራ ነዚ ክዉን ንምግባር እዩ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ።
3- ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤታማጆራ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ምትራፎም ኣብ “ምጥፋእ ወያነ ዘተኮረ ዘተ ንምግባር እዩ” ዘስምዕ ኣቀራርባ ግጉይ እዩ። ከም ጎራባብቲ ሃገራት፡ ከምኡ እውን ኣብ መንጎአን ናይ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት ከም ዝተገብረ መጠን ( ናይ 2018 ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ተመልከቱ) ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ምክልኻልን ጸጥታን ክልቲአን ሃገራት ርክባት ክግበር ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ገሊኡ እንርእዮ ክኸውን ይኽእል ገሊኡ ድማ ዘይንርእዮ። ወያነ ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ንጸጥታን ምክልኻልን ዝምልከት ዘተን ምትሕግጋዝን ክረአ ይከኣል። ብቀንዱ ወያነ ንሰሜናዊ ዶባት ኢትዮጵያ ዘካትት ክልል ትግራይ ይገዝእ ስለዘሎን ከምኡ እውን ክሳብ ሎሚ ነቲ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተቀበሎ ብምዃኑን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸጥታዊ ስግኣታት ክኸውን ከም ዝኽእል ብሩህ እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ምስቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝታይን መደባት ብምውህሃድን እዩ ክሳለጥ ዝኽእል። ስለ’ዚ፡ ጉዳይ ኣዕናዊ ተባራት ወያነ ኣይለዓልን ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ወያነ መጥቃዕቲ ንምግባር እዮም ኣስመራ ዘለዉ ዘምስል ኣቀራርባ ቀቅድሚ ጭቡጥ ኩነታት ዞኽዞኽ ዝብል ትንታነ እዩ። ወያነ ብሓይሊ ንምንብርካኹ መደብ እንተዝውጽእ፡ ብሓንቲ ሰሙን ዕጥቁ ከምዘውርድ ክግበር ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር ጎናጻዊ ፍታሓቱ መዘዙ ንነዊሕ ከምዝኸይድ ስለዝፈልጡ እዩ መስለኒ፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብጥበብ ሒዞሞ ዘለዉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ፈቲና ጸሊእና፡ ወያነ ምኻዱ ኣይክተርፎን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ግን ጎረቤትና ኮይኑ ክነብር እዩ። እቶም ደመኛታት መራሕቲ ወያነ ነጺልና ክንወቅዕ ይግባእ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ኤርትራ ልኡላውነታ ብዘይ ሽርማምን ቁርማምን ክተረጋግጽ መሰላን ግቡኣን ስለዝኾነ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሃናጺ ርክባት ክትገብር ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ እንርእዮ ርክባት ከኣ ኣካል ናይዚ ቀጻሊ ርክባት እምበር ፍሉይን ንዝተነጸለ ጉዳይ ወያነ ኣምሲልካ ምቅራብ ገጋ እዩ። ንጸረ ሰላም ሓይልታት ዲል ዝህብ እዩ። ብጭብጥታት ዝተደገፈ እውን ኣይኮነን ‘ሞ ርግእ ምባል።
ማሕሙድ ሳልሕ