Categories
Uncategorized

ንጋባእ፡ንዛተ

ባይቶታት ዞባታት ጉባኤታት የካይዱ ኣለዉ። ካብቲ ብማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ዝፍኖ ዘሎ ዜናታት ክንበብ ከም ዝከኣል፡ ኣተኩሮ ኣካየድቲ ስራሕን ህዝብን ዞባታት ሃገርና ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ኤርይራ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለትሉ ሰላም እዩ። ቆላሕታ ህዝቢ ካብ ኣብ መኸተ ወያነን ለኣኽቶምን ተለኣኣኽቶምን ናብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ምዝባሉ መስርሕ ምርግጋእ ይጅምር ምህላዉ ይሕብር። ዝቕጽል ድማ ብሃገር ደረጃ ዝግበር ጉባኤታት እዩ። ንሱ ክቀላጠፍ ከኣ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላምን ምርግጋእን ምድጋፍ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብሓፈሽኡ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ዉዕዉዕ ወፈራታት፡ ኣኼባታት፡ ገምጋማት…ናብ ሓድሽ መድረኽ ንኣቱ ከምዘለና እዩ ዝሕብር። ዝቕጽል ትጽቢት ህዝብና፡ ጉባኤታት ህግድፍን ከምኡ እውን ብሃገር ደረጃ ዝካየድ ክፉት መጋብኣያታትን ገምጋማትን እዩ። ክኸውን ድማ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራ ክትረኽቦ እትኽእል ኤውሮጳዊ ሓገዛት (potential aids) ንብዙሓት ከሻቕል ሰሚዕና። “ኢገበይካ ባቡር” ኢሎም ተዛረብቲ ትግረ ከምዚታት ምስ ሰምዑ። ኤርትራ ሃገርና ዝግበኣ ዕቤታዊ ሓገዛት (development aid/fund) ከይትረክብ ዝግበር ፖለቲካዊ ላግጽታት ዘይሓላፍነታዊ እዩ። ጸገምካ ምስ መንግስቲ ኤርትራ እንተኾይኑ፡ቀይሮ። ምቕያር መንግስቲ ድማ ንስኻ ንክተመሓድር ዓቕሚ ከም ዘለካን ሓላፍነታዊ ምኳንካን ንህዝቢ ኤርትራ ክተርኢ ኣለካ።ብዝተረፈ፡ እዚ ዘይሓላፍነታዊ መርገጺታት ነታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ሃስይዋ እሞ እንተተገምገመ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ከም ርድኢተይ እቶም ንኤርትራ ክወሃብ ዝበሃል ሓገዛት ዝቃወሙ ኣካላት ዘቕርብዎ ምኽኒታት፡ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎትን ትሑት ክፍሊትን እዩ። ከም ዝመስለኒ፡ እዚታት ምስ ሓፈሻዊ ምምዕባል ቁጠባ እታ ሃገርን ምርግጋእ ሰላም ዞባናን ዝፍታሕ እዩ። ስለ’ዚ፡ ብሓቂ እንተደኣ እቲ ምኽንያት እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኮይኑ፡ ብዝያዳ’ኳ ኤርትራ ሓገዛት ክትረክብ እዮም ክጽዕሩ ዝግበኦም። ብዛዕባ ብቕዓትን ሕልናን (intention) መንግስቲ እንተኾይኑ እቲ ነገር፡ ብመጀመርታ ንግብራዊ ብደሆታት ናይ ምፍታሕን ምምሕዳርን ብቕዓቶምን ሕልናኦምን ከርእዩና ደስ ምበለና።

ብዝኾነ፡ እታ ሃገር ክትመሓደር ኣለዋ። Some organ must govern it. ንፖለቲካዊ ሕሳባት ኢልካ ሃገር ክትሃሲ የብልካን።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s