[ እዚ ኣርእስታት’ዚ ብልክዕ ገምጋም ክበሃል ኣይግበኦን። እቲ ኣርእስቲ ካብ ጀመርክዎ ግን ኣብ ተመኩሮታት 2019 ዝተመርኮሰ ትንተናታት ኢልና እንተ ነበብናዮ ዝሓሸ እዩ። ውድዓዊ ገምጋም ክህብ ዝክእል ነቲ ስራሕ ሒዙ ዘሎን ጭቡጥ ሓበረታን ኣሃዛትን ዘለዎ ወገን እዩ]
መእተዊ፦
እዚ ጽሑፍ ቅሩብ ንውሕ ዝበለ እዩ። ትዕግስቲ ገይርኩም ክተንብብዎ እምሕጸን። ውልቀ ዜናታት ወይ ፍጻመታት ኣይኮንኩን ክዝርዝር። እንታይ ደኣ፡ ነቶም ነንብቦምን ንሰምዖምን ውልቀ-ፍጻመታት ዘተኣሳስርን ዝጠናንግን ኣምራትን ድሕረ-ባይታን እየ ከንጽፍ ዝፍትን ዘለኹ። ንኣብነት ንሎሚ ብዛዕባ ዲፕሎማሲ ኢና ክነንብብ። ግን ቅሩብ ድሕረ-ባይታን ነቲ ዓውደ ስራሕ ዝገልጹ ኣምራትን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ባህርያዊ ምውስሳብን እንተዘይተረዲእና፡ ውልቀ ዜናታትን ፍጻመታትን ፈሊና ብምርኣይ ጥራይ ናብ ጉጉይ መደምደምታ ኢና ነምርሕ። ኣነ በዓል ስልጣን ኣይኮንኩን፡ ኣፈኛ መንግስቲ እውን ኣይኮንኩን። ስለ’ዚ፡ ንዝመጸኒ ኣብ ዝተወሰነ ጉዳያት ዘተኮረ ሕቶታት ክምልስ ኣይክእልን። ግን ሓፈሻዊ ንባብ ከቕርብ እኽእል እየ። ክሉ ዝብሎን ዝጽሕፎን ድማ ካብ ናተይ ርድኢትን ንባብን ዝተበገሰ እዩ*። ፍጹም ቅኑዕ እየ ኣይብልን። ግን ኮነ ኢለ ንሰባት ከጋጊ ኢለ ኣይብገስን እየ። እዚ ጽሑፍ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ዝሓቖፈ እዩ። እቲ ቀዳማይ ከም መእተዊ ዝከውን ንድሕረ-ባይታ ዲፕሎማሲ ዝገልጽ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ኣወዓዕልኡ (application) ዘተኩር ከም ዝማቑ ነጥብታት ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ክፋል ምስ ዲፕሎማሲ ኤርትራ ተዛሚዱ ቀሪቡ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ እቶም ነዊሕ ጽሑፍ ክተንብቡ ትዕግስቲ ዝውሕደኩም፡ ተዓሚትኩም ናብ ካልኣይ ክፋል ዝለሉ። ንሱስ ሓቦ ገይርኩም ትውድእዎ ትኾኑ። እንሓንሳብሲ ብነዊሕ ገይረ ክቐጽዓኩም እምበር!! ከም ወትሩ፡ ርኢቶታኩም የንብብ እየ። ብዝተፈላለየ መልከዓት እጥቀመሉ እውን እየ። ስነ-ስርዓትን ኣኽብሮትን ክሳብ ዘለዎ፡ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ብዘየገድስ የኽብሮ እየ። ተሰማሚዕና ክንከውን ተስፋ እገብር። እሞ፡ ንኺድ’ዶ?
* ምንጭታት ናይ’ዚ ጽሑፍ ዝተፈላለዩ ንባባት እዮም። ኣብዚ ምጥቀዖም ትርጉም የብሉን። ምክንያቱ፡ ኣመት ናይ’ዚ ጽሑፍ ንሓፈሻዊ ንባብ እምበር ምርምራዊ ስራሕ ንምቕራብ ኣይኮነን። እንተደኣ ዝያዳ ክተንብቡ ደሊኹም፡ ቀንዲ ቃላት (key words) ተጠቒምኩም ብቀሊሉ ክትረክብዎ ትኽእሉ ኢኽም። ሰናይ ንባብ።
I- ሓጺር ድሕረ-ባይታ ዲፕሎማስያዊ ዓውደ-ስራሕ
ዲፕሎማሲ ዝብል ቃል ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ርክባትን ዝመሓደረሉ ወይ ዝመቓራሓሉ ስነፍልጠትን ጥበብን እዩ። ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ጥዑይን ሃናጽን ዝምድናታት ክዕንብብን ንዝፍጠሩ ጸገማት ድማ ብሰላምን ብምርድዳእን ንምፍተሖም ዝካየድ ሰላማዊ በይነ-መንግስታዊ ጽምዶታት፡ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ሓባራዊ ድሕነት (international collective security) ንምውሓስ ብእኩብ ዝግበር ጻዕርታት ይምልከት። ዕላምኡ ድማ ኣህጉራዊ ሰላምን ምትሕግጋዝን ከም ዝዓቢ ምግባር እዩ። ኣብዚ ዓውደ ስራሕ ዝዋፈሩ ድማ ዲፕሎማሰኛታት ይበሃሉ።
ዲፕሎማሰኛታት፡ ስምን ምስልን ሃገሮም ብምጉላሕ፡ ስነፍልጠትን ምርምርን ተክኖሎጅን ቁጠባዊ ወፍርታትን ሓገዛትን ናብ ሃገሮም ከም ዘብሉ ይገብሩ። ዞባውን ኣህጉራውን ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር እጃም ናይተን ዝውክልወን ሃገራት ከም ዝብርኽ ይገብሩ። ከምኡ እውን ኣብተን ተወኪሎምለን ዘለዉ ሃገራት ዝነብሩ ዜጋታቶም መሰላቶም መታን ክወሓስ ይሰርሑን ሕጋውን ቆንሱላውን ኣገልግሎታትን ይህቡን።
ሓጺር ክልሰ-ሓሳባዊ መንጸፍ ብዛዕባ ዲፕሎማሲ
ወዲ ሰብ ብጉጅለታት ክንቀሳቐስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዲፕሎማሲ መጓዕዝቱ ኮይኑ ጸኒሑ። ጉጅለታትን ሕ/ሰባትን ብጥቕምታትን ከይጋጨዋን ናብ ጎንጽታት ከየምርሓን ናይ ግድን ኣብ መንጎአን ርክባትን ዘተን ክህሉ ነይርዎ።
ከምቲ ናይ 17 ክ/ዘመን እንግሊዛዊ ፈላስፋ ቶማስ ሆብስ (Thomas Hobbes) ዝበሎ ባህሪ ክሉ ግዜ ኣብ ግርጭት እያ ትነብር። ከም ውጽኢት ባህሪ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ዝፍጠር ካብ ግርጭትን ኲናትን ኣዕሪፉ ኣይፈልጥን ኢሉ ይትንትን። ነታ “ ሰብ ንዘይፈልጦ ካልእ ሰብ ታኹላ እዩ” ትብል ፍልጥቲ ምስላ ላቲን (Homo homini lupus) ከም መበገሲ ገይሩ፡ ሰባት ኣብ ናይ ቀረባ ኣዝማዶምን መናብርትን ከም መላእኽቲ እዮም፡ ብጉጅለታት ግን (ከም ቀቢላ፡ ዓዲ፡ ሃገር…) ምስ ዝጠማመቱ ግን ናብ ኣዛብእ ከም ዝቕየሩ ጽሒፉ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ፈላስፋታትን ተከተልትን ክውንነታዊ ርእዮተ-ዓለም (Realism)፡ እዛ እንነብረላ ዓለም ብቕልጽምካ ኢኻ መሰልካን ናጽነትካን ልኡላውነትካን ሓሊኻ ክትነብረላ እትኽእል ኢሎም ይምህሩ። እቶም ቀዳሞት ፈላስፋታት ክውንነት (classical realism)፡ ሰብ ብፍጥረቱ ስሱዕ እዩ። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ይኹን ሃገራት ዝረአ ቅርቁስ ድማ ካብዚ ባህሪ ናይ ወዲ-ሰብ ዝፈለቐ እዩ ዝብል እምነት እዮም ዘሳስዩ። ንኩሉ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ርክባት ብመልክዕ ስስዐን ኣንነትን ዘይዓግብ ጥሙሓት ወዲ-ሰብ፡ ማለት ወዲ ሰብ ካብቲ ንኻልኦት ንምዕማጽን ምጉባጥን ምንብርካኽን ዘለዎ ባህርያዊ ወይ እንስሳዊ ፍጥረት ዝብገስ እዩ ይብሉ።
ድሒሮም ዝመጹ ፈላስፋታት ሓድሽ ክውንነት ((Neorealism) ግን ኣህጉራዊ ዝምድናታት ካብ እንስሳውነት ወጺኡ ክግለጽ ይከኣል ብምባል፡ ስነ-ፍልጠታዊ ቅርጺ ከትህዝዎ ፈቲኖም። ንመሰረታት ኣህጉራዊ መተከላትን ዘቑምዎም ባእታታትን ዝገዝእዎም ሕግታትን ብምልላይ፡ ልክዕ ከም ፊዚክስን ከሚስትሪን ቁጽርን ብሞደላትን ቁጽራዊ-ሕግታትን (Formulae) ክገልጽዎም ፈቲኖም። ዝምድናታት ሃገራት ድማ እቲ ጥረ ፍጥረታዊ ዝኾነ ስምዒታት ወዲ-ሰብ ዘይኮነስ ብቅርጽን ብኣካልን ክግለጹ ዝኽእሉ ክዛመዱን ክፈላለዩን፡ ክተኣሳሰሩን ክፋትሑን፡ ክጻመዱን ክበታተኹን ዝኽእሉ ሕግታትን መተከላትን እዮም ዝመርሕዎ ኢሎም። ነዚ ካብ ናይ ቀደም ክውንነታዊ ርእዮተ-ዓለም (classical Realism) ዝፈለቀ ናይ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ፍልስፍና ድማ ቅርጻዊ ክውንነት (Structural realism) ኢሎም የጎሳጉሱሉ ኣለዉ።
ቅርጻዊ ክውንነት፡ ልኡላውነት ሃገራት ማኦረ ምዃኑ የስምር። ልዕሊ ልኡላውነት ሃገራት ዝቕመጥ ሓይሊ (power) ወይ ድማ ዳኛ የለን ይብል። ሃገራት ልኡላውነተትን ክሕልዋ ናይ ገዛእ ርእሰን ሓላፍነት እዩ ይብል። ኩሉ እቲ ኣብ ዓለምና ዝግበር ሓጎጽጎጽ ድማ ካብዚ መትከል እዚ ዝብገስ እዩ፡ ምኽንያቱ ሃገራት ዝረድአን ሓይሊ ካብ ዘይሃለወ ህላወአን ንምርግጋጽ ሓይለን ከዕብያ እየን ወይ ድማ ምስ ሓያላት ክጽገዓ እየን ኢሎም ይኣምኑ።
እዚ ኩነት እዚ ድማ ተማእዛዝነት ዘይብሉ ሃዋሁ (Anarchy) ይፈጥር። ኣብ መንጎ ሃገራት ምትእምማን ኣይህሉን። ኣብዚ ሓይሊ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝተዘርገሓሉ ኩነት (decentralized ዝኾነሉ)፡ ባህሪ ወይ ድማ ታሪኽ ዓዲልወን ዓንተር ኮይነን ዝወጻ ሃገራት ክህልዋ እየን። ኣብ ዓለምና ሰላም ክርከብ እንተኮይኑ፡ ዓለምና ንምምራሕ ኣብ መንጎ እዘን ሓያላት ሃገራት ስምምዓት ክግበር ኣለዎ። በዚ መሰረት ጎስጎስቲ ወይ ድማ ፈሊጣን ናይ’ዚ ሓድሽ ፍልስፍና፡ ኣብ ዓለምና ሓደ ቁጽራዊ፡ ክልተ ቁጽራዊ ወይ ድማ ብዝሐ ቁጽራዊ (Uni-polar, Bipolar, Multi-polar) መሪሕነት እዩ ክህሉ ዝኽእል ኢሎም ይኣምኑ።
በዚ መሰረት፡ ሃገራት ረብሐአን ንምሕላው ኣብ ዝገብረኦ ምንቅስቃስ፡ ነተን ዓበይቲ መሓዙት ከየቐይማ እንሓንሳብ ንሓቂ ዓሚጸንን ንፍትሒ ረጊጸንን ኣንጻር ሕልናአን መርገጺታት ይወስዳ። እዚ መስርሕ እዚ ድማ ኣብ መንጎ እተን ንዓለምና ዝመርሓ ሓያላት ሃገራት ሚዛን ሓይሊ ሓልዩ (balance of power) ከምዝኸይድ ይገብር ይብሉ። ምኽንያስቱ ወላ’ኳ ብደረጃ መትከል ሃገራት ማዕረ ልኡላውነት ኣለወን ይበሃል እምበር፡ ኣብ ትግባረ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ዓለማዊ ዳኛ ስለዘየለ ሕሳበን ክገብራ ኣለወን። ንቆላሕታ ሓያላት ሃገራት ክወዳደራ ኣለወን።
ኣባላት ሕቡራት ሃገራት፡ ማዕረ ናጽነት ኣለወን ይበሃል፡ እቲ ውድብ ብከመይ ከም ዝጥምዘዝ ግን ክሉ ግዜ ንርእዮ ኢና። በዓል መን እየን እተን ዓንተራት፡ ኣብ ኢፍትሓዊ ጉዳይ ክደፍኣኻ እምቢ እንተ ኢልካ ዝመጽእ መዘዝ ከ ከመይ ይመስል ክሉ ግዜ ንርእዮ ስለዝኾነ ክሓልፎ እየ። ውጽኢት ናይ’ዚ ጸወታ ኤርትራ ኣጸቢቓ ርእያቶ እያ። ግዳዩ እውን ኮይና እያ።
ሓጺር መእተዊ ዘማናዊ ዲፕሎማሲ
ዘመናዊ ስራሓት ዲፕሎማሲ ምስቲ ብ1648 ነቲ ንኤውሮጳ ሸሚሙ ዝነበረ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደ ውግኣት ንምዕራፍ ዝተገብረ ብስምምዕ ሰላም ዌስትፌልያ (Peace of Westphalia) ዝፍለጥ ዝርርባትን እቲ ዘተ ዘውጸኦም ውሳነታትን እዩ ዝጅምር ይብሉ ምሁራት እዚ ዓውደ-ፍልጠት።
ከም ዝፍለጥ፡ ኤውሮጳ ኣብቲ ዘመናት እቲ፡ ሃይማኖታውን ግዝኣታውን ግርጭታት ዘሳበቦ ዝተናወሐን ደማውን ኲናት የቃጽላ ነበረ። ህዝባ ከም ሕሱም ተበሳቢሱን ተጨፍጪፉን እዩ። ብሰንኪ ውድድር መሳፍንትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክትግምቶ ዘጸግም ንሳላሳ ዓመታት (ኣብ ገሊኡ እውን ክሳብ ሚእቲ ዓመታት ዝበጽሕ) መከራን ጭፍጨፋን ወዲቕዋ እዩ። ኣብ መወዳእታ ሰዓርን ተሰዓርን ምስ ተሳእነ፡ እቶም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ጉዳያትም ብዘተ ክፈትሕዎ ነዊሕ ዝወሰደ ጉባኤታት ብምክያድ ነቲ ጽሉል ህውከት ገደብ ክገብሩሉ ክኢሎም። በዚ ከኣ ኣብ ኤውሮጳን ከምኡ እውን ኣብ ዓለምና ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክነግስ ጀሚሩ። እዚ ኣብ ወስትፊልያ (ሓደ ሰፊሕ ዞባ ናይ ጀርመን እዩ) ዝተገብረ ስምምዓት ድማ ከም እምነ-ኩርናዕ ዘመናዊ ዲፕሎማሲ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ የገልግል ኣሎ።
መሰረታዊ መተከላት ስምምዓት ወስትፊልያ ንልኡላውነት ምኽባር ዝብል እዩ። ነብሰ ወከፍ መስፍን ወይ ልዑል ተቖጻጺርዎ ዝነበረ መሬትን ኣብኡ ዝነብር ህዝብን ባህርያዊ ጸጋታትን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ክኸውን፡ ሃይማኖት ናይቲ ዝነብረሉ ግዝኣት ክኽበረሉ፡ ዝምድናታት ናይተን ግዝኣታት ድማ ኣብ ምኽባር ልኡላውነትን ዝተመስረተ ክኸውን፡ ኣብ ልኡላዊ ጉዳያት ካልኦት ኢድ ዘይምእታው—ወዘተ ዝብሉ ካብቶም ፍሩያት ኣርእስታት እዮም። ብተወሳኺ ገለገለ ናይ መሬት ግዝኣታዊ ትሕጃታት ምትዕርራይ ተገይርሎም። ምስ ጳጳስ ሮማ ዝነበረ ዝምድናታት እውን ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዓት ከም ዝድረትን ዝንጸርን ተገይሩ።
ልኡላውነት (sovereignty) ምስ ሃገረ-መንግስቲ (state) ወይ ምስ ፖለቲካዊ ኣሃዱ (polity) ተተሓሒዙ ይኸይድ። ልኡላውነት ማለት ኣብ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ክልል ዝህሉ ዝለዓለ ስልጣን ማለት እዩ። እቲ ዝለዓለ ቅርጺ ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፖለቲካውያን ኣሃዱታት ወይ ምትእኽኻባት ድማ ሃገርነት እዩ። ስለ’ዚ፡ ካብዚ ንታሕቲ ብዛዕባ ልኡላውነት ኣብ ዝዛረበሉ፡ ብዛዕባ ናጻ ሃገራት እዛረብ ከምዘለኹ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ እምነ-ሰረቱ ልኡላውነት ዝገበረ ናይ 1648 ስምምዓት ሰላም ወስትፌልያ ዘቐመጦ ውሳነታት፡ ኣብ ዓውደ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ንዝሓለፉ ዘመናት ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ወይ መንግስታት ዝግበር ርክባትን ምትእስሳርን ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ግርጭታት ኣብ ምዕራፍ ከም መወከስን ጉዝጓዝን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ።
እቲ ኣብ ልኡላውነት ዝተሰረተ መበገሲ ሓሳብ፡ ሃገራት ወይ ሃገረ-መንግስታት (states) ዕድለን ኣብ ምውሳን ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለወን የሰምር። ዶበን ይኹን ውሽጣዊ ውራየን ከይርበሽ ከምኡ እውን ዘቤታዊ ጉዳየን ኣብ ምስልሳል ይኹን ምስ ዝደለይኦ ወገን (መሰል ካልኦት ሃገራት ክሳብ ዘይጠሓሳ) ርክባትን ዝምድናታትን ክምስርታ መሰለን ምዃኑ ይኣምን። ልዕሊ ሃገር ወይ ሃገረ-መንግስቲ ስልጣን ዘለዎ ወገን የለን (anarchy) ዝብል ኣምር ከም ቀያዲ መትከል ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ። ይኹን እምበር፡ እዚ ሰረተ-እምነት እዚ ብደሆታት ክገጥምዎ ጸኒሖም እዮም።
ብቀዳምነት እቲ መንግስትነት ወይ ሃገር ወይ ሃገረ-መንግስቲ ዝብል ኣምር ንገዛእ ርእሱ እናማዕበለ መጺኡ። ስምምዓት ወስትፊልያ ንውሱን ከባብን ኣብ ዝተወሰነ መዋእል ንዝነበረ ግርጭታት ንምዕራፍ ተባሂሉ እዩ ተፈሪሙ። ንገዛእ ርእሳ ኤውሮጳ ብኢንዳስትርያዊ ሰውራን ዘመነ ምንቅቓሕን (enlightenment) ካብ መስፍንነት ናብ ር/ማልነት፡ ማለት ካብ ኣዝዩ ውሱን ኣብ ሕርሻን ንኡስ ኢደ-ስርሓትን ዝተመርኮሰ ቁጠባ ናብ ስይንስን ፍልጠትን ጃምላዊ ኣፍራይነትን (mass production) ተሰጋጊሩ። ኣብ ርእዮተ-ዓለማውን ፍልስፍናውን መዳያት እውን ካብ ዶግማዊ ትንተና (ኣብ ሃይማኖታዊ መምርሒታት ጥራይ ዝተመርኮሰ ነቃጽ ፍርድታትን ኣገላልጻን) ናብ ምርምርን ምኽንያታውነትን (reason/rationality) ዝተመርኮሰ ባህሊ ክዕንብብ ባብ ዝተራሕወሉ መድረኻት ስዒቡ። ብኡ መጠን ድማ ኣምር ሃገርነት እናሰፍሐ መጺኡ። ዶባት እውን ገለ-ገለ ምምሕያሻት ክገብሩ ጀሚሮም። ቀደም ኣብ ትሕቲ ፍጹም ልኡላዊ ግዝኣት ናይ ገሊአን ሃገረ-መንግስታት ዝነበሩ ኣህዛብ ብዛዕባ መሰል-ርእሰ ውሳነ ክሓቱ ጀመሩ። እቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዝነበረ ኢንዱስትርያዊ መሳንዕ ጥረ ነገራትን ሕሱር ጉልበትን ዕዳጋታትን ክጠልብ ጀሚሩ። እዚ ድማ ብግደኡ ሃገራት ናብ እንዳ እማተን ከቋምታ ደሪኽወን። እቲ ኣብ ልኡላውነት ሃገራትን ግዝኣታትን ዝተሰረተ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣስፋሕፋሒ ጥሙሓት ክብድህዎ ጀሚሮም። ህዝብታት ኤስያን ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ግዳይ ናይ’ዚ ሸውሃቱ ዘይዓግብ እምብርያጦርያዊ ምስፍሕፋሕ ኮይኖም።
[እምብርያጦርያ (empire) ንሓደ ብፍጹም ልኡላውነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣካል ዝመሓደር ሰፊሕ ክፋላት ዘጠቓልል ግዝኣት እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ብነጋውስ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ስርዓትን ምስፍሕፍሑን ይገልጽ። ንኣብነት እቲ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ክሳብ ኤስያ ዝዝርጋሕ ዝነበረ እምብራጦርያ ብሪጣንያ ጸሓይ ዘይተዓርበሉ ግዝኣት ተባሂሉ ይውረየሉ ነይሩ]
II- ጽማቑ ነጥብታት
1- ዲፕሎማሲ ወይ ድማ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ቀንዲ ሰረተ-እምነቱ ልኡላውነት ምኽባርን ምድራዕን ምዃኑ
2- ሃገራት ከም ኣገዳሲ ሃገራዊ ረብሓ (vital national interests) ዝብልዎም ጉዳያት ኣለዎም። ኣገደስቲ ሃገራዊ ረብሓታት ዝበሃሉ፡ ሓንቲ ሃገር ናጽነታትን ልኡላውነታን ናይ ዕብየት መደባን ዓቂባ ክትጓዓዝ ዘኽእልዋ ረቋሒታት እዮም። ብጸጥታውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን መልክዓት ክግለጹ ይኽእሉ።
3- እንሓንሰብ እቶም ኣገደስቲ ሃገራዊ ረብሓታት ናይ ሃገራት ይጋጨዉ ወይ ድማ ኣሻመውቲ ይኾኑ እሞ ነተን ሃገራት ናብ ኲናት ከምርሑወን ይረኣዩ።
4- ልዕለ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኾነ ኣህጉራዊ ሓይሊ ወይ ዳኛ የለን። እዚ ሰረተ እምነት’ዚ ከም ዳኛ-ኣልቦ ዓለም (anarchism) ይግለጽ።
5. ስለ’ዚ ድማ ተወሪረን ዝሕግዘን ወይ ከኣ ከም ኣቦ ኮይኑ ነቲ ወራሪ ዝቐጽዕ ሓይሊ ወይ ልዕለ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝኾነ ዳኛ ስለዘየለ ሃገራት ኣብዛ ዓለምና ሕሳበን ገይረን ይካየዳ። ብተወሳኺ ድማ፡ ወላ እተን መሓዙት ዝብለአን ሃገራት ብዛዕበአን እንታይ ይኣልማ ከምዘለዋ ስለዘይፈልጣ፡ ክሉ ግዜ ናይ ምክልኻል ትህጃታት ገይረን ይኸዳ ( plan A, B, C…)። ብእዋኑ፡ ነተን ናይ ምትሕግጋዝ መሓዙተን ከምኡ እውን ከም ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ስግኣት ዝቁጸራአን ተቐናቐንቲ ሃገራት ብደረጃታት ይሰርዓ። ኣየኖት ሃገራት እየን ከም ናይ ቀረባ ወይ ርሑቕ መሓዙት ወይ ስግኣት ክኾና ይኽእላ ኢለን ይግምግማን ይግምታን ማለት እዩ። ናይ ወጻኢ ዝምድናታተን ኣብዚ መሪሕ-መደብ ዕዮ ዝተመስረተ እዩ። ዝምድናታት ሃገራት ክሉ ግዜ ተጸላላውን ተቐያያርን ማዕባልን እዩ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝተራእየ፡ ደረጃታት ጎብለልነት ናይ ዓለም ክቀያየር ተራእዩ እዩ። ብተወሳኺ፡ ተፋተውቲ ዝነበራ ክበእሳ፡ ከምኡ እውን ተጻላእቲ ዝነበራ ክተዓረቓ ንቡር እዩ። ብኸምኡ ከኣ እዩ ዝመስል ሓደ ግዜ እንግሊዛዊ ፖለቲካኛ ዝነበረ ጆን ሀንሪ ተምፕል (John Henry Temple)፣ “ኣብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ቀዋሚ ጸላኢ ወይ ቀዋሚ ፈታዊ የለን። ቀዋሚ ረብሓታት ጥራይ እዩ ዘሎ” ኢሉ ዝነበረ።
6- ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ዓለምና ዳግማይ ብኻልእ ቀዛፊ ኲናት ከይትሕመስ ብዝብል ምስምስ ብኣመሪካ ዝተሃንደሰ “ሓድሽ ስርዓተ-ዓለም” ነቲ ክላሲካዊ ኣተሓሳስባ ናይ ኣብ ልኡላውነት ዝተሰረተ ኣህጉራዊ ስርዓተ ዝምድናታት ክብድህ ክኢሉ። ኣመሪካ ነዚ እማመ ዘቕረበት ዓንኬል ጽልዋኣ ንምስፋሕ ምንባሩ ድሒሩ ተረጋጊጹ እዩ። ነቲ እማመ ኣብ ግብሪ ከውዕል ተባሂሉ፡ ማለት ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ክሕሉ ብምባል ዝጠፍጠፈቶ ማሕበር ሃገራት (League of Nations) ጎበጣ ሓያላትን ካልእ ዝኸፍአ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ከውግድ ኣይከኣለን።
7- ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ እቲ ኣብ መንጎ ማሕበርነታውን ሃጸያውን ደምበታት ዝነበረ ምትፍናን ነቲ ድሕረ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሰዓበ ብዝሑል ኲናት ዝፍለጥ መድረኽ ንኣህጉራዊ ዝምድናታት ብኣሉታ ጸልይዎ እዩ። ልኡላውነት ሃገራት ዝብል ኣምርን ርድኢትን ምስቲ ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምሕላው ተባሂሉ ዝተኣታቶ ዝነበረ ኣልያታት (mechanisms) ክጋጮ ጀሚሩ። ልዕለ ሃገራት ስልጣን ዝገበታ ውድባት (supranational organizations) ዓንቢበን። ማሕበር ሃገራት ብውድብ ሕቡራት ሃገራት (UN) ተተኪኡ። ካልኦት ከም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ናቶ (NATO)፡ ስምምዕ ዋርሳው (Warsaw Pact)፡ ናይ ላቲንን ካሪብያንን ምትእኽኻብ ዝኣመሰላ ክ/ዓለማዊ መጋባእያታት እውን ስዒቡ።
8 – ካልኦት ልዕለ ሃገራዊ ልኡላውነት ሓይልን ርኢቶን ዘለወን ንቑጠባዊ መዳይ ዝቆጻጸራ ባንክታትን ዓለማዊ ፊናንሳዊ ማእከላትን፡ ከም ባንክ ዓለምን ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብን…ወዘተ፡ ከምኡ እውን ብስም ሰብኣዊ መሰላት ዝቖሙ ኣካላት ጠጢዖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ዓለማዊ ቤትፍርዲ ዝበሃል እውን ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ክ/ዘመን ተመስሪቱ ኣሎ።
እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ኣብ ፍትሓውን ኢሻራውን መተከላትን ኣሰራርሓን ተመርኲሶም፡ ይዕበ ይንኣስ፡ ንኹሉ ብፍትሓዊ ኣገባብ ኣገልግሎት ዝህቡ እንተ ዝኾኑ ኣይምተጸልኡን። እንተኾነ ግን፡ ነቲ ሓድሽ እምብራያጦርያዊ ምስፍሕፋሕ ከም መሳርሒ ኮይኖም ከገልግሉ ስለዝጸንሑ ንረብሓታት ሓያላን ኣብ ምክልካል እምበር ረብሓታት ድኹማትን ንኡሳትን ሕ/ሰባት ይኹን ሃገራት ክሕልዉ ኣይተራእዩን። እዞም ምትእኽኻባት እዚኦም ነቲ ካርል ቮን ክሎውስዊዝ ዘስመረሉ “ኲናት ብኻልእ ኣገባብ ዝካየድ ፖለቲካ እዩ” (War is politics by another means) ዝብል ሓሳብ ክዉን ክገብሩ እዮም ተራእዮም። ኣህጉራዊ ሰላምን ጸጥታን ንምኽባር ብዝብል ምስምስ ሓያላት ሃገራት ነዘን ውድባት እዚአን ከም መሳርሒ ተጠቒመን ንልኡላውነት ሃገራት ግሂሰን፣ መንግስታት ገልቢጠንን መሰል ህዝብታት ዓምጺጾንን እየን። ብተወሳኺ፡ ልኡላውነት ከም ሽፋን መጨፍለቒ ክኸውን የብሉን፡ ነቶም ንህዝብታቶም ዘበሳብሱ ስርዓታት ክእለዩ ምትእትታው (intervention) ክግበር ሞራላዊ ግደታ ኣለና ዝብሉ እውን ክስስኑ መጺኦም። ጸገም ናይ’ዚ ሓሳብ ምዕሩይ ወይ ፍትሓዊ ኣተገባብራ ዘይምርካቡ እዩ። ኣዝዮም ዘጸይኑ ስርዓታት ብኣመሪካ ክድገፉን ምክልኻል ክግበረሎም ጸኒሖም እዮም (ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዛየር…) ከም ኣብነት ክውሰዱ ይኽእሉ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ፍልስጤምን ክኽተልዎ ዝጸንሑ ድርብ ዕያራት (double standard) እውን ናይ ቀረባ ኣብነት እዩ። ኣብ ልኡላውነት ዝግበር ምትእትታው ክሉ ግዜ ኣብተን ምስ ናይ ወጻኢ ሜላ ሓያላት ሃገራት ዘይሰማምዑ ስርዓታት ዝተወሰነ (selective application) ኮይኑ ጸኒሑ።
9- ምስ ምፍራስ ሕብረት ሶቬት፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ብፖሊሲታት ኣመሪካ እዩ ተባሒቱ ጸኒሑ። ኣመሪካ እታ እንኮ ሓያል ኮይና ነዘን ዝሓለፋ ሳላሳ ዓመታት ንዓለምና ጋሊባትሉ እያ። ሕጂ ግን ተወዳደርቲ እና ተቐልቐሉ እዮም። ሩስያ ቦታ ሕብረት ሶቬት ብምትካእ ብፍላይ ብወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ከም ቀንዲ ተቐናቓኒት ኮይና መጺኣ ኣላ። ቻይና እውን ንሩስያ ተኪኣ ከም ኣውራ ተቐናቓኒት ኣመሪካ ኮይና፡ ኣብ መወዳእታ እውን ኣብ ቀረባ መጻኢ፡ ብቁጠባ ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ እያ ዝብል ካብ ውድዓዊ ገምጋማት ዘይርሕቕ ኣመታት ኣሎ። ዲፕሎማሲ ድማ ከም ነጸብራቕ ቁጠባን ወተሃደራዊ ሓይልን ስለዝኸውን፡ ወላ እኳ ናይ ኣመሪካ ቦታ ብቐሊሉ ዝትካእ እንተዘይኮነ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ክ/ዘመን ቻይና መራሒት ዓለም ኮይና ንኣመሪካ ክትወዳደራ ወይ ክትድረባ እያ ዝብል ርድኢት እዩ ዘሎ። ምናልባት እውን ብርጉጽነት ንምቕማጡ ደኣ የሸግር እምበር፡ ቻይና ንኣመሪካ ተኪኣ እንኮ መራሒት ዘይትኾነሉ ምኽንያት የለን ንምባል ዝደፋፍእና ምዕባለታት ኢና ንርኢ ዘለና።
10- ኤርትራ ግዳይ ናይ’ዚ ኣስፋሕፋሒ ጥሙሓት ኮይና ጸኒሓ። ንረብሓ ሓያላት ሃገራት ተባሂሉ ምስ ኢትዮጵያ ተቖሪና፡ ንረብሓ ሓያላት ተባሂሉ ሃይለስላሰ ነቲ ፈደራላዊ ስምምዕ ብሓይሊ ከፍርሶ ከሎ ብሕም እውን ክብሉ ኣይከኣሉን (ብኣንጻሩ’ኳ ናይ “እንቋዕ ኣሓጎሰካ” መንፈስ እዩ ነይሩ)። ንረብሓ ሓያላት ተባሂሉ ወራሪ ወያነ ኣብ ልዕሊ ናጽነትናን ልኡላውነትናን ኲናት ክኸውፍት ከሎ መግትኢ ዘይተገብረሉ። ንረብሓ ሓያላት ተባሂሉ እዩ ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ኣክንዲ ንምትግባሮም ጸቕጢ ዝግበር፡ ብኣንጻሩ ንወያነ ከም መሳርሒ ብምጥቃም ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝኣክል ከም ገንሸል ቆጺሮም ኣጸጊዖማ ጸኒሖም።
11. ዲፕሎማስያዊ ታሪክ ኤርትራ ካብ ኣርበዓታት እዩ ዝጅምር። ቀዳሞት ሓርበኛታት ኣቦታትና፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ክወሃቦ ጽዒሮምን ብሂወቶም ዋጋ ከፊሎምሉን እዮም። ንኣብነት እኳ እቲ ቀዳማይ ስዉእ ኤርትራ ሼክ ዓብደልቃድር ከቢረ ጥርዓን ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሕቡራት ሃገራት ከብጽሕ ክኸይድ እናተዳለወ እዩ ብዕሱባት ንጉስ ሃይለስላሰ ተቐንጺሉ። ካልኦት ኣቦታት ከም ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን ዝከኣሎም ገይሮም። ምስ ምምስራት ሰውራ ኤርትራ፡ ወላ’ኳ ዝንቀፍ ጎድንታት ይሃልዎ፡ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት፡ ጉዳይ ኤርትራ ምስ ኣብ ኣከባቢና ዘለዋ ሃገራት ንምልላይን ደገፈን ንምርካብን ጽዑቕ ስራሕ እዩ ተኻዪዱ። ስዉእ ተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ሃንዳስን ኣላይን ናይ’ዚ ጀማሪ ዲፕሎማሲ ሰውራ ኤርትራ እዩ ነይሩ።
ህግሓኤ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ብዕቱብነት ሒዝዎ። ግን መጀመርታ ገለ ምትዕርራይ ክገብር ነይርዎ። ብቀዳምነት መንነትን እንታይነትን ህዝቢ ኤርትራን ቃልሱን ምንጻር እዩ ነይሩ። ብኻልእ ደረጃ ድማ ክሕግዙ ዝደልዩ ወገናት ነዚ ተረዲኦም ጥራይ ክሕግዙ። ብሳልሳይ ደረጃ፡ ህግሓኤ ናጻ ፖለቲካዊ ሕርያ ዝነበሮ ውድብ ምዃኑ ምንጻርን ኢድ-ኣእታውነት ምቅዋምን ምንጻግን። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ብ1971 ዝተጻሕፈ “ንሕናን ዕላማናን” ዝብል ማነፈስቶ ብሰፊሑ ተገሊጹ እዩ። በብግዚኡ እውን ኣብ ኣዋጃትን መግለጺታትን እቲ ውድብ ይንጸር ነይሩ። ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ከምዚ ኢሉ ነይሩ፣ “ ንሕና ንሕና ኢና…ኢደቤዛ ካልኦት ኣይኮናን…”። ብራብዓይ ደረጃ፡ ዕድል ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ከም ዝውስኖ ምምጓት። እዚ መትከል እዚ ኣብቲ ብ1978 ኣብ በርሊን ኣብ መንጎ ወከልቲ ደርግን ህግሓኤ ዝተገብረ ርክብ ብብሩህ ቃላት ተነጊርዎም እዩ። ብ1981 ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካይዶ ረፈረንዱም ክግበር’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ብናጻ ድምጺ ክውስን’ሞ ኣቲ ደማዊ ኲናት ብሰላም ክዓርፍ ዝብል እማመ ብህግሓኤ ቀሪቡ ነይሩ። ደርጊ ሽዑ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከጥፈኣ ኢሉ ንሻድሻይ ወራር ይዳሎ ስለዝነበረ ነቲ እማመ ኣይተገደሰሉን።
ይኹን እምበር ህግሓኤ ይኹን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ዓለም ዝያዳ ኣቃልቦ ረኺቡ። ዓለም ናይ በርሊን መርገጺና ከይሰምዓቶ እንተሓሊፋ፡ እቲ ናይ 1981 በዳሂ እማመ ረፈረንዱም ግን ብዓውታን ብዓበይቲ ሚድያታት ዓለምን ስለዝተመሓላለፈ፡ ብዙሓት ግዱሳት ምሁራትን ማሕበራትን ገለ-ገለ ሃገራትን ምስ ጉዳይ ኤርትራ ክላለዩን ክመሓዘዉን ጀሚሮም። ዲፕሎማሰኛታት ህግሓኤን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብናን ንጉዳይ ኤርትራ ካብ መቓብር ኣውጺኦም፡ ወልዊሎምን ኮሊዖምን ወናጨፍዎን ናብ ጫፋት ዓለም ኣበጻጽሕዎን። እቲ ኣብ ሜዳ ዝግበር ዝነበረ ወተሃደራዊ ዓወታት ከኣ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ስራሓት ነዳዲ ይህቦ ነይሩ።
ብ1991፡ ህዝባዊ ሰራዊት ንጉዳይ ኤርትራ ብወተሃደራዊ መገዲ ምስ ፈጸሞ፡ እቲ ጉዳይ መታን ሕጋዊ መከተምታ ክግበረሉ፡ እቲ ህግሓኤ ኣብ 1981 ዝኣመሞ ረፈረንዱም እዩ ብ1993 ተኻዪዱ. ልዕሊ 98.5% ኤርትራውያን ምዝጉባት ዝተሳተፉሉ ብኣዝዩ ዓብላሊ ድማጺ (ልዕሊ99.8%) “እወ ንናጽነት” ኢሉ ኣድሚጹ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንሓዋሩ መከተምታ ተገይሩሉ።
ወላ ድሕሪ ምሕራር ኤርትራ እውን፡ ነዚ ረፈረንዱም ንምክያድ ቀሊል ቃልሲ ኣይኮነን ዝተኻየደ። ብዙሓት ኣባላት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ( ናይ ሽዑ ዋና ጸሓፊ ው-ሕ-ሃ ግብጻዊ ቡጥሮስ ቃሊ ከይተረፈ) ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ሓደገኛ ኣብነት ክኸውን እዩ ብምባል ህዝቢ ኤርትራ ርእሰ-ምምሕዳር ተዋሂብዎ ምስ ኢትዮጵያ ክጸንሕ እዮም ዝጽዕሩ ዝነበሩ።
ኤርትራ ኣብተን ዝቐጸላ 7 ናይ ሰላም ዓመታት፡ ነዚ ሕጂ ትሰርሓሉ ዘላ ዞባዊ ምርግጋእን ምትሕግጋዝን እያ መሰረታት ክተነብር ክትሰርሕ ዝጸንሓት። ካብ ብዙሓት መራሕቲ ሃገርራትን ተመራመርትን እውን ጽቡቕ ስም ረኺባ ነይራ። ክሳብ ወራር ወያነ ዘጋጥም። ድሕሪ እቲ ናይ 1998-2000 ኲናት፡ ኤርትራ ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ክኽበርን ኤርትራ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ክምለሳን እያ ክትጽዕር ጸኒሓ። ሰማዒ ግን ስኢና። ነቲ ኣንጻራ ዝቐንዐ ኣህጉራውን ዞባውን ጸቅጥታት ንምቑጽጻርን ነቲ ውድዓዊ ኲነታት ናብ ረብሓኣ ክትቅይርን ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎን ቃልሲ ኣካዪዳ፡ ክሳብ ብ2018 ሓደ ብሩህ ራእይ ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ።
12- ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላማዊ ጽምዶ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ካንሰር ዞባና ዝነበረ ወያነ ጽልዋኡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ተሓጺሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብፍጹም ንምምካኑ ግዜን ጥበብን ሓቲቱ ኣሎ። ወላ’ኳ በቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘለዎም ፖለቲካ ዝፈላለዩ እንተኾኑ፡ ኤርትራ ኣብ ምንብርካኻን ልእምትን ተላኣኣኺትን ላቔባ ኢትዮጵያ ኣብ ምግባራን ምስ ወያነ ዝተኣሳሰሩን ዝደጋገፉን ጸረ-ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝኾኑ ካልኦት ሓይልታት ኢትዮጵያ እውን ኣለዉ እዮም። ነባሪ ሰላም ዝመጽእ ድማ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ፍጹም ስልጣን ምስ ዝህልዎ ጥራይ እዩ። እዚ ብዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ሰላም ሓይሊ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ኣብ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተዋህቦ ሕጋዊ ስልጣን (legitimacy) ክረክብ ኣለዎ። እቲ ወያነ ጉልባብ ክኾኖ ዝጠፍጠፎ ውድብ ኢህወደግ ድሮ ሃደሽደሽ ኢሉ ኣሎ። ዝቕጽል መድረኽ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላልነት ተዓዊቱ ወይ ድማ ምስ መሻርኽቱ ኮይኖም ዝምስርትዎ መንግስቲ ተመስሪቱ፡ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ናይ ገዛእ ርእሱ ውጥናት ከውጽእን ከተግብርን ዕድል ክህቦ እዩ። ጉዳይ ዶባትን ነባሪ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናርዮ ዝረአ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ነቲ ንደልዮ ዞባዊ ርግኣትን ቁጠባዊ ሕውየትን ከም ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ክሕሰብ ይከኣል። እቲ ነዚ ንምዕዋት ዝግበር ጻዕርታት ድማ ነቲ ኣገዳሲ ሃገራዊ ረብሓታትና (vital national interests) ንምዕቃብን ንምድራዕን ዝግበር ቃልሲ ከም ዝኾነ ክረአ ኣለዎ። እዚ ቃልሲ እዚ ሓድሽ መልክዕ ኲናት እዩ። ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዜናውን ስራሓት ንታንክታትን ሚሳይላትን ተኪኡ ዝካየድ ኲናት እዩ። ዓለምና ናብ ግሎባውነት ኣብ ተምረሓሉ ዘላ እዋን፡ ቁጠባዊ ዕብየትን ምትሕግጋዝን ምርግጋእ ሰላምን ንምምጻእ ዝግበር ልስሉስ ኣካይዳ እዩ ከም ሓድሽ ኲናት ክግለጽ ዝከኣል። ጸላእትና ዝነዝሕዎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ካብዚ ኣይፍለን’ሞ ንንቃሓሉ።
13- ናይ ሱዳንን ሶማልያን ኩነታት ገና ስራሕ ዘድልዮ እዩ። ጉዳይ ኤርትራ ጅቡትን እውን ኣሎ። ቀላሲ ናይ’ዚ ክሉ ግን ምዕዋት ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ። እዚ ክዕወት ድማ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ምርዳእ የድሊ።
14- ምስ ኢትዮጵያን ጎረባብትናን ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ክረአ ኣለዎ።
15- ባህርያት ዲፕሎማሲ ኤርትራ፡ ርጉእን ዘይጃጃውን፡ ንርሑቕ ዝጥምት፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ይኹን ካልእ ኣገዳሲ ሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራ ዘቅድም፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ሰላምን ጸትታን ምርግጋእን ዘተኩር፡ ኩሎም ዝግበሩ ዲፕሎማስያዊ ወፍርታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክረጋገጽ ዝድለ ቁጠባዊ ሕውየትን ምዕባለን ዝድርኹ ኮይኖም ዝተቓነዩ ይመስሉ። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ጦብሎቕሎቕ ዘይምባል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ክኣትዋ ዝፍትና ኣእዳው ድማ ምቕርሳም። ኣብ ዞባና ዝግበር ምሕዝነታት ብጥንቃቀ ምሓዝ (ንኣብነት እቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ኣብ ግብረ-ሽበራ ዘተኮረ ምትእኽኻብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቀይሕ-ባሕርን እንተርኢና፡ ኤርትራ ካብቲ ዝፈረመትሉ ምንቕ ኣይበለትን። ብዙሓት ሃገራት ኣብቲ ኣብ የመን ዝግበር ኲናት ምስ ስዑድያ ኣብ ቅድመ-ግንባር ክስረዓ ከለዋ፡ ኤርትራ “ኣይፋለይን” ኢላ። ካልእ ነቲ ስዑድያ ከም ኣቦን ጎብለልን ናይቲ ምትእኽኻብ ኮይና ክተረኣየሉ እትደሊ መጋብኣያታትን ታዕሊማትን ብዝምልከት፡ ኤርትራ “ኢፋልዬ/የለኹሉን” ኢላ። ይዕበ ይንኣስ፡ ሃብታም ይዂን ድኻ፡ ንልኡላዊ ክብራ ዝትንክፍ “ኢድካ ኣክብ” ትብሎ። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሓደ ስዑድያዊ በዓል ስልጣን ዝተዋህበ መልሲ ሚኒስትሪ ዜና ተመልከት። እዚ ርጉእን ቅዩስን ኣካይዳ ኤርትራ ሓደ ሃገራዊ ባህሪ ወይ ምስሊ (national character) ይነድቕ ኣሎ። እዚ ድማ ንመጻኢ ወለዶታትን መራሕትን ኤርትራ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኤርትራ ትፍለጠሉ መለለዪታት ንዓለም ኮፍ ኣቢልካ ምቕማጥ። ኣብ ዓለምና ገሊአን ሃገራት ብቐሊሉ ብሓያላት ሃገራትን ዓበይቲ ኮርፖረሽናት ዓለምን ዘይምንግስታውያን ውድባትን ዝጥወዩ እዮም። ገሊኦም ድማ ብጉቦ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሸጡ መራሕቲ እዮም—ወዘተ።
ብሓፈሽኡ ዝምድናታት ሃገራት ከባቢና ከም ኣካይዳ ሰኽራም ሰንደልደል ክብል ከሎ፡ እታ ኣብ ዝናወጽ ዲፕሎማስያዊ ባሕሪ ርጉእ ምንስፋፍ ክትገብር ዝጸንሓት መርከብ ዲፕሎማሲ ኤርትራ እያ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ሕጂ’ሞ ከኣ ፍጥነት ወሲኻ ክትጓዓዝ ንርእያ ኣለና። ውጽኢት ናይ’ዚ ኹሉ ጻዕርታት ከኣ ናብ ቑጠባዊ ዕብየትን ዞባዊ ርግኣትን ምትሕግጋዝን ከም ዝትርጎም ኣይጠራጠርን እየ።
ማሕሙድ ሳልሕ
27ጥሪ 2020
==========================