Categories
Uncategorized

ኩላትና ደቀባት

ሓደ ዓርከይ ኣሎ መልእኽትታት ክሰድድ ድቃስ ዝስእን። ዝበዝሕ መልእኽትታቱ መሊሰሉ ኣይፈልጥን ግን ጽንሕ ኢሉ ቁም ነገር ዘለዎን ዘወናውንን መልእኽቲ ይሰደለይ እዩ።

ንሎሚ ሓደ ቅድሚ ዓመታት ዝወጸ ማነፈስቶ ኣመልኪቱ ዝሰደደለይ ሕቶ እየ ክትንክፍ። ቅድሚ ዓመታት፡ ንሓደ ካብ ብሄራትና “እውክል’እየ” ዝብል ጉጅለ ናይ ምንጻል ምፍርራሕ ዝተራእየሉ ማኒፈስቶ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ካብ ኢትዮጵያ እናተበገሰ፡ በብእዋኑ ናይ ቃጽያ ወተሃደራዊ ረጽምታት እውን የካይድ ነይሩ እዩ።እቲ ማነፈስቶ ብዛዕባ መሰል ርእሰ-ውሳነ ናይቲ እውክሎ ዝብሎ ብሄር ዝምልከት እዩ።

እቲ ማኒፈስቶ ክወጽእ ከሎ ኣንቢበዮ ርእይቶይ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዝን ብዛዕባ እቶም ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዘካውስዎን ኣብ ካልእ መርበብ (platform) ጽሒፈ ነይረ።

ሎሚ እውን ብዛዕብኡ ኣይኮንኩን ዘልዕል። እንታይ ደኣ፡ ብዛዕባ ሕመረት ናይ ምጉቶም እየ ከልዕል። እዞም ሰባት፡ ንሕ/ሰባትን ባህሎምን ኣማዓባብለኦምን ዝምድናታቶምን ዘጽንዑ ጸዓዱ ክኢላታትን (anthropologists) ከምኡ እውን ፍሉጣት ጸረ ናጽነት ኤርትራ ዝኾኑ ጸሓፍትን ፖለቲካኛታትን ንቅድሚት ሰሪዖም እዮም ብድሕሪት ገፈፍ እና በሉ ከቋስሉና ጸኒሖም።

ብዝኾነ፡ ቀንዲ ጸላዊ ኮይኑ ዘወናውኖም (inspire ዝገብሮም) ድማ ንምንጻል ሕ/ሰባት ዝደፋፍእ ስነሓሳብ ወያነን እቲ ንዓርሰ-ውሳነ ብሄራት ከውሕስ ተባሂሉ ኣብ ቅዋም ኢትዮጵያ ዝተለቀበ ዓንቀጽ 39 እዩ።

ናብ ዛዕባ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ክምለስ፡ እንታይ ደኣ እዩ እቲ ቀንዲ ሕመረ ናይ ማነፈስተኦም ኢልኩም እንተሓቲትኩም፡ ደቀባትን ዘይደቀባትን ዝብል ከፋፋሊ መበገሲ ሓሳብ (premise) እዩ። ኣገላልጸኦም ካብቲ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ንግዙኣት ህዝብታት ዝጥቀሙሉ ስያመታት ዝፍለ ኣይኮነን። “ንሕና ደቀባት (indigenous) ኢና ብወረርቲ ወይ ብሰፋሮ ንዕመጽ ኣለና” ዝብል እዩ።

ደቀባትን ዘይደቀባትን ዝብል ኣዘራርባ ብመሰረቱ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ዝለዓሉ እምበር፡ ኣብዛ ኩሎም ኤርትራውያን ንነብሰወከፍ ኪሎሜተር ትርብዒት ሓራ ክገብሩ ዝተዋደቑላ ኤርትራስ መን እዩ ወደባት መን ከ እዩ ዘይወደባት? ብታሪኽን ስነ-ሕ/ሰብን እንተወሰድናዮ እውን ኣብዛ ሕ/ሰባት ኤርትራ ንኣሽሓት ዓመታት ዝተቐመጡላ ኤርትራ መን እዮም ደቀባት፡ መን ከ እዮም ዘይደቀባት?

ሕ/ሰባት ኤርትራ ብነዊሕን ተደጋጋምን ምድብላቓት ዝተሃንጸ እዩ። ኩለን ብሄራትን ሃይማኖታትን ዞባታትን ሃገርና ድማ ብማዕረ ንሓርነት ኤርትራ ወፊረን። ስለዝኾነ ድማ፡ ዝኸፈለኦ መስዋእትታት ተመጣጣኒ ቁጽረን እዩ። ንኹሉ ኩርነዓት ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ተዋጊአን፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ድማ ብዘይኣፈላላይ ወዲቐን። ስለ’ዚ፡ እቲ ደቀባት (indigenous) ዘይደቀባት (non indigenous) ዝብል ጫለዳታት (dichotomy) ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሕን እዩ። ኩላትና ደቀባት፡ ነንሕድና ድማ ንሓልን ንደጋገፍን። ወጽዓ እንተርኢና፡ እቲ ውጹዕ ከም ኣባል ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ቆጺርና ብሄሩ ብዘየገድስ ክንማጎተሉ ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ኤርትራ ዘይሰርሕ ኣምራት እናኣምጻእካ ሕማማት ምትእትታው ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ካልኦት ደቀባት ዝኾነ ወገን የለን።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s