ዓመተ 2019 ኣሰር 2018 ብምኽታል ንኤርትራና ቀዳዊት ኮይና ትሓልፍ ኣላ። ከም ሃገርን ህዝብን መጻኢ ጎደና ዕብየትና እናገፍሐን እናበርሀን ክኸይድ ምዃኑ ዝሕብሩ ኣመታት ገዲፋትልና ትዕዘር ኣላ 2019።
2020፡ ዓመት ቁጠባዊ ምሕንባብ፡ ዓመት ሰላምን ዕርቅን፡ ዓመት ምክእኣልን ምጽውዋርን ክትከውን እምነ። ብኣብለጭለጭቲ ጭርሖታትን ኣስማትን ብነኣሽቱ ጫለዳታትን ምዩቕዩቕ ከይበልና ኣብቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ስእሊ ክንዓስል ይግባእ። ካብቲ ዝፈላልየና እቲ ዘራኽበና ይበዝሕ። ካብቲ ዝፈናጥሓና እቲ ዝጠምረና ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣፋትል ይሕይል። ዝመራመርን ዝዛተን ዝጋባእን ባህሊ ንኾስኩስ።
ብፍላይ ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያ፡ እንታይ ክንብልን እንታይ ክንዝትን ዝመምዩ ሓለውቲ መዓጾታት ኣይንደልን። ከም ዜጋታት ሃናጽን ነቓፍን ባህሊ ክነማዕብል ንሃገራዊ ዕብየትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
Regarding our activities in social media, we shouldn’t entertain the presence of self-appointed censors and dubious gatekeepers to tell us what to say and how to say it.
ሓዳስ ዓመት ሰላምን ብልጽግና ክትኮነልና እናተመነኹ፡ ብፍላይ መንእሰያትና፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝግበር ዘሎ ክሉ ጎድናዊ ዳግመ ህንጻዊ ጻዕርታት ዝድርኽ ኣበርክቶ እንዳገበርኩም፡ ሓድነትኩም ኣትሪርኩም ነቲ ኣወንታዊ ዝኾነ ኤርትራዊ ባህርያት ብዝያዳ ክትክልዑ ሓደራ።
ኣብሽር፡ ኣርሕብ፡ ተፈደል፡ ሰጉም…
ብሓባር ኣለና