ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ካብ ተሸላሚ ኖበል ናብ ዋና ኖበል ዝኾነ ሃገርን ህዝብን
ብመጀመርታ ግን፡ ቅሩብ መዛረቢ ዛዕባ ረኺቦም ጀማዓትና። እምበር ዓመተ 2019 መቃደውቶም ከይኮነት ሓሊፋ። ካን መዛረቢ ጓል ነገር ተሳኢና ኣብ ምንብድባድ ምግጫብ እንቋቁሖ እዮም ዓሲሎም ቀዊዖም። ሕጂ “መደመር”ን “ሃገር ተሸጠት”ን ንቕሩብ እዋን እንደገና ህይወት ክዘርኣ እየን ማለት እዩ። ድሕርኡ ኸኣ መዛረቢ’ዶ ክስእኑ? እዚ ፈጣሪ’ኮ ብኽሉ ኣይሃስየካን እዩ!
ብዝተረፈ ንኣባላት ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ እንቋዕ ብደሓን መጻእኹም እብል። ግን ኣስተር ኣወቀን ኤፍረም ታምሩን ዘይብላስ..ዋእ፡ ዝፈትዎም ኣርቲስትስ ስለዝኾኑ እዮም። ጸሃየ የውሃንስን ንዋየ ደበበን ማሕሙድ ኣሕመድን’ኳ ኣብቲ ናይ ዘመነ ደርግን ወያነን ኣብ ዘራፍ ዘራፍ እንድዮም ነይሮም፡ ማሕሙድ ኣሕመድ ግቡእ ወዱእ ከይገበረን ጸሃየን ደበበን ድማ ኣብ ኣድባራት ቢዜን ደዪቦም ሓጥያቶም ክሳብ ዘይተሓጽቡ ኣብ ሲነማታት ኤርትራ ከርእዩ የብሎምን፡ ወላ ዝፈትዎም ኣርቲስትስት እንተኾኑ። ኣብ ዘዘለናዮ ደኣ በታ ካሴት። ወይ ድማ ሕጂ ብዩቱብ… ጸገም የለን። ጃኖ ባንድ ብጣዕሚ HOT እያ። ናይ መጀመርያ ናይ ኢትዮጵያ metal rock band ከይኮነት ኣይትተርፍን እያ። ንፉዓት መንእሰያት ሙዚቀኛታትን ደረፍትን ኣለዋ። Welcome to Eritrea.
ዝተረፈ እንተሎ ናይ ትግራይ ጉዳይ እዩ። መሰል ብሄራት ንሕሉ እንዲና፡ ሓደ ምሏቑ እንተዝሕወስ ከ? ኪሮስ ኣለማየሁ ቀደም ዓሪፉ እዩ። ኢያሱ በርሀ እውን ስዒብዎ እዩ። እሞ እቲ ሰገናይ ወያናይ ኣበበ ኣርኣያ እንተዝመጽእ ኸ? “ሰላም ሰላም ይከኣሎ፡ ጅግና በዓል ስረ፡ ሓየት ወዲ ኤረ” እናበለ ምደረፈልና።
ግን ቅሩብ ደኣ ይጽናሕ እቲ ደም ክሳብ ዝነቅጽ፡ ወያነ ናብ ልባ ክሳብ ትምለስ…ልቢ እንተለዋ ማለት እዩ። “ጸላኢ ኣይመሃርን፡ ክመሃር ተስፋ ንገብር፡ እንተዘይተማሂሩ ድማ ባዕልና ንምህሮ” ኢሉ ነይሩ ነፍሰሄር ጀነራል ውጩ። ወያነ ንዓመትን መንፈቕን ዝኸውን ኣብ ምህሮ ጸኒሓ ክሳብ ዕለት ሎሚ ናይ ምቑላብ ወይ ምምሃር ኣንፈት ኣየርኣየትን ዘላ። ዘዝተዋህባ ፈተና ክትወድቆ ጸኒሓ ኣላ። ብዝኾነ፡ እቲ ሓምሓም ርእሳ ክሳብ ናብ ኣንፈት ሰላም ተቕነዖን ባህሊ ምክብባር ኣብቲ መላጥ ርእሳ ሱር ክሳብ ዝተክልን ቅሩብ ንሰራውር ሰላም ዝሕዝ ሓመድን ዱኽዕን ክሳብ ተዋህልልን (ብህይወታ እንተሰረረቶ ነዚ ፈተና ማለትና እዩ)—ኣርቲስትስ ትግራይ ክጽበዩ ኣለዎም እቲ ማዕጾ ክሳብ ዝኽፈት። ብሕጓ ምእታው የለን ኢሉ እቲ ዓቢ ኤርትራዊ ጀነራል፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም።
ኣብ መወዳእታ፡ በጻሒት ጉጅለ ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ምክብባርን ዘለዎ ድሌትን ቅሩብነትን ተሰኪማ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክተብጽሕ ተስፋይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ባህ ዘብልን ዘዘናግዕን ዝምህርን ጻንሖት ክህልዋ እምነ። እቲ ኣብ ፓስፖርትኹም ዘሎ ናይ ኤርትራ ቪዛታት ድማ ኤርትራ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር ምዃና ዘርኢ እዩ እሞ ደርገፍገፍ ከይትብሉ በጃኹም። ዝቕጽሉ ጉጅለታት ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን…
ሰላም ዎ ሰናይ ንኹልና
ሓውኹም ማሕሙድ ሳልሕ
ካብ ወፍሪ “ተፈደል፡ ሰሓብ፡ ኣርክብ፡ ሰጉም”