ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ድማ ዓዶም ግደፈሎም እዩ እቲ ነገር።
1.ህዝብን ስርዓታት ሱዳን ምፍላይ ከድልየና እዩ
2. እቲ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝፍጸም ጥሕሰታት ናብቲ ግቡእ በዓል መዚ ማለት ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ኤርትራን እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኤምባሲናን እንተወጃህናዮን ንሶም ክሕዝዎ እንተገደፍናዮን ይሓይሽ።
ስርዓታት ሱዳን፡ ውሳነታቶምን ባህሮምን ግልብጥብጥ ዝብል ንክትርደኦም ዘጸግሙ (moody) ኮይኖም ጸኒሖም። ሕጂ ኸኣ እሞ ቁጠባዊ ቅልውላውን ማሕበራዊ ዘይቅሳነትን (ናይ ቀቢላታት ግጭታት) ከምኡ እውን ሓድሽ ብውሽጣዊ ግርጭታት ዝመልአ መሰጋገሪ መንግስቲ ተወሲኽዎ፡ ሓርጎጽጎጽን ሒቕታታት ክንርኢ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ስለ’ዚ፡ ንዜጋታትና ምጥባቕ ጽቡቕ ‘ኳ እንተኾነ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ነቶም ዝተፈላለዩን ዝተወሳሰቡን ጠንቅታት ክነለልን በቲ ወግዓዊ ቻነላት ማለት ብደረጃ መንግስታት ክተሓዝ ክንሕግዝ ክንፍትን ኣለና ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።
ብፍላይ መንእሰያትና፡ ካብ ተመክሮ እየ ነዚ ለበዋ ዝህበኩም ዘለኹ። መንግስታት ሱዳን ክሉ ግዜ መውቀፍ (መርገጺ) ዘይብሎም ግልብጥብጥ ኮይኖም ጸኒሖም። ካብ ግዜ ሰውራ ጀሚርካ ማለት እዩ። ህዝቢ ሱዳን (ብፍላይ ድማ ምብራቕ ሱዳን) ድማ ኣብዚ ግዜ እዚ ብኣዝዩ ኣናዋጺ ማሕበረ-ፖለቲካዊ መስርሕ ይሓልፍ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ዳርጋ ኣብ ክሉ ድልዱል ደሞክራስያዊ ስርዓታት ዘይብሉ ቦታት፡ እቲ ወጻእተኛ እዩ ግዳይ ዝኸውን።
ኣብ መወዳእታ፡ ክብረት ኣብ ሃገር እዩ እሞ ዜጋታትና ሰሪሖም ዓጊቦም ዝሓድሩላ ሃገር ምህናጽ እዩ እቲ ነባሪ ፍታሕ። እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ግልብጥብጥ መንግስታት ሱዳን፡ ከምቲ “ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም” ክኸውን እዩ ነገሩ።
ጽቡቕና ኣብ ዓድና እዩ።
ጽቡቕና ይቀላቐል ኣሎ፡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ዘመን ኣብ ምብራቑ ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ሕልሚ ኣይኮነን!
ዎ ደሓንኩም
ገንድሊ ኤረትርያ፡ ሰሓብ፡ ኣርክብ፡ ሰጉም!