Categories
Uncategorized

ሽልማት ኖበል ተሰሪቕና ኢና፡ ግን የቐንየልና ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ምቅሊትና ስለዝመለስካልና

ሽልማት ኖበል ተሰሪቕና ኢና፡ ግን የቐንየልና ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ምቅሊትና ስለዝመለስካልና

ሓደ ምቕሉል መራሒ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ንርኢ ኣለና። ዝምንዝዕ ዘይኮነስ ዝካፈልን ዝማቐልን መራሒ፡ ንበይኑ ዘይበልዕ። ዘራፍ…ዘራፍ ዝብልን ነጋሪት ኲናት ዝወቅዕን ዘይኮነስ ቅኒት ሰላም ዝዝምር መራሒ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ንርኢ ኣለና። ዝወርርን ዝጎብጥን ዘይኮነስ “ እቶ፡ ተፈደል፡ ኣርሕብ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኹልና እኹል እዩ” ዝብልን ንልኡላውነትና ዘኽብርን መራሒ ሽልማት ኖበል ክቕበል ምርኣይ ዘሕጉስ እዩ። እሞ ኸኣ ነቲ እታ ኣዳላዊት ሽማግለ ካብ ኢድ ኤርትራ ዝሰረቐቶ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019፡ “ኣይፋል” ብምባል ምስቲ ነዚ ሽልማት ክዉን ንምግባር ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራን ምስቲ መሻርኽቱ ዝኾነ “ ምስ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ሓው ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እየ ዝቕበሎ” ብምባል ነቲ ዝተሰርቐ ክፋል ናይቲ ሽልማት ናብ ዋንኡ ክመልሶ ምፍታኑ፡ ናይ ብሓቂ ንምቕሉልነቱ ዝገልጽ እዩ።

እቲ ዘገድስ እቲ ክብሪ እዩ እምበር፡ ገንዘብ ኣይኮነን። ደሓር ከኣ ወሪድዎ ወዲ ኣፎም ክሳብ ሕጂ ብሽድኡ እንድዩ ዘሎ! እንታይ ክብሎ እዩ ባሊቓታት ወርቂ! ኣነ እውን ኣልፍ መብሩክ እብሎ ንክቡር ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ። መደረኻ ልቢ ዝትንክፍ እዩ ነይሩ፡ ብዝያዳ እቲ ብዛዕባ ባህሪ ኲናት ዝበልካዮ። ኣነ እውን ከም ኲናት ዝጽይኖ ነገር የብለይን። ገና ብንእሽቶይ ከለኹ ኣማእት ዝፈትዎም ብጾተይ ወሲድለይ እዩ። በሰላታቱ እውን ክሳብ ሕጂ ኣሎ። ካብ ሓንጎለይ ክሕከኽ ኣይክእልን። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣንጻር ጎነጽን ኲናትን ከጎሳጉስ ዝጸንሓኩ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ እውን ነዚ መስርሕ ሰላም ብምሉእ ልበይ ክድግፎ ዝጸንሓኩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ትንየተሉ ናይ 3000 ዓመታት ታሪኻ (ወይ ጽውጽዋይ ታሪኻ) ከምዚ ዝዓይነቱ ልቦናን ኣመለኻኽታን ዝውንን መራሒ ረኺባ ኣይትፈልጥን። ነጋውስን መሳፍንትን ናይዚ ሎሚ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከባቢ፡ ብወራሪ ባህሮምን ብዓመጾምን ጭካነኦምን በቲ ዘህለቕዎ ህይወት ወዲሰብን በቲ ዘዕነውዎ ንብረትን ዘመዛበልዎ ህዝብታትትን እዮም ዝፍለጡ። ጥንታዊት ኢትዮጵያ፡ ዘምናውነት ዘይስቆሮም ባርባራውያን ነጋውስን መሳፍንትን ዝወዳደሩላን፡ እንሓንሳብ ዝሓብሩላን እንሓንሳብ ድማ ዝጠላለሙላን ብደም ንጹሃት ኣህዛብ ዝጨቀወት እያ ነይራ። ዘመናዊት ኢትዮጵያ እውን፡ ካብ ንጉስ ምኒሊክ ጀሚርካ ክሳብ ዘመነ ግዝኣት ወያነ፡ ንኢትዮጵያን ከባቢኣን ብኲናትን ወረ ኲናትን ክትርምስ ዝጸንሓት ደሴት ድሕረትን ድንቁርናን ዝኾነት ሃገር ኮይና ጸኒሓ። ቀዳማይ ግዳይ ኣስፋሕፋሒ ጥሙሓት ነገስታትን መራሕትን ኢትዮጵያ ድማ ኤርትራ ኮይና ከም ዝጸንሓት ዘከራኽር ኣይኮነን። ናይ ሓደ ክፍለ ዘመን ናይ ምምዕባልን ናይ ምዕባይን ዕድልና ብሰንኪ መራሕቲ ኢትዮጵያ ተኾሊፍና።

ሕጂ እውን፡ ራኢና ብጠቐር ናይቲ ዝሓለፍናዮ ተመክሮ ከይተዓግተ፡ ነቲ ንነባሪ ሰላም ኣንቂዱ ዘሎ ወገን ናይ ኢትዮጵያ እስትራተጂካዊ ምሕዝነትናን ምትሕግጋዝናን ምቕጻል ኣማራጺ የብሉን። ዋሕስ ናይ ድሕነት ኤርትራ ብቀንዱ ምትእኽኻብ ኤርትራዊ ዓቕምታትን ምክንኻን ሓድነትናን እስትራተጂካዊ ኣተሓሕዛ ጻጋታትናን እኳ እንተኾኑ፡ ኣብቶም ንዞባዊ ሰላም ከም መኻልፍ ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ኣቀዲምና ዝግባእ ወፍሪ ብምግባር ንመጻወድያታት ጸረ-ሰላም ከይተዳለዉ ከለዉ ምብርዓኖም (proactive ምዃን)። ምስ ኩሎም ንልኡላውነትና ዝኣምኑን ንፍትሓዊ ምዕራፍ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራ ዝድግፉን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ምትሕግጋዝ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓቢ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ከም ዝዕወት ዘመቻችእ ለባምን እስትራተጂካውን ኣካይዳን ምቕጻል። ኣብዚ መዳይ እዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ናብ ነዊሕ ዝጠመተ እስትራተጂክጃዊ ኣተሓሕዛ ናይቲ ነገር ይኹን ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስትን ዝምስገን እዩ። ኤርትራን ፕረሲደንታን ነቲ ናይ ሰላም ውዕል ብምፍራሞም ጥራይ ዘይኮነ በቲ ነቲ ውዕል ኣብቲ ዝግበኦ መዕረፊ ንምብጻሕ ዝወስድዎ ዘለዉ ጥንቁቕን ዕጉስን ኣሳጉማ ድርብ ኖበል ሽልማት ሰላም እዮም ዝግበኦም።

ብ 11 ጥቅምቲ 2019፡ ሽማግለ ኖበል፡ ናይ 2019 ናይ ሰላም ሽልማት ንዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ከም ዝተዋህበ ምስ ገለጸት እዚ ዝስዕብ ጽሒፈ ነይረ።
“ናይዚ ዓመት ናይ ኖበል ሰላም ዕዉት ብዃንካ፡ እንቋዕ ኣሐጎሰካ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ፡ እንቋዕ ኣሐጎሰኩም ህዝቢ ኢትዮጵያ። መስዋእትን ጽንዓትን ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ እውን እቲ ፕረሲደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ዝወሰዶ ለባም ውሳነ ነዚ ሽልማት ክዉን ስለዝገበረ፡ ንሕና እውን ተኻፈልቱ ኢና። በዓል ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይት ዋችን ዝዝውርዎ ዝንቡዕ ዕያራት ዝጥቀም ኮሚተ ኮይኑ እምበር ፕረሲደንት ኢሳይያስ እውን ብማዕረ ክሽለም ነይርዎ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ነቲ ፍርድን ውሳነን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዶባትን ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ናይ ኮሚሽናት ዶባት ውሳነታት ብመሰረት እቲ ክታምካ ዘንበርካሉ ስምምዕ ብዘይቅድመ-ኩነት ክትግበር ብዝያዳ ክትሰርሕን ነቲ ንሽልማት ዘብቀዓካ ስምምዕ ሰላም ነባሪ ክኸውን ጻዕርኻ ክተዓጻጸፍን ንጽበ። ሰራዊትካ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ልኡላዊ መሬትና ክትስሕብን ግብራዊ ናይ ሰላም ስጉምትታት ክትወስድን እዚ ሽልማት ከቢድ ሓላፍነት የሰክመካ።
ምስ ኣኽብሮት
Congratulations to Ethiopians and particularly Dr. Abiy Ahmed for receiving the Nobel Prize in Peace. Eritreans join you in celebrating the occasion recognizing that without the steadfastness and sacrifices of Eritrea and without the wise decision of President Isaias Afewerki of Eritrea, PM Abiy Ahmed would not have won the prize. Dr. Abiy Ahmed made a strategic move towards settling the Ethio-Eritrean conflict according to the EEBC ruling, and president Isaias Afewerki seized the opportunity. Hence, for all practical purposes, in public opinion, president Isaias Afewerqki also shares the prize. However, in a world where entities such as Amnesty International and HRW rule, fairness is sometimes bent towards injustice. Nevertheless, Eritrea feels its moral latitude is higher than the Nobel committee.
I call upon Dr. Abiy Ahmed to remember that he won the Nobel peace prize primarily because of his words and signature to implement the Algiers Peace Accord and the EEBC border verdict without any preconditions. We are counting on your integrity and we are counting the years patiently. For the Nobel peace prize, you received to be accorded its intended worth, pull your army out of areas ruled Eritrean sovereign territories።”

ኣብዚ ናይ ሕጂ ናይ ምቅብባል ስነ-ስርዓት ዘለኒ ስምዒት ድማ ሓው Elias Amare በዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“After experiencing 8 decades of successive warmongering expansionist leaders in #Ethiopia, we in #Eritrea feel that in Prime Minister Abiy Ahmed Ali we have finally found a genuine partner for peace. We could have been wrong. But it’s a risk we took for peace. Peace requires partnership; and peace-building, more so than war-making, also requires great courage, risk and sacrifice. Go with peace, Prime Minister Abiy. All the best of luck to you and your country in your path forward.
#NobelPeacePrize

ንምጥቕላል፥
እዚ ሽልማት ሰላም ምሉእ ክኸውንን ኣብ ታሪኽ ድማ ነባሪ ኣሰር ክገድፍን እንተኾይኑ ፖለቲካውያን መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝወስዶ ዘሎ ተባዕን ልባውን ናይ ሰላም ጉዕዞ ክድግፍዎ ኣለዎም። ጸረ-ሰላምን ትምክሕተኛታትን ዝኾኑ ሓይልታትን ኣተሓሳስባታትን ኣብዚ ዝመጽእ ምርጫ ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ክሰዓሩ ኣለዎም። ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድን እቲ ንሱ ዝመርሖ ናይ ሰላም ሓይሊ፡ ክሳብ ሕጂ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብወያነ ዝተሓምረገ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ዘጽረየ እንተ ኣጽረየ ከምቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ክኸውን ኣይክእልን።

ስለ’ዚ፡ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝመርሖ ናይ ሰላም ሓይሊ ተዓዊቱ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ናይ ምግዛእ (ምምሕዳር) መሰል ወይ ሓላፍነት (legitimacy) ብቐጥታ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ድማ ነቶም ደለይቲ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓቢ ዓወት ክኸውን እዩ። ሽዑ እቲ ሕጋዊ መደምደምታ ዝተገብረሉ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ መፈጸምታ ተገይርሉ ክልቲአን ሃገራት ናብ ጎደና ዕብየት ክምርሻ ይኽእላ። እቲ ክሳብ ሕጂ ወሰንቲ ዝኾኑ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ጸዪኖሞ ተነጺሉን ተገሊሉን ኣብ ትግራይ ናይ ቅብጸተ-ተስፋ ፈርገጽገጽ ዘርኢ ዘሎ እኩይ ወያነ፡ ወይ ናብ ልቡ ተመሊሱ ንምርጫ ሰላም ክቕበል እዩ ወይ ድማ ብኡ ኣቢሉ ማህሚኑ ናብ ግብኣተ መሬቱ ከብል እዩ። እቲ ጎቢጥዎ ዘሎ መሬትና ግን ናብ ዋናታቱ ምምላስ ኣይተርፍን እዩ። ብኡ መሰረት ድማ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ምሉእ ክኸውን እዩ። ሽዑ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ስሉስ ሽልማት ክጎናጸፉ እዮም። ቀዳማይ ነቲ ውዕል ሰላም ብምፍራሞም፡ ካልኣይ ነቲ ውዕል ሰላም ክዕወት ብዘርኣይዎ ዓቕልን ቅኑዕ እስትራተጅን፡ ሳልሳይ ድማ በቲ ነዚ ኽሉ ማሕለኻታት ብትዕግስቲ ሰጊሮም ዘረጋግጽዎ ምስ ምውሓስ ዝተጎብጠ መሬትና ዝመጽእ ውሑስ ሰላም። ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ፡ እቲ ግቡእካ ዝኾነ ክፋል ናይቲ ሽልማት ከም ድላይካ ግበሮ፡ እቲ ንዓና ዝምልከት ክፋሉ ግን ክጸንሓልና ንምሕጸን፡ ክሳብ ምሉእ ሰላም ዝረጋገጽ። ዕዮና ከይዛዘምና ምብላዕ ኣይልምድናን እዩ።

ዮሃና ንዶ/ር ዓቢ ኣሕመድን ኢትዮጵያንን!
ዮሃና ነቲ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ዝኾነ ይተባዕ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን! ብሳላ መስዋእትኻ እዩ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅኒት ሰላም ዝነፍሰሉ ዘሎ።

ማሕሙድ ሳልሕ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s