ርሑስ በዓል ልደት!
“ሎሚ እውን ከም ትማሊ” ብሓባር ናብ ዝሓሸ መጻኢ ኢሎም ክቡር ዎ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስ።
መንፈስን መልእኽትን በዓል ልደት ንክርስትያን ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። ኩለን ሃይማኖታት ንማሕበራዊ ስኒትን ሰላምን ይጽውዓ። ሓገዝን ምኽንኻንን ዘድልዮም ክፋላት ሕ/ሰብ ኣብ ምእላዮም እቲ ሕ/ሰብ ቅዱስ ግብኡ ክገብር የጎሳጉሳ። ንብሩህ መጻኢ ይእምታን ናብኡ ንምጉዓዝ ዘድሊ ምኽሪ ይሰብካን። ከምኡ እውን ብሉጽ ስነ-ምግባር ንምኹኳስ ይጽዕራ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣነ እውን ዓመት ሰላምን ክሉ መዳያዊ ገስጋስን ክኾነልና እምነ።
እንድያሞ፡ ከም ሕ/ሰብን መንግስትን ድኽመታትና እናዓረና ንቅድሚት
ጥራይ። ከምቲ ዕሉማት ወተሃደራት ዝገብርዎ፡ ነቶም ብጎኒ ዝተዃትኹና ጸላእትን መጋበርያኦምን (በዓል ነገራን መገራን ሓንጂ መንጅን) ንኡስ ናይ ሳይበር ዋርድያ ገዲፍና ናብቲ ቀንዲ ሸቶ ማለት ናብ ምዕዋት ልምዓታዊ መደባትና ኣተኲርና ንጓዓዝ።
እንደገና፡ ርሑስ በዓል ልደት!