ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብዙሕ መልእኽታት ይመጸኒ ኣሎ፡ እምበር ኣብ ስራሕ ተጸሚደ ኣለኹ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኣስፊሕና ክንመያየጠሉ ንኽእል ኢና…ብዝኾነ፡-
ሰባት በብዓይነቱ ሕልምታት የሰላስሉ እዮም። ገለ ሕልምታት ምስ ክውንነትን ምስ መዓልታዊ ናብራን ናይ ቀረባ ምትእስሳር ኣለዎም። ገለ ገለ ሕልምታት ግን ከምዘን ጸጸኒሐን ካብ ወጻኢ ህዋ ዝበጽሓና ኮመት (comets) ዝበሃላ ኮብለልቲ ዓለማት ኮይኖም ንገለ ሰባት በቃ ሓደጋ ይወድቅዎም።
ናይ ሕልሚ ዓለም ወይ ሕልሚ ቀትሪ (fantasia) እንተደኣ ቀልጢፍካ ዘይተበራበርካሉ ይስበለካ እዩ። ኣዝዩ ምቁር እዩ። ምኽንያቱ ንባህግታትካ ክተማልእ ዝድርት ክውንነት ዝፈጥሮ ቀይድታት የብሉን። እንተደለኻ ንዓለም ዝተቖጻጸርካ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል። እንተደለኻ ድማ ቢሊዮኔር ቢል ገይት ዝኾንካ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል። እንተገዲዱካ ድማ ካብ ታሪኽ ምምሃር ተኣቢ እሞ ኤርትራ ክተንበርክኽ ተምባሁቑን ትመጣላዕን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ውሱናት ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ሰብ ጸቢብ ረብሓን ኣቁሳልና ክጎድኡ ጸኒሖም።ክቅጽሉ እውን እዮም። ምኽንያቱ ኣብታ ናይ ክውንነት ዓለም ዝተሳዕሩ ስለዝኾኑ፡ ኣብታ ናይ ፋንጣዝያ (ሕልሚ ቀትሪ) ዓለም “ይኾነልና’ዶ ኾን” እንተበሉ እንታይ ዘገርም ኣለዎ? “መን እዮም እዞም ሰባት” እኮ ኢሉ ስዉእ ኢሳይያስ ጸጋይ ሓቲቱ እዩ ቅድሚ ሕጂ? ሕጂ እውን መን እዮም እዞም ሰባት ኢልና ክምስ ካብ ምባል ሓሊፍና ዘይምኽኑይ ፍርሒ (irrational fear) ክነርኢ የብልናን። መን እዮም? ንመን ይውክሉ? ክሳብ ክንድምንታይ ወሳኒ (defining) ተራ ኣለዎም? ክሳብ ክንድምንታይ ነቲ ዝብልዎ ከተግብሩ ወይ ከምዝትግበር ክገብሩ ዓቕሚ ኣለዎም….How consequential is their voice?
ካብ ቅሙጥ ኣህጉራውን ክ/ዓለማውን ዞባውን ሕግታት ክሳብ ክንድምንታይ ርሒቖም ኣለዉ…ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ኣኻሊ እዩ።
ንሎሚ ግዜ የብለይን ቅድሚ ሕጂ ግን ደጋጊመ ከምዝሓበርክዎ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዘራርባ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሕቖን ዘሎ ፖለቲካዊ ዛዕባታት ዝረአ ክኸአውን ኣለዎ። ዝኾነ ፖለቲካኛ ክኸውን ወይ ሰዓብነት ከጥሪ ዝደለየ ሎኽመኛ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ብዝብኮ ህውተታ ምዩቕ ክንብል የብልናን። ድሕሪ ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ሃጃጂን ክንሰምዕ ኢና። ሓድነትና ኣስጢምና፡ ዕርፍና ኣጽኒዕና ንቅድሚት ጥራይ። ኤርትራ ጽንጽያ ሃርጎፍጎፍ ዘንብረላ የለን። ዛውዳ ደፊኣ እያ። ነዛ ዘውዲ ክትንክፍ ዝመጠላዕ ከኣ ዕድል ቀዳሞት ወረርቲ ኢትዮጵያ ከጋጥሞ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ናይ ምክልኻል (deterrence) ዓቕምና ኣብ ሓድነትናን ንሃገርና ንምክልኻልን ምብልጻግን ዘለባ ተወፋይነትን እዩ ዝምርኮስ። “ወሕደት ውደው፡ ሓቴ ግብኡ” ኢሉ ተፋንዩና እዩ እቲ ዓቢ ኣቦ ሃገራውነት ዝኾነ ሼኽ እብራሂም ሱልጣን። “ዘውዲ ኤርትራ ዝደፍር ወይልኡ” ደጊሞም መቃልስቶም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም። ታሪኽ ኤርትራ ድማ ነዚ እዩ ዝምስክር። ኤርትራ ክወርርን ክንበርክኽን ዝፈተኑ ስርዓታት ኢትዮጵያ መከተምተኦም ሕማቕ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።
ብሓፈሽኡ፡ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህነጽ ዘሎ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ልዕሊ መቃብር ጽልእን ተጻብኦን ወራርን ኲናትን እዩ ዝንደቕ ዘሎ። ልኡላውነትና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘተኣማምን ኮይኑ ኣሎ። ምስጋና ነቲ ሓላው ወሰናስኑን ልኡላውነቱን ዝኾነ ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻሉን። ግን ንኣመጻጽኡ ብዝምልከት ብከመይ ኢና ንርእዮ?
ብወገነይ፡ ነቲ “ርጉምን ለዋህን” ዝብል ናይ ፖሊስ ተክኒክ መርመራ የዘካኽረኒ። ፖሊስ ንሓደ ክሱስ ናብ መርመራ ኣብ ዘቕርቡሉ እዋን፡ ነቲ እቲ ክሱስ ሒዝዎ ዝጸንሐ ርድኢት ወይ መስመር ሓሳባት ክዘራርጉ ኢሎም፡ ሓዲኦም ከም ርጉም ፖሊስ ኮይኑ ይቐርብ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ እሱር ታህዲዳት የብዝሕ። ገራጭን ተዋቃዓይን ኮይኑ ይቀርብ። ንሱ እንተዘይሰሪሑ፡ ካልእ ፖሊስ ይመጽእ እሞ ከም ሓላይ ኮይኑ ምስቲ እሱር ናይ ዕርክነት ዝመስል ኣቀራርባ ይጥቀም። መግቢ፡ ማይ, ሽጋራ…ከምጸኣልካ’ዶ?ደቅኻ ሰበይትኻ ከመይ ኣለዉ? ርኢኻ፡ ኣዝን ኣዝን እንተገብርካ ዝሓሸ ኮይኑ ይስመዓኒ…ወዘተ እናበሎ ክሓባብሎ ይፍትን። እዚ ኣገባብ መርመራ እዚ good cop/bad cop ተባሂሉ ይፍለጥ።
ሕጂ እውን ጸላእትና፡ እንሓንሳብ ሓለይቲ ተመሲሎም “ኣሕዋት እንዲና” ይብሉና። ጸኒሖም ድማ ንኤጀንትታቶም (መጋብርቶን) ልኢኾም ታህዲዳት የዝንቡልባ፡ “ወይ ብሰላም ኢድኩም ሃቡ ወይ ድማ ክንሉቕምጸኩም ኢና” ክብሉ ክንሰምዖም ጸኒሕና ኢና። ብሕጂ እውን ክንሰምዖም ኢና። ብዙሕ ከሻቕለና የብሉን።
በዓል እዚ ግናይ ሰብ ድማ፡ ኣይኮነን ባሕርና ክርኢ፡ መሬት ኤርትራ እውን ኣይክረግጹን እዮም። ደለይቲ ሰላም ኢትዮጵያውያን መርሓባ ንብል ምዃና ድሮ ኣርኢናዮ ኢና። እንተ ደለይቲ ጽልእን ኣምባሃቑትን ግን እግሮም ንመሬትና ኣይረግጽን። እንተ ፈቲኖም ድማ ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ዝረኸብዋ ክረኽቡ እዮም።
ብዙሓት ኣፍቀርቲ ሃገር እዚታት ከም ዘሕርቐኩምን ከም ዘሻቕለኩምን እርዳእ እየ። ከምቲ ድሮ ካባይ ዝነፍዑ መንእሰያት ዝግባእ መልሲ ሂቦምሉ ዘለዉ፡ ኣብሽሩ፡ ሰገጥ ዘብለና የለን። ልኡላውነት ኤርትራ ምጽወታ ኣይነበረን፡ ዋጋ ተኸፊልዎ እዩ። ነዚ ዘይርዳእ ኣምባሃቚ ድማ ስሕታን ኮይንዎ ከም ገለ ወስ እንተኢሉ፡ ዋጋከ ከኽፍሎ እዩ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝገደደ ነዚታት ከም መፈራርህን መሻቐልን ዝጥቀሙሉ ዝነደዩ ኤርትራውያን እዮም። ነዚኦም ድማ ንመንፈስ ናይዛ ሓዳስ ዓመት ተጠቒመ፡ ሒዝኩሞ ዘለኹም ሚድያን ዓቕምታትን ንጽቡቕ ተጠቐሙሉ ጥራይ እየ ክብል ዝደሊ።
ገንድሊ ኤርትራ፡ ሰጉሚ። ዓይኖም ደም ይምላእ።

Click to enlarge
Unmute