ኣነ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓ ኤርትራ ጥራይ እየ ዝርእዮ። ሰላም ጥራይ ይሃቡና እምበር፡ እንተደለዩ ይሕበሩ፡ እንተደለዩ ፋሕ ይበሉ።
ብቀረባ ክግምገም ከሎ፡ ካብቲ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ኤርትራ እያ ዝያዳ ከሲባ ወጺኣ ዘላ። ከመይ ዝብል ለባም፡-
1. ቀዳማይ መክሰብ ኤርትራ፡ ተኽእሎ ንጡፍ ኲናት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ምውራዱ እዩ። ግን ንሰላም እንዳ ሰራሕና ንተኽእሎታት ኲናት ምድላው ከድልየና እዩ። ጎደቦና ጌና ካብ ነውጽታት ኣይተገላገለን ዘሎ። መሳርዕና ምስጣም፡ ዓቕምታትና ምብርባርን ምውህሃድን፡ ንዘቤታዊ ጽሬትና ኣተኲርና ምስራሕ። ንሱ እዩ ዋሕስ ሰላምና። ይኹን እምበር ክልቲአን ሃገራት ናብ ቅኒት ሰላም ምምላሰን ዝያዳ ነታ ሰላም ተሓሪምዋ ዝነበረት ኤርትራ ዘኸስብ እዩ። ዶ/ር ኣቢ ዝኣተዎ ቀላይ ባዕሉ ሓንቢሱ ክወጾ ኣለዎ። ኢድ ክነቐብሎ ንኽእል ንኸውን። ግን ኣክንድኡ ኴንና ክንሕንብሰሉ ወይ ኣጎርቢትና ክነስግሮ ኣይንኽእልን። ንሃገራዊ ረብሓኣ ግድነታዊ እንተዘይኮይኑ፡ ኤርትራ ምእንቲ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ትኸፍሎ ዋጋ ክህሉ የብሉን። ኢትዮጵያ ትሕቆን ስለዘላ ግን ውሕጅ ከይመጸ መገዲ ውሕጅ ክንጸርግ ኣለና። ዓመተ 2020 ንኢትዮጵያ ወሳኒት ክትከውን እያ።
2. ካልእ መክሰብ ኤርትራ፡ ምቕንጣጥ ናይቲ ኢፍትሓዊ እገዳታት እዩ።
3. ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዓወት ድማ፡ ኤርትራውያን ካብ ምምካት ንጡፍ ተጻብኦታት እፎይታ ረኺቦም፡ ናብ ውሽጢ ዝጠመተ ገምጋማት ክገብሩ ምጅማሮም እዩ። ብቀዳምነት ዝጥመት ድማ ኣቓልቦ መንግስቲ ናብ ናይ እዋን ሰላም ንጥፈታት ከም ዝቐንዕ ምግባርን ንዕኡ ዝገጥም ትካላዊ ዳግመ-ህንጸት ምስልሳልን እዩ።
4. ብራብዓይ ደረጃ ዝስራዕ ዓወት ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት መስዋእታን ወጽዓኣን፡ ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ኤርትራውያን ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ወፍሪ ክዛተዩ ምርኣይ ሰናይ ዘመን ይምለስ ምህላዉ የመልክት።
ምስኡ ተታሒዙ ዝኸይድ፡ ናይ ወጻኢ ኢንቨስትመንት ይኹን ቱሪዝም ዘተባብዕ፡ እቲ ኣብ ምስሊ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ኣወንታዊ ዳግመ-ግምታት እዩ። እዚ ክሉ ተደማሚሩ፡ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር፡ መነባብሮ ኤርትራውያን ከምዝመሓየሽ ዝገብር እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ምርጫኣ እንተኮይኑ ራዕ ዘይትብል። ጥራይ ከይትጸቕጠና ክንዳሎ ኣለና። እቲ ብቐረባ ምስኣ ዘራኽበና እቲ ናይ ዶብ ጉዳይ እዩ። ሓቅታትን ፍርድን ምሳና ስለዘሎ፡ ካብኡ ምንቕ ከይበልና ውራይ ጉዳይና ምግባር። ለማ መገርሳ ይኹን ኣቢ ወይ ካልእ፡ ዘካይድዎ ፖለቲካዊ ጉስጢ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተወሰነሎም ሳንዱቕ ደኣ። ንኤርትራ ዝልክም ክኸውን ኣይነፍቅድን። ግን ከም ጎረቤት መጠን ሰላም ንምነየላ። ፋሕ ድያ ትብል ወይ ተላዚባ ከም ሃገር ትቕጽል፡ ንኢትዮጵያውያን ይምልከት።
ብወገነይ ረብሓ ኤርትራ ምስ ፈደራሊስትስ እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ ኣሃዱኣዊት ኢትዮጵያ ብውሑዱ ናይ 80 ዓመታት ዕድል ናይ ዕብየትና ሰሪቓትና እያ።
ብዝኾነ፡ ዋርድያ ኣውጺእና ናብ ውራይና ደኣ።
ገንድሊ ኤርትርያ። ሰጉሚ ኤርትራ!
ሰጉም!