Categories
Uncategorized

ሰበር ዜና…ዋዛ ምስ ቁምነገር

ሰበር ዜና
ኩለን ሆስፒታላት ደምበ “ኣምበድብድ” መሕረሲ ደርሁ ክፍልታተን ክዕጾ ጥብቂ ትእዛዝ ከም ዝተመሓላለፈለን ሎሚ ዝመጸና ሓበረታ ኣነጺሩ።

ብሰንኪ እዚ ውሳነ ኣብ ውሽጢ እቲ ደምበ ብገለ ስጋ ደርሆን ከምኡ እውን እንቋቁሖ ዝፈትዉ ኣባላት ርሱን ክትዓት ተላዒሉ ከምዘሎ እውን እቲ ዝመጸና ሓበረታ የመልክት።

ይኹን እምበር ሓንቲ ብኣፈርክቡ ዝቖመት ተክኒካዊት ኮሚተ፡ ኣኻልብ ናብ ደርሁ ዝቕይሩ ምኩራት ጠንቆልቲ ከምዘለዉን ቅድሚ ሕጂ ኣእማን ናብ ወርቂ ንምቕያር ዝገበርዎ ፈተነ ብናቶም ገምጋም ዕዉት ከምዝነበረ ዝደምደሙ ከምዘለዉን፡ ብተወሳኺ ድማ፡ እቲ ኣብቲ ደምበ ዘሎ ርኡይ ብዝሒ ናይ ኣኻልብ ንመልክዕን ቁመናን እቲ ደምበ ብኣሉታ ጸልዩ ስለዘሎ ዋሕዲ ኣኽላባት ከምዘይጽላእ ዝሃበቶ ርኢቶ ኣሎ። ግን በቲ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ክጸድቕ ኣለዎ። እንተኾነ ግን፡ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ደምበ ኣምበድብድ ናይ ኣረኣእያን ግብርን ስጥመት ዘይብሉ ብዝመጸ ህቦብላ ዝናወጽ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ትካል ኣይኮነን ዝብሉ ፈላጣት እውን ኣይተሳእኑ።

ብዝኾነ፡ እንቋቁሖ ቀንዲ ስግኣት ( existential threat) ደምበ ኣንበድብድ ኮይኑ ስለዘሎ ክሉ መሕረሲ ደርሁ ሆስፒታላት ክዕጾን፡ ክኢላታት መፍረ ደርሁ እውን ናይ ሞያ ሊቸንሰኦም ክሕደጉ እቲ ትእዛዝ ኣተሓሒዙ የብርህ። ብፍላይ ክኢላታት ስርዓተ መፍረን ማህጸንን ደርሁ ተለቒሞም ናብ ሕክምና Orota ክስደዱ እሞ እንተደለዩ ሞያ ክቕይሩ ዝብል ክፋል ናይቲ ትእዛዝ ክኢላ ምትሕብባር ሞያውያን ጥንቁልና ናይቲ ደምበ ክሕዞ ምዃኑ እውን ካብቲ ዝመጸና ሓበረታ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ህጹጽ ጉዳይ ናይ ደምበ ኣንበድብድ ካብ “ሃገር ኣድሕን” ናብ “ምንብድባድ ኣድሕን” ክቕየርን ነብሰወከፍ ኣባል ገጂፍ መሽረፈት ዓጢቑ ከንበድብድ ትእዛ ተመሓላሊፉ ኣሎ። ወላ ብደም ዝደላለዩ ኣባላቱ ንግዝያዊ ዓወት ብሓባር ከንበድብዱ እቲ ደምበ ጸዊዑ ኣሎ። ማእከላይ እዚ ምንብድባድ ድማ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ክኸውንን በቲ ምኩር ኣንበድባዳይ ናይቲ ደምበ ክምራሕን ተወሲኑ ምህላዉ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ገለ ገለ ላዕለዎት ኣካላት እቲ ደምበ ግን ኣብ ልዕሊ እዚ ዳግም-ውላድ (born-again) ኣንበድባዲ ጌና ምሉእ እምነት ከምዘይብሎምን ክሳብ ናይ ሰለስተ ዓመት ኣገልግሎት ዝህብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ከይወሃቦ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ኣለዉ። እቲ ነገር ብኸመይ ከም ዝስጉም ሓቢርና ክንርእዮ ኢና።

እዚ ከምዚ ከሎ፡ እቲ ደምበ ኣብ ናይ ህድማ ጉያ ብዙሕ ታዕሊማት ከም ዘድሊ ክእመነሉ ክኢሉ ከምዘሎ ዝመጸና ዘሎ ጸብጻባት ይሕብር። ነዚ ድኽመት ብዝያዳ ዘግሃዶ እቲ ኣብ ለንደን ዝተገብረ ናይ ዓቕሚ ምምዛን መርመራ ጉያ እዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ህድማ ጉያ ርኡይ ድኽመት ከም ዝተራእየን ብርቱዓትን ምኩራትን ጎየይቲ ተባሂሎም ዝእመነሎም ዝነበረ ዘሕፍር ዓይነት ኣጓይያ ስለ ዘርኣዩ፡ እቲ ደምበ ኣባላቱ ብናይ 50 ሜትሮ ክጅምሩ እሞ ናብቲ ናይ መወዳእታ ናይ 100 ሜትሮ ሸቶ በብደረጅኡ ክለማመዱ ተወሲኑ ኣሎ። “ሚእቲ ሜትሮ ደኣ ኣዝዩ ሓጺሩ፡ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ኪሎመተራት መደባት ክግበር ኣለዎ” ዝብሉ ሓደ ሓደ ኣስተውዓልቲ እኳ እንተዘይተሳእኑ፡ እቲ ደምበ ብናይ ቀረባ ምርኣይ (nearsightedness) ዝሳቐ ብምዃኑ፡ “ሓምሳ ሜትሮ ንብጻሕ እምበር ድሕርኡስ እዝጊ ዋንኡ” ኣብ ዝብል ውሳነ ደሪቑ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ኩነታት ደምበ ኣንበድብድ ገና ይንብድበድ ስለዘሎ ምንብድባዱ እናተኸታተልና ከየንበድበድና ክነቕርበልኩም ኢና።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s