ብሓጺሩ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት፡ ምስ ወያነ ወጊኑ ንህዝብና ዘድመየ ወገን፡ ወይ ብቓልዕ ይቕረታ ሓቲቱ ናብ ጎደና ሃገራዊ ዕብየት ይጸንበር ወይ ድማ ምስ ወያነ ይቐበር። ካልእ ሓሳብ እንተሎ ክሰምዕ ቅሩብ እየ።
ብሰላምን ዕብየትን ናይ ምሉእ ሃገርን ህዝብን ተጣሊዕካ፡ ንዕድልን መሰልን ውልቀሰባት እግደስ እየ ምባል ኣይቅቡልን። ካብ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅለኣውን ጥሙሓትን ፖለቲካዊ ደላልነትን ዝሓልፍ ኣይኮነን።
——————+–
እት እለን ለሐልፈያ ሰኖታት ምስል ወያነ እንዴ ገብኣ ሸዐብና ለአዜት ጀሀት ኣው ነፈር፡ ሳምሑኒ እንዴ ቤለው እት ሄራር ብንየት ወጠን ልትሓበሮ፡ ኣው ማ ህዬ ምስል ወያነ ልትቀበሮ። መስተቅበል ሸዐብና እት ብቆት እንዴ ከሬካ ” እብ ሕቁቅ ሸክስያት እትአየስ” ምን ትብለና ሽወያ ልብ ለፈትያ ዘዐት ኢትገቢእ። ዎ ኣላሁ ኣዕለም።
ለንደንን ጸወታ እንቋቁሖን
እቲ ሸኮርተት ርኢናዮ። ኣብ ብሪጣንያ ንፖለቲካኛታት ዝግበር ንቡር ተቓውሞ እዩ። ግን ኪነው ምግጭጫብ ክንከይድ ኣለና። ካብ ዓቀኑ ንላዕሊ ዘይምውዕውዑ። We should not make heros out of zeros.
ኣብዚ ግዜ እዚ ቀዳምነት ኤርትራ ምውሓስ ናይቲ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለትሉ ሰላም ክኸውን ኣለዎ። ንኹሎም ነዚ ተኣፋፊ ኩነታት ናብ ረብሓ ጸላእቲ ክቕይሩ ዝጽዕሩ ዘለዉ ወገናት ብሓቅን ርትዕን ክንስዕሮም፡ ንሕግታት ናይተን ተዓቒቦምለን ዘለዋ ሃገራት ተጠቒምና እውን ኣብ ቤት ፍርዲ ክንፋለሞም ኣለና።
ነቶም ግዳይ ናይቲ ግናይ ፕሮፓጋንደኦም ዝኾኑ ፖከቲካኛታት ናይተን ሃገራት ንጹር ስእሊ ኤርትራ ብምቕራብ ካልእ ኣማራጺ ምንጪ ሓበረታ ከም ዝረኽቡ ምግባር። ኤርትራ ክበጽሑ ምትብባዕን፡ ናይ ኤርትራ ናይ ዕብየት ፍልስፍናን ዘመዝግቦ ዘሎ ጭቡጥ ውጽኢታት ምግላጽን። ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ዕብየት ጎደና ክትመርሕ መሰላ ምዃኑ ምዝክኻር። ነቶም ኣብቲ ናይ ጽልእን ሸፈጥን ናይ ክድምናን ደላልነትን ረብሓ ዘይብሎም መንእሰያትና ድማ “መርሓባ፡ ተፈደሉ፡ ጉዳያትክም ጉዳያትና እዮም” ዘስምዕ ግብራዊ መልእኽትታትን ተበግሶታትን ናህሪ ዝረኽቡሉ እስትራተጂታት ምቕያስ። እቶም ከም ምንጪ ሓይሊ ናይዞም ውሑዳት ደላሎ ኮይኖም ዘለዉ ኣብ ስደት ዝርከቡ መንእሰያትና ናብቲ ዘምሕረሎም መገዲ ከም ዝምለሱ ብምግባር፡ እቲ እቶም ወረበላታት ተሓቢኦምሉ ዘለዉ ጫካ ከምዝስሑ ምግባሩ። ዓዲ ብዓዲ ከም ዝጸሪ ምግባር።
ጉዳይ ደሞክራስን ምምሕያሽ ትካላት መንግስትን ምህናጽ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓትን ብዓቢኡ ንሕና እንግደሰሎም ጉዳያትና እዮም።
ይኹን እምበር፡ ምእንቲ ቅጽበታዊ ትግባረኦም ኢልና ብጽልእን ጸቢብ ረብሓታትን ዓዊርና ምስ ደመኛ ጸላኢ ሃገርና ኣይወገንናን። “ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኢልካ ምስ ጸላኢ ወግን” ዝብል ኣምር ካበይ ከም ዝመጸ ኣይርደኣንን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዘቕርቦ ዝነበርኩ ምጉት ድማ ንሱ እዩ። “ንልኡላውነትን ሓድነትን ሃገር ደው ኢልካ ንፍትሕን ደሞክራስን ክትቃለስ ትኽእል ኢኻ፡ እቲ ዝያዳ ጽሩይ ዝኾነ ኣገባብ ቃልስን ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእልን እውን ንሱ እዩ” ( Both are not mutually exclusive) ክብል ጸኒሐ።
ግን እቲ ብስም ደምበ ተቓውሞ ዝፍለጥ ወገን ብናይ ጸላኢ መጋበርያታት ዝተዓብለለ ስለነበረን ስለዘሎን ምንቕ ምባል ተሳኢኑ። ዕድሉ ምስ ዕድል ወያነ ዝተኣሳሰር እዩ። ንዕኡ ዝግባእ መዐገሲ እናሃብና፡ ኪነው ሃላሊ ኣጀንዳታቱ ክነማዕዱ ኣለና። ናብቲ ሃናጺ ጽምዶና ምትኳርን ሓቅታት እናኣቕረብና ዕርቃኑ ከምዝወጽእ ምግባር። ነቲ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ትስፉው ምንቅስቃስ ብምድጋፍ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ሓዲስ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖለቲካውን ገስጋሳት ባዕሉ ከም ዝስዕሮም ምግባሩ።
ምእንቲ ሓጺር ዕላማታት ኢልና ነቲ ናይ ርሑቕ ሸቶታትና ብግዜ ዝትኮስ ቦምባ ዝመስል ገጋታት ንኸይንገብር ምጥንቃቕ ጽቡቕ እዩ። ናይ ኤርትራ እዋናዊ ቀዳምነታት መግቢ፡ ማይ፡ መጽለሊ፡ ሰላምን ምርግጋእን፡ ዕድላት ስራሕ፡ ከምኡ እውን ንዘላቒ ዕብየት ጥጡሕ ባይታ ኮይኑ ዘገልግል ቑጠባዊ ዳግመ ሕውየትን ምስኡ ዝኸይድ ምዝርጋሕ ብቑዕ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን እዩ። ጎኒ እቲ ቁጠባዊ ዳግመ ሕውየት ዝኸይድ ምንጻርን ምንጻፍን ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ እውን ኣካል ናይቲ መስርሕ እዩ።
ብዝተረፈ፡ ምዕላው መንግስቲ ኤርትራ፡ ናይ ጸላእትና ቀዳምነት ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ቀዳምነትና ኮይኑ ኣይስመዓንን።