ሃገራዊ ርእሰ-ገምጋም (Selfie) ንግበር
selfie ዲጂታል ካመራ ወይ ተለፎን ገይርካ ርእስኻ ምስኣል ማለት እዩ። ከም ዓመታዊ ርእሰ-ገምጋም ምግባር እጥቀመሉ ኣለኹ።
እዚ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ምስ ፓልቶክ ኣይንፈላለ ኤርትራ ብታሕሳ 21፡ 2019 ዝገበርክዎ እዩ ቀዳማይ ክፋል እዩ። ነቲ live ዝተቀድሐ መግለጺ ዝሓለፈኩም ኣብ ናቶም ገጽን ኣብ ናተይን ኣሎ። ንሎሚ ኣብ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን መዳያት ዝተመዝገበ ጭቡጣት ዓወታት ዝድህስስ እዩ። ሰናይ ንባብ።
2019 ኣብ ትውደኣሉ እዋን ሃገራዊ ርእሰ-ምስኣል (ምግምጋም) ወይ selfie ክንገብር የድሊ
(ክሉ ዝብለክም ካብ ዜናታት ዝተረኽበን ናይ ገዛእ ርእሰይ ውልቃዊ እጅትሃድ ወይ ጻዕርታት ዝተሓወሶ እዩ። ንኽሉ ፍጻመታት ክትዝርዝር ግዜ የለን ብዙሕ ኣውን ኣይሕግዝን። ኪነው እቶም ፍጻመታት ዘሎ ነገር ምርኣይ ግን ምሉእ ስእሊ ክህብ ይኽእል።
ዓመተ 2019 ብኣወንታዊ ፍጻመታት ተጸቕጺቓ ትሓልፍ ኣላ—
- ኣብ 2019፡ ናብ ተወንዚፉ ዝነበረ መደባት ልምዓት ተበጋጊስና ኣለና። ዳግመ-ህንጻዊ ስረሓት (ጽርግያታት፡ ምህናጽ ኣባይቲ፡ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት (ኣብያተ ትምህርቲ-ክሊኒካት፡ ናይ ከተማ ትሕተ-ቅርጽታት)፡ ወደባት ምሕዳስን ምዝማንን (rehabilitating and modernizing)፡ ምብግጋስ መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ገስጋስ ኣብ ኣብ ጽላታት ተሓዳሲ ጸዓት (renewable energy) ከምኡ እውን ምዝርጋሕ መስመራት ጸዓት፡ ንምዕዳል ማይ ዝኸውን መስመራትን ገንእታትን፡ ኣብ ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ….ኣዝዩ ርኡይ ምብግጋሳት ተገይሩላ ኣሎ ዓመት 2019
-
እብ ምብርባር ወፍርታት፡ ብፍላይ ናብ ዜጋታት ዝቐንዐን ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብን ምጉስጓስ ወፍሪ ክረኣየላ ዝጀመረ ዓመት ኮይና ሓሊፋ ኣላ። ኣብ መዳይ ወፍሪ፡ ብፍላይ ሕጂ ድማ ምስ ምስጓም ምወላ ፕሮጀክት ካሉሊ ፖታሽ፡ ዓመት 2019 ብጽቡቕ ትድምደም ዘላ ዓመት እያ።
ኣብ ምድልዳል ትካላት መንግስትን ምኽላስ ፖሊሲታትን ጽቡቕ ጅማሮ ከም ዘሎ ንሰምዕ።
*- እዚታት ክሉ ንዜጋታትና ስራሕ ብምፍጣርን ፍርያት ውሽጢ ሃገር ብምብምዕባይን መነባብሮ ህዝብና ክረጋጋእን ከምሓየሽን ዝሕግዝ እዩ። -
ተኽእሎ ኲናት ናብ ዝተሓተ ደርጅኡ ወሪዱ፡ እዚ ድማ ሃገርና ካብቲ ናብ ኲናት ዝቐንዐ ኣንፈታ ናብ መኣዝን ሰላምን ልምዓትን ክተብል ዕድል ዝረኸበትላ ዓመት እያ (ካብ መወዳእታ ዓመተ 2018 ጀሚሩ ማለት እዩ… Rededicating our resources and focus to national reconstruction.
-
እቲ ኢፍትሓዊ እገዳ እውን ብሕዳር 14, 2018 ተላዒሉ ነይሩ። እዚ ድማ ኤርትራ ዓንኬል ጽልዋኣ (sphere of influence) ንምዕባይን ኣብ ዞባዊ ሰላም እጃማ ክተበርክትን ከምኡ እውን ምስ ፊናንሳዊ ትካላት ብዘይ ጸገም ውዕላት ክትገብርን ወፍርታት ክትስሕብን ክሕግዛ እዩ።
-
በዚ መሰረት፡ ኤርትራ ኣብ 2019 ኣዝዩ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ስረሓት ኣካዪዳ። ነዚ ዝምልከት፡ ኣብ ፌስ ቡከይ “ እምበር’ዶ እዞም ክልተ ሰባት ይድቅሱን እዮም” ኢለ ተዳኢለ ነይረ (satire ገይረ ጽሒፈ ነይረ)፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ time line FBከይ ክትርእይዋ ትኽእሉ። ነቲ ሚኒስተር ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረሲደንት ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝገብርዎ ናይ ዲፕሎማሲ መራቶን ኣመልኪተ ዝጸሓፍክዋ ነይራ።
ብናተይ ገምጋም፡ ዲፕሎማሲ ኤርትራ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ዓላማታት (objectives) ዝሓዘ ገይርና ክንርደኦ ንኽእል። በቲ ናይ ቀረባ ተልእኾኡ ወይ ዕላምኡ ክረአ ከሎ፡ ንናይ ኤርትራ ናይ ቀረባ ስግኣታት ምእላይን ናይ ቀረባ ረብሓኣ ምዕዛዝን እዩ ( dealing with Eritrea’s immediate national concerns, and opening up new diplomatic frontiers that will consolidate peace and stability, which will ultimately boost the reconstruction endeavor)…
በዚ መሰረት፡ ሓይልታት ሰላም ኢትዮጵያ ንክውደቡን ንኽሕይሉን ባይታ ከም ዝረሓወሎም ምግባር (leeway ምሃቦም)፡ መንግስቲኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ “ዶብ እንተዘየደቀስኩም ኲናት ክንከፍት ኢና” ዘይምባሉ፡ ለባምን ርሑቕ-ጠመት ዝኾነ ኣካይዳ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ መሪሕነት ኤርትራ ትዕግስትን ምትዕጽጻፍን ከርኢ ጸኒሑ። በዚ ድማ ክምጎስ እዩ ዘለዎ። ዶብና ውዱእ እዩ። ተሪፉ ዘሎ ነቲ ሕጋዊ መደምደምታ ዝተገብረሉ ጉዳይ ፖለቲካዊ መደምደምታ ምግባር ጥራይ እዩ። ስለ’ዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ናይ ሰላም ስምምዕ ከም ዝድልድል ምግባሩን እቲ ን 20 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ዕድል ኤርትራ ይቕረ ዘይበሃሎ ኣዕናዊ ሜላታት ክኽተል ዝጸንሐ ጭፍራ ወያነ ዳግም ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ወሳኒ ኮይኑ ንኸይምለስ ዘጣጥሕ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ኣብ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዝዓለመ ዝነበረ ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ናይ ርሑቕ ዕላምኡ ድማ ብዞባን ኣህጉርን ኣወንታዊ ምስሊ ኤርትራ ከም ዝዝርጋሕ ምግባርን ንዳግመ ህንጸት ዝኸውን ኣህጉራዊ ወፍርታት ዘተባብዕ ገጽ ኤርትራ ምህናጽ እዩ ነይሩ። ምስኡ ዝኸይድ ድማ ኣብ ሰላምን ጸጥትታን ዞባና ደራኺ ተራ ምጽዋት። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝግበር ባህላዊ ምልውዋጥ ኣብ ውሽጢ እዚ እዩ ዝረአ። በዚ ኣጋጣሚ ነታ ኣብ ኤርትራ ዑደት ትገብር ዘላ ባህላዊት ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣሳልጦ እምነየላ።
ካልኣይ ክፋል ክቕጽል እዩ።
ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ሃገር ንዕሰል። ካብ ኢንቺ ምንቺ ወጺእና ናብ ቑምነገር ነድህብ። ፍስህስህን ሕፍንፍንንን ንበል። ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዘጥሓሎም ዜጋታትና ኣይወሓዱን። ዓመት 2020 ዝበለጸትን ዝደመቐትን ከም ትኸውን ዘጠራጥር የብለይን። ዓወት ናትና እዩ።
ዐውቴ እግል ርሒብ ገቢል!
ገንድሊ ኤርትርያ፡ ኣርሕብ፡ እቶ፡ ተዛተ፡ ተጋባእ፡ ገስግስ… be positive and forward-looking.
ሰጉም!!
ማሕሙድ ሳልሕ