ኣብዘን ዝሓለፋ 40 ዓመታት፡ እቲ ንነብሱ ብ”ደምበ ተቓውሞ” ኢሉ ዝሰሚ ወገን፡ ኣሉታ ዘብቁል ሓንጎል ጥራይ እዩ ሃኒጹ። ኣወንታ ዘይቦቕሎ ባይታ ናይ ኣተሓሳስባ እዩ መድሚዱ። ፍረ ጻዕሩ ድማ እነሆ ኣሉታውን ኣዕናውን ኣተሓሳስባታት ናይ ጉጅለኣውነት፡ ኣውራጃውነት፡ ቀቢላውነትን፡ ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ጎሳውን ዝንባለታትን ተበጉሶታትን ዝጥጥዓሉ ጠገለ ኣልቦ ግዛዕ ኮይኑ ኣሎ።
ኣክንዲ ብባዕሉ ዝጨበጦም ዓወታት ዝስውድን ዝስጉምን፡ ኣሉታታት ብምኹማር ጥራይ መንግስቲ ክፍንቅል ሓኾት ክብል ዓስርተታት ዓመታት ኣብ ሽንኮለልን ዕውንውንን ኣሕሊፍዎ። ሃናጺ ሓሳባት ዘይቦቕሎ ምድረበዳ ኮይኑ ድማ እነሆ ናብ ኣገዳስነት-ኣልቦ (irrelevance) ተወጊኑስ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ናብ ዋኒኖም ኣድሂቦም ይርከቡ። “ሰጉም፡ ቀጽል ጥራይ፡ሰሓብ፡ ኣብሽር ኣርክብ” ይብሉ ኣለዉ።
ናይ ጽባሕ መራሕቲ ኤርትራ ድማ ኣብዚ መስርሕ ይቀላቐሉ ኣለዉ። ትስፉዋትን ውፉያትን መንእሰያት፡ ኣብ ሃገራዊ መቀወምያታት ጸኒዖም፡ ታሪኽ ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ብሓድሽ መልክዕ ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገርን ኣብ ሳይንስን ምህዞን ክደግሙ ተቐሪቦም ኣለዉ።
ሃገር ክርከቡን ግደኦም ገይሮም ናብ ዝቕጽል ወለዶ ከመሓላልፍዋን ቃል ዝኣተዉ፡ ኣብ ግዜ ወጽዓኣ ሕድራ ዘይጠለሙ ኣባላት ጅግና ዋርሳይ ነታ ሃገራዊት ቀንዴል ኣብ ምርኽኻብ ኣለዉ። ሰብ ሕድሪ፡ ሰብ ተስፋ፡ ሰብ ጭቡጥ መደባት፡ ሕቡናት ኤርትራውያን… ምስዚኦም ደኣ ምቕጻል እምበር። ንቕድሚት ምምራሽ እዩ…ኤርትራና፡ ብርሃን እዩ ቅድመኣ።
“ኣርሕብ፡ እቶ፡ ተፈደል፡ ኣርክብ፡ ንምርካብ ዝጽግሞ ድማ ኢድና ዝርጉሕ እዩ” ዝብሉ ዘለዉ ይመስሉ።
ብደሆታትና ባዕልና እምበር፡ ናይ ወጻኢ ሓያላን ብምልማንን ኣፍደገ ቤትጽሕፈታቶም ብምኲሕኳሕ ከምዘይፍታሕ ደጋጊምና ርኢናዮ ኢና። ሰጉም ጥራይ!