Categories
Uncategorized

ውጽኢት ነቃጽ ፖለቲካ ተቃውሞ

ኣብዘን ዝሓለፋ 40 ዓመታት፡ እቲ ንነብሱ ብ”ደምበ ተቓውሞ” ኢሉ ዝሰሚ ወገን፡ ኣሉታ ዘብቁል ሓንጎል ጥራይ እዩ ሃኒጹ። ኣወንታ ዘይቦቕሎ ባይታ ናይ ኣተሓሳስባ እዩ መድሚዱ። ፍረ ጻዕሩ ድማ እነሆ ኣሉታውን ኣዕናውን ኣተሓሳስባታት ናይ ጉጅለኣውነት፡ ኣውራጃውነት፡ ቀቢላውነትን፡ ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ጎሳውን ዝንባለታትን ተበጉሶታትን ዝጥጥዓሉ ጠገለ ኣልቦ ግዛዕ ኮይኑ ኣሎ።

ኣክንዲ ብባዕሉ ዝጨበጦም ዓወታት ዝስውድን ዝስጉምን፡ ኣሉታታት ብምኹማር ጥራይ መንግስቲ ክፍንቅል ሓኾት ክብል ዓስርተታት ዓመታት ኣብ ሽንኮለልን ዕውንውንን ኣሕሊፍዎ። ሃናጺ ሓሳባት ዘይቦቕሎ ምድረበዳ ኮይኑ ድማ እነሆ ናብ ኣገዳስነት-ኣልቦ (irrelevance) ተወጊኑስ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ናብ ዋኒኖም ኣድሂቦም ይርከቡ። “ሰጉም፡ ቀጽል ጥራይ፡ሰሓብ፡ ኣብሽር ኣርክብ” ይብሉ ኣለዉ።

ናይ ጽባሕ መራሕቲ ኤርትራ ድማ ኣብዚ መስርሕ ይቀላቐሉ ኣለዉ። ትስፉዋትን ውፉያትን መንእሰያት፡ ኣብ ሃገራዊ መቀወምያታት ጸኒዖም፡ ታሪኽ ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ብሓድሽ መልክዕ ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገርን ኣብ ሳይንስን ምህዞን ክደግሙ ተቐሪቦም ኣለዉ።

ሃገር ክርከቡን ግደኦም ገይሮም ናብ ዝቕጽል ወለዶ ከመሓላልፍዋን ቃል ዝኣተዉ፡ ኣብ ግዜ ወጽዓኣ ሕድራ ዘይጠለሙ ኣባላት ጅግና ዋርሳይ ነታ ሃገራዊት ቀንዴል ኣብ ምርኽኻብ ኣለዉ። ሰብ ሕድሪ፡ ሰብ ተስፋ፡ ሰብ ጭቡጥ መደባት፡ ሕቡናት ኤርትራውያን… ምስዚኦም ደኣ ምቕጻል እምበር። ንቕድሚት ምምራሽ እዩ…ኤርትራና፡ ብርሃን እዩ ቅድመኣ።

“ኣርሕብ፡ እቶ፡ ተፈደል፡ ኣርክብ፡ ንምርካብ ዝጽግሞ ድማ ኢድና ዝርጉሕ እዩ” ዝብሉ ዘለዉ ይመስሉ።

ብደሆታትና ባዕልና እምበር፡ ናይ ወጻኢ ሓያላን ብምልማንን ኣፍደገ ቤትጽሕፈታቶም ብምኲሕኳሕ ከምዘይፍታሕ ደጋጊምና ርኢናዮ ኢና። ሰጉም ጥራይ!

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s