Categories
Uncategorized

ክቡር ዶ/ር ደብረጼን፡

ክቡር ዶ/ር ደብረጼን፡

ኣብ መንጎ ሓቀኛ ንብዓትን ንብዓት ሓርገጽን ዘሎ ፍልልይ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ዓማጺ፡ ሓደ ረጋጺ፡ ሓደ ንዝፈረመሎም ውዕላት ዝጠልምን ንዘኸለሰቶ ኢድ ዝነክስን ወገን ተመሊሱ ክመጻደቕ ከሎ ኣየምሕረሉን እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ( ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ)፡ ሽግር ከምዘየሎ ተደጋጊሙ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ጸገም የለን። እቲ ክሳብ 9 ሓምለ 2018፡ በቲ ውድብካ ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ደማዊ ወጥርን ምፍጣጣጥን እውን ዓሚ ወርሒ ሓምለ ብናይ ሰላም ውዕል ተደምዲሙ እዩ። ክልቲኦም መንግስታት ናይ ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ሓባራዊ ጽምዶ ይርከቡ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ክልል ትግራይን ውጽኢት ሰላም ከየስተማቕሩ ዓጊቱ ዘሎ ውድብካ ህወሓት እዩ። ዝፈረምክምልሉ ስምምዕ ኣኽብሩ፡ ነቲ ፈደራላዊ መንግስትኹም ዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ ሰዓቡ። ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ብዘይቅድመ-ኩነት እተኽብሩ ምዃንኩም ብወግዒ ግለጹ። ሽዑ እቲ ትብሎ ዘለኻ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ይኽእል። ሽዑ ንብዓትካ ልባዊ ክመስል ይኽእል። እምበር ሓደ ክሳድካ ዝረገጸካ ሰብ “እሓልየልካ እየ” እንተበለ ብኸመይ ቅቡል ይኸውን? ሓደ ብተደጋጋሚ ሕቖኻ ዝወግኣካን፡ ብተደጋጋሚ ዝፈረሞ ውዕል ዝጠለመን ነታ ዘኸለሰቶ ኢድ ዝነኸሰን ሰብ ክሳብ ግብራዊ ዕዮ ዘየርኣየ ብኸመይ ኢኻ ተኣምኖ? ንብዓት እውን ዓይነታት ኣለዎ ደቶረ።

ርሑስ በዓል ንኹልኩም መእመናን
ሰላምን ሕውነትን ንህዝብታት ከባቢና።

#Eritrea #Ethiopia #Debretsion መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንኤርትራዊያን
About this website

YOUTUBE.COM
#Eritrea #Ethiopia #Debretsion መልእኽቲ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንኤርትራዊያን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s