ሎሚ ኣብ ገዛ “ሕድሪ ጀጋኑና” ምስ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ ዝገበርክዎ ክትዕ። እቲ ናይ ክትዕ መደብ ብኣቶ ኪዳነ ዝሓጎስ ዝተጸወዐ እዩ ነይሩ። ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ፡ ነቲ ኣብ ራድዮ ኤረና ዝገበርክዎ ቃለ-ምሕትት ክብድህ ዝደሊ ምንባሩን ምስኡ ክዛተ ቅሩብ እንተኴነ ብኣዳለውቲ “ሕድሪ ጀጋኑና” ተሓቲተ።ኣነ ድማ መርገጺታተይ ከብርህን ክከላኸልን ጸገም ከምዘይብለይ ድሕሪ ምግላጸይ ዝተዳለወ መደብ እዩ ነይሩ። ኣካል ናይቲ ሓጹራት ፍልልይ ንንምስጋር ዝገብሮ ተበግሶታት እዩ። ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ብልጽግትን ስኒት ዝሰፈናን ኤርትራ ምህናጽ ብመሳልል ዝሕኮር መስርሕ እዩ። እቲ መንግስትናን ፖለቲካዊ ግንባሩን ንምሕያል ዝግበር ተሳትፎ ኣካል ናይዚ መስርሕ እዩ። ሎሚ፡ ዓበይቲ ርኡያት ዘቤታውን ጂኦ-ፖለቲካውን ብደሆታት ኣብ ቅድምና ተገቲሮም ኣለዉ።እቲ እንኮ ዝሓሸ ኣማራጺ ነዚ ንኤርትራ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ከቨባን ዓፈናን ረገጻን መሪሑ ዝወጸ መንግስትን ግንባርን ምሕያልን ናብቲ እንደልዮ ቅዋማዊ መድረኽ ምስግጋር እዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ክትዕ ክትሰምዕዎ፡ ርኢቶታትኩም ኣንቢበ ድማ ክመሃር ድሉው እየ።

Pause
-4:48:23
Additional Visual Settings
Enter Watch And ScrollClick to enlarge
Unmute