Categories
Uncategorized

ኣብ ሕድሪ ጀጋኑና ፓል ቶክ ዝተገብረ ክትዕ

ሎሚ ኣብ ገዛ “ሕድሪ ጀጋኑና” ምስ ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ ዝገበርክዎ ክትዕ። እቲ ናይ ክትዕ መደብ ብኣቶ ኪዳነ ዝሓጎስ ዝተጸወዐ እዩ ነይሩ። ኣቶ ኪዳነ ሓጎስ፡ ነቲ ኣብ ራድዮ ኤረና ዝገበርክዎ ቃለ-ምሕትት ክብድህ ዝደሊ ምንባሩን ምስኡ ክዛተ ቅሩብ እንተኴነ ብኣዳለውቲ “ሕድሪ ጀጋኑና” ተሓቲተ።ኣነ ድማ መርገጺታተይ ከብርህን ክከላኸልን ጸገም ከምዘይብለይ ድሕሪ ምግላጸይ ዝተዳለወ መደብ እዩ ነይሩ። ኣካል ናይቲ ሓጹራት ፍልልይ ንንምስጋር ዝገብሮ ተበግሶታት እዩ። ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ብልጽግትን ስኒት ዝሰፈናን ኤርትራ ምህናጽ ብመሳልል ዝሕኮር መስርሕ እዩ። እቲ መንግስትናን ፖለቲካዊ ግንባሩን ንምሕያል ዝግበር ተሳትፎ ኣካል ናይዚ መስርሕ እዩ። ሎሚ፡ ዓበይቲ ርኡያት ዘቤታውን ጂኦ-ፖለቲካውን ብደሆታት ኣብ ቅድምና ተገቲሮም ኣለዉ።እቲ እንኮ ዝሓሸ ኣማራጺ ነዚ ንኤርትራ ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ከቨባን ዓፈናን ረገጻን መሪሑ ዝወጸ መንግስትን ግንባርን ምሕያልን ናብቲ እንደልዮ ቅዋማዊ መድረኽ ምስግጋር እዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ክትዕ ክትሰምዕዎ፡ ርኢቶታትኩም ኣንቢበ ድማ ክመሃር ድሉው እየ።

Pause
-4:48:23
Additional Visual Settings

Enter Watch And ScrollClick to enlarge

Unmute

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s