እቲ ፍልልይ እንታይ እዩ?
ቅድሚ ሕጂ ብደገ ኮይነ እዛረብን ኣማርርን እኸስስን ነይረ። ሎሚ ግን ኣብቲ ማሕበር፡ ኣብቲ ዳስ ኣትየ፡ ግብራዊ ተሳትፎ እናገበርኩ፡ ነቶም ዝግደሰሎም ዛዕባታት ብዘይስክፍታ ክድሕድሕ ከምዝኽእል ተማሂረ ኣለኹ። ስለምንታይ ደኣ ኣብ ደገን ኣብ ቁርን ዝሳጣሕ?
ኣብቲ ዋዕዋዕ ዝብል ዳስ ይሓይሽ። ምስ ወፋሮ ተሓዊሰ ኣለኹ፡ ኢደይ ክሕውስ ኣለኒ። ክርህጽ ኣለኒ። ኢድካ ከይሓወስካ ዝፍጸም ዕዮ የለን። ክሉ ምስ ሰብካ እዩ ጽቡቕ። እቲ ብህግድፍ ዝምራሕ ዘሎ ሜዳ፡ ነቲ ዝፈልጦ ሜዳ ቀደመይ ኣዘኻኺሩኒ ኣሎ።
ሸቶታቱ ብቀዳምነታት ሰሪዑ ዘለሊ፡ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ማእከል ዝገበረ፡ ሓይልን ምንቅስቃስን ዘለዎ ማሕበር!
ክነቅፍን ርኢቶታተይ ብዘይ ዕቃበ ክህብን ግድን “ተቓዋማይ” ክኸውን ከምዘይብለይ ዘረጋገጽክሉ ዕድል እዩ ነይሩ። እዚ እዋን እዚ፡ እዋን ኢደይ ኢድካ እዩ። እዋን “ውጻእ”ዘይኮነስ፡ እዋን ተፈደልን እዋን እቶ እዩ። “ሃገርና ክነመሓይሽ ብዝያዳ እንታይ ንግበር” ዝበሃለሉ እዋን እዩ። እዋን ምቅርራብን እህን-ምህን እዩ።
ኩራን፡ ቅርሕንትን፡ ጽልእን… ኣሉታውነት ዝራብሑሉ ሚድዩም (medium) እዮም። ኩራን ቅርሕንትን ጽልእን ንሃገራትን ኣህዛብን ኣፋሊሶም እዮም።
ናብ ክውንነት ምቕራብ ንዝበዝሕ ጉጉይ ርድኢታት (perceptions) ክትእርም ይሕግዝ።
ከምቲ ኢሳቅ ኒውተን፡ “ንሓደ ኣብ ምንቅስቃስ ዘሎ ነገር ክበራበርን ፍጥነቱ ይኹን ኣንፈቱ ክቕይርን ናይ ግድን ምስ ሓደ ካልእ ነገር ክናጋዕ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ሓደ ኣብ ህዋ ናይ ስምዒታት ዝንሳፈፍ ሰብ እውን ምስ ክውንነትን ውዱዕነትን ምስ ተናግዐ እዩ ካብ ሕልምታቱ ዝበራበርን ነብሰ-ፍተሻ ዝገብርን። ምስ ክውንነት ውድዕነትን ምስ ተናግዐ እዩ ብርህው ዝብሎ።
ሽዑ፡ መኣዝንካን ፍጥነትካን ክትፍትሽ ዕድል ትረክብ። እቲ ተጥፈኦ ግዜን ጸዓትን ብልክዕ ኣብ መዓላ ይውዕል ኣሎ’ዶ ወይስ ንኸንቱ ይባኽን ኣሎ ክትግምግም የኽእለካ። ከባቢኻ ብንቑሕ ኣእምሮ ክትፍትሽ ይሕግዘካ። ሽዑ፡ ብርህው ዝበለን ውዑይ ምንቅስቃሳትን ዘለዎ ሃገራዊ ደምበ፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ዝሕልሕልን ጽልምትምትን ዝበለ ካልእ ደምበ ክትርእይ ኣየጸግመካን እዩ። ናበይ ከም ተብል’ዶ ክጠፍኣካ ኮይኑ?
ኣብ ኤርትራ፡ መነባብርኡን ካልእ ጸገማቱን ብተሳታፍነቱን ብርሃጹን ከመሓይሽ ዝወፍር ህዝቢ ኣሎ። ኢድ ካልኦት (welfare) ኣይጽበን። ዝመርሕዎን ምስኡ ዝጨማለቑን ካብኡን ናብኡን ካብ ሕቑፉን ዝወጹ፡ ብኣዝዩ ትሑት ክፍሊት ምስ ባህሪ ዝረባረቡ ዘለዉ መራሕትን ክኢላታትን ኣለዉዎ። ሽግራትን ፍታሓቶምን ብቐረባ ዝፈልጡ። ኣጆኹም ምባሎም። ኣብቲ ማሕበር ድማ ሕውስ ምባል።
ልዕሊ ኽሉ ግን ሰላም ምሃቦም። ኣማዕዳውን ተወራዛያይን ምዃን ሕመቕ እዩ። ነቐፈታ ምስ ሰናይን ኣብነታውን ግብሪ ምስ ዝሳነ ጥራይ እዩ ኣድማዒ ዝኸውን።
ናይ ግዜና ቴማ ድማ፡ “መርሓባ፡ እቶ፡ ተፈደል” ዝብል እዩ። ሰለስተ ግን ሓደ ቃል። ተዛረብቲ እንግሊዘኛ፡ Get involved ይብልዎ። ድሕሪ መጋረጃ ኣብ ዝተኣልመ መደባት ኣይትደቕደቕ። ዘይከሸንካዮ መግቢ ስሚ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ንርእዮ እንዲና ዘለና። ክንደይ ዘይሓመሙ፡ ክንደይ ኤርትራውነቶም ዘይሰኣኑ።
“ሓቴ ግብኡ/ ሓደ ኹኑ”…ቃል ሼኽ ኣብራሂም ሱልጣን።
ንቑሕን ዉዕዉዕን (dynamic) ናብ ሸቶታት ዘድሃበን…ሃገራዊ ደምበ። እቶ፡ ተፈደል…