ዶ/ ኣቢ ኣሕመድ “ተባሂለ”ኢሉ፡ ጀማዓትና ድማ ነዛ ኢንተርነት ቃልቃል ኣቢሎማ። እንታይ ከ ተባህለ?
- ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ መመረቕታ ናይ ሓድሽ ቤት-መንግስታዊ ፓርክ ተፈጺሙ ንብለኩም። እቲ ፓርክ ንብዙሓውነት ኢትዮጵያን ታሪኻን ዝገልጽ ተምሳላት ኣለዎ። ከም ኣካሉ ድማ፡ ታሪኽን ኣበርክቶን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝሓቖፈ መርኣይታት ኣለዎ። ሃጸያት ሚኒሊክን ሃይለስላሰን፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ መለስ ዜናዊ፡ ሃይለማርያም ደሳለን ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድን የጠቓልል።
- ወዲ ኣፎም ገዲፍካ፡ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም ነይሮም።
- ኣብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም መደረ፡ ዶ/ር ኣቢ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ወክለኒ” ከም ዝበሎ ገሊጹ።
- ጀማዓት “ተቓውሞና” ድማ ነዚ ከም ሓደ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘጥቅዕ ዓቢ ሓደጋ ገይሮም የንበድብድዎ ኣለዉ። ህጹጽ ኣኼባታት እውን ተጸዊዑ ኣሎ። እሞ እቲ ሓቂ እንታይ ኮን ይኸውን?
ሀ. ብርግጽ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ኢልዎ እዩ። ሰሚዕናዮ ኢና።
ለ. ብመሰረቱ ኸ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ “ወክለኒ” ኢልዎ ድዩ? ንፈልጦ የብልናን። እንተ ኢልዎ ኸ በቲ ዶ/ኣሕመድ ዘቕረቦ መልክዕ (phrasing) ኢሉዎ’ዶ ይኸውን? ዛጊት መረጋገጺ ጭብጢ የለን።
ሐ. ፕረሲደንት ኢሰይያስ ብኸምኡ መልክዕ እንተበሎ ኸ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝትንክፍ ድዩ? ኣይፋል። ቅርብ እኳ ኣይብሎን።
መ. እሞ ደኣ እንታይ እዩ እዚ ኽሉ ሸገርገር? Well, ይብሉ ጸዓዱ፡ well, ቅልውላው ጥራይ እዩ ክበሃል ዝከኣል። ጀማዓትና ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምዘለዉ ዝሕብር እዩ እምበር ዝኾነ ልኡላዊ ጉዳይ ዝትንክፍ ኣይኮነን።
ያ ጀማዓ፡ ብዙሕ ኣይትለህልሁ። መመረቕታ ናይ ፓርክ እዩ። ዶ/ር ኣቢ ኣክንዲ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኮይኑ ዝፈረሞ ወይ ዝወሰኖ ልኡላዊ ጉዳይ ኤርትራ የለን። እቲ ጉዳይ፡ ንኢትዮጵያዊ ፓርክ እዩ ዝምልከት። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ድማ “መብሩኽ” በለለይ ኢሉዎ ይኸውን። ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ድማ ንመሰረታቱ (ህዝቡ) ከሕጉስ ዘይገብሮ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ኣዘራርባ ክመልቖ ጸኒሑ እዩ። መንእሰይ ወዲ ሹቕ እዩ። ያረዳ ልጅ ድዮም ዝብሉ ኣምሓሩ?
ብዝኾነ፡ ወዲ ኣፎም ኣብኡ ተረኺቡ ብዛዕባ ሃይለስላሰን መንግስቱን መለስ ዜናውን ዲስኩር ክሰምዕን ምስልታት ክርእን ዝጽበዮ እንተሎ፡ ሳዋ ክወርድ ኣለዎ፡ መባእታዊ ታሪኽ ኤርትራ ክመሃር። እንታይ ገይርኩም’ዚ ሰብኣይ? ድሕሪ እዚ ኽሉ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ገድሊ፡ ሎሚ ተዝካራቶም ከስተማቕር ትጽበይዎ?
እሞ ኣበይ ደኣ ነይሩ ይኸውን ወዲ ኣፎም? Well…ወይ ኣብ ዓዲ ሃሎ ከርማሕማሕ ይብል ነይሩ ይኸውን፡ ወይ ድማ ኣብ ዲጋ ጋሕተላይ። ኣቱም ሰባት፡ ግምተይ እዩ። ወንጭፍክም ንጨራሩ ተጠቐሙላ።
ግን እስኪ ዕትብ ኢልና ነቲ ጉዳይ ንርኣዮ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ መራሕቲ ሃገራት ነዚታት ዝመስል ንዕምቖት ዝምድነኦምን ሓድሕዳዊ ኣኽብሮቶምን ዘርኢ መግለጺታት ኣይገብሩን እንድዮም? ኣነስ ዓበይቲ ስለዝኾንኩም ክትሓስቡሉ ኢለ እየ። ደሓር ከኣ ብዓቢኡ “ሃገር ክነድሕን” እናበልኩምስ እዝስ እቲ ዝለዓለ ቀይሕ መብራህቲ ዝወለዐ ሓደገኛ ተረኽቦ ኮይኑ ማለት ድዩ ክንድ’ዚ ሸበድበድን ዓንገረርን!!?
ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝደጋገምክዎ፡ ኣብ ልኡላውነት መጺእኹም ህዝቢ ኣይኣምነኩምን እዩ። When it comes to national security, you have lost credibility. PERIOD. በቲ ድኹም ጎንኹም ክተድምዑ ትፍትኑ ኣለኹም። ንሱ እዩ ጸገምክም። በቲ ሓደ ጎንኹም ፈትኑ፡ ንሱ እውን ዝደኸመ ከይከውን እምበር።
ብዝኾነ፡ ነዚ ያረዳ ልጅ ዝኾነ ኣቢ ኣሕመድ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ናቕፋ ወሲድና፡ ዕርድታትና ባዕሎም ታሪኽ ከዘንትዉሉ ምግባር እዩ። ብሓቂ እውን ናትና ናይ ታሪኽ ፓርክ እኳ ይዓቢ። ጎቦ ደንደን ዘዘንትዎ ኣለዎ። ካብኡ ድማ ናብ ሽዕብ፡ ዖና፡ ቢስክዲራ፡ ዓድ እብርሂም ወኪ ድባን ወሲድና ንስምዒታት ኤርትራውያን ክርዳእ ክንገብር ኢና። ብዝተረፈ፡ ዓወት ንደለይቲ ጽቡቕ ጉርብትና ክልቲአን ሃገራት። ዝምድና ክልቲኦም መራሕቲ ድማ ይመለኣዮ ጥራይ። ንጠቕሚ ክልቲኡ ህዝብታት እዩ።
ብዙሕ ዘሻቕል የብልናን። እቲ ኤርትራዊ ርእሰ-ምትእምማን ኣይነከየን። ብመናፍሕ ገሊኦም ሸለብ ገለብ ኣይንብልን። ብቐደምና’ንዶ ኣይበልናዮን፡ ናትና ኣይንህብን ዘይናትና ከኣ ኣይንደልን።