Categories
Uncategorized

ሕ/ሰብ ተጋዳላይን ኣመለኻኽትኡን

ማሕሙድ ሳልሕ

ናይ ስነ-ቋንቋ ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ፡ ገለ ገለ ሕ/ሰባት ወይ ጉጅለታት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብቶም መበቆላውያን ጉጅለታት ክፍንተቱ ምስ ዝጅምሩ (ብጂኦግራፊ ማለት ከም ጎቦታት ወይ ኣፍላጋት ወይ ደሴታት ወይ ድማ ብኻልእ ከም ኲናት ወይ ባህሪ ዘገደዶ ስደት) ናታቶም ፍሉይ ላህጃታትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቋውማን ሕ/ሰባዊ ክብርታትን የማዕብሉ። ግዜ ምስ ዝነውሕ ድማ ቋንቋኦምን ባህሎምን ካብቲ ኣደ ሕ/ሰብ ይፍለ እሞ ርእሶም ዝኸኣሉ ሕ/ሰባት ኮይኖም ይምዕብሉ። 

ድሕሪ ምዝላቕ ናይ 1978 ክሳብ ግዜ ናጽነት፡ ተጋዳላይ ወላ’ኳ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይንበር፡ ኩናት ዘገደዶ ኣብ ፍጹም ወተሃደራዊ ስራሕ ተጸሚዱ ምስ ህዝቢ ክተሓዋወስ ይኹን ዕርፍቲ ረኺቡ ስድርኡ ክርኢ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። መስርሕ ምዝላቕ ኣብ መወዳእታታት ናይ 1978 ተጀሚሩ ኣብ መጀመርያ ናይ 1979 ዳርጋ ተዛዚሙ ነይሩ። ኣብ 1979፡ ድሮ ናይ ምክልኻልን ምርብራብን መድረኻት ተሓሊፉስ ኣብ ክልቲኡ ግንባራት (ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን) ጸረመጥቃዕታት ተኻይዱ። ድፋዓት ተመዓርርዩ፡ ደጀናት እውን ናይ መወዳእታ ቦታታቱ ደኣ ኣይሓዘን እምበር ተረጋጊኡን ዳግመ-ውደባታት ገይሩ ነቲ ትንፋስ ዘይህብ ውግኣት ክድግፈሉ ብዝኽእል ቅርጽን ኣሰራርሓን መልክዑ ሒዙ ነይሩ እዩ (ድሕሪ ናይ 1981 ደምዳሚ ውግእ ሓድሕድ፡ ክፍልታት ናብ ሕሽክብን ኣዶብሓን ዓሬርብን ጎቦ ሃገርን ተዘርጊሑ ናይ መወዳእታ ቦታታቱ ሒዙ)። 

ኣብ ውሽጢ እዚ ናይ ሞትን ህይወትን ምርብራብ ኣብ ሳሕል ሓድሽ ንኡስ ሕ/ሰብ ይፍጠር ነይሩ። ሕ/ሰብ ተጋዳላይ። መለለዪታት ናይቲ ሓድሽ ንኡስ ሕ/ሰብ ድማ እናተነጸሩ መጺኦም።

  • ሓድሽ ቃላትን ኣገላልጻን ባህርን ማዕቢሎም። ምስ ዝተናወሐ ሓርነታዊ ኲናት ዝተኣሳሰሩ ሓደስቲ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቃላትን ኣምራትን ፈልፊሎም። ንተጻዋርነትን ተበጃውነትን ምትሕልላይን ዝገልጹ ከም ኣብ መስዋእትን ተወፋይነትን ዝሕተተሉ እዋናት “ቅድሚ ብጻየይ ክሓልፍ” ምባል። ምባል ጥራይ ዘይኮነስ፡  መዓልታዊ ባህርን ግብርን ተጋዳላይ ከምዝኾኑ ተኾስኲሶምስ ኣካል መንነት ተጋዳላይ ኮይኖም ቀጺሎም። ኣብ ግዜ ጥሜትን ዕርቃንን ድኻምን ድማ “ብጻየይ ቅድመይ ይርባሕ” ዝብል ባህሊ ተኾስኲሱ። ጥሜት፡ ድኻም፡ ድቃስ ምስኣን፡ ካብ ወለድኻን ኣዕሩኽትኻን ምፍላይ፡ መውጋእቲ፡ ሕማም…ከም ኣካል ናይቲ ቃልሲ ዝጠልቦ መስዋእቲ ገይሩ ዝርኢ ኣመለኻኽታ ማዕቢሉ፡ መለለዪኡ ኮይኑ ድማ ቀጺሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ተጋደልቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓደስቲ ብሂላትን መግለጺታትን ምሂዞም። ንኣብነት፡ “ከመይ ኣለኹም” እንተኢልካዮም፡ “ ወርቂ፡ ስርናይ፡ እንታይ ክወጾ” ይብሉኻ። ለይትን ቀትርን ድፋዓት ክኽዕቱ ኣፍራዛን ባደላን ዘየውረዱ እዮም። ኣብቲ ሰማይ ጠቀስ ኣኽራናትን ኣጻድፍን፡ ንድፋዓት ዝኸውን ኣጉናድ ክጓርቱ ኢኻ ትርእዮም። ንጋንታታቶም ዝኸውን ማይ ከምጽኡ ሳዓታት ዝወስድ ዓቐብ ወሪዶም እዮም ዝድይቡ። ምስ ጥልቁዕ ከብዶም፡ ምስ ዕሩቕ ዝባኖም፡ ምስ ረሃጾም፡ ሸታሕታሕ እናበሉን እናጸደፉን፡ ነቲ ብመዳፍዕን ረሻሻትን ዝተኣሰረሉ ቦታታት ብሰሓቕን ዋዛን እናሓለፉን ህይወት እናኸፈሉሉን፡ ፍሽኽታን ተስፋን ግን ካብ ገጾም ኣይዓርባን። ገጾም ወትሩ ምስተኾለዐ እዩ ነይሩ። “ስርናይ፡ ወርቂ” ይብሉ፡ ምስታ ዝለመድናያ ምልክት ጽንዓቶም ዝኾነት ፍሽኽታ።
  • ሓድሽ መንፈስን ስነኣእምሮኣዊ ቅሩብነትን ክላባዕ ጀሚሩ። ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ከምዝብልዎ፡ ነቲ ፍሉይ ብደሆን ምረትን ጸበባን ክንሰግር ዝሕግዙ እስትራተጂታትን ክእለታትን (sets of skills) ክንዕለም እንኽእል’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መወዳእታስ ክሉ ኣብ ሓንጎልና (ልብና) እዩ። ነቲ ብደሆ ብልብና ክንቅበሎን ክንገጥሞ ድማ  ቅሩባት ክንከውን ኣለና ማለት እዩ። ተጋዳላይ እውን ብዘይክኡ ካልኦት ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ወደቓ ኣይኮነን ዝረኸቦ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ርእሱ ክምርኮስ ጥራይ እዩ ብእዋኑ ወሲኑ። ነቲ ዝነበረ ዋሕዲ ነገራዊ ጸጋታት ዝትክእ ብልሓታት ክተኣታቶ ግዜ ኣይወሰደሉን። ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን “ደምና ብረሃጽና ንዓቅብ” ዝብል ጭርሖ ኣብ ኩለን ኣሃዱታት ተላቢዑ። መውዓሊታት፡ መታኾሲታት፡ ጁባታት ካናለታት (ምስ ጸላኢ ቅርበት ዘለዎ ቦታታት፡ ክሉ ግዜ ድሉው ሓይሊ ኣብ ድፋዕ ክህሉ ስለዝግባእ ንመዕረፍን መደቀስን ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ካናለታት ዝስራሕ ህዱም ክፍልታት እዩ፡ ንማይን መግብን ተተኳስን እውን ከም መኽዘን የገልግል)። ቃልሃታት ታንክታት፡ 120-122 ሚ.ሜ፡ ካብ ነፈርቲ ዝተደርበየ ፍንጫላት ሓጻውን… ተመስሪሖም ንመመገብን ንመምሃርን (ከም ሰለዳ ኮይኑ) ይጥቀሙሉ። ክፉፍ (ዕጥቂ) ካብ ሳእኒ ሬሳታት ጸላኢ ይስፈ። ክዳውንቲ እውን ካብ ሬሳታት ጸላኢ (ገሊኡ ክተጽርዮ ዘጸግም፡ ዝተፈላለየ ብልሓታት ተማሂዙ ነይሩ፡ ግን ስብሒ ወዲ-ሰብ ጠጢቕኻ ክትኣልዮ ዘጸግም እዩ)። ንፉዓት ሰፈይቲ ክዳውንቲ (ብኢድ ማለት እዩ፡ ደሓር ደኣ ናይ ክ/ሰራዊታት ሳርቶ ተመስሪቱ እምበር፡ ብፍላይ እተን ዋዕሮታት ደቀንስትዮና ዘርእየኦ ዝነበራ ሓልዮን ምንክንኻንን ክትዝክሮ ዘደናፍቕ እዩ፡ ንፉዓት ሰፈይቲ ደቂ-ተባዕትዮ እውን ፈርዮም ነይሮም)። ካብ ክሉ ንተጋዳላይ ዝኸፍኦ ቁማል እዩ ነይሩ። ቑማል ጥዒምዎ። ክጥዕሞ ከሎ ኸኣ ክራባሕ መዓት እዩ። በብዓይነቱ ቑማል እዩ ዘሎ። ካብ ክሉ ዝኸፍአ ግን እቲ ኣብ ረቂቕ ክፍለ-ኣካላት ዝባዛሕ እዩ። ኣብ ክዳን ዘሎ ቁማል ጸሓይ ሳሕል ኣላቶ። ኣብ ርእሲ ዘሎ ድማ ኣዋልድና ኣይሓመቓን። እቶም ኣብ ረቂቕ መንቀራቕሮታት ዝፋረዩ ግን ናይ ብሓቂ ርጉማት እዮም ነይሮም። ብዝኾነ…ኣብ 1980 እዩ መስለኒ፡ ሳእኒ ሽዳ ኣብ ሜዳ ክስራሕ ጀመረ፡ ግን ቀዳማይ ፈተነ ዝጉሂ እዩ ነይሩ። መሽለጥ፡ መሽለጥ ኢሉ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ በዚሑ። ተጋደልቲ እና ወደቑ ምስ ተወድኡ ሳጓ ኣውጺኦምሉ ነይሮም (ነታ ሳጓ ዝዝክራ እንተሎ ኣብ ዓምዲ ርኢቶታት ይጽሓፈለይ፡ ብኽብረትኩም)። እናጸንሐ ግን ብቕልጡፍ ብዓይነቱ ተመሓዪሹ፡ ዳርጋ ካብቲ ኣብ ሱዳን ዝስራሕ ዝነበረ ዝያዳ ዝተረረ ኮይኑ… ታሪኻዊ ሽዳ; ዛንታ ኣለዎ። ኣመጋግባ ንምምሕያሽ ጀራዲን ተኣታትዩ። ጠለበጊዕ እውን ተጠርየን፡ ዝያዳ ንውጉኣት እየን ተመዲበን ነይረን። ጉጅለ ባህልታት ዓንቢቡ፡ ስንጭሮታት ሳሕል ኣብ ግዜ ለይቲ ናብ ክፉት ኣብያተ ትያትራት ተቐዪሩ። ግዜ ዘስገደዶ ኮይኑ፡ ተጋዳላይ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕበረ-ሰብ ሃኒጹ።
  • ፍቕርን መርዓን እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ፍቕሪ ተጋደልቲ መጺእካ ብዙሕ ዘስሕቕ ሕክያታት ኣሎ። ንሎሚ ክንሓልልፎ፡ ግን ኣብ መንጎ እቲ ጓህሪ ኲናትስ ህይወት ተጋዳላይ ኢዳ ኣይሃበትን። መርዓ ካብ ሃለወ ቆልዑ እውን ኣለዉ ማለት እዩ። ተዋጋኢ ኣሃዱታት ደቆም ምስኦም ከዕብይዎም ስለዘይክእሉ፡ ነብሰወከፍ ኣሃዱ መዕበይን መናበይን ህጻናት ዝኸውን ክፍልታት መስሪታ ነይራ።  እታ ስም ናይቲ መናበይ ክፍልታት ብኸመይ ከምዝመጸት ኣይፈልጣን እምበር “እንዳ 17” ይስመ ነይሩ። ኣብ ደጀን (ክፍልታት) ግን ህጻናት ምስተን ኣሃዱታት ይዓብዩ ነይሮም። ገሊኦም ተጋደልቲ ኣብ ምዕባይ ደቆም ስለዝተሓጋገዝናዮም ቅሩብ ንጥሮታና ዝኸውን ኣበል ክኸፍሉና ኣለዎም በሃላይ እየ። ማዕለሽ፡ እቲ ወለድ ይትረፈና። ተዛመድቲ ፍቑራት ኣብ ዓመት ዘሕልፍዎ ዕረፍቲ ኸ? ተቐባሊት ኣሃዱ ነቶም ዘዕርፉ ተጋደልቲ ክተሕንቅቕ እትገብሮ ሓልዮታዊ ጻዕርታት ብናይ ሎሚ ሚኒከሎ ክርእዮ ከለኹ የገርም እዩ። “ጥዑም ግዜ” ክብሎ ጥራይ እየ ዝደናደን።
  • ክፍልታት (ደጀን) እውን ኣብ ሓጺር ግዜ ርኡይ ምዕባለ ኣርእዩ። ጋራጃት፡ መኻዝን መግብን ዕጥቅን፡ መጓዓዝያ ምስ ጽርግያታቱን መዋፈሪ ኑቕጣታቱን፡ መሳንዕ፡ ዜናውን ክልሰ-ሓሳባውን ትካላት፡ ትካላት ምርምርን መጽናኦትን፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ከም ናይ ሕርሻን ንግድን ሕክምናን ትምህርትን ተዘርጊሖም፡ ህዝባውያን ማሕበራት ጠጢዐን ጎልቢተንን።  ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ድማ ተስፋ ዘስንቕ ተሳትፎ ገይሩ፡ ኤርትራ ካብ ጫፍ ንጫፍ “ናጽነት” ዘሚራ፡ ንናጽነት ተቐዳዲማ። ሻድሻይ ወራር ናይ መርዛም ቀመማዊ ግጥም ክኸውን እዩ ምስ ተባህለ፡ ኤርትራውያን ንካልእዊ ፍልልያቶም ንጎድኒ ኣቐሚጦም፡ “ብደሆ” ደሪፎም። ናብ ስራሕ ተጸሚዶም። በብዓቕሞምን ብዝጥዕሞም ኣገባብን። ተጋዳላይ ድማ ‘ይምጻእ ጥራይ’ ኢሉ ከይጃጀወ ተዳልዩ ጸኒሑ። ከም ካልኦት ወራራት በርዒኑ። እታ ፍሽኽታ ተጋዳላይ፡ እተን “ወርቂ፡ ስርናይ” ዝብላ ብሂላት ተጋዳላይ ዝዓቐረኦ ቁም ነገር ነይሩ። ንሱ ድማ፦
  1. ንጹር ዕላማ ምንባሩ። ኣብ ልዕሌና ኢፍትሓውነት ስለዝተፈጸመ፡ ቃልስና ፍትሓዊ እዩ ነይሩ። ዕላማና ድማ ናጽነት።
  2. እምነት ኣብቲ ዕላማ። ጭርሖና “ቃልስና ነዊሕን መሪርን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን” ዝብል ነይሩ። ንይምሰል ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ዝዓሰሉሉ እምንቶ ነይሩ። እቲ ኣነ ዝፈልጦ ወለዶና፡ ንርእሱ ክርህዎ፡ ወይ ናጽነት ምስ ተረኽበት ውልቃዊ ነገራዊ ሞሳ ወይ ረብሓ ክረክብ ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንርእሱ ከም ሓላፋይ ቆጺሩ እዩ ዝጋደል ነይሩ። ርእሱ ሓላፋይ እቲ መስመር ወይ ዕላማ ግን ተዓዋታይ። ነዚ መስመር እዚ ክተዕውት እንተኮይኑ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ምረት ናብራን ኣካላዊ መስዋእትነትን ዝድብስ ኣመለኻኽታ ክተማዕብል ነይሩካ። ፍሽኽታ። “ወርቂ፡ ስርናይ፡ እንታይ ክወጾ” እናበልካ ንርኡያትን ጭቡጣትን ብደሆታት ብስነ-ኣእምሮኣዊ ቅሩብነት ምግጣሙ። ወሪድዎ ተጋዳላይ፡ ካልእ ዝውንኖ እንታይ ነይሩ። ናይ ሽዑ ደርፍታት ይዝከራኒ…መልእኽተን ድማ ” ሚሳይላትን ነፈርትን፡ ታንክታትን ብዝሒ ሰብን ዘይኮነስ፡ እቲ ወሳኒ ነገር ንቕሓት እዩ” ዝብል ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ተጋዳላይ ብዘይንቕሓቱን ከላሺኑን ዝዓጠቖ ሚሳይላት የለን” እትብል ጠቕሲ ናይ ም/ዋና ጸሓፊ ህግሓኤ፡ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዙሓት ስነጥበበኛታት ኣብ ደርፍታትን ግጥምታትን ተጠቒሞምላ እዮም።
  3. እምነት ኣብ ዕላማ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ እምነት ብደረጃ መትከል ምርቃቑን ኣካል ህይወትካ ምግባሩን።
  4. ነቲ እምነት ብመትከል ጥራይ ምርቃቑ ዘይኮነስ፡ ነቲ መስመርን መትከልን ክተዕውት ባህግን ድርኺትን (motivation) ምህላዉ። እዚ ድማ ናብቲ ዕላማ ይመልሰና ማለት እዩ። ባህጊ ናጽነት ምህላዉ፡ “ካብ ዓመታት ብባዕዲ ተጸቒጠ ዝነብር፡ ሓደ መዓልቲ ናጻ ኮይነ እንተነበርኩ ይሓይሽ፡ ወይ ድማ፡ ኣነ ሓሊፈ ዝመጽእ ወለዶ ናጻነቱ ረኺቡ ይነብር” ዝብል ነግ-ፈረግ ዘይብሉ መርገጺ ምውሳድ ንገዛእ ርእሱ ከም ደራኺ ሞቶረን ከም ነዳድን ኮይኑ ኣብ መትከልካ ረጊጽካ ዕላማኻ ክተዕውት ንቕድሚት ክትደፍእን ይሕግዝ። ዕላማኻ ንምዕዋት ብልብኻ ከም ትሰርሕ ይገብረካ። ኣብ ማዕዶ ዝረአ ብሩህ ኮኾብ ኮይኑ መኣዝንካ የጸንዕ። ዝወረደ ይውረድ ድማ፡ “ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ ኣብ ባርዕ ሰውራ ሓራሪ” እናበልካ ትምርሽ። ወትሩ “ወርቂ፡ ስርናይ” እናበልካ ትቕጽል። ትፈትዎም ቀያሕቲ እናደበኻ፡ ብውሽጥኻ ጓህን ቃጸሎን እና ሸልበበካ፡ ነታ ትስዕብ ድፋዕ ተፍርስ፡ ነቲ ዝመጽእ ወራር ተፍሽል፡ ነቲ ዝቕጽል ሰማይ-ጠቀስ ከረን ትድይብ…ወትሩ ፍሽኽታ፡ ወትሩ “ዓወት ንሓፋሽ”… ትወድቕ፡ ትትስእ፡ ትውጋእ እንደገና ትውጋእ…ንዓስራይ ግዜ ትውጋእ…ምብጋስ እዩ።  ኣሃዱኻ ከይተግድዕ ንትእዛዝ ዶክቶርካ ጥሒስካ ናብ ድፋዕ ምጉያይ እዩ። በዓል ሓደ ዓይኒ? ጸገም የለን። በዓል ሓደ ኢድ? “ኖርማል እንድዩ” ይብሉኻ በታ ኣዕንቲ እትደጒሕ ልባዊ ፍሽኽታ ኣሰንዮም። እግሮም ዝተሃስዩን ደልጎጽጎጽ ዝብሉን…ርእሶም ብጥይትን ስኩጆታት ዝተበሳስዐ እሞ መዓልታዊ ሕማም ምንፍርፋር ዝሕዞም…”ኖርማል እንድዩ” ይብሉኻ። ብውሽጣዊ ሕማም ዝተሃሰዩ…” ወርቂ፡ ስርናይ” እናበሉ ሰለይ ክብሉን ክረጋረጉን ክትርኢ፡ ሽዑ “ኖርማል” ነይሩ። ሎሚ ግን የተሓሳስበኒ። ገድሊ ወይ ማሕበረ-ሰብ ተጋዳላይ ዝፈጠሮ ኣመለኻኽታ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ውሽጢ ከምኡ ዝኣመሰለ ባህሊ እየ ዓብየ፡ ኣካል መንነተይ እዩ። ግን ሎሚ ተመሊሰ ኣብ ሓንጎለይ ከሰላስሎ ከለኹ እግረም እየ። እቲ ናይ ትማሊ “ኣነ” ምስቲ ናይ ሎሚ “ኣነ” ይራኸቡን ይዛተዩን እዮም። ዝበዝሕ ግዜ ግን ክረዳድኡ ኣይክእሉን። እንሓንሳብ እውን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምጉትን ዘይምቅዳውን እዮም ዝኣትዉ። ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ ዝኸውን…ግን እቲ ኣብ ገጽ ተጻብኦታትን ብደሆታትን ፍሽኽታ ምዕባይ፡ “ዘይስገር የለን” ዝብል ኒሕን እምነትን ምምዕባል ንሕሱም ኩነታት ‘ ወርቂ፡ ስርናይ’ እናበልካ ምግጣሙ ናይ ማሕበረ-ሰብ ተጋዳላይ ባህሊ ምዃኑ ሓሊፉ ሎሚ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ክትርእዮ ባህታ ዝፈጥር እዩ። እዚ ባህሊ’ዚ እዩ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዝነበረ ወሳኒ ፈተነ ብዓወት ክሰግሮ ዘብቀዖ።

ሕጂ እውን ዘይስገር የለን። ከም ሃገርን ህዝብን፡ መሳርዕና ነስምር፡ ዓቕምታትና ንኣኻኽብን ነወሃህድን። ዕላማና ዓዲ ሕግን ፍትሕን ዝኾነት፡ ክሉ ኤርትራዊ ብዘይፈላላይ ዝነብረላን፡ እቲ ዘሎ ጸጋታት ድማ ብርትዓዊ ኣገባብ ተኻፊሉን ማሚቑ ዝነብረላ ሃገር ምህናጽ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ “ተረአአ ኣይትገዳዳዕ” ትብል ናይ ሜዳ ደርፊ ናይ ወዲ ትኹል እኽልቲ መዘኻከሪት እያ። ሕጂ እውን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሰላ ብልጽግትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ ጥጡሕን ድልዱልን ባይታ ንምምስራታ ቃልስና ነዊሕ እዩ፡ ዓወትና ግን ናይ ግድን እዩ… እቲ ልሙድ ኤርትራዊ ፍሽኽታ ድማ ወትሩ ይኮላዕ። ሓደ ንጹር ራእን እስትራተጅን ፍናንን ዘለዎ (motivated) ዜጋ እዩ ንሃገር ዝሃንጽ። እንተ ነቶም ሰብ ኣሉታውነትን ተስፋ-ቖሪጽን ግን ባህሮምን ግብሮምን ጸቒጥዎም እዮም ዝነብሩ። ኣጆኹም እናበልካ ምቕጻል ጥራይ እዩ…ወርቂ—ስርናይ—ፍሽኽታ። ታሪኽና ከምዝምስክሮ፡ ናይ ራእን ግብርን ስምረት ጥራይ ይሃሉ እምበር፡ ዘይስገርን ዘይሰዓርን ነገር የለን።

Mahmud Saleh

sheideli95@gmail.com

 

 

2 replies on “ሕ/ሰብ ተጋዳላይን ኣመለኻኽትኡን”

ብሓቂ ትነኣድን ሓቀኛ ምስሊ ሕሉፍን ሕጅን ትገልጽ ብሉጽ ኣቀራርባ።መሃሪት ነብስኻ ከተትዓራርይ ናብ ኩሉ ማእዝናት ክትጥምት ከይፈተኻ ትደፋፍእ ትረኻ ።መምህር ቀጽሎ።

Like

ኣብዛ ሕጥብትኻ ሃብታም ምስጢር ኣካፊልካና፡ “ተጋዳላይ/ሊት” ዝብል ኣምር ባህልን ሕብረተ-ሰባዊ መንነት ህዝቢ ኤርትራን ምኳኑ ከም ጩራ ጸሓይ ወቂብካልና። ነዚ የመስግነካ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ናይ ቀደም ንስኻን (ተጋዳላይ) ናይ ሎሚ ንስኻን ተራኪቦም ክዝትዩ ዕድል ምሃብካ እንዳመስገንኩ፡ የሕዲሩልካ ዘሎ ሃገራዊ ስምዒት ንባዕሉ ብዋጋ ዘይትመን ስለዘይኮነ፡ ተመኩሮኻ ምክፋልካ ንባዕሉ ውጺኢት ንቕሓትካ እዩሞ ብዝያዳ ነዛ ሃገር ኣብቲ ንምነየላ ደረጃ ምዕባለን ግስጋሰን ክሳብ ትበጽሕ እጃምካ ከተበርክት፡ ሕድሪ ስውኣት ስለዘሎ በርትዕ። ካብዛ ጽሑፍካ ክመሃሩ ዝግብኦም ግን እዞም ድሕሪ ናጽነት ዝፈረዩ፡ ወለዶምን መማህራኖምን ተጋደልቲ ዝኾኑ ግን ዘመነ-ኢንተርነት ዘርከቦም ብግዳም ንክጽለዉ ጊዜ ዘይወስደሎም፡ ክብርታት ተጋደልቲ ዘየስተማቐሩ እንዳኾኑ ይመጹ ስለዘለዉ፡ ቀጻልነት እዚ መለለይ ሕ/ሰብና ኣብ ሳልሳይ ወለዶ ከይበጽሐ ከይብለል ስክፍታ ኣሎ።

Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s