ምስ ፈጣሪኻ ተሪር ምጽብጻብ ከም ዘለካ ፍለጥ፡ ተዳለወሉ። ከም ንቡር ግን “ብሰላም ዕረፍ” ኢልና ክነፋንወካ (RIP)። እታ “ጋሕ ይበል” ከ ተደሊ’ዶ ነይራ? ብዝኾነ…
ሞት ፕረሲደንት ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ ኣይገረመንን፡ ቆላሕታይ ዝስሕብ ኮይኑ እውን ኣይረኸብክዎን። ጽንሕ ኢለ ግን ናብ ግዜ ንእስነተይ፡ ናብ ሰማንያታት ተመሊሰ።
ዚምባብወ ናጽነታ ክትወስድ እንከላ፡ ሰውራ ኤርትራ ምዝላቕ ወዲኡ ገና ኣብ ምርብራብ ነይሩ። ድፋዓት ይቀያየሩ፡ ይመሓየሹ፡ ክፍልታት እውን ናይ መወዳእታ መደኮኒ ቦትኦምን ቅርጾምን ኣይሓዙን ነይሮም።
ሓደ መዓልቲ ሓደ መጽሓፍ ካብ ኢዱ ዘይፈሊ ጨሓም መንእሰይ ተጋዳላይ (ነዓይ’ኳ ኣዝዩ ዝዓብየኒ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ) ንሓንቲ ውርይቲ ጋዜጣ ናይ ብሪጣንያ ሒዙ፡“ትፈልጦ’ዶ እዚ ሰብኣይ?” ኢሉኒ። ኣነ ምስ ሓንቲ መባእታዊ ናይ ህጻናት መጽሓፍ እንግሊዘኛ እቃለስ ነይረ፡ ፍርቂ ልበይ ገይረ፡“ኣይፈልጦን፡ መን ይበሃል” ኢለዮ።
“ሮበርት ሙጋበ ይበሃል፡ ሃገሩ ናጻ ወጺኣስ መራሒ ሃገሩ ክኸውን እዩ” ይብለኒ። ኣብ ትዝታ ኣትየ። “መዓስ ኮን ናጻ ሃገር ንኸውን” ኢለ ኣብ ሓሳብ ጠሓልኩ። ከይተፈለጠኒ፡ ንሓጻር ህሞት፡ ቀልበይ ካብቲ ኣብ ጎነይ ዝነበረ ጨሓም በዓል መጽሓፍ ህልም በለ። ባንደራ ኤርትራ ኣብ ማእከል እታ ብስም ጥራይ እፈልጣ ዝነበርኩ ኣስመራ ክተንበልብል፡ ማርሺን ባንድ ክጻወት፡ እቲ ክሉ ናይ ኲናት ህልቂትን ዕንወትን ከኽትም ተመነኹ። ሰማያት ኤርትራ ካብተን ሕጪጭ እናበላ ዘጽመማና ዝነበራ ነፈርቲ ኲናት ከዕርፍ ሃረር በልኩ። ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቶም፡ ሰራህተኛታት ናብ ፋብሪካታቶም፡ ሓረስቶት ናብ ግራውቶም፡ ፖለቲካኛታት ድማ በቲ ኣብ ሜዳ ዝመሃሮ ዝነበርኩ መርሖ መሰረት ንህዝቦም ክመርሑን ክሰምዑን ተራእየኒ…ብዙሕ ካልእ ጽቡቕ እውን…
እቲ ዓቢ ብጻይ-በዓል-መጽሓፍ፡ ቅሩብ ዋዛን ቁምነገር እናገበረ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ቃልሲ ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቓን፡ ከምኡ እውን ታሪኽ ናይተን ኣብ ሓምሳታትን ሱሳታትን ከም ኣካል ናይቲ ብ“ምልቃቕ ካብ መግዛእቲ” (decolonization) ዝፍለጥ ዝነበረ መስርሕ ኮይነን ናጻ ወጺአን ዝነበራ ዓድታት፡ ሃገርነት ኣብ ምህናጽ ዘጋጠመን ተመክሮን ዝነበረኦ ደረጃን ኣስፊሑ ገሊጹለይ። ሽዑስ ቅሩብ ጥራይ እየ ሒዘ… ብዙሕ እዩ ተዛሪቡ። ክዛረብ ከሎ ከኣ ከምዚ ዋዛ ምስ ቁምነገር እናገበረ እዩ። ብሞያ እውን መምህር ስለዝነበረ ዓዓቕመይ እዩ ዝህበኒ ነይሩ መስለኒ። ኣጋጣሚ ሽጋራ ዘትክኽ ብጻይ ስለዝተሓወሰና፡ ነታ ሽጋራ ክማቐል ክብል መደርኡ ደው ኣቢሉ። ብዘይ ሓደ ክልተ፡ ነታ ሽጋራ ካብቲ ካልኣይ ብጻይ ተቐበላ’ሞ ሰራውሩ ክሳብ ዝግተር ሰሓባ፡ ክሳብ ገለ ክፋል ናይቲ ቺካ እውን ዝሓወሶ መሰለኒ…
ናይ እንግሊዝ ዓቕመይ ኣብ ዝተመሓየሸሉ ግዜ፡ ናይ ሮበርት ሙጋበ ጽሑፋት ይኹን ብዛዕባ ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝወጸ’ሞ ክረኽቦም ዝከኣልኩ ጽሑፋት ኣሕሊፈዮም ኣይፈልጥን። ነቲ ሰብኣይ ክሳብ 1990ታት ተኸታቲለዮ። ይኹን እምበር ሻውሃተይ ቀስ-ብቀስ ክዕጾ ጀመረ…ኣዝዩ ምሁርን ውርጹጽን (eloquent) ይኹን እምበር፡ ሮበርት ሙጋበ ካብ ካልኦት ሹማምንቲ ኣፍሪቃ ዝፈልዮ ነገር ከምዘይነበረስ ተጋሂዱለይ። እቲ ብ1980 ብሮበርት ሙጋበ ተመሲጡ ዝነብረ ብጻይ-በዓል-መጽሓፍ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ከም ዝወደቐ ኣይሓተትኩዎን። ከይጎሃየ ከምዘይተርፍ ግን ርግጸኛ እየ።
—————————————————————
ዚምባብወ፡ ብ1980 ድሕሪ ነዊሕ ናይ ጸዓዱ ዓሌታዊ ምሕደራ ናጻ ክትወጽእ ከላ፡ መጋቢት ኣፍሪቃ (food basket)፡ ወይ ንኣፍሪቓ ክትቅልብ እትኽእል ሃገር ተባሂላ ትጽዋዕ ነይራ። ብተዛማዲ ክረአ ከሎ ድልዱላት መንግስታዊ ትካላት፡ ምዕቡላት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን፡ ደሓን ዕቤት ዝነበሮ ማእከላይ ደርቢ፡ ምዕቡል ቑጠባዊ ጽላታት—ወዘተ እያ ተረኪባ። እቲ ዝድለ ዝነበረ ነቶም ትካላት ካብ መግዛእታውን ዓሌታውን ባህሊ ናብ ሃገራዊ ኣፍሪቃዊ ባህሊ ከምዝቐኑ ምግባር እዩ ነይሩ።
ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት እየን ነቲ ናጽነታትዊ ቃልሲ መሪሐን። ዛኑ (ናይ ሮበርት ሙጋበ) ከምኡ እውን ዛፑ ብጆስዋ እንኮሞ ትምራሕ ዝነበረት። እቶም ብቑጽሪ ህዝቢ ዝምባብወ ከም ውሑዳን ዝቑጸሩ ጸዓዱ ንኽሉ ኣፍራዪ ጽላታት ዚምባብወ ተቖጻጺሮም ነይሮም። እቲ ብጸዓዱ ተቐማጦ ሮደዝያ (ደሓር ዚምባብወ) ዝተመረተ ፖሊቲካዊ ስርዓት ዓለማዊ ተፈላጥነት’ኳ እንተዘይነበሮ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ሲ ከም ዋሕሱ ኮይና እያ ክትሰርሕ ጸኒሓ።
ነቲ ንናጽነት ዚምባብወ ብጸለምቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ደባይ ኲናት ደው ንምባልን ናጽነት ዚምባብወ ንምርግጋጽን ኣብ መወዳእታ 1979 ኣብ ለንደን፡ ኣብ ላንካስተር ሃውስ ዝበሃል ቦታ ኣብ መንጎ እቶም ንናጽነት ዚምባብወ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣፍሪቃውያንን ኣብ መንጎ ዓሌታዊ ስርዓት ሮደዝያ ስምምዕ ተኸተመ። መሰጋገሪ ቅዋም እውን ኣብዚ ኣኼባ ስምምዕ ተገይሩሉ። ዚምባብወ ብህዝባዊ ምርጫ ናብ ህዝባዊ መንግስቲ ክትሰጋገርን ፖለቲካውያን ሓይልታት እንኮላይ ጸዓዱ ብመሰረት ሕግታት ምርጫ ብዘይ ምፍርራሕ ክወዳደሩን እቲ ስምምዕ ናይ ሰላም ከይጠሓስን ዝብሉን ካልኦትን ዓንቀጻት ዝሓዘ ኣዝዩ ወሳኒ ኣኼባ ነይሩ።
ሮበርት ሙጋበ ኣብዚ ኣኼባ ልዑል ተራ ከምዝተጻወተ ይንገረሉ። ሓንቲ ካብተን ኣከራኻሪት ነጥቢ ዝነበረት፡ እቲ ብጸዓዱ ተታሒዙ ዝነበረ ስቡሕ መሬት ዚምባብወ ብኸመይ ናብ ኣፍሪቃውያን ይመሓላለፍ ትብል ነይራ። ሮበርት ሙጋበ ብቕጽበት ክብል ከሎ እቲ ዓዲ እንግሊዝ ትሕግዞ ስርዓት ሮደዝያ ግን ናይ ዓስርተ ዓመት ዕድል ክወሃብ ጸቒጡ። በዓል ሮበርት ሙጋበ ከይፈተዉ ነዛ ነጥቢ ተቐቢሎም፡ ናብ መስርሕ ምርጫታት ተኣትወ። ሮበርት ሙጋበ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ዛኑ ድማ ከም ገዛኢ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኮይኖም፡ ዚምባብወ ብ1980 ናጽነታ ኣዊጃ።
ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ሙጋበ ንዕርቅን ማሕበራዊ ውህደትን ንሰላምን ሰሪሑ፡ ዚምባብወ ብቁጠባን ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣዝዩ ዝምስጥ ውጽኢት ኣርኣያ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ዚምባብወ ካብቲ ንኣፍሪቃ ዝሕምስ ዝነበረ ናይ ምሕደራ ጸገማት ዘምለጠት ኮይና ተሰሚዕዎም።
ይኹን እምበር፡ ሮበርት ሙጋበ፡ ብዙሕ ከይገበረ፡ እቲ ሓቀኛ ሕብሩ ከርኢ ጀሚሩ። ምስ ዛፑ ዝነበረ ዝምድንኡ ናብ ጎነጽ መርሖ። ብመሰረቱ እውን ሰልፍታት ዛኑን ዛፑን ቀቢላዊ መበቆል ነይርወን።ዝበዝሑ መራሕትን ኣባላት ሰልፊ ዛኑን ሰራዊት ዚምባብወን ካብታ ሮበርት ዝውለደላ ሾና ትበሃል ቀቢላ ዝተዋጽኡ ክኾኑ ከለዉ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ሰልፊ ዛፑ ግን ካብ ንደበለ እዮም ነይሮም። እቲ ኣብ መንጎ ዛኑን ዛፑን ዝነበረ ዝምድና ክሽሕክር ምስ መጀመረ፡ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ልዕሊ እታ ከም ተጻራሪቱ ዝቖጸራን ምንጪ ናይቲ ንስልጣኑ ዘስግእ ሰልፊ ዝፑን ዝሓስባ ንደበለ ትበሃል ቀቢላ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ወሲዱ። ኣብዚ ብ“ቕዝፈት ማተበለ ላንድ” ዝፍለጥ ወፍሪ፡ ጸብጻባት ይፈላለዩ ‘ኳ እንተኾኑ ተቐመጥቲ እቲ ከባቢ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 40 ሽሕ ሂይወት ከም ዝተመንጠለ ዊኪፒድያ ንጸብጻባት ጓርድያንን ካልኦትን ጠቒሱ ዘጊቡ ኣሎ።
ሮበርት ሙጋበ; ውልቀመላኽነት ምኽኑይን ነባርን ንምግባሩ፡ ንዘመናዊ ጥበብ ፖለቲካ ምስ ልምዳዊ ኣገባብ ምሕደራ ቀቢላዊት ኣፍሪቃ ኣወሃሂዱ ዝሰርሐ ጎራሕን ትኩርን (shrewd) ፖለቲካኛ እዩ ነይሩ። ንኣብነት’ኳ እቲ ኣብ 1990ታት ንጸለምቲ ሓረስቶት ከየዳለወ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራይ መሬት ጸዓዱ ሓረስቶት ክራስዩ ዝገበሮ መሪሕነትን ምትብባዕን ኣብታ ሃገር ርኡይን ቅልጡፍን ምንቁልቋል ቑጠባ ኣስዓበ። ግዜ ነይርዎ እዩ ንጸለምቲ ሓረስቶ ከዳሉን ነቲ መደብ ብደፋእታዊ መስርሕ ክትግበርን። ግን ኣብ ምርጫታት ከም ዝሰዓር ስለዝፈለጠ ነቶም ጸለምቲ ንምርስሳን ዝገበሮ እኩይ ተግባር ነበረ።
እንሓንሳብ ከም ሓላይ ሃገሩን ኣቦ ኣፍሪቃን ኮይኑ መታን ክረአ ኣብ መጋብኣያታት ኣፍሪቃ ድራማታት ክሰርሕ ጸኒሑ ተመሊሱ ድማ ከም ተራ ባጋሚንዶ ንህዝቡ ክራስን ከዋርድን ይረአ። ናይ ሕኸኸኒ ክሓከካ ብልሹው ስርዓት ምሕደራ ዝነደቐን ሃብቲ ዚምባብወ ኣብ ውልቃዊ ጠቕሙ ዘውዓለን መራሒ ተባሂሉ ይውረየሉ እዩ። ግቦን ብልሽውናን፡ ዘመደይ ዘመድካ ሳዕሪሩ፡ ምስቲ ዝርግርግ ዝበለ ስነ-ሓሳብ ናይ ኣፍሪቓዊ ማሕበርነት (ሙጋባውነት) ተደማሚሩ እታ ከም ዘንቢል መግቢ ኣፍሪቃ ኮይና ትረአ ዝነመበረት ዚምባብወ፡ ብክቱር ዝቕባበ ክትውረር ጀሚራስ ኣብ መወዳእታ ቁጠባ ዚምባብወ ኣብ ክጻወረሉ ዘይክእል ደረጃ ዓሪጉ፡ ኣገደስቲ ሃለኽቲ ኣቕሑ ተሳኢኖም፡ ሸቕለት-ኣልቦነት ሳዕሪሩ፡ እታ ንደቂ ኣፍሪቃ ንስራሕ ትስሕብ ዝነበረት ዚምባብወ ንዜጋታታ ክትከውን ኣይከኣለትን።
ሮበርት ሙጋበ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ‘ኳ ብሓይሊ ስልጣኑ ከምዝገድፍ ይገበር፡ ከምቲ “ኣድጊ ካብ ምማቱ ምጉታቱ” ዝበሃል፡ ዚምባብወ ገና ካብቲ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ሮበርት ሙጋበ ኣይተላቐቐትን ዘላ። ጽላሎት ሮበርት ሙጋበ ገና ንናይ ምዕባለ ብርሃን ከዊሉ ኣሎ። ሮበርት ሙጋበ ከም ሓደ ብዙሕ ተስፋ ዝተገብረሉ ግን ንሓንቲ ትስፍውቲ ሃገር ናብ ዑና ዝቐየረን፡ ሕድሪ ስዉኣት ዚምባብወ ዘማህመነን፡ ግኑፍን ጨካንን ውልቀመላኺ ኮይኑ ክዝከር ምዃኑ ኣይጠራጥርን። ሮበርት ሙጋበ ሎሚ ኣይኮነን ሞይቱ። ሮበርት ነታ ብመስዋእቲ ምሉእ ህዝቢ ዚምባብወን ምድንጋጽ ዓለምን ዝተረኽበት ናጽነት ናብ ውልቃዊ ንብረቱን ከም ውጽኢት ውልቃዊ ፍረ-ዕዮኡን ቖጺሩ፡ ነታ ተስፋ ተነቢሩላ ዝነበረት ሃገር መፈተኒ ጽሉል ፖሊሲታቱ ገይሩ ናብ ዑና ቐዪሩዋ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ሮበርት ሙጋበ ምስ ምንዋሕ ስልጣኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም እናዓበየን እና መጅለገን መጺኡ። ክሳብ ብካተተር ዝሸይንን ብ ኮስቱሞ ናይ ዳያፐር ዝኸይድን፡ ኣብ ኣኼባታት ትኽስ ዝብልን ዝገዝአ ንኣፍሪቃ ዝያዳ መስሓቕ ሸራፋት ዝገበረ ዲክታቶር እዩ። ጋሕ እንተበለ፡ እቲ ምቕሉል ብጻየይ-በዓል-መጽሓፍ ብዙሕ ዝጉህየሉ ኣይመስለንን።
MS/September 2019.