እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ
ትማል ምሸት እዩ፡ ክዛወር ንበይነይ
ኣብታ ዝፈልጣ ፓርክ፡ ኣብታ ናይ ክሉሻዓይ
ልስሉስ ንፋስ፡ ይድህስስ፡ ይቅስቅስ ኣካለይ
ጥዑም ሽታ መሮር፡ ወቕዖ መትንታተይ
ሓያል ዃረንቲ ነቕነቖ ንዝኽረይ//
ሮራ በቕላ’ዶ ይኸውን፡ እንድላል ወይስ ናቕፋ
ሃገር ዓቢ ወ ንኡሽ፡ ወይስ ኢሮታ
ወይስ ክልተ ሃይገት ወ ገለብ፡ ዝባውንቲ ከበሳ
ወይስ ልምዕቲ ሓልሓል፡ ወይስ ደብርሳላ
ወይስ ሰሜናዊ ባሕሪ፡ ገነታዊ ቦታ?//
እዛ ፓርክስ ገለ ኣላታ።
ጽሕዲ ቀላሚጦስ ዜግነት ዘይዓጦም
ምስ መቦቖላውያን ኣግራብ ተሳንዮም
‘ተን ወትሩ ፍሱሃት ኣዕዋፍ ፓርክና
በጻሕቲ ክስሕባ፡ይዝምራልና
ማይስትሮ ድማ ኣለወን ያዓሲና//
እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ//
እነሀ እቲ ፋላስፋ፡ መጽሓፉ የነብብ
እቲ ቐባኣይ እውን ይስእል ይዕዘብ
እቶም ፍቑራት ተላጊቦም ከም ሓንቲ
ጻዕዳ ጸሊም፡ ስደተኛ ወዲ ዓዲ
እዛ ፓርክና ንኽሉ እኽልቲ//
እዛ ፓርክስ ገለ ኣለዋ።