Categories
Uncategorized

ርሑስ ባሕቲ መስከረም፡ ንመዘከርታ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

ርሑስ ባሕቲ መስከረም፡ ንመዘከርታ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ
A tribute to the father of Eritrean revolution: Hamed Idris Awate)

ኤርትራዊ ደምበ፡ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ፡ ኤርትራዊ ርእዮተ-ሓሳብ (ideal) ይኮስኮስ፡ ይዓምር፡ ይዓምብብ። ብደረጃ መራቶን ንሕሰብ፡ ትረኣየና ዘላ ድምቕቲ ኮኾብ መቸም ካብ ኩልና ኣይትኽወልን እያ። ዕላማ ገድልና ፍትሕን ማዕርነትን ግስጋሰን ዝዓሰላ ኤርትራ ንምህናጽ እዩ። ይኹን እምበር ናብታ ትረኣየና ዘላ ድምቕቲ ፋና ክንበጽሕ ክንብል ታህዋኽን ጸደፍደፍን ኣየድልን። ኣብቲ መገዲ ዘሎ ፈንጅታት ከይንረግጽ ጥንቁቕ ኣካይዳ ክንጥቀም እላቦ። ፍትሕን ደሞክራስን ምዕሩይ ምምቕራሕ ናይ ጸጋታትን ናይ ስልጣንን ዝረኣየላ ኤርትራ ንምህናጽ ዘይንቐስነሉ ዕላማና እዩ፡ ኣብ ደምና ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሃንደፍደፍ ኢልና ከምተን ኣብ ኢደን ዝነበረ ጸጋታት ኣጥፊአን ኣብ ዘይውጻእ መዓት ተሸኺለን ዘለዋ ሃገራት ክንከውን የብልናን። እወ፡ ንርእዮ እንዲና ዘለና…እቲ ባይታ ብፈንጅታት መሊኡ ኣሎ፡ በብግዚኡ ድማ ሂም ይብል ኣሎ፡ ኢንትሃመል….ኣይትትሃመል ወዲ/ጓል ኤረ….

ቀዳሞት ሃገራውያን ንመራቶን ጉያ ተቐሪቦም ከም ዝነበሩ ካብቲ ኣቦ ሰውራ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ (ዓንጃ) ዝበሎ ቃላትን ንሱ ኣብታ ፋልማይቲ ለይቲ ዘመሓላለፎ ምህሮን ክንርዳእ ንኽእል።

ኣብ ትሕቲ እቲ ደረት ኣልቦ ቃልዕ ሰማያት ባርካ ዓባይ፡ መስርዕ ዘይኣኽሉ፡ በዝን በትን ዝተኣኻኸቡ ሰባት፡ ውሕስነት መግብን ዕጥቅን ዘይነበሮም፡ ሓደ ክልተ ዘይሰማማዕን ዘይገጣጠምን ኣረጊት ብረታት ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝዓጠቑ፡ ብኽሉ መዳዩ ውጅብርብር ዝበሉ ዝመስሉ ግን ቆራጻት ሰብ መትከል ተኣኪቦም ይዝትዩ። “ከመይ ኢልና ኢና ነዚ ዝንኡ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ እምብራጦር ሃይለስላሴን እቲ ንሱ ዝእዝዞ ብዝሒ ህዝብን ሰራዊትን ክንስዕር ንኽእል?” ዝብል ዓቢ ግድል ክፈትሑ ኣብ ዕቱብ ዘተ ይኣትዉ። ኣብታ ጸላም ለይቲ፡ እታ ከቢቦማ ዝነበሩ መጋርያ ጥራይ እያ ዋዕን ብርሃንን ተስፋን ኮይናቶም ዝነበረት፣ ከም ምንጪ ናይቲ ዘቃጽሎም ዝነበረ ሃገራዊ ፍቕሪ ክትምሰል እትኽእል መጋርያ። ብኽሉ ወገን ምስ ተሃድኑ እዮም። ኣግራብ ከይተረፈ ዘሻርወሉ እዋናት ነይሩ እዩ። ንግዚኡ፡ እቶም ዝኣምንዎም ወገናት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። እተን በብግዚኡ ካብቲ መጋርያ ሓዊ ጠራዕራዕ እናበላ ናብ ክሉ መኣዝናት ዝወናጨፋ ዝነበራ ቑልዕታት ድማ ምጅማር ብረታዊ ቃልስን ምዝርጋሕ ናይቲ ገድሊ ናብ ክሉ መኣዝናት ኤርትራ ዘበስራ ዝነበራ ይመስላ። ኣብ ገጽ እቶም ተጋደልቲ ሓይልን ኒሕን ዝቐብአ ብርሃን ናይዛ ፋልማይቲ መጋርያ ሓዊ፡ ቀዳማይ ጉባኤ ናይቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ የተኣናግድ ነይሩ። ነቲ በዳሂ ህሞትን ንሱ ዘስዓቦ ቅዝነትን ግልህልህ ዘብል ዝመስል ናይ ተስፋ ብርሃን…

ከይበልዑ ብግምት 12 ሳዓት ኮይኑ እዩ፡ መን ይፈልጥ ካብኡ ንላዕሊ እውን ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከባቢኦም ጸጸኒሑ ነቲ ጸጥታ ዝርብሽ ምንባሕ ኣኻልብ ይስማዕ፡ ኣዛብእ እውን መግቦም ዝማእርሩሉ ግዜ እዩ። ምንቃው ዝብኢ ‘ኳ ብዙሕ ኣየሻቕልን። ምንባሕ ኣኻልብ ግን ንዝያዳ ጥንቃቔ ዝዕድም እዩ። ከልቢ ፈታውን ጸላእን ካብ ኪሎመተራት እዩ ዘለሊ። ኣዝዩ ሓያል ናይ ምሽታት ክእለት ኣለዎ። ኣኻልብ ናይዘን ኣብ ከባቢኦም ዘለዋ ዓድታት ዳርጋ ፈተውቲ ናይቶም ተጋደልቲ ኮይኖም እዮም። እቶም ተጋደልቲ ኣብቲ ከባቢ ብዙሕ ግዜ ስለዝተመላለሱ፡ እቶም ኣኻልብ ዳርጋ ከም ሰብ ዓዲ ውሲዶሞም እዮም። ስለ’ዚ፡ ምንባሕ ኣኻልብ ወይ ንምምጻእ ናይቶም እግሪ-እግሮም ዝስዕብዎምን ዝሃድንዎምን ዝነበሩ ፖሊስ ዘመልክት ይኸውን፡ ወይ ድማ ናብቶም ነቲ ልሙድ ናይ ጥሜት ምንብሃቚን ምንቃውን ዝገብሩ ዝነበሩ ኣዛብእ ዝቐንዐ መጠንቀቕታ እዩ ክኸውን ዝኽእል ነይሩ።

ብዝኾነ፡ ኮማንዳንተ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ፡ ምኩር ወተሃደ እዩ ነይሩ፡ ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት ዋርድያታት ክገብር ግድን እዩ። ኣብ ክንዲ ዋሕዶም ድማ እቶም ነዛ ናይ ተስፋ ሓዊ ኣኽቢቦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣዝዮም ተጓዲሎም። ድራር ድማ ቅሩብ ደንጉዩ፡ ሳዓት ዓስርተ ናይ ለይቲ ኮይኑ። ምሉእ መዓልቲ ድማ ክጓዓዙ ውዒሎም። ግን እቲ ዘተ ይቕጽል። ኣዝዩ ዕቱብ ዘተ። እዚ ዘተ እዚ ምውላድ ኤርትራ ዝውስን ስለዝነበረ፡ እቲ ብምዕራብ ክተኣኻኸብ ዝጀመረ ከቢድ ደበና ይኹን እቲ ጸጸኒሑ ዝትርብዖ ዝነበረ ዓይኒ ዝደጒሕ በርቅታት ብዙሕ ኣይተገደሱሉን። መዕቖብ እውን የብሎምን። እንተኸፍአ፡ ምናልባት ናብ እንዳ ሼኽ ዓወድ የብሉ ይኾኑ። ግን ዝኾነ ካልእ ሰብ ከቃልበሎም የብሉን።

እታ ሰማያዊት ባንደራ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዘያዊ መዓስከር ምስ ሓያል ንፋስ ትጻፋዕ። ወሲኖም ድማ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ…ዕላምኦም ምሉእ ናጽነት ኤርትራ። ንሶም ከኣ ጀመርቲ ሰራዊት ሓርነት። እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ከኣ ቀዳማይ ኣዛዚ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ።

እታ ግድል ግን ገና ኣይተፈትሓትን፡ ከመይ ገርካ እዩ ነዚ ዓርመሾሽ ጸላኢ ትስዕር? ኣጽዋር ከበይ ይምጻእ? መግቢ፡ ክዳውንቲ፡ ፈውሲ… ኸ ብኸመይ ክርከብ እዩ? ኣብ መንጎ ግን ተቐማጦ እታ ብሰሜኖም ትርከብ ዓዲ ድራሮም ሒዞም ይመጹ። ገዓት ምስ ጸባን ጠስምን፡ ዝስተ ጸባ ኸኣ ከም ድላዮም…ሰለስተ ዓበይቲ ዓሙር (ኩሮ)—ውዑይ ሓሊብ መጢቕ፡ ዝጎሃረ ኣእማን ኣብ ኣብ ውሽጢ እቲ ኩሮ ኣእቲኻ እዩ እቲ ጸባ ዝፈልሕ…ጓህሪ ዓጢቖም፡ ጓህሪ ዝቕለቡ፡ ናብ ጓህሪ ዘነቐሉ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ ተቐላጢፎም ይድረሩ።

እቶም ኣብ ካባቢኦም ዝነበሩ ተቐማጦ ምስ ደቀሱ፡ ናብቲ ከም መድዋድቖ ናይታ ለይቲ ኮይኑ ዝተመርጸ ቦታ ክቕይሩ እዮም። ድሕነቶም ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ። ሞት መዓስን በየንን ከም ትመጽእ ዘይትፈልጠሉ እዋን እዩ። ዑቕባ ዝህቦም እቲ ህዝቢ እዩ። ዋልተኦም እውን ንሱ እዩ። እምበር፡ ዝወጽዎ ክሳድ መጻወድያ ክኸውን ይኽእል፡ ዝረኸብዎ ማይ ተሰሚሙ ክኸውን ይኽእል፡ ዘጓነፎም ሓላፍ መገዲ ሰላይ ክኸውን ይኽእል። ጥንቁቓት ክኾኑ ኣለዎም። ኮማንዳንተ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እንዶ የለን…ናይ ደባይ ክኢላ እዩ።

ኣስማትን ዓይነትን ኣግራብ ናይቲ ከባቢ ኣዳቒቑ ይፈልጥ፡ ዝብላዕን ዝስምምን ፍረን ሱርን ከለሊ ቀንዩ። ድራር ዘይርከቦ እዋናት ስለዘሎ። ክሳብ ሕጂ ዘለዉ ሰዓብቱ ደቂ እቲ ከባቢ ኮይኖም ኣብ ዕስክርና ተመክሮ ዘለዎም ስለዝኾኑ፡ ኣብ በረኻ ንምንባር ዘድሊ ጥበብ ክምህሮም ኣየድልዮን፡ ግን ንኹላ ኤርትራ ክውልዕ መደብ ስለዘለዎ፡ ደቂ ከተማታት ምምጸኦም ኣይተርፎምን እዩ። ተተሓሒዝዎ ዘሎ ጉዕዞ ነዊሕ ከምዝኸውን ዝጠፍኦ ኣይመስልን። ክሉ ምንቅስቃሳቱ ንናይ መራቶን ጉያ ዝሓለነ እዩ ዝመስል።

ኣባላት ናይዛ መስርዕ ኣብ ልዕሊ ሓምድ (ዓንጃ) ኣዝዩ ልዑል እምነትን ኣኽብሮትን ኣለዎም። ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ብባህሪኦም፡ ሰባት ዘኽብርዎምን ዝስዕብዎምን መራሕትን ኣርማታትን (symbols) ክህልዎም የድሊ። እዛ መስርዕ ናይ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ በዚ መዳይ እዚ ዕድለኛ ነይራ። ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ከም መራሒ፡ እታ ሰማያዊት ለምለም ድማ ከም ኣርመኦም ርዒሞም ናብቲ ቀንዲ ግጥም የማዕድዉ ኣለዉ። ብግስ ከይበሉ ሃገር ዝኾኑ ኮይኖም ተሰመዖም፡ ምትእምማን ዓሰሎም፡ ገጾም እና ፋሕሸወ ከይዱ። እቲ ንሰማያት ምዕራባዊ ወገን ባርካ ክቐላልዕ ዝጸንሐ በርቂ ክሃድእ ጀሚሩ፡ እቶም ኣኻልብ እውን ህዋሳቶም ዘበራብር ድምጽታት ይኹን ሽታ ግዲ ስኢኖም ድቃስ ዝወሰዶም ይመስል….

ናብቲ መሕደሪኦም ክኸውን ዝተመርጸ፡ ናብቲ ብወገን ደቡብ ዝርከብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ክንቀሳቐሱ እዮም። ቅድሚ ንቕሎ ግን ኣብዘን ዝስዕባ ተሰማሚዖም፦
1. መስለነታት ሃጸይ ሃይለስላሴ ንሓምድ እድፍሪስ ዓዋተ ብሽመትን ገንዘብን ከስድዕዎ ዝተገብረ ፈተነታት ገምጊሞም፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መገድታት ከካይዶ ዝጸንሐ ቃልሲ ርእዮም፡ ናይ ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራ (ሓረካ) ንጥፈታት እውን ገምጊሞም፡ ንዓመጽ ብዓመጽ ክገጥምዎ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምርጫታት ክሉ ከምዝተጸንቀቐ ኣስሚሮምሉ።
2. እቲ ዘበግስዎ ገድሊ፡ ንምሉእ ናጽነት ኤርትራ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ምኻኑ፡ እዚ ክኸውን ድማ እታ ንበይኖም ዝስሕንዋ ዝነበሩ ሓዊ፡ ኤርትራውያን ክዓስልዋ ከምዝግባእ ተሰማምዑ። ናብ ከተምማታትን ከበሳን ዝባጻሕ መልእኽታት ኣዳለዉ። ሓምድ ኣብ ዕስክርና ጣልያን ዝተዓረኾም ብዙሓት ደቂ ከበሳ ነይሮም እንድዮም፡ ክረኽቦም ወሰነ። ነቲ ዓርመሾሽ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ክገጥሙ ኣንተኮይኖም “… ብሃይማኖትን ቀቢላን ተፈላልዩ ዘሎ ህዝብና ፍልልያቱ ወጊዱ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዝተወልዱ ኣሕዋት ኮይኑ ክቃለስ ኣለዎ” ኢሉ ሓምድ ይውስን። [ካብ መጽሓፍ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተወስደ ጠቕሲ. courtesy: FB page of Almaz Zerai].
3. ኣብቲ ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ከም መተካእታ መንግስቲ ኮይኖም፡ ህዝቢ ብሕግን ፍትሕን ከመሓድሩ ወሰኑ።
4. ናብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝኸይድ መልእኽታትን ልኡኻትን ወሰኑ።
5. በብመድረኹን ብዓቕሞምን ክፍጽምዎ ዝኽእሉ ስርሒታት ኣለልዮም። ጽባሕ ናብ ስራሕ ክብገሱ እዮም። ንሕጂ ግን ከባቢኦም እናተኸታተሉ ናብ ተሽኪሎም… ቀዳመይቲ ለይቲ ኣብ ቀዳማይ ድፋዕ ሰውራ ኤርትራ። እቲ ብመራቶን ክግለጽ ዝከኣል ጉዕዞ ናጽነታዊ ቃልሲ ከምዝፈለምዎን ድሕሪ እታ ኣብ ክሊ እታ መጋርያ ዘካየድዎ ጉባኤ፡ ነግ-ፈረግ ከምዘየለን ግን ነብሰወከፎም ወሲኑ እዩ ናብታ ንመሕደሪኦም ዝተመርጸ ተሽኪል ዝተበገሱ….ብዙሕ ውረድ ደይብን ከቢድ መስዋእትን ከጋጥም ምዃኑ ኣረጋጊጾም እናፈለጡ እዮም ናብራ ገድሊ ኣሃዱ ኢሎም ጀሚሮሞ። ኣብ ገጾም ፍጹም ምትእምማን ይንበብ… ኣካይደኦም ምዙን፡ መንፈሶም ህዱእ…ኣንበሳ በረኻ ኣሎ፡ ጽባሕ ዓወት ኣሎ….

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s