ዝዛረብ ወገን ኣሎ፡ ኮፍ ኢሉ ዝፈላሰፍ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ምስ ኣኻውሕን ምድረበዳታትን ዝራጸም፡ ሃብቲ ብስራሕ ጥራይ ከም ዝኽዕበት ዝፈልጥን እዚ ኣምር እዚ ድማ ምስ ደሙ ዝተሓዋወሰን ህዝቢ ትርኢ። ሽዑ “መን እየ ኣነ” ኢልካ ንነብስኻ ክትሓትት ትግደድ።
ስለ’ዚ ኸኣ፡ እንተክኢለ መተባብዒ ዝኸውን ነቐፈታዊ ምዕዶ እልግስ፡ እንተዘይክኢለ ግን ብዙሕ ክሳለጥ ዝግበኦ ውልቃዊ ጉዳያት ኣለኒ ‘ሞ ናብኡ ከብል እኽእል። ነቶም ንቑጠባውን ጸጥታውን ብደሆታት ፊተ-ፊት ገጢሞም ዝረባረቡ ዘለዉ ወገናት ክምድር ኣየምሕረለይን እዩ።
ናይ ሎሚ ርኢቶይ ነቶም ኣብ ዳግመ-ህንጻ ተዋፊሮም ምስ ሓጻውንን ኣኻውሕን ዝጓነጹ ዘለዉ ደቂ ትሽዓተ ብሄራት ኤርትራ ዝኾኑ ዋርሳይ ምስ ረኣኹ ጦብላሕ ዝበለትኒ እያ።
ብተወሳኺ፡ መራሕቲ መንግስቲ እቲ ብህዝቢ ዝወሃበክም ዘሎ ደገፍ ከም መረጋገጺ ኣሳልጦን ጽፈትን ስራሕክም (performance) ዝወሃብ ባጀላ ከይወሰድክምዎ፡ ብዙሕ ዝመሓየሽ ከም ዘሎ ተረዲእክም፡ ጀሚርኩሞ ዘለኹም ህዝባዊ ጽምዶ (public engagement) ቀጽልዎ። ኣብ ኣኼባታት ዘጋጥሙ “በዳህቲ” ዝበሃሉ ሕቶታት ይምጽኡ። ዘፍርሕ ወይ ዘሻቅል የብሉን። ንኤርትራ ካብቲ ንህላወኣ ኣዝዩ ኣስጋኢ ዝነበረ ኩነታት መሪሕኩም ኣውጺእኹማ ኣለኹም። ሕጂ ኸኣ ሰላምን ቑጠባውን ምርግጋእን ገይርኩም ነቶም ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ንኤርትራዊ መንነት ዝጫረት ካልእ መንነት ዘይብሎም ዋርሳይ ኣውርስዋ።
ከምቲ ተዛረብቲ እንግሊዝ take the bull by the horns ዝብልዎ፡ ንሃለልቲ ድማ ብሓቅን ጭብጥን ኢኻ ትሕዞም፡ ተቃለዖም። ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓምለ 9፡ 2018 እዩ ብወግዒ ተዓጽዩ። ምጽብጻብ እንተኮይኑ፡ ብዙሓት ካብቶም ከም ብጹኣን ኮይኖም ዝቐርቡ ዘለዉ ዝሕተቱሉ ጉዳያት ኣሎ። ናይ’ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት መርገጺታትክም ኣብርሁ ጥራይ ክበሃሉ ኣለዎም።
ብዝኾነ፡ ሓይልና ኣብ ምብርባር እወታዊ መዳያትና ኮይኑ፡ ናብ እህን-ምህን ንበሃሀለሉ ሃናጺ መድረኽ ገጽና ክነማዕዱ ይግባእ። እምበር ምጽብጻብ እንተኮይኑስ፡ ብዙሓት ኣይክሕወሱናን እዮም።