ነቲ ክብርቲ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብ ተክሳስ ዘካየደቶ ታሪኻዊ ኣኼባ ዝምልከት ዝተፈላለየ ቑርጽራጽ ክሊፓት ክበጽሓኒ ጸኒሑ። እቶም ብስነ-ስርዓት ሕቶታትክም ዘቕረብክም ዜጋታት ክመጉሰኩም ግቡእ እዩ። እቶም ንሚኒስተር ፎዝያ ክትድህሉን ክተናሽዉን ክተዋርዱን ተዓጢቕክም ነድርን ዘለፋን ዝበዝሖ ኣቀራርባ ክትጥቀሙ ዝሓሰብክም ሰባት፡ ዕላማኹም እቲ ኣኼባ ከም ዝህወኽን ካብ ቁጽጽር ከም ዝወጽእን ንምግባር ዝነበረ ይመስል። ከም ዝሰማዕክዎ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ምንባሮም ጽቡቕ ነገር እዩ። ዝኾነ ኮይኑ ግን፡ ነዞም ሓደ ክልተ ረበሽቲ፡ ሚኒስተር ፎዝያ ሃሽም፡ ኣብቲ ንስኹም ትፈልጥዎ ዓዲ መጺኣ፡ ገጸ-ገጽ ገጢማትክምስ ማይ ዝሑል ኣፍሲሳትልክም ቅሩብ ኣዛሓሒላ ሰዲዳትክም ኣላ። ነቲ ዘልዓልኩሞ ጉዳያት ብዕቱብ ክትሓስቡሉን ክትመራመሩሉን ነቲ ዝተሓላለኸ ጠንቅታቱ ድማ ክትብርብርዎን ድማ ክሳብ ዝመጽእ ኣኼባ እኹል ግዜ ኣለኩም።
ዝበዝሑ ብስም ተቓወምቲ ዝፍለጡ ብስነ-ስርዓት ከም ዝሓተቱን እቲ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባ ብዓይነቱ ሓድሽ ምንባሩን ክተባባዕ ከምዘለዎን ዘመልክት ርድኢት ሒዞም ከም ዝወጹን ዝበጽሓኒ ሓበረታታት የረጋግጽ። እወታዊ ጅማረ ጥራይ ኢለ ክሓልፎ። ነዚ ጉዳይ ዝምልከት ዘለኒ ርኢቶ ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከጠቓልል እየ።
1- መራሕቲ መንግስቲ፡ መራሕቲ ኩልና እዮም፡ ማለት መራሕቲ ደገፍትን ተቓወምትን ኣብ መንጎኡ ዘለዉን ዜጋታት እዮም። መራሕቲ መንግስትና፡ ካብ ወጻእተኛታት (ጋዜጠኛታትን ልኡኻት ሃገራትን ኣጀንሲታትን) ንዝመጽኡ ተረርቲ ሕቶታት ክምልሱ ቅሩባት ካብ ኮኑ፡ ካብ ዜጋታቶም ዝመጽእ ሕቶታትን ነቐፈታዊ ርኢቶታትን ክቕበሉ ዘጸግሞም ኣይመስለንን። ስለ’ዚ፡ ብስም መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ወግዓዊ ኣኼባታት ንኹሉ ክፉት ክኸውን ኣለዎ። ህግድፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ኣኼባታት ከካይድ ይኽእል።
2. ኩለን እተን ውክልና መንግስቲ ይኹን ቁንስላዊ ጉዳያት ዝተኣናገደለን ወይ ድማ ምስ’ዚ ወግዓዊ ስራሕ ዝተኣሳሰራ associated ዝኾና) ከምኡ እውን ምስ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ቅርበት ዘለወን ማሕበረ ኮማት፡ መራሕተን ኣስፊሖም ክሓስቡ ይግባእ። ንቑመና ሃገር ዝመጣጠን ኣተሓሳስባን ባህርን ከዘውትሩ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣብ ስርሖምን ንጥፈታቶም ተኣማሚኖም፡ ንኽሎም ብሰላምን ስነ-ስርዓትን ኣብ ኣኼባታት ክሳተፉን መራሕቶም ክሓቱን ዝደልዩ ዜጋታት ከተባብዑን ከሳትፉን ክጽዕሩ ይግባእ። ዝያዳ ነቲ ዘይተረደኦን ነቲ ነቓፊ መንግስትን ዘሳትፍን ናይ ሕቶን ርኢቶን ዕድል ዝህን መድረኽ ከዳልዉ ይግባእ። ምኽንያቱ፡ ምስ ኣካይዳ መንግስቲ ዝሰማማዕ ወገን ሓበረታ እዩ ዘድልዮ እምበር ክተእምኖ ግዜኻ ኣይተጥፈኣሉን። እቲ ግዜን ጸዓትን ዘድልዮ እቲ ንመንግስቲ ዝቃወም ወይ ዝነቅፍ ወገን እዩ። ዝበዝሕ ግዜ፡ ጠቓሚ ትምህርቲ ዝያዳ ካብቲ ካባኻ ፍልይ ዝበለ ሓሳባት ዘለዎ ወገን እዩ ዝርከብ፡ ንዓኻ ዝመስል እሞ ከማኻ እንድዩ ዝሓስብ።
እዚ ድማ፡ ከምቲ ሚኒስተር ፍትሒ፡ ክብርቲ ፎዝያ ሃሽም፡ ዝገበረቶ ኣብ ቃልዕ ምስ ዝኸውን፡ ብስለትን ምትእምማንን መራሕቲ መንግስቲ ጥራይ እዩ ዘርኢ። ካልእ ዒብ ኣይርከቦን። ከመይሲ፡ እቲ ናብ መንግስቲ ዝቐንዐ ነቐፈታታት ዝሕባእ ኣይኮነን። ኣብ ሚድያን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣሎ።
ምስዚ ዝተኣሳሰር ጉዳይ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናይ መኸተ፡ ኣብ መንጎ ነጠፍቲ ክልቲኡ ወገናት ዝተፈጥረ ክሳብ ደረጃ ውልቀ-ሰባት ዝወርድ ባእስን ምቅርሓንን ክንቖጻጸሮን ክነዝሕሎን ይግባእ። ብሓላፍነታዊ ወኒ ክንትክኦ ይድለ ኣሎ። ካብቲ ገራጭን ተባኣስን ኣካይዳ ወጺእና፡ ንሰባት ብሓቅን ርትዕን ከእምን ዝኽእል (persuasive) ሜላ፡ ከምኡ እውን ሰሓብን ኣሳሳይን ኣቀራርባ ምዝውታር ግዚኡ እዩ። “መርሓባ እቶ፡ ጉዳይካ እንድዩ፡ ሕተት፡ ግን ሕግታት ኣኼባና እዝን እዝን ይመስል” ምባልን ልዕሊ ጽልእን ቅርሕንትን ቦሎኽ ኢልካ፡ ዜጋታት ክድግፉ ጥራይ ዘይኮነስ ክነቕፉ እውን መሰል ከም ዘለዎም ፈሊጥትካ ምስራሕ። ነቶም ናብ ምንህሃር ክወስዱኻ ዝደልዩ ድማ ብህድኣት ምብደሆም።
-
ናብ ኣኼባ እንሳተፍ ድማ፡ ሰላምን ጸጥታን ኣኼባ ከይንዘርግ ግቡእ ከም ዘለና ክንፈልጥ ይግባእ። ኣኼባ ስሩዕን ውዱብን (structured) ማሕበራዊ ርኽክብ እዩ። ቦታ ሰላማዊ ሰልፍን ጭርሖታትን ዋዕዋዕታን ኣይኮነን። እቲ ሕግታት( ground rules) ናይቲ ኣኼባ ዘውጽእን ዘመሓድሮን ኣካል ድማ እቲ ነቲ ኣኼባ ዘዳለወ ወገን እዩ። ረብሻ ንዝፈጥሩ ሰባት ክስጉግ መሰሉ እዩ። ስለ’ዚ፡ ንሕሰብ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት መሰል ካልኦት ኣኼበኛታት ከይንደፍር ክንጥንቀቕ ይግባእ። ምፍርራህ፡ ምጉብዕባዕ፡ ብደዐ፡ ዘለፋ፡ ነድሪ ዘለዎ ኣዘራርባ ወይ እውን ጉጅለኣውን ውድባውን ካልእ ጸበብቲ ጉዳያትን ምዝርዛር፡ እቲ መድረኽ ከም ናይ ምጉት (debating platform) ገይርካ ምቑጻር ጌጋ እዩ። ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ርኢቶታትንን ኣተሓሳስባን ዘለዎም ኣኼበኛታት ዝሳተፉሉ ኣጋጣሚ ስለዝኾነ፡ ከም መጎሳጎሲ ናይ ጸቢብ ፖለቲካዊ ርኢቶኻ እትጥቀመሉ መድረኽ ኣይኮነን። ንኹልና ዘገድሱ ዛዕባታት ዝዝተየሉ መጋብኣያ እዩ እሞ ዝመጽእ ሕቶታት ይኹን ርኢቶታት ካብ ስምዒት ወጺኡ ነቲ ካልእ ኣኼበኛ ዘይርብሽን ብመሰረት ዝወጸ ቅጥዒ ኣኼባ ዝምራሕን ምስ ዝኸውን እቲ ዘቕርቦም ሰብ ክብረት ይረክብ፡ ኣኼበኛ ድማ ይጥቀም። ስለ’ዚ፡ መሰል ምስታፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕግታት ኣኼባን ሰላም ተጋባእትን ናይ ምኽባር ግቡእ እውን ኣለካ እዩ።
-
እንተደኣ መንግስቲ ብሓይሊ ክተውድቕ፡ ወይ ኣብ ሃገር ናዕብን ዕግርግርን ክትዘርእ ትሰርሕ ኣለኻ ኮይንካ፡ ኣብቲ ኣኼባ ክትሳተፍ መሰል እውን የብልካን። ምኽንያቱ ንስኻ ነቲ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ መንግስቲ ከም ጸላኢ ቆጺርካ ብሓይልን ዓመጽን ክተወግዶ እትሰርሕ ስለዝኾንካ፡ መንግስቲ እውን ንዓኻ ከም ጸላኢ ቆጺሩ ክስዕረካ እዩ ዝሰርሕ እምበር፡ ኣብ ኣኼባታት ሰቲ ክንስንሰልካን እሩሩ ክብለካን ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ናዕብን ዕግርግርን ፈጢርካ መንግስቲ ክተውድቕ ትሰርሕ እንተኴንካ፡ ኣብ ደገ ሕግታት ብዘፍቅድዎ ኣገባብ ሰልፊ ክትገብር ትኽእል። ኣብቲ ኣኼባ ክትኣቱ ግን ትጽቢት እውን ክህልወካ የብሉን ዝብል ርኢቶ ኣለኒ። You have no business to be in the meeting. ምኽንያቱ፡ ኣኼባ ነቶም ብሰላማዊ ኣገባብ ምስ መንግስቶም ኣብ ጽምዶ ክኣትዉ ዝደልዩ ዜጋታት እዩ ዝዳሎ።
- ብሓፈሽኡ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ክደጋግሞ ዝጸናሕኩ፡ ነቶም ውሑዳት ጸረ ሃገር ነጠፍቲ ገዲፍካ፡ ናይ ግንዛበ ( perception) ጸገም እንተዘይኮይኑ፡ ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ ሃገርና ካብዚ ንዕስራ ዓመታት ሓሊኹዋ ዝጸንሐ ኩነታት ወጺኣ ንቅድሚት ክትምርሽን ነዚ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ድማ ነዛ ሃገር ናብቲ ዝቕጽል መድረኽ ብዓወት ከሰጋግራ ከም ዘለዎን ነቀፈታውን ሃናጽን ጽምዶ ክልግሰሉ ከምዝግባእን ይሰማማዕ እዩ። ኣብተን ክዕረያ ኣለወን ዝበሃላ መሰረታውያን ጉዳያት እውን ስምምዕ (consensus) ዘሎ ይመስል። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ክድፈኣሉን፡ ናብ ምትሕቑቛፍን ምጥናፍን ዓቕምታት ኤርትራ ክነመርሕ ናይ ግዜና ጠለብ ኮይኑ ይስመዓኒ።
ዎ ደሓንኩም።
—————–++
ንፋስ ቪርጂንያን ዲሲን ለኽይኒ ኣሎ። ናብቲ ናይ ቀደምካ ህድእ ዝበለ ቃና ተመለስ ይብለኒ ኣሎ። ጥዑም ንፋስ፡ ጥዑማት ሰባት፡ ንኹልኹም ኣዕሩኽናን መጋድልትናን መቅርብናን ልባዊ ምስጋና የቅርብ። ዝገበርኩምልና እንግዶት ብዓይነት ክንከፍሎ ከጸግመና እዩ፡ ግን ናብ ዓድና ጥራይ ምጹ እብለክም።
ብስም ስድራይ፡ ምስ ፍቕራዊ ሰላምታ። ቻው ንሕጂ።