Categories
Uncategorized

መለስ ካብ መቓብር

ኣብ 1990፡ መለስ ዜናዊ ምስ ሓደ ፖል ሀንዝ ዝተባህለ ኣሚሪካዊ ጸሓፍን ሰላይን ቃለ- ምሕትት ገይሩ ነይሩ። ፖል ሀንዝ ሓደ ካብቶም ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ናይ ሓይለበኦም ዝተቃለሱ ክኸውን ከሎ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝጸሓፈን ንገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣመላኪዑ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘቕረበ ሰብ እዩ።
ኣብቲ ነዊሕ ቃለ-ምሕትት፡ መለስ ከም ልሙድ ብዛዕባ ውድቡን ቅኑዕነት መስመሩን ብዙሕ እዩ ዝዛረብ። ንሱ ዘገድሰና ኣይኮነን። ዝግደስ እንተሎ ድማ ነቲ ቓለ ምሕትት ኣብ ታሕቲ ክልቅቦ እዩ።
ኣብዚ ግዜ ዘገድሰና እቲ መለስ ሽዑ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ዝበሎ እዩ። ኣብ ትግራይ ናይ ሓድነት ጸገም ከምዘይነበሮም ክገልጽ ክሎ፡ ኣስላም ትግራይ 10% ጥራይ ከም ዝኾኑን ንሶም እውን ቅድሚ ሃይማኖቶም ንትግራይ ከም ዘቐድሙ ጠቒሱ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ፍርቁ ኣስላም ፍርቁ ድማ ክርስትያን ስለዝኾነ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሃይማኖታዊ ናዕብን ምግምማዕን ክፍጠር ከምዝኽእል ተነብዩ። ኤርትራውያን ከም ሃገር ክቖሙ በዳሂ ሽግር ክገጥሞም ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ መለስ ዝተነበዮ ነይሩ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ዝነበረን ውዱዕ ኩነታት ግን ንበይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ብመስዋእቱ ዝሃነጸን ብዙሕነቱ ድማ ከም ጸጋ ዝቕበልን ሓያል ሃገራዊ ጥምረት ዘለዎ ህዝቢ እዩ። እዚ ንይምሰል ዝበሃል ዘይኮነስ ኣብ ቀጻሊ ፈተነታት ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ሕጂ እውን ንቔናን ትንታነ መለስን ዝንቡዕ ትንቢቱን ንጎኒ ገዲፍና ናብቲ ዝያዳ ተገድሰና ነጥቢ ክነምርሕ።

ድሕሪ ናጽነት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ወራር ወያነ፡ መለስ ዜናዊ፡ ኤርትራ ንነዊሕ ክትሰርር እያ ኢሉ ዝገመተ ኣይመስልን። ኣህጉራዊ ፍርዲ ብይን ዶባት ነጺጉ፡ ንወደባት ኤርትራ ናብ “ዒላታት ኣግማል ክንቅይረን ኢና” ብምባል ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቐንዐ ኣዕናዊ ዘመተታት ተታሕዞ። ኤርትራውያን ናብቲ ኣብ ትግራይ ዘዳለዎ መዓስከራት ክሰግሩ ኣተባቢዕዎምን በቶም ናይ ስለያ መሓውሩ (ኤርትራውያን ዕሱባት ዝነበርዎን ዘለዎን) ካብ መንበሪኦም መሳለጥያታት እና ኣዳለወ ነቲ ናይ ፍልሰት ዘመተ ተታሓዞ።
ነቶም ብስም “ተቓውሞ ኤርትራ” ኣብ ትግራይ ዕግሽግሽ ዝብሉ ዝነበሩ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ብሃይማኖታውን ኣውራጃውን ብሄራውን መልከዓት ክሰርሑ ኣተባብዖምን ሓገዛቱ ወፈየሎምን። ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ወተሃደራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ስራሓት ከካይዱ መሳለጥያታት ኣዋዲድሎም። ወያነ ንክብደት ኢትዮጵያ ተጠቒሙ ኤርትራ ንምስይጣንን ንምንጻልን ውሽጣዊ ርግኣታ ንምሕማስን ነዞም፡ኤርትራውያን ባእታታት ከም ቀንዲ ብልሒ ናይቲ ወያናይ ኲናት ክኾኑ ዓለሞምን ኣዋፈሮምን። ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ጭቖና ከምዝነበረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣንጻር ገለ ብሄራት ዝቐንዐ ናይ ምጽናት ወፈራታት (genocide) ይገብር ከምዝነበረን ዘመስል ጎስጓሳት ኣብ መጋብኣያታት ዓለም ኣወዓወዐ። ሕጂ እውን እዞም ኤርትራውያን ወየንቲ ከም ፊተውራሪ ናይቲ ንሓድነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝፈታተን እኩይ መጥቃዕታት ኮይኖም ሰሪሖም። ኢፍትሓዊ እገዳታት ሃንዲሱ ብኣገበርቱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ዝረግእ ገይሩ። እታ ኤርትራ ትበሃል ገረብ ረማዕ ኢላ ክትወድቕ ተጸበየ፡ ተማህለለ፡ ከዋኽብቲ ቖጸረ። ዓመታት ሓሊፉ። ኤርትራ ግን ክትወድቕ ዘይኮነትስ፡ ነቕነቕ ክትብል እውን ኣይከኣለትን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ፍልልያት ንናጽነታዊ ቃልሱ ኣየባኾረን። ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፍልልያት ኣብቲ ዝኸፍአ ናይ 20 ዓመታት ከበባ ወያነ እውን ከፋልሶ ኣይከኣለን። ኤርትራ ገና ደው ኢላ ኣላ።ደው ኢላ ጥራይ ዘይኮነትስ ትዓኩኽን ትስስንን (thriving) ኣላ። መለስ ዜናዊ ሞት ኤርትራ ከይረኣየ ንባዕሉ ሞት ቀዚፋቶ።
መለስ ዜናዊ ብኣካል ደኣ ኣይሃሉ እምበር፡ እቲ ሰራም ፖለቲክኡን ብኡ ዝተለኽፉ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ባእታታትስ ጌና ንእኩይ ውዲታት መለስ ይቕጽሉዎ ኣለዉ። ሎሚ እሞ ኣብ ናይ ጭንቀት ዓለም ኣብ ዘለዉሉ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ በቲ መለስ ዝተመነዮ ብውሽጣዊ ግርጭታቱ ካብ ዘይተበታተነ፡ ስለምንታይ ነቲ ብሄራዊ መዳይ ዘየሳውሩ ኸ? ንምዃኑ ክሉ ሓደ እንድዩ። ግን ቅሩብ ሓድሽ ላዛ (flavor) እንተመሰለ ኣይፍለጥን። ዝቐንዖም ክመስሎም ይኽእል ይኸውን።

ክሳብ’ቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብተበተብ ናብ መቐለ ዝተባረሩሉ ግዜ፡ “ትግርኛ ኤርትራ ምኩሕ እዩ፡ ሕቖኡ ክንሰብር ኣለና” ይብሉ ከምዘይነበሩ፡ ካብቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንመቐለ ዝገበርዎ ህድማ ረሃጾም ከየንቀጹ፡ “ኣሕዋት ኢና” ክብሉን ክመጻደቑን ተራእዮም። እቲ ቀንዲ እስትራተጂ ድማ ኣብ ምጉሕጓሕ ኢትዮጵያ ቦታ ከምዘይብሎም ካብ ደምደሙ፡ ኣብ ኤርትራ ቦታ ክድክኑ ክፍትኑ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ሕቖኡ ክሰብሩ ሒኽ ዝበሉ ህዝቢ ከበሳ ኤርትራ ንምጥባር ምጽዓር። ይቕረታ እውን ከይሓተቱ። ካብ ኣሕዋቱ ኤርትራውያን ንምንጻሉ ፈተነታት ምግባር። ብጥልዕ ግንብስ ከኣ ዘርክቦም የለን። ንፉዓት ተዋሳእቲ እዮም ዝበሃል።

ቅድሚ ሕጂ ከምዝበልክዎ፡ እዞም ባእታታት እዚኦም ንህዝቢ ኤርትራን ስነልቦናዊ ኣቃውኡን ዝርድኡ ኣይመስሉን። ህዝቢ ትግርኛ ምስ ካልኦት ኣሕዋ ብሄራት ኣብ ዕርዲ ናጽነት ዝነኸሰን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን ክቡርን ሕቡንን ኤርትራዊ ህዝቢ እዩ። ቀንዲ ቀላስን ዓንዲ-ሕቖን ናይቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ቃልሲ ምዃኑ ዝዝንግዑ ዘለዉ ይመስሉ።

ትግርኛ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ እቲ ምስ’ቲ ኣብ ስግሪ ዶብ ዝርከብ ትግራዋይ ክህልዎም ዝኽእል ባህላውን ታሪኻውን ምትእስሳራትን ኣብ መንጎ እቲ ብደም ዝተሃንጸ ምስ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ዘለዎም ሃገራዊ ኪዳንን ዘሎ ፍልልልያት ኣጻርዮም ዝፈልጡን ኣታዓረቕቲ ዘይደልዩሉ ጉዳይን እዩ።

ካብ ዘይቅሱን ኣእምሮ ገዛእቲ ትግራይ ዝምንጩ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባታት ክሳብ ዘለዉን ነዞም ኣተሓሳስባታት እዚኦም ከሳግሙ ቅሩባት ዝኾኑ ኤርትራውያን ክሳብ ዝተረኽቡን፡ ገዛእቲ ትግራይ ትንቢት መለስ ክሳብ ዝረጋገጸሎም እቲ ፈተነታት ምቕጻሎም ኣይተርፎምን እዩ። ይኹን እምበር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብለውላዋት “ፈሊጣን” ዝዝረግ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ንወገኑ ኣሕሊፉ ኣይህብን፡ ኣብ ልዕሊ ወገኑ እውን ኣይጸምድን እዩ። እንተ እቲ ተዋስኦታት ንዕዘቦ ከምዘለናን ከም ኩሎም ኣንጻር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈተኑ ውዲታት ክሃፍፍ ምዃኑ ንምዝኽኻር ጥራይ እዩ።

እቲ ምስ ኤርትራ ዘተኣሳስር ጸገም ናይ ወያነ ንዝፈረሙሉ ኣህጉራዊ ስምምዓት ዘይምኽባሮም እዩ። ናይ ህዝብታት ዘይምቅዳው ዘይኮነስ ሕጋዊ ጉዳይ እዩ። ምስ ዝምድናታት ህዝብታት ዝተኣሳሰር የብሉን። ሕጂ እውን ኣዳራሻት መቐለ ዘተኣናገደ እንተ ኣተኣናገደ፡ ወያነ ነቲ ዝፈረመሉ ስምምዕ ከኽብር ጥራይ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ጸገም የብሉን።
—————

TASSEW.WORDPRESS.COM
Meles Zenawi’s interview with Paul Henze 1990

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s