Categories
Uncategorized

ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ?

ብዙሕ ከይተዛረብኩ፡ ነዛ ትስዕብ ነዋሕ ጽሕፍቲ ከተንብቡ እጋብዘኩም። ቅድሚ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምፍርራሙን ቅድሚ እቲ ወያነ ረዖኣኦም ከይጠቕለሉ ብእግረይ-ኣውጽእኒ ናብ መቐለ ሃጽ ዝበሉሉ፡ ገና ጎባልል ኮይኖም ናይ ምቕጻል ሕልምታቶም ህያው ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እያ ተጻሒፋ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግን ተዛመድቲ ዝኾኑ ኣርእስታት ዝነበረኒ ኣራኣእያ እውን ትገልጽ እያ። ነቶም ከምዚ ቅጽበታዊ ሪት-ለስ ዝገበርኩ ገሮም ዝገልጹ ሰባት እውን መልሲ እያ።

ብፍላይ ኣብቲ እዋናት’ቲ ኣብ ኤውሮጳ ደቂ 60-70 ዝኾኑ ሽማግለታት ነቶም ፍሉጣት ጸረ-ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ከውሊ ጌሮም፡ መንእሰያት ህግድፍ ኮንፈረምሶም ከይገብሩ ከጨናንቑሎም ምስ ረኣኹ፡ ተገሪመ። ዝርዝር ኣብቲ ጽሑፍ ክትረኽብዎ ኢኹም። ከምኡ እውን ሓደ ኤርትራዊ “ሊቕ” ንመንነንት ህዝብና ዝወቅዕ ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ክፍኑ ምስ ረኣኹ፡ “እዛ ቡርኩታስ ገለ ኣላታ” ክብል ጀሚረ። እቲ ሊቕ፡ ሎሚ ዓመት እውን ኣብ መቐለ ተረኺቡስ፡ ዝወከሎ ዘይብሉስ ብስም ህዝብና ዱድ ኢሉ ክብሉ ሓቢሮምኒ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብስም ” ኤርትራን ትግራይን ሓደ ኢና” ክተወዓውዕ ከለኻ፡ ዘለናዮ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሓለት (context) ወሳኒ እዩ። ካድረታትን ነጠፍትን ወያነ ስለምንታይ ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ እዱድ ዘመተ የካይዱ ኣለዉ ኢልካ ምሕሳብ። እምበር እቲ ጀኦግራፊ ይኹን እቲ ታሪኻውን ማሕበራውን ምትእስሳራት ናይ ህዝብታት’ኮ ኣይተቐየረን። ዝተደናገረሉ ወገን እውን የለን።

ወያነ ስለምንታይ ብሃንደበት ኣብ ሕንክስክስን ለመጭመጭን ኣትዮም ንፈልጦ ኢና። ሕጂ ኣብኡ ግዜኹም ኣይክወስድን። እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ዝተጻሕፈ ገምጋማዊ ርኢቶይ ግን ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ መቐለ ብስምና ዝቐርብ ዘሎ ተዋስኦ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ እየ ዘቕርቦ ዘለኹ።

ኤርትራ ንህዝባ እኽልቲ እያ። ማሚቕናላ ክንሓድር ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ንዓኣ እኹላት ኢና። ከምቲ ክሉ ግዜ ዝብሎ፡ ትግራዎት ሽግራቶም ምስ ኣሕዋቶም ኢትዮጵያውያን ይግበርዎ፡ ወይ ድማ ዓንቀጽ 39 ብዕሊ ይኣውጁ። እንተ ነቶም ንሃገርና ናብ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ኢትዮጵያ ክጎትዋ ዝደልዩ ሰባት ዝብሎ ግን፡ ሰራውር ኤርትራ ኣዝዮም ድልዱላት ምዃኖም ክሕብሮም እደሊ። ሰናይ ንባብ።
————-

SNITNA.COM
ህግድፍ የሳጉም፥ መምህረይ የጓድም — writing By Mahmud Saleh. እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ነቶም ንሓድነት ኤርትራን ልኡላዊ ግዝኣታን ከይተንከፍኩም ምእንቲ ፍትሕን ማዕርነትን ብኽብርን ርእሰ-ተኣማንነ…..

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s