ደሓን ብዛዕባ ጀጋኑ ደቂ ሳዋ ብዙሕ ክንብል እንዲና፡ ንሎሚ ግን ክትመላለሰኒ ዝቐነየት ነገር ቶግ ዘየብለልኩም። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሞራል ሰብ ንምስባር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቂዑ እዩ። የለን ክበሃል ጸኒሑ።
ትማል ኣብ ሳዋ ብተዓላሞ ዝቐረበ ወተሃደራዊ ሰልፊ ግን ነዚ ጽውያ እዚ 180 ድግሪ ገልቢጥዎ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ዝንብድበድ ዘሎ ጫውጫውታ ከኣ ውድቀት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ኣስጋእነት ወተሃደራዊ ድሉውነት ኤርትራ እዩ። መን እዮም እቶም ኣንበድብድቲ እንተ’ልኩም፡ ወያነን ኤርትራውያን-ወየንትን።
ዑደት ልኡኽ ስዑድያ ዓረብ ናብ ኤርትራ እውን ነቲ ሻቕሎቶም ሰማይ ከም ዝስንጥቕ ገይርዎ ኣሎ። ኤርትራ ኣባል ናይቲ ብስዑድያ ዝምራሕ ንኣካባቢ ቀይ ባሕሪ ካብ ሽበራን ከተርቲ ባሕርን ንምጽራይ ዝዓለመ ምሕዝነት ምዃና ዝረሳዕዎ ኣይመስለንን። እንታይ ደኣሉ ካብ ርሑቕ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ መደባት ናይ ምሕላው ነገር?
ብዝኾነ፡ ካብቲ ነቲ ዘይፍትሓዊ እገዳ ንቃወመሉ ዝነበርና ብዙሕ ምኽንያታት ሓደ፡ ንዓቅምታት ምክልኻል ኤርትራ ዝሃሲ ስለዝነበረ እዩ። ትጽቢት ናይዞም ሎሚ ንብዓት ሓርገጽ ዝነብዑ ዘለዉ ሰባት ድማ፡ ኤርትራ ናይ ምክልኻል ዓቅማ ማህሚኑ ድፍእ ኣቢልካ ዝወድቕ ቦኽባኽ ጉንዲ ንምግባራ እዩ ነይሩ።
ኩሉንትናዊ ምሕያል ሃገረ ኤርትራ ውድቀቶም ኮይኑ እዩ ዝስመዖም። ሓንቲ መዓልቲ ብዛዕባ ምረቓ ኮለጃት ክዛረቡ ስሚዕኩሞም ትፈልጡ? ሓንቲ መዓልቲ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ዝንእዶ ኣብ ኮማዊ ጥዕና ዝተመዝገበ ዓወታት ኣልዒሎም ንቓል ዓለም’ኮ ሸፈፍ ኢሎሞ ኣይፈልጡን።
ብዝኾነ፡ ኤርትራ ክገፍሓላ ከሎ ንዓኦም ይጸቦም፡ ኤርትራ ክርሕሳ ከሎ፡ ንዕኦም ድርቂ ይኾኖም፡ ደቂ ሳዋ ምዕሩግ በዓል ከካይዱ ከለዉ፡ ንዕኦም ግን ጸሊም ሓዘን እዩ።
ማይሁመኪ ኤርትርያ፡ ኣሴርሪ ገጽ ቀደም፡ በለድ ሓጠር ዎ ስብእነት፡ በለድ ምርወት ዎ ሰባተት።
Eritrea, the land of proud people. Let’s move on.
MS/ August 8, 2019