Categories
Uncategorized

ሃገራዊ ክብርታትና ዋሕስና

እቶም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ታሪኹ ዘኻዕበቶም ብሓባር ናይ ምውፋርን ብሓባር ናይ ምክልኻልን ልምድታት፡ እቲ ከይተገዳዳዕካ ናይ ምውፋይን ምስዋእን፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ከም ሓደ ህዝብን ሓደ ትርግታን ከም ዝስጉም ገይርዎ። እቶም ዝተኾስኮሱ ሃገራውያን ክብርታት፡ ማለት ከም ፍቕሪ ሃገር፡ ሃገራዊ ሓድነት፡ ንሃገርን ህዝብን ምግልጋልን በጃ ምሕላፍን፡ ርእስኻ ክትክእል ሓርኮትኮት ምባል፡ ኒሕን ተጻውሮን፡ ር/ተኣማንነትን ተስፋን እዮም ነዛ ሃገር ክሳብ ሎሚ ሰለይ ዘብልዋ ዘለዉ።

ጸላእትና ናብ’ዞም ክብርታት ኣነጻጺሮም ክሰርሑ ጸኒሖም። ክንጽይኖምን ክንነጽጎምን፡ ማለት ከም ናይ ጓኖት ወይ ብኣገላልጻኦም ከም “ናይ ሳሕል” ክብርታት ገይርና ክንወስዶም ጽዒሮም። ያኢ ሳሕልን ገድልን ንህዝቢ ኤርትራ ባዕዳውያን ኮይኖም!!

ኤርትራ ጥራይ እያ ንኸምዚ ዝእመሰለ ኣደራዓት ተጻዊራ መመሊሳ በሎኽ ክትብል እትረአ ዘላ። እምበር፡ካልኦትስ ካብዚ ንኤርትራ ዝገጠመ ዝተሓተ ብደሆታት ዘጓነፈን ሃገራት ድሮ ፈርከሽከሽ ኢለን፡ ወይ ድማ ኣብ መስርሕ ይርከባ። ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተጸሚደን፡ ሞት ደንጉያተን ክቀላጠፈለን ይምህለላ ኣለዋ።

ንህዝቢ ኤርትራ ዓንዲ-ሕቖ ኮይንዎ ገጥ ዘበሎ ዛንታ ጽንዓቱ እዩ። ምስጢር ዓወቱን ህላወኡን እቲ ምእንቲ ናጻ ኮይኑ ክነብር ዝኸፍሎ ኩሉንትናዊ ዋጋን እቲ ኣብቲ መስርሕ ከም ሓንቲ ስድራ ኮይኑ ዘማዕበሎም (ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩን ተመሳሰልቶምን) ሃገራውያን ክብርታት እዮም። ንሶም እዮም ስንቂ ኮይኖምዎ እምበር ዓለም ብዓለማ እንድያ ነጺላ ናብ ጸላም ኩርናዕ ደርብያ ዝገደፈቶ።

ሕጂ እውን ናብ ሓድሽ መድረኽ ናይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ህንጸት ክብገስ ከሎ፡ ሕመረትን ሞቶረን ዝኾንዎ እዞም ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝተጠርዩ ክብርታት እዮም።

ካልእ፡ ብዙሕ ቃል-ዓለም ዘየድልዮ ሓቂ ድማ፡ ህግድፍ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ብዓወት ሰጊሩ ኣሎ። እዚ ምስክር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ። ብሰንኪ እቲ ስርዓት ወያነን ወየንቲ-ኤርትራውያንን ኣብ ልዝዕሊ ሃገርና ዝተኸተልዎ ኣዕናዊ እስትራተጂታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ቑጠባውን ማሕበራውን ዕንወት ወሪዱዎ ምህላዉ ብሩህ እዩ።

እዚ ክውንነት እዚ ድማ ንህግድፍ ናብ ሓድሽን ዝበርተዐን ፈተነ እዩ ዘእትዎ ዘሎ። ሰላም ኣረጋጊኡ፡ ቑጠባዊ ዳግመ ህንጸት ኣበጋጊሱ፡ ኩነታት ሃገርና ናብ ንቡር ንምምላስ። ሃገርና ካብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ኩናትን ዝሰዓበ ምክልኻል ልኡላውነትን ብኸመይ ኣገባብ ናብ ሓንቲ ሲቪካዊት ሃገር ትቕየር ባይታ ከጣጥሕ ታሪኻዊ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ እንኮ ፖለቲካዊ ኣካል እዩ።

ጎኒ-ጎኒ እዚ ውድዕ ኩነት ዝኸይድ፡ ጸላእትና ዝተቐናበረ ባህላውን ስነ-ኣእምሮእውን ፖለቲካውን ዘመተ የካይዱ ምህላዎም ብሩህ እዩ። ኣብዚ ተኣፋፊ እዋን ንኹሉ ፖለቲካዊ ሕሳባት ንጎኒ ኣቐሚጥና ኣብ ግንባር ሃገር ክንዓስል ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለና። ኣብ ዓውደ ውግእን ኣብ እዋን ጉብዝነኦምን ዘይሰዓሩና ሎሚ ብናይ ሳይበር ኲናት ኣይክስዕሩናን እዮም።

ሰላም እንተደልዮም፡ ከምታ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝበላ፡ ባብ ኳሕኲሖም ጥራይ እዮም ምሳና ክዛተዩ ዝኽእሉ። ብዝተረፈ፡ ሕጓታትና ገጥ ኣቢልና ክንልክቶ ኣለና። ብወሽለኽለኽን መሽከንከንን ሓንከስከስን ከምዘይሰልጠሎም ክረጋገጸሎም ኣለዎ። ሕጂ እውን ሓድነትና ዋሕስ ህላወና እዩ።

MS 5, 2019

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s