ኣብ መሰረታውያን ዝኾነ ጉዳያት ሃገር እንተተፈላሊኻ፡ ብፖሊቲካዊ ፍልልይ ጥራይ ኣይግለጽን። ፖለቲካ ንህልውናን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ክፈላልየና ኣይክእልን። ዝፈላልየና ዘሎስ ካብ ፖለቲካ ንላዕሊ እዩ።
ሎሚ፡ እቲ ግጥም፡ ኣብ መንጎ እቶም እዚ ብኽንደይ ክሳራታት ዝተሰብረ ከርዶን ንሓዋሩ በጠስጠስ ኢሉ ኤርትራ ናብ ልምዓት ክትምርሽ ዝጽዕሩን ኣብ መንጎ እቶም ሓሊኾም ዳግም ክቕፍድዋ ዝደልዩን ዝግበር ርብርብ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ነዚ ክንደይ ዋጋ ዝተኸፍሎ ሰላም ነባሪ መታን ክኸውንን ኤርትራ ድማ ናብ ህንጸት ቁጠባኣን ፖለቲካዊ መሳርዓን ክተድህብ ዝደልዩን ኣብ መንጎ እቶም ዕግርግር ፈጢሮም መሳርዕና ክብትኑ እሞ ብጃንጥላ ናብ ኮረሻ ስልጣን ክዘሉ ዝደልዩን ዝግበር ግብግብ እዩ።
ሎሚ እውን እቲ ካልእ ኲናት ብኻልእ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቀንዲ መርኣያ ድማ ንሃገር ምክልኻል ከም ንፕረሲደንት ኢሰያስ ምግልጋል ጌርካ ምቕራብ፡ ንሃገር ምስራሕ ድማ ከም ባርነት ምቑጻሩ ንዓመታት ተሰሪሕሉ። ሕጂ እውን ይስረሓሉ ኣሎ።
እዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝመለኾም ሰባት ድማ እዮም “ዝሓሽና ኢና” ዝብሉና ዘለዉ። ብዝኾነ፡ ብዘይካ ጸገማትና እናፈታሕና ንቕድሚት ምምራሽ ካልእ ኣማራጺ ኣይረኣየንን። ንሃገር ዘገልግል ሰብ እቲ ጥርዚ ንቕሓት ዝበጽሐ እዩ። ከምኡ እንተዝኸውን።
ስለ’ዚ ኣብ መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ክንዓስል ዝኽልክል ፖለቲካዊ ምኽንያት ክህሉ ከቶ ኣይክእልን።