Categories
Uncategorized

“ንሕጽርኻ ክተመሳስል፡ ንነዋሕቲ ኣሕጽር” ፍቱን ፍልስፍና ካድራት ወያነ

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

ብዙሓት ሰባት “ስለምንታይ ኢኻ ኣንጻር ወያነ ትጽሕፍ፡ ግዜኻ ኣብ ካልእ ዘይተውዕሎ” ይብሉኒ እዮም። ኣነ ኣንጻር ወያነ ጽሒፈ ኣይፈልጥን። ኣንጻር ህዝበይን ሃገረይን ታሪኸይን ርኡይ ጸለመን ግህሰታትን ክካየድ ከሎ ግን ክምልስ ግቡአይ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ንህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ዘሊፈ ኣይፈልጥን። ሎሚ እውን ተደጋጊሙ ዝመጽእ ሓሶትን ብደዐን ካድራት ወያነ እርኢ ስለዘለኹ ክምልስ እግደድ ኣለኹ። ቀሓር ከለዓዕለሉ ዝኽእል ሰብ እንተሎ ንባብ ኣይቐጽል፡ ኣብዚ ደው ይበል።

እንታይ ከ ተረኽበ ክበሃል ይከኣል እዩ። ትዕግስቲ ገርኩም ክትከታተሉኒ እምሕጸነኩም። ብመጀመርታ ግን ነቲ ነዛ ቪድዮ ዝሰደደለይ ተኸታታሊ ጽሑፋተይ ኣመስግን። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል፡  ነዛ ቪድዮ ከም ኣብነት ወሲደ፡ እቲ ሓፈሻዊ ማሕበራውን ስነ-ልቦናውን ፍልልያት ዘምጸኦ ንቡር ምርጻም ኣተሓሳስባታትን ኣራኣእያን ብብልሂ እንተዘይተመምዮም፡ ክሳብ ክንደይ ንገሊኡ ከህልሎም ከምዝኽእል ከርኢ ክፍትን እየ። ዝተፈላለዩ ሕ/ሰባት ይኹኑ ምንቅስቃሳት፡ ከምኡ እውን ሰራዊታት፡ እቲ ዘሕለፍዎን ዝቐሰምዎን ፍሉይ ተመክሮታቶም ዘፍረዮ ናይ ልምድታትን ዓቕምታትን ብቕዓታትን ፍልልያት ኣለዎም። ኣይኮነን’ንዶ ሻዕብያን ወያነን፡ ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሻዕብያ ከይተረፈ እውን ነኣሽቱ ናይ ልምድታትን ብቕዓታትን ፍልልያት ነይሮም እዮም። ወተሃደር ብፍጥረቱ ምኩሕ እዩ። ኣብ መንጎ ክልተ ዝተፈላለዩ ሰራዊታት (ወያነን ሻዕብያን) ዘሎ ፍልልይ ገዲፍና፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ተዋጋኣይ ወገን ናይ ሻዕብያ ማለት ኣብ መንጎ በራጊድን ክ/ሰራዊታትን ህግ ብሓደ ወገን፡ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ሰራዊትን ክፍልታት ናይቲ ውድብን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ህ/ሰራዊትን ካልኦት ከም ዞባዊ ሰራዊት ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ኣሃዱታትን ዝህሉ ናይ ተመክሮን ብቕዓትን ሓላፍ-ዘላፍነት ከም ንቡር እዩ ዝውሰድ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያዊ ፍልልያት ብሓባር ኣብ ትሰርሓሉ ግዜ እዩ እቲ ምትእምማንን ናይ ብቕዓት ሓላፍ-ዘላፍነትን እናተላዘበን እና ተማዕራረየን ዝኸይድ። ሰራዊት ወያነ ኣብቲ ዝተመልመለሉ ቅዲ ኲናት ብቑዕ ነይሩ። ተጋደልቲ ህወሓት ንፉዓት ተዋጋእቲ ነይሮም። ዝኾነ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ሕማቕ ተዋጋኣይ ህዝቢ ዝበሃል ርእየ ኣይፈልጥን። ኲናት ግን ኪኖ ውልቃዊ ትብዓት እዩ ዝሓትት። መጽናዕትታት፡ ምስኣል መደባት ስራሕ፡ ንብቕዓት ናይቶም ዝሳተፉ ኣሃዱትራት ኣብ ግምት ዝኣእተወ ውዳበን፡ ነቲ ተዋጋኣይ ኣካል ዝሕግዝ ናይ ደገፍ ሓይልታትን ስሉጥ መስመራት ሎጂስቲክስን ተጻዋርነትን (stamina) ከምኡ እውን ምኩር ኣመራርሓን…ወዘተ የድልዮ። ነዚ ማእከላይ ሓሳብ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ገጻት ከንጸባርቖ ክፍትን መዲበ ኣለኹ። እዛ ሊንክ ገረያ ዘለኹ ቪድዮ ኣብቲ ዝቕጽል ክፋል ክልክማ እየ። ንግዚኡ ግን ካብ ኣስታት 34.24 ደቂቓ ጀሚርኩም ርኢኹማ ክትጸንሑ ትኽእሉ።

—————-

ብነሓሰ 2018፡ ነቲ “ኣቋም መለስ ዜናዊ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ዝብል ብገታቸው ረዳ፡ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዝተዋህበ ዝንቡዕ መደረ ዘቃልዕ “ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቒፈዮ ነይረ። ኣብቲ መደረኡ ህዝባዊ ወያነ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራን ጉዳዩን ከምዝተቓለሰ ብዘይሰጋእ-መጋእ መዲሩ። ኣብዚ ጥራይ እንተዝሕጸር፡ “ማዕሌሽ ኣመሎም እዩ” ምበልና። ገታቸው ግን (መለስን ካድረታቱን  ብዝመገብዎ ማለት እዩ፡ እምበር ንሱስ ተውሳኺቱ ኣብቲ ቃልሲ ኣይነበረን) ንሰውራ ኤርትራ ብክድዓት ከሲስዎ፡ ውድባት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝባዊ ግንባር ብጉዳይ ኤርትራ ሕድገታት ክገብር ምስ ደርግ ናይ ሰላም ፈተነታት ይገብር ከምዝነበረ ኣምሲሉ ሃውቲቱ። ሓሶት ትምገብ እንተኮይንካ፡ ሓይልኻን ወንኻን ካብ ሓሶት ኢኻ ትረኽቦም። እኽሊ  ትርጉም የብሉን። ብዝኾነ፡ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝያዳ ንኤርትራ ተቓሊስና ይብሉና ስለዘለዉ፡ ንወየንቲ፡ “ በሉ፡ እምበኣር፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ ክብለኩም፡ ትርሓሰኩም” ኢለዮም ነይረ። 

እታ ጽሕፍቲ ክልጥፋ ስለዝኾንኩ ደጊምኩም ክተንብብዋ እምሕጸን። ግን ብሓፈሽኡ፡ ወያነ ንጉዳይ ኤርትራ ኣሚንና ክብሉ ከለዉ፡ ምስ ናታቶም ማንታ ኣተሓሳስባ ዝኸይድ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ። እምበር፡ ንሓንቲ ርእሳ ዘቕነዓት (assertive)፡ ምሉእ ናይ ርእሰ-ምውሳን ፖለቲካዊ ናጽነት ዘለዋ ኤርትራ ምምጸኣ ብዓንተብኡ ከም ስግኣት (threat) ይወስድዎ ከምዝነበሩን ካብቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝተሓጋገዝዎ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ዝሰርሕዎ ከምዝበዝሕ ኣብታ ጽሕፍቲ ተንቲነዮ ነይረ። ካልኣይቲ ክፋል ከስዕብ እውን መዲበ ነይረ እየ፡ ግን ምስቲ ናይ ሰላም ኩነታት፡ ንሰላም ዕድል ክህብ መሪጸ። ወያነ ናይ ህዝቢ ትግራይ፡ ሻዕብያ ድማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ኣስሚረሉ ኣለኹ። ብተወሳኺ፡ “ ዘተኣማምን ሰላም ክፍጠር እንተኾይኑ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ናይ ክልቲኡ ወገን ሰላም ክገብሩ ኣለዎም” ኢለ ጸዊዐ ነይረ። ሕጂ እውን እምንቶይ ካብኡ ኣይፍለን። ሰላም ግን ብድሌት ጥራይ ኣይመጽእን። ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ማዕረ እዩ ዝግበር። ምስ ዓማጺ ሰላም ዝግበር ኮይኑ ኣይስመዓንን። ስለ’ዚ፡ ዝኾነ ናይ ሰላም ፈተነታት፡ ነቲ ጠንቂ ጽልኢ ኮይኑ ዘሎ ናይ ወያነ ምሕንጋድ ብይን ኮሚሽን ዶባትን ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዘለዎ ዝንቡዕ ኣተረጓግማን ዝምሽጥን ዝቅምቅምን ክኸውን ኣለዎ። ብዝኾነ፡ እዚ ፖለቲካዊ ውሳነ ስለዝኾነ፡ ካብ ዓቕሚ እዚ ጽሑፍ ወጻኢ እዩ’ሞ ናብቲ ቀንዲ መንቀሊ ክሰግር።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ብዛዕባ ተመክሮኦም ክገልጹ ጸኒሖም። ብዙሕ ክፋላት ዝነበሮ ዶኩመንተሪ እውን ተፈንዩ ነይሩ። ሳሕል ምብጻሕ መቸም ከም ዓቢ ጉዳይ እንድዩ ዝረአ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ቃለ-ምልልስ ዝቐርቡ ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ወያነ ከም ፍሉይ ናይ ክብሪ ሽልማት (budge of honor) ስለዝቖጽርዎ ይኸውን፡ ሳሕል ክለዓል ከሎ ፍቱሕ ኩርኩር እዮም ዝኾኑ። ብወገን ተጋደልቲ ሻዕብያ ብዙሕ ስለዘይዝረብ ግዲ ኮይኑ፡ ዳርጋ ናጻ ሜዳ ረኺቦም ንታሪኽና ከናሽዉን ከዘንብዑን ንርኢ ኣለና። እዚ ኸኣ ብቐሊል ዝረአ ነገር ክኸውን የብሉን። ድሮ’ኳ ገለገለ ኤርትራውያን፡ ንተጋደልቲ ወያነ እናጠቐሱ “ጀነራል ክስቶ ከምዚ ኢሉ እንድዩ” እናበሉ ክካትዑና ሓግዮም እዮም። ስለ’ዚ፡ እንታይ ይገበር፡ ክምልስ እግደድ። 

ነቲ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዝብልዎ ንጎኒ ገዲፈ ኣብቲ ወተሃደራዊ ዲስኩሮም ከድህብ እየ። ንእግረምመገድይ ግን እዚ ክብል እደሊ፥- ደሞክራሲ ወያነ ንኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢትግራይ ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣውዲቑዎም ከምዘሎ ርኢናዮ ኣለና። ስለ’ዚ፡ ብዙሕ ሓተታ ኣየድልዮን። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወያነ ከም ዓበቕ እዩ ዝረአ። ትግራዎት ብዘይገበርዎ ኣብ ሃገሮም ከም ድላዮም ክንቀሳቐሱ ኣይክእሉን። ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ፡  ነታ ቛንቛኦም’ኳ ኣብ ዕጹው መዓጹ ጥራይ እዮም ዝጥቀሙላ። ወያነ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ትግራዎት ነዚ ኩነት እዚ እዩ ፈጢሩ። ይኹን እምበር፡ ናታቶም ጉዳይ እዩ እሞ ኣብቲ ንሃገረይን ታሪኸይን ዝምልከት ኣርእስቲ ክምለስ እየ። ንሎሚ ነቲ ካድራት ወያነ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ቅድን ኣተሓሳስባን (doctrine) ሻዕብያ ዝፈላሰፍዎ ክጥምት እየ። ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ንሓደ ካብኦም ከም ኣብነት ወሲደ፡ ብዛዕባ ምትሕግጋዝ ወያነ ብዓይኒ ተጋዳላይ ሻዕብያ ክርኢ ክፍትን እየ። ንኹሎም እቶም ኣብቲ ጽንኩር ግዜ ኣብ ጎንና ዝተዋግኡን ዝተሰውኡን ጀጋኑ ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘለኒ ኣኽብሮት፡ ከምኡ እውን ነቲ ህዝቢ ትግራይ ንተጋደልቲ ሻዕብያ ዝነበሮ ፍቕርን፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል ዝገበሮ ምርብራብን መጎሰይ ክገልጽ እፈቱ። ሽግርና ምስቶም ቄናናት መራሕቲ ወያነ እዩ። እምበር ምስ ህዝቢ ትግራይን ቃልሱ፡ ዝኾነ ይኹን ምምታእ ኣይነበረናን የብልናን።

“እስትራተጂ ሻዕብያ ገጋ እዩ ነይሩ”

ናይ ኲናት ቅድን እስትራተጅን (doctrine) ብቐንዱ ኣብ ዓቕምኻን ዓቕሚ ጸላኢን ይምርኮስ።  እቲ ምንቅስቃሳት ወያነ ዝከላኸል ዝነበረን እቲ ንሻዕብያ ገጢሙ ዝነበረን ጸላኢ ወላ’ኳ ብሓደ ፕረሲደንትን ብሓደ ጠቕላሊ ስታፍን ዝመሓደር እንተነበረ፡ ደርጊ ንዓቕሚ ወያነ ዝግትር ሓይሊ ጥራይ እዩ ኣብ ትግራይ ኣቐሚጡሉ ነይሩ። ክሳብ 1988፡ ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ እዚ ዝበሃል ኣይነበረን። እቲ እዚ ምስ ቆመ እውን ብሻንበል እዩ ዝምራሕ ነየሩ፡ ሻንበል ለገሰ ኣስፋው። እዚ ንምንእኣስ ኣይኮንኩን ዘቕርቦ ዘለኹ። ግን ባህሪ ናይቲ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኲናት ዝፈላለ ምንባሩ ንምርኣይ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዓስርተታት ጀነራላት ደርግን ኣማኸርቲ ሶቬትን ዝመርሕዎ  ዲቕ ዝበለ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ከምዝግበር ምዱብ ኩናት ( conventional warfare) ይካየድ ነይሩ። ኣብ ትግራይ ዝነበረ ግን ፈኲስ ናይ ደባይን ተንቀሳቓስን ኲናትን እዩ ነይሩ።

ብመጀምርያ ግን ቅሩብ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ቅድታት ናይ ሓርነታዊ ኲናት

ናይ ደባይ ምንቅስቃሳት ወይ ብረታዊ ተቓውሞታት ልክዕ ከም ሂወታውያን፡ ይውለዱ፡ ታተ ይብሉ፡ ይግብዙ፡ ይዓብዩ። እቲ ቀዳማይ መድረኽ ቅዲ ኲናት ናይ ሓርነታውያን ወይ ናይ ተቓውሞ ውድባት ናይ ደባይ ቅዲ ኲናት እዩ። ኣብ ጅማሮአን፡ ነኣሽቱ ስለዘለዋን ኣንጻር ዝሓየለ ጸላኢ ይመጣጠራ ስለዘለዋን፡ ብዓቕሚ ሰበንን ብናይ ቶኽሲ ዓቕመንን ገና ድኹማት ስለዘለዋ፡ ግድን እዚ ቅዲ እዚ እየን ክኽተላ። እዚ ንንጹላት መዓስከራት ኣጽኒዕካ ሓደጋ ብምውዳቕ፡ ቃፍላያት ምጥቃዕን ካልእ ንኣገደስቲ ውልቀሰባት ምጭዋይ፡ ምቕንጻልን ንወታሃደራውን ቑጠባውን ትካላት ምዕናው…ወዘተ የጠቓልል። ክሉ ብቓጻ ዝግበርን ነቲ ስርሒት ፈጺምካ ብቕጽበት ምስዋርን የጠቓልል። ክሉ ግዜ ኣብ ማእከል ህዝብን ምስ ኣከባብን ተመሳሲሉ ዝነብርን ኣዝዩ ተንቀሳቃስን ፈኲስን ውደባ ዘለዎ ቅዲ ኲናት እዩ። እዚ ሜላ እዚ ንሓደ ገዚፍ ጸላኢ ኣብ ዝጥዕመካ ግዜን ኩነታትን ክተቃስሎ እትጥቀመሉ ቅዲ ኢዩ። ኣብ ሓደ ግጥም እስትራተጂካዊ ማህሰይቲ ዘየወርድ ግን ቀሰይ ኢሉ ተደማሚሩ ንሞራል ጸላኢ ዘዳኽም እዩ።

ቀጺሉ ዝመጽእ እቲ ተንቀሳቓሲ ኲናት ዝበሃል እዩ። እዚ እውን ዓቕሚ እዩ ዝፈልዮ እምበር ተመሳሳሊ ናይ ደባይ እዩ። ግን ዝያዳ ዓቕሚ ስለዘለዎ፡ ዝዛመድ ግን ዝተፈላለየ ሽቶታት ከጥቀዓ ዝኽእላ ብዝሒ ኣሃዱታት ዘሳትፍ ይኸውን። ውዳበኡ እውን ዝሰፍሐን ዝተራቐቐን ይኸውን፡ ዝሓሸ ናይ ደገፍ ኣሃዱታት ዘለዎ እዩ። ኣብ ደረጃ ተንቀሳቓሲ ኲናት ዝበጽሐ ሓይሊ፡ ደባይ ኲናት እውን ኣካል ናይቲ እስትራተጅኡ ኮይኑ ይቕጽል እዩ። እቲ ናይ መወዳእታ ድማ ቀዋሚ ኲናት እዩ። ቀዋሚ ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ማዕርነት ወይ ጃላነት ዓቕሚ ዘለዎም ሓይልታት ይግበር። እዚ ቅዲ እዚ እቲ ናይ ሓርነት ምንቅስቃስ ኣዝዩ ስለዝሰወደ፡ ዝሓረሮ መሬትን ዘመዝገቦ መኽሰባትን ተኸላኺሉ ንኻልእ ዝያዳ ዓወታት ኣብ ዘመጣጠረሉ መድረኽ እዩ ዝምረጽ። እቲ ኲናት ኣዝዩ ከቢድን ምንሕናሕን ዝበዝሖ ስለዝኸውን ዝበዝሕ ግዜ ቀዋሚ ግንባራት ምምስራት ባህሪ ናይ ከምዚ ዓይነት ልዑል መድረኽ ኲናት እዩ።  ይኹን እምበር እቲ ናይ ደባይን ተንቀሳቓስን ባህሪ ዘለዎ ስርሒታት ከም እስትራተጂ ይጥቀመሉ እዩ። እምበኣር ድሕሪ እዚ መእተዊ ናብቲ ቀንዲ ምጉት ክንኣቱ።

“ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ቀዋሚ ድፋዓት ኣክንዲ ዝጽመድ ናብ ህዝቡ ክሕወስ ኣለዎ፡ ደባይን ተንቀሳቓስን ኲናት ክገብር ኣለዎ” ይብሉ ነይሮም ካድረታት ወያነ። እዚኣ ሓንቲ ካብተን ተደጋጊመን ዝመጻ መደረታት ወያነ እያ። ብዛዕባ ሳሕል ኣብ ዝዛረቡሉ ነዚኣ ከይጠቐሱ ኣይሓልፉን። እሞ ሓቂ ድዩ? እስከ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ንመልከት።

  1. ሓደ ሓርነታስዊ ኲናት ካብ ቀዋሚ ቅዲ ኲናት ናብ ደባይ ወይ ተንቀሳቃሲ ክቕየር ዓቕሙ እዩ ዝውስኖ። እንተተዳኺሙ ጥራይ እዩ ንድሕሪት ዝምለስ። 
  2. ወያነ ክምስረት ከሎ (1975) ህዝባዊ ሓይልታት (ህግሓኤ)፡ ናብ ተንቀሳቓሲ ኲናት ማዕቢሉ ነይሩ። ወያነ ብጋንታታት ክንቀሳቐስ ከሎ (1977) ውድባት ኤርትራ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ብደረጃ ብሪጌዳት ተወዲበን ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ ሓራ የውጸኣ ነይረን፡ ብዘይካ ዓሰብን ኣስመራን ባረንቱን፡ ኤርትራ ሓራ ወጺኣ ነይራ። ስለ’ዚ፡ እቲ ወያነ ኣብ 1988 በጺሕዎ ዝነበረ ደረጃ ዓቕምን ውዳበታትን፡ ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1977 በጺሕዎ ነይሩ። ህግሓኤ፡ ዓስርተ ዓመት ንድሕሪት ዘምልስ ምኽንያት ኣይነበሮን።
  3. ምስ ምትእትታው ሕ/ሶቬት (1978)፡ ምዝላቕ ምስ ተኣወጀ እውን ህዝባዊ ግንባር እንዳ ተዋገአ እዩ ኣዝሊቑ። ኣብ ዔላበርዕድ፡ ገንፈሎም፡ ማዕሚደን ካልእ ቦታታትን ንጸላኢ እና ሃሞኸ እዩ ናብቲ ናይ መወዳእታ ዝበሎ መስመር ምክልኻሉ ዝበጽሐ። ካብቲ መስመር እቲ ተደፊኡ እንተዝነብር ብዘይካ ናብ ተንቀሳቓሲ ቅዲ ኲና ምውራድ ካልእ ምርጫ ኣይምነበሮን። ግን ንዓስርተ ዓመታት መስመሩ ኣጽኒዑ፡ ኣዝዩ ስሉጥን ዝተራቐቐን ናይ ደገፍ ደጀን መስሪቱ። እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ክልተ ዝፋለጡ ተቐናቐንቲ ይካየድ ስለዝነበረን ኣብቲ ክልቲኡ ወገናት ዝፈልጥዎን ዘጽንዕዎን ቅርጻ መሬት (terrain) ስለዝተኻየደን፡ ኣዝዩ ሓያል እዩ ነይሩ። ህዝባዊ ግህባር ሓያል ጸላኢ ስለዝገጠሞ፡ ክመሃርን ክጣበብ ነይር። ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ግጥማት ዝማረኾ ብዝሕን ዓይነትን ኣጽዋራት፡ ንናይ ቶኽሲ ዓቕሙን ብቕዓቱን ክብ ኣቢሉ። ከቢድ ኲናት ይካየድ ስለዝነበረ ድማ ሓያልን ዝተራቐቐን ናይ ደገፍ ሓይልታት (ከቢድ ብረት፡ መካናይዝድ፡ ጸረ ነፈርቲ፡ ናይ ሃንደሳን ስለያን መራኸቢታትን..) የድልዩ። ሰራዊት ክዓጥቕን ክምገብን ክሕከምን ክኽደንን ስለዘለዎ ስሉጥ ናይ ሎጂስቲክ መስመራትን መደበራትን መጓዓዝያን ጋራጃትን…ወዘተ የድልዩ። ነዚ ኽሉ ዘመሓድር መሪሕነታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ከድሊ እውን ርዱእ እዩ። ብሓጺሩ፡ ደጀን የድሊ። ስለ’ዚ፡ ህዝባዊ ግንባር ደጀን ዝፈጠረ፡ ከምቲ ወያነን ገለ-ገለ ዝወየኑን ተጋደልቲ ሻዕብያ-ነበር ዝብልዎ፡ መሪሕነት ህዝብዊ ግንባር ንምቾት ዝፈጠሮ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ዝተስገደደ፡ ባህሪ ኲናት ዝፈጠሮ እዩ። ደጀን ህዝባዊ ግንባር ወተሃደራዊ እዚ ጥራይ ኣይነበረን። መናሃርያ ናይ ክሉ ህዝባዊ ውዳበታትን፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን መበገሲ ናይ’ቲ ንህዝቢ ዝወሃብ ኣገልግሎታትን እውን ነይሩ እዩ። ብዘይካ እተን ዓበይቲ ከተማታት፡ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ይመሓደር ስለዝነበረ፡ ከም ኣፍልጦ ዘይነበሮ መንግስቲ (defacto) ኮይኑ እዩ ሰሪሑ።
  4. ቀዋሚ ኲናት ምክያዱ እምበኣር፡ ንጸላኢ ካብ ምጥቃዕ ናብ ጃላነት ከምዘውረዶ እዩ ዘርኢ። ዓቕሚ ጸላኢ ምድኻሙን ዓቕሚ ህዝባዊ ግንባር ድማ ብኣንጻሩ ይጉልብት ምንባሩን እዩ ዘርኢ።
  5. እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ከምቲ ወያነ ዝብሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ተንቀሳቓሲ ኲናት ደው ኣይበለን፡ ነቲ ቀንዲ ዓቕሚ ጸላኢ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ስለዝሓዞ፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ናይ ምግባር ዕድላቱ ሰፊሑ። ብቀዋሚ ኣብ ድሕሪ መስመር ዝንቀሳቐሳ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊትን ዞባዊ ሰራዊትን ነይረን እየን። መዓስከራት ጸላኢ ምድምሳስ መዓልታዊ ዜና እዩ ነይሩ። ናይ ሃንደሳ፡ ኮማንዶ፡ መራኸቢታት፡ ጀማሂር (ህዝባዊ ምምሕዳር)፡ ክ/ትምህርትን ህዝባዊ ክሊኒካትን ስርሐን ኣየቛረጻን። በብግዚኢ ክ/ሰራዊታት ካብ ግንባራት ሳሕል ናብ ከበሳ ወጺአን መዓስከራት ጸላኢ ረጋጊጸን ይምለሳ ነይረን። እቲ ቀዋሚ ዝበሃል ግንባራት እውን ክንደይ ግዜ ተደማሲሱ እዩ። ስለ’ዚ፡ ወያነ፡ ነቲ ዘይፈልጥ ህዝቢ ትግራይ ንምድንጋርን ኣብ ግብሪ ኣብ ባይታ ዘየጥረዮ ዓቕምታት ከምዝነበሮ ንምውርዛይ እምበር፡ ዲስኩሩ ከንቱ እዩ።
  6. እታ ክሉ ግዜ ትገርመኒ ድማ እታ “ናብ ህዝብኹም ዘይትወጹ” ትብል እያ። ህዝቢ ሳሕልስ ያኢ ህዝቢ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን? ህዝቢ ማርያን ዓንሰባንሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን!? ወላ ኣብቲ ቀዋሚ ግንባራት ተሓጺሩ እንተዝነብር፡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣይነበረን? መን እዩ እቲ ወያነ “ህዝቢ ኤርትራ” ዝብሎ ዘሎ? እምበር’ዶ ኤርትራ ይፈልጥ እዩ? እንሓንሳብሲ ዓቕሚ ናይቲ ዝማጎተካ ሰብ እዩ ዝመርሓካ እምበር ሎሚ ኣብ ከምዚ ግዜና ኣይመጥፋእናን ነይርና።
  7. ኣብ መወዳእታ፡ ወያነ፡ ብዛዕባ ሻድሻይ ወራር ክዛረብ ደስ እዩ ዝብሎ። ንተጋዳላይ ሻዕብያ ግን ሻድሻይ ወራር ሓደ ካብ ብዙሕ ወራራርት እዩ ነይሩ፡ ወያነ ቅድሚ ምሕዋሱ ድሮ ሓሙሽተ ዓበይቲ ወራራርት ኣፍሺሉ ነይሩ። ዓበይቲ ጸረመጥቃዕትታት ገይሩ ነይሩ፡ ድሕሪ ወያነ እውን ክልተ ካልኦት ካብ ሻድሻይ ወራር ዝኸፍኡ ወራራት ኣፍሺሉስ ነቲ ኣብ ቀዋሚ ድፋዓት ኣሲርዎ ዝነበረ ግንባራት ጸላኢ ጠሓሒሱ ንባብ ከረን ዓባይ ክኹሕኲሕ ጀሚሩ። ሽዑ እዩ ወያነ ካብቲ ንዓመታት ጸቒጥዎ ዝነበረ ድቃስ ክበራበር ዝጀመረ። 

ድሕሪ ምድምሳስ ናደው፡ ናይ ዓወት ሽታ ካብ ግንባራት ከረን ናብ ትግራይ ክነፍስ ምስ ጀመረ፡  ወያነ ነቲ “ ሻዕብያ ናጽነት ኣየምጽእን” እንዳበለ ኣብ ልዕሊኡ ዘመተ ከካይድ ዝጸንሐ ውድብ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡  ብራድዮኡ ኣቢሉ “እንቛዕ ኣሐጎሰኩም” ክብል ተጓግይዩ። ምድምሳስ እዚ ናደው ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ወያነ ቀስቂሱ። ምስ ሻዕብያ ተሓጋጊዙ ንከተማ ሸረ ምስ ሓረረ ናብ ርዝን ዝበለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክቕየር ጀሚሩ። እቲ ወያነ ዝንየተሉ ትርጉም ዘለዎ ኲናት እቲ ንኮር 604 ንምድምሳስ ዝተኻየደ ውግእ እዩ። ንሱ እውን ምስ ሻዕብያ። ተጋዳላይ ሻዕብያ ግን ክንደይ ኮራት ደምሲስካ ኢልካ እውን ኣይተሓቶን። ክንደይ ደኣ ክብለካ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ፡ ንተጋዳላይ ህወሓት ንምንሻው ዘይኮነ፡ ባህሪ ናይቲ ንኽልቲኡ ውድባት ገጢሙ ዝነበረ ኣሰላልፋ ጸላኢ ይፈላለ ስለዝነበረ እዩ። መንቀሊ ናይዛ ጽሕፍቲ ብዙሓት ብኣቃጫጭ ንታሪኽና ከቖናጽቡ ዝተዓዘብክዎም መራሕቲ ህወሓት’ኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ንናይ ሓደ ካብኦም ኣብነት ብምግባር እንታይ እዩ ክሳብ ክንድ’ዚ ዓጀውጀው ንዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን እየ። ክልቲኡ ህዝብታት ብዙሕ ዘቀራርቦም እንከሎ ናይ ታሪኽ ሓደጋ ኮይኑ ኣብዚ ደረጃ ወሪድና ኣለና። ነቶም ብሕሳብና ደረጅኦም ከልዕሉ ዝደልዩ ኣይፋል ምባል ኣድላዪ እዩ። ሓጺር፡ ሓጺር ኮይኑ ሂወቱ ክመርሕን ብሕጽሩ ተመስገን ኢሉ ክነብር ዘሕፍር ኣይኮነን። 

 እዚ ውልቃዊ ርኢቶይ እዩ። ንህዝባዊ ግንባር ወኪለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ኣይኮነን።

ክብሪ ንሰማእታትና!

ሓምለ 2019.

If you like what you have just read, please share.


 

3 replies on ““ንሕጽርኻ ክተመሳስል፡ ንነዋሕቲ ኣሕጽር” ፍቱን ፍልስፍና ካድራት ወያነ”

Kemaka eritrawian filtetom zekafilu kibezhu tesfa ygebir sile eti zihabkayo nixur habereta misgana ybxahika. Eritrawi tarik bzuh eyu imo kemaka ybzihu nay etom hidet kadrat weyane ajewjew gin …….

Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s