20 ሰነ ከኣ ትቐርበና እንድያ ዘላ፡ ሕጂ ምልባምን ምስትውዓልን ክነዕቢ ይግባእ ደቂ-ሃገረይ።
- ንስዉኣት ኤርትራ ንፖቲካዊ ሃልኪ ዘይምጥቃም፡ ብዝተኻእለ መጠን ንስሞም ዝበቅዕ ኣኽብሮት ምሃብ፡ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ጥራይ ብኽብሪ ምልዓሎም። ኣስማትን ቅያን ስዉኣትና ኣብቲ ንኹልና ኤርትራውያን ዘራኽብ ሃገራዊ መቖወምያታት ጥራይ ብእወታዊ መልክዕ ምልዓሎምን ምዝካሮምን።
- ኣክንዲ ስሞምን ኣሳእሎምን ከም መወዓውዒ ፖለቲካዊ ጎስጓሳት ምግባር (commercialize ምግባሩ)፡ ዓቕምን ድሌትን እንተሎ ነቶም ጥቓና ዘለዉ ስድራ ስዉኣት ምብጻሕ፡ ምሕጋዝ፡ ምጽንናዕን ምድባስን። እዚ ብኣካልን በቲ ዘሎ ተክኖሎጂታትን ክግበር ይከኣል፡ ብኸም ስነ-ጥበባዊ ስርሓትን ናይ ዘተ መድረኻትን ዝኣመሰሉ መገድታትን ሸምዓ ብምብራህን…ወዘተ።
- ኹሉ ግዜ ክንዝክሮ ዝግባእ፡ ስዉኣት ኤርትራ ንልዑል ዕላማ (higher purpose) ማለት ንሰብኣዊ ክብርን ቑጠባዊ ዕብየት ኤርትራን እዮም ተሰዊኦም። ንኸተመኦም፡ ማይ-ቤቶም፡ ቐቢለኦም፡ ኣውራጀኦም ወይ ሃይማኖቶም ጥራይ ኣንቂሎም እንተዝኾኑ፡ ሰውራ ኤርትራ ዝበሃል ኣይምሃለወን። ስለ’ዚ ድማ፡ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ኣይምሃለወትን።
- ዝንቀፍ ህሉው እምበር እቲ ግቡኡ ዝፈጸመ ኣይኮነን።
- ስዉኣት ኤርትራ ካብ ኣብራኽ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ዝተወልዱን፡ ካብ ኩለን ሃይማኖታት ዝመጹን፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ተጋደልትን ዋርሳይን ህዝብን፡ ደቂ-ከተማን ገጠርን፡ ዘካተቱ እዮም። ዝውንኖም ኣካል የለን። ንሶም እዮም ዝውንኑና።
- ስዉኣትና ዝወድቑሉን ዝተቐብሩሉን ቦታ ወይ ከኣ ዝተዋግኡሉ ኣውራጃ ወይ ህዝቢ መሪጾም ኣይፈልጡን። ንሓንቲ ዓባይ ኤርትራን ህዝባን እዮም ሓሊፎም።
- ክሉ ግዜ እንተዝግበር ጽቡቕ ምኾነ፡ ግን 20 ስነ ኣብ ዝቐራረበሉ እዋን፡ እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፖለቲካዊ ምግጭጫባት ኣህዲእና፡ ከም ደቂ ኤርትራ እህን-ምህን ክንብልን፡ ምስ ሕልናና ዓሚቑ ምጉት ክንገብርን፡ ከም መሃሪትን ኣላዛቢትን ዕለት ተጠቒምናላ ናብ ግብራዊ መኣዝን ዝመርሕ መሪሕ ሓሳባት ከምዝፍልፍሉ ክንገብር ምጽዓር፡ እቲ ዝኽሪ ናይታ ዕለት እውን ብሓባር እንተዝኸውን ከመይ ምጸበቐ።
- ክሉ ክዕረ ወይ ክእለ ዝድለ ኣበር፡ ብሰንኮም ዝመጸ ኣይኮነን። ንሶም ኣብ ዕላምኦም ወዲቖም። ተሪፉ ዘሎ ከም ዜጋታት እንዳተመያየጥና ኣብቲ ንሶም ዘንበርዎ ሃገራዊ መሰረት ረጊጽና ብኽሉ መዳያታ ዝማዕበለት ኤርትራ ንምህናጽ ኣእጃምና ምግባር እዩ።
- ስዉኣትና ከይተገዳድዑ ተቓሊሶም፡ ብሓባር ጠምዮም፡ ብሓባር ዓሪቖም፡ ወዶምን ጓሎምን ንዓስርተታት ዓመታት ኣብ ጸበብቲ ጁባታት ድፋዕ ተኻኣኢሎም፡ ነቲ ጠላም ግዜ ብተስፈኦምን ሞራሎምን ንቕሓቶምን ስዒሮም፡ ነቲ ጸላም እዋን እውን ብፍሽኽተኦም ቐዲዶም እናተተኻኽኡ፡ ነዳዲ ጉዕዞና ኮይኖም፡ ብዝኸድዎ መጠን ቃልስና ንቕድሚት ክደፍኡ ናብ ናጽነት ኤርትራ በጺሕና። ድሕርኡ እውን ነታ ናጽነት ንምውሓስ ዝሰዓቡ ኣሽሓት ብሉጻት ደቂ ኤርትራ፡ ደቂ ኹልና እዮም- ኣሓትና፡ ኣሕዋትና፡ ኣቦታትናን ደቅናን እዮም፡ ደቂ ኤርትራ። ንሶምስ ብኽብሪ እዮም ሓሊፎም’ሞ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንኽብሮም ዝትንክፍ ኣይንግበር። ኣብ ጸበብቲ ጁባታት ድፋዕ ይተሓላለዩን ይከኣኣሉን ነይሮም’ሞ ንሕና እውን ንከኣኣል።
ዘልኣላማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!