Categories
Uncategorized

መጽሓፍ


ማሕሙድ ሳልሕ ( MAHMUD SALEH)

ዝስዕብ ሓተታ ብፍጹም  ገምጋም መጽሓፍ ኣይኮነን። ነቲ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባበይ ስለዝፈተኹዎን ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎን ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ደቀይን ከካፍለኩም ስለዝደለኹ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ንምንጽብራቕ እዩ። ምስ ደራሲ ይኹን ኣርታዒ ዝኾነ ይኹን ርክብ የብለይን። ሰናይ ንባብ።

———————————————————————————-

 

ኤርትራ፡ ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ

ደራሲ፡ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

ኣርታዓይ (Editor): ኢንጂኔር ጸጋይ ተኽለሚካኤል ገብረህይወት

  • ዲዛይን ናይ ገበር ሓሳብ ኣርታዒ ዘፍለቖ ኮይኑ ብተስፋኣለም ኣጠናው ተቐቢኡ
  • ተርጎምቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ዑመር፡ ፉሃድ ዓምር፡ ዑቕባስላሴ መሓሪ (ወዲ ቐሺ)
  • ናይ ትግርኛ ቅዳሕ ብሰነ 2018 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተሓቲሙ
  • ደራሲ፡ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ መሰል ዋንነት ናይ’ዚ ናይ ትግርኛ ቅዳሕ ንኣርታዒ’ዚ መጽሓፍ፡ ንኢንጂኔር ጸጋይ ሂብዎ ኣሎ (tsegaiteclemicael@gmail.com
  • ግዝፊ፡ 504 ገጻት

ኣብ መእተዊ ፡ ደራሲ መጽሓፍ፡ እቲ ናይ ትግርኛ ትርጉም ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ገይሩ ከምዝነበረን ዳርጋ ተረሲዑ ከምዝነበረን፡ ይኹን እምበር ብወዝቢ ምስ ኢንጂኔር ጸጋይ ምስ ተራኸቡ እቲ ናይ ምሕዋይ መስርሕ ከምዝጀመረን፡ ኢንጂኔር ጸጋይ እውን ነዚ ናይ ትግርኛ ትርጉም ንምትስኡ ከቢድ ስራሕ ከምዝሰርሐን ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ንነባባይ የፍልጥ፡ ንኢንጂኔር ጸጋይ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ዋንነት ናይ’ዚ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ እውን ንኢንጂኔር ጸጋይ ሂብዎ ኣሎ።

I- ሐፈሻዊ ዳህሳስ፡ እወታዊ ዝኽርታተይ ካብ መጽሓፍ ዝኽርታት ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

  • ዓንዲ ማእከል ናይ’ቲ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሲ ናይ ደራሲ ኮይኑ፡ ንብዙሕ ኣገዳሲ ምዕራፋት ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ የልዕል፡ ገሊኡ ማይ ዘይጠዓመ ምስጢራት— ንኹሉ ኣንባባይ ዝስሕብን ዘገድስን ኮይኑ ይስመዓኒ፡ ብፍላይ ነቶም ብዛዕባ ታሪኾም ዝግደሱ መንእሰያትና።
  • እቲ መጽሓፍ፡ ዓሚቑ ፍልስናውን፡ ስነ-ሕ/ረተሰባውን ታሪኽን ፖለቲካን ብግርም ዝበለ ክእለት ሓዋዊሱን ኣዳዊሱን ብቐሊልን ማራኽን ስነ-ጽሑፋዊ ጥበብ ዘቕርብ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዝፈተኸዎም መጻሕፍቲ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ስነ-ጽሑፍን ታሪኽን ብሰላም ሓዳር ፈልዮም ኢኻ ትረኽቦም። ብተክኒካዊ መዳይ፡ ወላ’ኳ ኣብ ዓምዲ ታሪኽ እንተዘይኣእተናዮ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ ግን ኣዝዩ ሃብታም ጥረነገራት ክረኽቡሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።
  • እቲ ብገዛእቲ ኢትዮጵያን ናይ ጎበጣ ጥሙሓት ዝነበሮምን ዘለዎምን ባእታታት ከጎሱጉሱሉ ዝጸንሑ ሓሶታት፡ ከም ንሰውራ ኤርትራ ብናይ ዓረብ ፐትሮ ዶላር ዝተብገሰን ዝተመወለን እዩ ነይሩ ወዘተ ዝብል ሃጃጂን (ጸገም’ኮ ረኺብና፡ ዘዝተሳዕረ ጀነራል “ዓረብ እዮም ስዒሮምና” ክብል ሞኽ’ኮ ኣቢሎምና)—ብዝኾነ ከምዚታት ፈጠራታት ኣብ ባዶሽ ዝተመስረተ ናይ ሕማቓት ምኽኒታት ምንባሩ ኣብዛ መጽሓፍ ይረአ። ኣብታ “ ሓምድ እድሪ ዓዋተ” ትብል መጽሓፍ እውን ንሰውራ ኤርትራ ብጭቡጥ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዝተገብረሉ ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ ዝወነንዎ ዕጥቂ እንተነይራ፡ ንጹርነት ዕላማን፡ ነቲ ዕላማ ንምዕዋት ዘኽእል ቁርጺ ሓሳብን እዩ ነይሩ። “ ብዘይካና ዝገብሮ የለን፡ ክንዕወት ኢና” ዝብል ነግ-ፈረግ ዘይብሉ ውሳነ።
  • ሰውራ መስርሕ ምዃኑን፡ እቲ ኣብ ካምፓስ ኮለጃት ተንብቦ ክልሰሓሳባት ሰውራ ንኽትበራበርን ንኽትነቓቓሕን (inspire) ዝገብር እምበር፡ ነቲ ኣሃዱ ኢልካ ምስ ፈለምካ እተሰላስሎ ቃልሲ ከም ቀዋሚ መሐበሪ ክኽኸውን ከምዘይክእል ደራሲ ካብታ ካብ ዓደን ዘሳፈረቶ መርከብ ወሪዱ ረመጽ ኣብ በረኻታት ደንካልያ ርግጽ ምስ ኣበለ እዩ ተረዲእዎ። ነቶም ብናይ ሎሚ መነጸር ክፈላሰፉ ዝውዕሉ ድማ፡ ታሪኽ ብኸምኡ ኣይኮነን ዝንበብ፡ ናይ’ቲ ግዜ እቲ ኩነታት ክትርዳእ እንተኾይንካ፡ ብመንፈስ ምስቶም ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራ ክትስጉም ክትክእል ኣለካ፡ ዘጓንፎም ዝነበረ ባህርያዊ ይኹን ሰብ-ሰርሖ ብደሆታት ክተስተማቕር (appreciate) ኣለካ። ሰብ ብቐሊል መውጋእቲ ክስዋእ ከምዝኽእል፡ ብሰኣን ማይ፡ ከንፍርካ ብኮልቦ ዲሶሎ ነቒጹ ዓፍራ-ንዓፍራ ክትከውን፡ ብጥሜት 12 ሳዓታት ክትጓዓዝ፡ ጭቡጥ ራሽብ ወይ ናይ መግቢ መሳርፍ ዘይብልካ (ህዝብና እዩ ነዞም ቀዳሞት ተጋደልቲ ዓንጊልዎም—ናይ ገዛእ ርኦም መሻርፍ ኣይነበሮምን። ከም ዝጸንሖም ድማ ኣመስጊኖም ምኻድ እምበር ካልእ ምርጫ ኣይነበሮምን፡ ካብ ደቂቕ ናብ ደቒቕ ሓለዋ፡ ዝኾነት ኩርባ፡ ዝኾነ ሕሉም ከም መጻወድያ ካሚን ክኾነሉ ዝኽእል ዝነበረ ግዝያት እዩ—-ግን መስርሕ እዩ። ሰውራ ኤርታር እውን ብኹሉ መዳያቱ ልክዕ ከም ዝኾነ መስርሕ፡ እንዳሕየለን እንዳ ሃብተመን ከይዱ። ተሰኒዑ ካብ ፋብሪካ ዝወጽእ (ready-made) ሰውራ የለን። ተሰኒዑ ዝለኣኽ ዕሱብ ሓይሊ (mercenary) ጥራይ እዩ።
  • እቲ መጽሓፍ፡ ካብ መእተዊኡ ክሳብ መፈጸምትኡ፡  ጉዕዞ ቃልሲ ናይ ደራስን ኣሰር ናይ’ቲ ዝበጽሖ ቦታታት፡ ዝተራኸቦም ኣገደስቲ ሰባት፡ ብእወታን ኣሉታ ዝጸለዉዎ ፍጻመታትን ርኽበታትን ብመስርዕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳተሳለየ ይጓዓዝ ( chronological pace)—ካብ ኣስመራ ናብ ኣስመራ ክበሃል ይከኣል- ማለት ካብታ ኣስመራ ዝገደፈላ መፋርቕ ሱሳታት ክሳብ እታ ናብ ኣስመራ ዝተመልሰላ 1991።
  • ኣብ ገለ-ገለ ምዕራፋት ዛንታታት ንምትእስሳር ንድሕሪት ወይ ቅድሚት ዝእለ ንኡስ-ዕላላት ኣለዎ፡ ይኹን እምበር ስጥመትን ስጉምን ናይ’ቲ መጽሓፍ ብኣሉታ ዝትንክፍ ኣይኮነን።
  • ንብዙሕ ከም ቅሙጥ ሓቂ ዝውሰድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ፈጠራታት፡ ሓቕነት ዘይብሉ ጽውጽዋያት ምዃኑ እቲ መጽሓፍ የጋልጽ (ንኣብነት፡ እቲ መጽሓፍ ነቲ ህዝባዊ ሓይልታት በቶም ካብ ጃብሃ ዝተፈልዩ ክርስትያን ደቂ ከበሳ እያ ቆይማ፡ ወገናዊ ኣመሰራርታ ነይርዋ –ወዘተ–ዝብል ናይ ሓሶት ፈጠራ ድዋዕዋዕ የብሎ፡ የዕንዎ። ዝበዝሑ ካብቶም ካብ  ጃብሃ ዝተፈልዩ ተጋደልቱ ኣስላምን ደቂ-መታሕትን ከምዝነበሩ እቲ መጽሓፍ ብጭብጢ ይትርኽ፡ ጀብሃ ኲናት ሓድሕድ ክትጅምር እንከላ እውን በቶም ቀዳማይ ወገን፡ ማለት ብደቂመታሕት ዝቖመ ሸነኽ ከም ዝጀመረት ይንጸር፡ ኣካፋፍላ ህዝባዊ ሓይልታት ማለት ቀዳማይ ወገንን ካልኣይ ወገንን ናይ ነብሲ-ኣድሕን ሃንደብትነትን ጸቕጢ ናይ ኩነታትን ዝፈጠሮ እምበር ዝኾነ ሃይማኖታዊ ወይ ወገናዊ ምኽንያት ከምዘይነበሮ ብህያው ኣብነታት ኣብቲ መጽሓፍ ይጎልሕ)
  • ከም ኣባል ቀዳማይ ወገን ህ-ሓይልታት፡ ደራሲ ነቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ቀዳማይ ወገን ታሪኻዊ ቦትኡ የትሕዞ—ንህ-ሓይልታት ምሉእ ስእሊ የውህቦይ [ብዙሕ ዘይዝከሩ ግን ኣብተን ቀዳሞት ወሰንቲ ዓመታት ናይ ህ-ሓይልታት ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ከም ኣቡበከር መ/ሓሰን፡ ዓሊ ዑስማን መሓመድ፡ ሼኽ ዑመር ያሕያ፡ ሓሰን ኣሚር ካልኦት ፍሉጣት ከም ሳልሕ ጠጠውን ኣሕመድ ሂላልን—ብሂወቶም ምሳኻ ዘዕልሉ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኻ። ምስኦም ትጠሚ፡ ምስኦም ትሽገር፡ ምስኦም ተጸምእ፡ ምስኦም ትኽበብ፡ ምስኦም ትዋጋኣ፡ ምስኦም ትስሕቕ፡ ምስኦም ትኹሪ—ምስኦም ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ትሓልም። ካብ ካልእይ ወገን እውን ብዙሃት ቀዳሞት ጀጋኑ ኢኻ ትረክብ።  እታ ምስ ወዲ ፈንቅል፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ በሪኽ ጎቦ ሰሜናዊ ባሕሪ (ልዕሊ ተኽሊ) ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጦጥ ዝመስል ግመ ሰ/ባሕሪ ዝንሳፈፉ ዘለዉ ክመስሉ፡ ናብ ጎላጉል ሰምሃር እንዳ-ኣቛመቱ፡ ወዲ ፈንቅል ንደራሲ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሰውራ ከመይ ኢሉ ግድን ክዕውቀት ከምዝኾነን፡ ንባህርያዊ ጸጋታት ናይ ሃገርና ብምምዝማዝ መነባብሮ ህዝብና ክመሓየሽ ከም ዝኾነ (ወዲ ፈንቅል- ናይ ኩዕታ ክኢላ ነይሩ) ዘዕለሎ—ተንካፊ ዝኽርታት፡ ሓደ ካብቲ ምስ ደራሲ መጽሓፍ ክነብር ዝኸኣለ ጦብላሕታ እዩ።
  • ክልቲኡ ወገናት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ደኣ ይውጽኡ እምበር ይጨናነዉ ነይሮም፡ ክራኸቡ እውን ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን፡ ሕመረት ዝምድነኦም ድማ ካብ ሃይማኖታዊ ይኹን ቀቢላውን ኣውራጃውን ካልእ ትሕቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ዝበረኸ ሓደ ሃገራውን ሰውራውን ውድብ ምምስራት እዩ ነይሩ- ዕላምኡ ድማ ናጽነት ኤርትራ። ሰረቱን ጠዋሩን ማእከሉን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ።
  • ንውልቀሰባት፡ ስዉኣት ይኹኑ እሱራት ወይ ድማ ናጻ ኮይኖም ከም ተቓወምቲ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ—ብኽብሪ የልዕል፡ ሞያኦም ይዝርዝር (political taboo ሰይሩ ክንብል ንኽእል)—
  • ንተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ነቐፈታዊ ገምጋም ይህብን ታሪኻዊ ቦትኡ የትሕዞን። ነቲ ብዘይ ዕረፍቲ ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብራኽ ዘካየዶ ጻዕርታት ከም መርኣያ ኣቕሪቡ፡ “ክሳብ መወዳእታ ሂወቱ ባዕሉ ዘየቋርጽ ተንቐሳቓሲ ውድብ እዩ ነይሩ” ኢሉ ይገልጾ ንስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ።  
  • ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ መጽሓፍ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ብምዃኑ ብዙሕ ሃጓፋት ዝነበረ ክምልእ ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ንዓይ ኣዝዩ ጠቓምን መሳጥን ነይሩ (ገለ ሰባት ንኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ካብ ናይ ሰብዓታት ኣተሓሳስባ ዘይወጸ ኢሎም ክነቕፍዎ ሰሚዐ ኣለኹ። ይኹን እምበር፡ ወላ እኳ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ድሒሩ ንሜዳ ይእቶ እምበር፡ ኣብ ደማስቆስ ኮይኑ እውን ነቲ ናይ ምምስራት መስርሕ ዝከታተል በዝተፈላለየ ደረጃታት ይሳተፎን ነይሩ እዩ። ስለ’ዚ፡ ደራሲ ካብ መስረትቲ  ህ-ሓይልታት እዩ ነይሩ ምባል ምግናን ኣይኮነን። ከምኡ እውን ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ብምንባሩ፡ ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ኣብ ብዙሕ ቁልፊ ዝኾነ ተልእኾታት ናይ’ቲ ውድብ ይዋሳእ ብምንባሩ፡ ንህ-ግ ክጥንጥን እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። ይኹን እምበር ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ድኽመታት ወይ ገጋታት ከልዕል ይግበኦ ነይሩ ምባል ግቡእ እዩ። ናይ ግዜ ሕቶ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ እምበር ኣብ ዝቕጽል ንታሪኽን ትምህርትን ዝኸውን ነቐፈታዊ ሓድጊ ክገድፍ ጽቡቕ ኮይኑ ይስመዓኒ።
  • ብሓፈሽኡ፡ ህ-ሓ፡ ከምቲ ዝበሃል ብዊንታ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ብሓባራዊ መሪሕነት ይምራሕ ከምዝነበረ ዘብርህ ጭቡጥ ኣብነታት የቕርብ።
  • ዝምድና ተሓኤን ህግ (ንዕምቖትን ካልእ ኣካታዒ መዳያት ናይ ውግእ ሓድሕድ ንታሪኽ እዩ ዝገድፎ፡ ግን ነቲ ትረኻ ከሰላስል ዝመጽኡ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት ይጠቅስ- ንመሪሕነት ተሓኤ ግን ከም ሓደ ብልሹውን ክሰርሕ ዘይተፈጥረ ኣካል (dysfunctional) ገሩ የቐምጦ—ፍጻመታትን ኣጋጣሚታትን እንዳ ጠቐሰ። ንኣበርክቶ ተጋደልቲ ተሓኤ ኣፍልጦ ይህብ ። ንኣብነት፡ መሪሕነት ተሓኤ ነቲ ናብ ሰሜን ዝግስግስ ዝነበረ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሃይልታት ክድምሰስ መሪሕነት ተሓኤ ትእዛዝ የመሓላልፍ፡ ግን ተጋደልቲ ጀብሃ ንኣሕዋትና ኣይነጽንትን ክብሉ ይቃወሙ። ጸኒሑ እውን ኣብ ኣከባቢ ሃበሮ- ኣሃዱታት ህዝባዊ ሓይልታት ቀዳማይ ወገን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብርቱዕ ውግእ ይጽመዳ እሞ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ንምክትል ኣዛዚ ናይ’ታ ኣብቲ ኣከባቢ ዝነበረት ኣሃዱ ተሓኤ ሓገዝ ክገብሩሉ ይልእኸሉ። ይኹን እምበር እቲ ምክትል ኣዛዚ ይኣቢ።  ደሓር ግን እቲ ኣዛዚ ናይ’ታ ናይ ተሓኤ ኣሃዱ ምስ መጸ ንኣሃዱኡ ነቶም ተጋደልቲ ህ/ሓይልታት ሓገዝ ክገብሩሎም ይእዝዝ ኣሞ ብሓባር ንጸላኢ ጸፊዖም ናብ ከረን ይሰድዎ—ሰራዊት ኢትዮጵያ ንእግሪ-መገዱ ኣብ ልዕሊ ቁሸት “ድገ እዴ-ኣትባ” ህልቂት ፈጺሙ፡ ነበርታ ቀቲሉ፡ ኣቃጺሉዋን ራስዩዋን—ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን ሓደ ነቲ ንውግእ ሓድሕድ ሕጋዊ ዝገበረ ውሳነታት ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ኣብ መጽዓኛ ጽዒኑ ንከበሳ ዝገይሽ ዝነበረ ካድር ተሓኤ፡ ምስ ባዱሪ ሕሳቦም ክገብሩ ኣሚትሉ ከይዱ። ተሓኤ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሓይልታት ውግእ ሓድሕድ ከም ዝኣወጀት ዘተንብህ መጠንቐቕታ ሂብዎ ተዓዝረ።
  • ዝምድና ህግን ውድባት ኢትዮጵያን፡ ተራ ኣገደስቲ ሃገራት ኣብ ምሕጋዝ ሰውራ ኤርትራን ከምኡ እውን ናይ ገለ ሃገራት ሃሳዪ ተራ ብሰፊሑን ብዕላላት ፍሉያት ኣጋጣሚታትን የቕርብ።
  • ተራ ውልቃዊ መሃዝነት ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ኣብ ምድራኽን ምብራኽን ሰውራ ኤርትራ፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ብኣዝዩ መሳጢ ኣገባብ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ተራ መንእሰያት ኤርትራ፡ ጅግንነትን ተጻዋርነትን ተጋደልቲ ኤርትራ (ንገሊኡ ፍጻመታት ብተንካፊ ኣገላልጻ)
  • እቲ ከም ረቂቕ ወይ ዝድህሰስ (abstract) ኮይኑ ዝቐርብ ታሪኽ፡ ኣምባሳደር ኣሕመድ ባዱሪ ህይወት ከምዘለዎ ማሕበራዊ ጉዕዞ ገይሩ የሳግሞ— ብህይወትን ባህጊ ህይወትን ዝነበሮም ሰባት ዝስራሕ ታሪኽ ምዃኑ ብዘርኢ ጥበብ እዩ ኣቕሪቡዎ።
  • ጽቡቕ ነገር ምግባር ንወዲ ወገን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣድማሳዊ ናይ ወዲ-ሰብ ባህሪ ምዃኑ የርኢ—ናብ ስደት እንዳ ኣምረሐ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት፡ በቲ ክኣስሮ ዝግባእ ኮማንዲስ ይድሕን—ብዘይፈልጣ ሱዳናዊት ሰበይቲ ካብ ማእሰርቲ ይወጽእ፡ ምስ ብዙሓት ሰውራ ኤርትራ ዝደናገጹ ወጻእተኛታት የላልየና—እታ ኣብ ዓደን ንውጉኣት ተጋደልትን ንሓደስቲ ተሰለፍትን ተስፋ ተስንቕ ዝነበረት ኣደ-ኹሉ ኤርትራዊት ዜጋ—   ኣደይ ህይወት—ብዛዕባኣ የዕልለና–ነተን ኣብ ፈቐዶ ግንባራት ሳሕል ንውጉኣት ደቀንን ኣሕዋተንን ዝምግባን ዝከናኸናን ዝነበራ “ኣደታት” የዘኻኽረካ።                                                 

II- ቛንቛን ኣቀራርባን

ታሪኽን ስነ-ጽሑፍን ተፋቒሮም ወይ ተጻሚዶም ክስጉሙ ትርኢ ( ደራሲ- ካብ ቀደም ኣትሒዙ ናይ ምጽሓፍን-ጋዘጠኛነትን፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ዕምቖትን ድሕረ-ባይታ ዝነበሮ ብምዃኑ ንተዘክሮታቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መሳጢ ቅዲ ከቕርቦ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ነይሩ፡ ንትጽቢት ኣንበብቲ ዘዕግብ ስራሕ ኣቕሪቡ ዝብል እምንቶ ኣለኒ)።

-ዝጥቀመሉ ቋንቋን ቅድን ቀሊልን ልዙብን መሳጥን እዩ

-ትሕትናን ኣኽብሮትን ዝመልኦ—ክሉ ግዜ ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩሉ ወይ ብጽቡቕ ዝጸለውዎ ምስ ኣመስገነ እዩ

– ንውልቀ ተጋደልቲ፡ ንስዉኣት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣኽብሮት ይደጋግም

-ካብ ጽሑፉ ከም ዝረአ፡ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ገና ሰውራዊ (revolutionary) እዩ ዘሎ፡ ሰውራዊ ቋንቋ እዩ ዝጥቀም፡ እቲ ኣብ ደማስቆስ (ሱርያ) ተማሃራይ እንከሎ ዝጀመሮ ጸጋማዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ስንቂ ገና ኣይነገፎን፡ ኣብ ኣገላልጽኡ ይረአ— ግን ከኣ ጽቡቕ እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ፡ ነቲ መጽሓፍን ጸሓፋይን መበቖላውያን ይገብሮም—(authentic ይገብሮም)፡ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ነዚ መጽሓፍ ዘንበበ ሰብ፡ ንኣተሓሳስባ፡ ብሂላት—ቋንቋ፡ ኣመላኻኽታ፡ ሰነ-ሓሳባዊ ዝምባለ፡ ሃንቀውታ—ተጋደልቲ ህግ እንታይ ከምዝነበረ ክርዳእ ይኽእል።

– ምትርጓም መጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን፡ ተርጎምቲ ኣዝዩ ንኡድ ስራሕ ሰሪሖም። ነቲ ብቋንቋ ዓረብን ንኣንባባይ ዓረብን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ምስ ልሳንን ላዛን ስነ-ልቦናዊ ኣመላኻኽታን ነባባይ ትግርኛ ብዝሰማማዕ መገዲ ከቕርብዎ ብምኽእሎም ተርጎምቲ ኣዝዩ ብሉጽ ስራሕ ኣቕሪቦም። ኣርታዓይ እውን ክምስገን ዝግበኦ እዩ፡ ንስራሕ ተርጎምቲ ብምርታዕ፡ እቲ መጽሓፍ ሰተት ኢሉ ከምዝወርደልካ ገይርዎ። ሓንሳብ ምስ ሓዝካዮ ናብ ካልእ ውራይካ ክተሰግል ዘይገድፈካ መጽሓፍ ኮይኑ ረኺበዮ።

III- ዝኽርታት ንተጋደልቲ ህ-ግ (ኣብ ሜዳ ዝነበርኩም)

ናብቲ ዕጥቅን ስንቅን ናይ’ቲ ደርማስ ውድብ ንምምላእ ብድሕሪ-መጋረጃ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ንእሽቶ መስኮት ይኸፍተልና፡ ክብሪ ነቶም ንውልቃዊ ህይወቶም ወፍዮም ለይትን መዓልትን ዝተዋደቓን ዝተዋደቑን ኣባላት ሓፋሽ ውድባት—እምበር፡ ወሪድዎ ተጋዳላይ ኤርትራ፡ እንተተረኽበት ሓንቲ-ሓንቲ ይብል ነይሩ፡ እንተተሳኢኑ ድማ ምስ ከብዱ እንዳተባኣሰ ናብ ድፋዕን ካልእ ውድባዊ ዕማምን—መን ንመን ደኣ ክሓትት—

ገለ ዛንታታት

– ሽዳ፡ ብኣፈርክቡ ንሜዳ ንምስዳድ ዝተገብረ ጻዕሪ

-ፈረሰኛታት ባሕርያ —”ብዘይካ ኣብ ካዝናታትና ዘሎ ጠያይቲ ወላ ሓንቲ የብልናን—ዝገብርኩም ግበሩ” ቃልሲ ምስ ባሕሪ—ባዱሪ (ናይ ሜዳ ልሙድ መጸውዒኡ እዩ ነይሩ) ንቀዳሞት ባሕረኛታት ህዝባዊ ሓይልታት፡ “ፈረሰኛታት ባሕሪ”  ይብሎ። ኣብ ምምዕባል ህዝባዊ ሓይልታት ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወቱ ብኣብነታት ይገልጽ።

– እንሓንሳብ ዘይተጸባኻዮ ዕድላት የጋጥም እዩ። ተጋ/ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዓቕሚ ባህረኛታትና ንምዕባይ ንእሽቶ ሓገዝ ወይ ድማ ጥራሕ ኢዱ ክምለስ ናብ ኩዌት ይኸይድ። ንዓቕሚ ባሕረኛታትና ብዕጽፍታት ዝድርዕ ዘይተጸበዮ ሓገዝ—ከም ቆልዓ ክሳብ ዝሰራሰር ይኸውን፡ ነቲ ዓቕሚ ናብ ዓደን ንምጉዓዙ ዝተገብረ ቃልሲ—ኣዝዩ መሳጢ ዕላል—

– ወዲ ዓኸር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዓሚቑ ሓዘን—ወዲ ዓከር (ሓርጭ) ተወዲኡ ናይ መግዝኢ ገንዘብ ካበይ ከምዝመጽእ ሓርቢትዎም እንከሎ፡ ባዱሪ ንስራሕ ጠበሽ ይብል—-ተጠማመት ኮነ። ዝሑል ባዕቲ፡ ደብዛዝ ህሞት—ንባዱሪ ሓሳብ ትመጽኦ። ኣብ ወጻኢ በብቕሩብ ክጠራቐም ዝጸንሐ ናይ ውዱባት ወርሓዊ—እታ ባዕቲ ብርሃንን ሙቐትን ዓሰላ፡ እቲ ህሞት በርሃው ኮነ—ንባዱሪ ግን ትእዛዝ ይመጾ።

”ንዓ በል ሕጂ-ሕጂ ክንድ’ዚ ኩንታል ካብ ሱዳን ሸሚትካ—ንምሽማቱን ናብ ሜዳ ንምእታዉን ዝተገብረ ቅልስ—እንሓንሰብስ፡ ሓንቲ ፍጻመ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ’ቲ ምሉእ ገድሊ ትህብ እያ—ገድሊ ከም ስማ ግድል።

– ጸረ ነፈርቲ “ማሕታ” ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳብ ኣከባቢ ምዝላቕ (1978)፡ ማሕታ (ሰአስተ ኣፉ ጸረ ነፈርቲ ከቢድ ረሻሽ ከም ጸረ ነፈርቲ ወይ ጸረ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ነቶን ኣብ ኣከባቢ ፋሕ ዝነበራ ኣሃዱታት (ብሌቓት፡ ግሬቶ፡ ወድ-ጋን፡ እማህሚመ (ማይህመት)፡ ዜሮ–ከም ትዊተርናን ስማርት ፎንናን ተለቪዥንናን ራድዮናን ነይሩ። ገለ ዓወት ክርከብ ከሎ ናብቲ ኣብ ፋሕ መሪሕነት ምስ መጸ፡ ምሸት ሓባሮ ንሰማይ እዩ ዝፍኑ ነይሩ። ሓባሪ ንሰማይ ተሰሪዑ እንተርኢኻ ገለ ዓወት ከም ዘላ ትፈልጥ። እቶም ዎኪ-ቶኪ ሒዞም ዝነበሩ ኦፐረተራት ኬፎም ይሰብረሎም ነይሩ። ምኽንምያቶም ንሶም መልእኽቲ ተቐቢሎም ክነግሩና ከም ዓቢ ክብሪ ስለዝነበረ። ሓቂ ይሓይሽ ንሕና እውን “እሂ ደኣ” ንቦም ነይርና ኢና። ብዝኾነ፡ ማሕታ ታሪኽ ኣለዎ፡ ታሪኹ ድማ ቅድሚ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝመጽእ ይጅምር። ኣዝዩ ሰሓቢ ዛንታ— ክሳብ ከም በዓል ZU-23 ዝኣመሰሉ ረሻሻት ዝትክእዎ፡ ንሓጺር ግዜ ንጉስ ክሎም ብረታት ኮይኑ እዩ። ኣብ 1977 ንፎርቶ ከረን ምስ ተሳህለ፡ ኮማንዲስን ጦርሰራዊትን ቅድሚኡ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡን ዘይተጸበይዎን ረሻሽ ምስ ዘነቦም፡ ረሲዐያ ኣለኹ ግን  “እዚ ናይ ኣረሜን ስራሕ እዩ” ዘስምዕ ኣቤቱታ ንኣምላኾም ኣቕሪቦም ይበሃል—ብዙሕ ተደሪፉሉን ተገጢሙሉን እዩ ማሕታ—

IV- ካልእ—ምስ ኣገደስቲ ሃገራውያን ኣቦታት ዝግበር ዝነበረ ርክባትን ጦብላሕታታትን

-ምስ ሼኽ እድሪስ መ/ኣድምን ተላ ባይሩን

-ምስ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን

– ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ

IV- ዝተረፈ—ምስ ካልኦት ኣገደስቲ ሰባት

-ፈረንሳዊ ጻዕዳ “ሂላል” ደሓር ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ፡ “ሰውራና” ትብል ፊልም ትዝክሩ’ዶ?

– ኩዌታዊ ጀነራልን ኩወታዊ ጋዘጠኛን

– ሶማላዊ ጀነራል

– ግብጻዊ ጋዜጠኛ

– ሱዳናዊ በዓል ትካል

 

ፍቕሪ—ፍቕሪ—ግዜ ዘይፈሊ

ሰውራን ፍቕርን፡ የፍቅር ከኣ ነይሩ ባዱሪ ንብለኩም። ብግልጺ ድማ የዕልለና እዩ—ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ክልተ ግዜ ብፍቕሪ ተነኺኡ። ካብ ኣገላልጽኡ፡ ንፉዕ ፈቃር እዩ ዝመስል፡ ኣብ የመንን ኩዌትን።

ነታ ብ1973 ልኡኽ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዓደን እንከሎ ብወዝቢ ዝተጋጠመቶ “‘ማእከላይ ቁመት—ጽቡቕ ደናጉኣ—ሓጺር ስከርት ፈረንጂ ዝለበሰት—” ኢሉ ዝገልጻ ፋልመይቲ ዘውደቀቶ ጓል ምዃና እዩ ዝገልጽ—ኣብ ቁም-ነገር ከይበጽሑ ተፈላልዮም—ይኹን እምበር ህይወት ኣብ ዝኽሪ ባዱሪ ሰጢማ ምልቓቕ ኣብያቶ ትመስል። እታ ካልኣይቲ ኣብ ኩዌት ዝረኸባ ጓል ግን መጻኢት በዓልቲ ቤቱን ናይ ቃልሲ ብጸይቱን ኮይና። ኩዌት ዕድላት ባዱሪ ተባዝሕ ትመስል—ዘይተጸበዮ ሓገዝ ንሰውራ፡ ንዕኡ ኸኣ ፍቕሩ ቀሪባ ጸኒሓቶ። እንታይ እዩ ዝበሃል ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ—ንሱ እውን ክኢላ ጨማታይ እንተኾይንካ እዩ።

መደምደምታ፡ ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ፡ ክንበብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከብሕኹም ክጠቐምጥዎ እትኽእሉ መጽሓፍ እዩ።

 

It is a must-have book.

One reply on “መጽሓፍ”

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s