ማሕሙድ ሳልሕ
ሃገር ናይ ክሉ፡ ውድባዊ ፖለቲካ ንውልቂ። ምስ ኣቶ የማነ ኸኣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ኢና ንራኸብ። ሃገር-ጠቐስ ጉዳያት ኣብ ዝለዓሉሉ ግዜን ኣብቲ ዘሰማምዓና ምስኡ ክሰማማዕ፡ ግድን ኣይኮነን ህግድፍ ክኸውን።
ብመጀመርታ ግን፡ “ገበይ ደሓን ሖል ጊሳ” ምስላ ትግረ ምርኣይ ጽቡቕ እዩ።
መገዲ ደሓንሲ ዓመት ኪዳ ከም ማለት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ሃገርና ብብሄር፡ ሃይማኖትን ኣውራጃን ከምኡ እውን ብርኡይ ፖለቲካዊ ክድዓት ክትህደድ እንከላ ከብድና ሓቚፍና ንሓድር ነይርና።
ሎሚ ኣብ ደሓን መድረኽ በጺሕና ኣለና፡ እቲ “ፍታሕ ብጎነጽ ጥራይ እዩ ዝመጽእ” ኢሉ መራት ከላሺን ዘወጣውጥ ዝነበረ ወገን፡ ምስቲ ተሓንጊርዎ ዝነበረ ወያነ ኣብ መቐለ ተሓጺሩ ኣሎ። እቲ ንሃገራውነት ኤርትራ ከፈራርስ ትንዕ-ትንዕ ዝብል ዝነበረ ወገን እውን ሎሚ ብዛዕባ ሓድነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ክምድርን ክሰብኽን ይረአ ኣሎ። እዚ ውጽኢት ሰላም እዩ። ነዛ ሰላም ዝትንክፍ ከኣ ወይልኡ ክንብል ኣለና።
ምኽንያቱ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈኖ ሕ/ሰብ ጥራይ እዩ ሃዲኡ ናይ መጻኢ ጉዕዞኡ ክውጥን ዝኽእል። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዘሎ ኣእምሮ ንናይ ሓጺር እዋን ዝሓስብ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ርግኣትን ሰላምን ዝዓሰሎ ኣእምሮን ሕ/ሰብን ግን ንናይ ነዊሕ ጉያ (መራቶን) እዩ ዝሓስብን ዝምድብን ዝቕረብን። ብሓፈሽኡ ክረአ ከሎ፡ ታሪኽ ኤርትራ ታሪኽ መራቶን እዩ። ምስታ ምስላ ትግረ ዝመሳሰል ኣካይዳ ኣለዎ።
ድሕሪ ናጽነትን ብብዙሕ ውረድ-ደይብ ሓሊፍና ኣለና፡ ብዙሕ ዕድላት ተኾሊፉና እዩ፡ ኣብዚ ድሕሪ ናይ መራቶን ጉያ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ዓወት ቀሪብናሉ ዘለና ግዜ፡ ከይነበላሽዎ ክንጥንቀቕ ኣለና። ተሪፉ ዘሎ ጉዕዞ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ክንተሓሓዞ ኣለና።
ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ስዑድያ ዝገበሮ ሰሚናር ሰሚዐዮ፡ ካብዚ ኽሉ ብዛዕባ ኤርትራ ዝፍኖ በራሪ ወረታት፡ እቲ ዝሓሸ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ብፍላይ ነቲ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ክናፈስ ዝጸንሐ ወረታት ብሓንቲ ቕላዕ ዘምከኖ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ብቐደሙ እውን “ቀስ በሉ፡ ኣይትተሃወኹ” ክንብል ጸኒሕና ኢና። ዳርጋ ንብሙልአን እተን ናይ “ተቓውሞ” ማዕከናት ክንበድብደአን ዝጸንሓ ወረታት ብሓንቲ ሰሚናር መኺነን ክንብል ንኽእል።
1. ምስ ኢትይዕጵያ ዝግበር ዝምድናታትን ስምምዓትን ኣብ ልኡላውነት ክልቲአን ሃገራት ዝተመስረተ እዩ
2. ብዘይካ እተን ክሉ ሰብ ዝፈልጠን ሓፈሻውያን ስምምዓት (ኣስመራን ጀዳን- ብመሰረቱ ትሕዝቶአን ዘፈላለ ኣይኮነን)፡ ካልእ ዝተገብረ ስምምዓት የለን ኢሉ። ሃየ በሉ እቶም ” ሃገር ብምስጢር ትሽየጥ ኣላ” ትብሉ ዘለኹም ጭብጢ ኣቕርቡ። The burden of proof is on you.
3. ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰር፡ “ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣይክቐውምን” ኢሉኩም ኣሎ። ሃየ በሉ እቶም ንፕረሲደንት ጅቡቲ ኣሚንኩም “ውዕል መሸጣ ምጽዋዕ ወግዒ ኮይኑ” ትብሉ ዝነበርኩም መልስኹም!! The burden of proof is on you.
“ስለምንታይ ንየማነ ትኣምን” ተባሂለ ክሕተት ከምዝኽእል እፈልጥ እየ። መልሰይ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ። “ስለምንታይ ኸ ንዓኹም እኣምን? ስለምንታይ ነዞም ዘይጭቡጥ ወረታት ዘላኽዑ ወገናት ዝኣምን?” ዝብል ይከውን። እቲ ዝሓሸ፡ ብመንግስቲ ይኹን ብተቓወምቲ ዝወሃብ ሓበረታታት ምስማዕን ምንባብን። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝበሃል መግለጺታትን በራሪ ወረን ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ውድዓዊ ኩነታትን ምስ ታሪኽን ድሕሪ-ባይታን ናይቶም በሃልቱን ምዝማዱ ጽቡቕ እዩ።
ብዝኾነ፡ እታ ናይ የማነ ሰሚናር ኣቀዲማ ብራድዮ አረና ተዘርጊሓ ኣላ፡ ግን ክልጥፋ እየ። ኣቲ ዝገርመኒ ነገር ግን የማነ ስለምንታይ ንኸምዚ ሰሚናራት ተጸብዩ? ስለምንታይ ኣቀዲሙ ኣብቲ ሃገራዊ ትካላት (ኤሪ-ትቪ & ሓዳስ ኤርትራ) ዘይዘርገሖ፡ ምኽንያቱ እቲ ብህግድፍ ዝውደብ ኣኼባታት ብዙሓት ሰባት ብዘፈላለየ ምኽንያታት ተገሊሎምሉ ኣለዉ። እቲ ኣኼባታት ከመይ ኢሉ ሃገራዊ መልክዕን መንፈስን ስምን ሒዙ ክኸይድ ከምዝኽእል መራሕቲ እተን ማሕበረ ኮማት ክዛተዩሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ። ፖለቲካዊ እምነት ብዘየገድስ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ዝስሕብን ዘካፍልን ኮይኑ ክውደብ ኣለዎ።
ብዝኾነ፡ ክሉ ሰናይ ንደቂ ኤረ፡ ሓድነትና እዩ ዋሕስ ህላዌናን ቀጻልነትናን።
ዝተረፈ ዕማማት ከም ንዛዝሞ ዝኾነ ቅንጣብ ጥርጣረን ምውልዋልን የብለይን። ከምቲ ኣበዋት ዝበልዎ ግን “ገበይ ደሓን ሖል ጊሳ”፡ ፈጨው ምስ ዝበለ ክንርህጽ የብልናን። ከይተፈለጠና፡ ንናይ ካልኦት ጉዳይ ግዜናን ጉልበትናን ክነባኽን የብልናን።
ሰላምን ምርግጋእን ዝፈጠሮ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ኤርትራ ጥራይ እዩ እቲ ውሑስ ሰረት መጻኢ ፖለቲካ ኤርትራ ክኸውን ዝኽእል። ኣብ ኤርትራ ሓደ ንኹሉ ጫፋት ዘጠጥ ኣቢሉ ክስሕብ ዝኽእል; ክብደት ዘለዎን ንኹሉ ፖለቲካዊ ስግንጢራት ክጻወር ዝኽእልን ሃገራውን ገስጋስን ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ውዳበታትን ባህልን ኣሰራርሓን ክዕንብብ ኣለዎ። እዚ ድማ በቲ ትሕዝቶኡን ውዳበኡን እንታይነቱን ክፍለጥ ዘጸግም ካብ ደገ ዝፍኖ ዘመተታት ክፍጸም ኣይክእልን። እንታይ ደኣ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝካየድ ቅዱስ ምፍሕፋሕ ናይ ኣተሓሳስባታት እዩ ክምዕብል ዝኽእል።
እዚ ዳይናሚካዊ ምፍሕፋሕ ክምዕብልን ክቀላጠፍን ድማ ሰላምን ምርግግፋእን ኣዝዩ ወሳኒ እዩ። ህግድፍ ነዚ ታሪኻዊ ሓላፍነት ብዝግባእ ክዋጻእ ኣባላቱ ብፍላይ ድማ እቶም መንእሰያት ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ወዲቑኩም ኣሎ። ውድብኩም ዳይናሚካዊ ክኸውንንን ናይ ህዝቢ ርኢቶታትን ጠለባትን እዋናዊ መልሲ ዝህብ ክኸውንን ክትጽዕሩ እላቦ። ሃገራውያን ምዃንምኩም ዝኽሕዱ እቶም ሒደት ነዛ ሃገር ዘቛሰሉ እዮም። ዓወትኩም ዓወት ኩልና ከምዝኸውን ኣየማትእን እዩ።