Categories
Uncategorized

ዶብን ቋንቋኡን

ማሕሙድ ሳልሕ

ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ18 ሰነ 2000 ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ስምምዕን ከምኡ እውን ነቲ ብ 13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ፍርዲ ብይን ዶባትን ዝሰዓበ ነዊሕ ሰሓቦ ግተቶን ንጎድኒ ገዲፍና፡ ብዛዕብ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ እንዛረበሉ እዋን፡ ክልተ ቃላት ናይ እንግሊዘኛ ፈሊና ክንፈልጥ ይግባእ። እቲ ልክዕ ዝኾነ ናይ ትግርኛ ትርጉመን ኣብ ስነጽሑፋትና ብዙሕ ስለዘይተዘውተረ ወይ ስለዘይተነጸረ፡  እንበዝሕ ሰባት (ካባይ ጀሚርኩም) ዘደናግር ዝመስል መግለጺታት ንህብ። ስለ’ዚ፦ምሕንጻጽ ዶብ ክንብል እንከለና እንታይ ማለት እዩ፡ ምክላል ዶብ፡ ምጥራር—ወዘተ። ኣብ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ክልተ ነቲ መስርሕ ዝገልጻ ቃላት ኣለዋ፡ delimitation and demarcation.

Delimitation: ኣነ ከም ምንጻር ወይ ምውሳን ዶብ ኢለ ክሓልፎ እየ። ኣብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ መጺእኻ እዚ እንታይ ማለት እዩ? ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብኣህጉራዊ ናይ ምሽምጋል ቤት ፍርዲ ብ13 ሚያዝያ 2002 ተወዲኡ እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ዶብ ብቓላትን ጽሑፍን ካበይ ናበይ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ (ብመሰረት እቲ መግዛእታዊ ውዕላትን ኣብዚ ጉዳይ ክውዕሉ ዝኽእሉ ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ( “—based on pertinent colonial treaties (1900, 1902 and 1908) and applicable international law”)። ስለ’ዚ እቲ ቀዳማይን ኣገዳስን ምዕራፍ ብ2002 ተፈጺሙ። ብጽሑፍን፡ ካርታን፡ ካልእ ወከልቲ ምልክታት (symbols) ኣብ ወረቐት ምስፋሩ ማለት እዩ

እቲ ብወያነ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ምምልካት ውሳኔ ናይ’ቲ ቤት-ፍርዲ እውጅ ክብል ከሎ ብጉያን ብሆይ-ሆይታን ተቐቢልዎ። ጸኒሑ ባድመ ናብ ኤርትራ ከምዘበለት ምስ ተሰወጦ ግን ዲፕሎማስያዊ ዘርባዕባዕን ሰጋእ-መጋእን ኣርእዩ። ድሒሩ ድማ ቃል-ብቓሉ ነጺግዎ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ነቲ ኣቐዲሙ ዝፈረሞ ስምምዕ፡ ማለት እቲ ብቤት-ፍርዲ ዝወሃብ ፍርዲ ወይ ብይን ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ዝብል ኣሳሪ ሓረግ ኣግሊሉ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅድመ-ኩነትን ትርጓመን ስለዘቐመጠሉ። እዚ እውን ኣህጉራዊ ጸቕጢ ምስ በርተዖ እዩ እምበር መጀመርታስ እቲ ብይን “ኢፍትሓውን፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ክቕበልዎ ዘይክእሉን እዩ” ኢሉ ኣግሪዑ እዩ። እቲ ቅድመ ኩነት ከኣ፡ “ብመትከል ተቐቢለዮ ኣለኹ፡ ግን—” ኢሉ ንመንፈስን ጽሑፍን ናይ’ቲ ብቤት-ፍርዲ ዝተዋህበ “ቀያድን ናይ መወዳእታን” ዝብል ሓረግ ዝስርዝ “ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት እማመ ሰላም” ዝተሰምየ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅድመ-ኩነት ብ 25 ሕዳር 2004 ኣቕሪቡ። እቲ ቀዳማይ ሚንስተር-ነበር መለስ ዜናዊ ብ25 ሕዳር፡ 2004 ናብ ናይ ኢትዮጵያ ፓርሊያመንት ዘቕረቦ ብዓል ሓሙሽተ ነጥብታት፡ ብጭቡጥ ካብቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ዝብል ብይን ዶብ ዝወጽአ ክንሱ ግን ንሰላም ቅሩብ ምዃኑ ከርኢ ዝፍትን ኣዝዩ ዘይብሩህን ኣደናጋርን (vague) እማመ እዩ ነይሩ። እቲ ፓርያመንት እውን ኣጽዲቑዎ።

ኤርትራ ብወገና ኣብቲ ብ10 ታሕሳስ 2004 ናብ ፕረሲደንት ኮሚሽን ዶብ ዝለኣከቶ ደብዳቤ፡ እቲ ኮሚሽን ነቲ መለስ ዜናዊ ዘቕረቦ ሓድሽ ወይ ቅያር (alternative) እማመ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከተግብር ጥራይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣዘኻኺራ። ብርኢቶ ኤርትራ፡ ምንጻር (delimitation) ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘየዳግም በቲ ኣብ 13 ሚያዝያ፡ 2002 ዝተዋህበ ፍርዲ ዓሪፉ እዩ። ተሪፉ ዝነበረ ኣብ ባይታ ምምልካቱ ጥራይ እዩ ነይሩ። እቲ ኮሚሽን እውን ነቲ ናይ መለስ ዜናዊ ጓል መገዲ ኣይተቐበሎን፡ ትሒትና ከም እንርእዮ እውን፡ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ስለዝኣበየት እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ’ቲ መስርሕ፡ ማለት ምምልካት (demarcation) ናይቲ ዶብ ብመሰረት እቲ ብይን ብኤለክትሮኒካዊ ሓባሪታት (virtually) ከም ዝምልከት ተገይሩ። ስለ’ዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ኤርትራ ኣብ ሓደ ርድኢትን ስጒሚን ክኸዳ ጸኒሐን። እታ ነቲ ዝፈረመቶ ስምምዕ ክተተግብር ቅርብቲ ዘይነበረት እታ ወያነ ዝመርሓ ዝነበረት ኢትዮጵያ እያ።

እቲ ጉዳይ ክነውሓና እዩ፡ ኣብ ዝርዝራዊ ትንተና ምኻድ እውን ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ኣይኮነን ‘ሞ ሕጂ እውን ኣብኡ ክኣቱ ኣይኮንኩን። ዕላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ ነተን ንዶባት ኣብ ምምልካት እንጥቀመለን ቃላት ንምብራህን መስርሕ ናይ’ቲ ጉዳይ ኣበይ ከምዝበጽሐን ንምድህሳስ እዩ።  እዚ ሕጂ ዝጀማመር ዘሎ ናይ ሰላም ምቅርራባት ነዘን ቃላትን ሒዘንኦ ዘለዋ ኣምራትን ተረዲእና ኢና ብግቡእ ክነንብቦ እንኽእል። ትማሊ ዓማጺ ዝነበረ፡ ሎሚ ከም ፈታዊ ሓው ይቐርብ ስለዘሎን፡ ነቲ ንሰላም ዓጊቱ ዘሎ ጉዳይ ክሓላልኽ እንዳጸዓረ ልዕሊ ሰቡ ንሰላም ቅሩብ ምዃኑ ዓንገረር ክብል ንሰምዖ ስለዘለና፡ ነቲ ጉዳይ ኣጸቢቕና ምርዳእን ዝቕጽል ጽምዶ ነቕ ኣብ ዘይብል ባይታ ከምዝስረት ንምግባሩ መንግስታት ክልቲኣተን ሃገራት ዘካይድዎ ዘለዉ ስምምዓት ብምክትታል፡ ሓሳብናን ተቓውሞናን ይኹን ወይ ደገፍና ካብ ንጹር ኣፍልጦ ዝነቐለ ክከውን ክሕግዝ ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ እዩ።  ስለ’ዚ፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብ2002 ኣብ ወረቐት በቲ ኮሚሽን ዶባት ዘቖሞ ኣህጉራዊ ናይ ሽምግልና ቤትፍርዲ ውሳነ ተዋሂብዎ እዩ (delimited ኮይኑ እዩ)። እዚ እቲ ወሳኒ ምዕራፍ ናይ’ቲ መስርሕ እዩ። ብመሰረት እቲ ክልቲአን ሃገራት ዝፈረመኦ ስምምዕ ከኣ ናይ መወዳእታን ቀያድን እዩ። ዝተርፍ ነቲ ኣብ ካርታታትን ቃላትን ዘሎ ኣስማት ናይ ቦታታት ብኣካል (physically) ናብቲ ባይታ ኬድካ ምንጻሩን ሓባሪ ዝኸውን ኣካላዊ ዝኾነ ምልክታት (ከም ኣዕኑድ ዝኣመሰለ) ምቕማጥ ጥራይ እዩ። ንሱ ድማ በዛ ትስዕብ ቃል ይግለጽ።

2. Demarcation: እዚ ኣምር እዚ መቐጸልታ ናይ delimitation እዩ። እዚ ነቲ ኣብ ወረቓቕቲ ዘሎ ስምምዓት ምንጻር ዶብ ናብ ኣካላዊ ወይ ግብራዊ ምምልካት ዶባት ዘሰጋግር እዩ። ነቲ ኣብ ወረቐት ሰፊሩ ዘሎ ዶብ (delimitation) ኣብ ባይታ ብፓሎታት ወይ ብኻልእ ቀዋሚ ምልክታት ምምልካቱ ማለት እዩ። እቲ ብወያነ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውጽኢት ምንጻር ዶባት (delimitation) ስለዝሓንገደ እዚ መስርሕ እዚ ብዙሕ ዕንቅፋታት ሰጊሩ። ቀጻሊ ዕንቅፋታትን ናብ ዳኛታት ምምልላስን ነይሩ፡ ግን ኣብ መወዳእታ እቲ ብይን ናይ መወዳእታን ቀያድን ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ዶብ ንወያነ ነጊርዎ እዩ። ነቲ መስርሕ ዝያዳ ዘናወሖን ዝሓላለኾን ድማ  እቲ ኣመሪካ ንወያነ ዝህቦ ዝነበረ ናይ “ኣጆኹም” ደገፋት እዩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ናይ ሽዑ ናይ ኣፍሪቃ ሓላፊት ዝነበረት ጃንዳዪ ፍራዘር ነቲ ሽዑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወካሊ ኣሜሪካ ዝነበረ ናይ ሕጂ ናይ ኣሜሪካ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ዝኾነ ጆን ቦልተን፡ እቲ ንብይን ዶባትን ውዕል ኣልጀርስን ዝምልከት ንኢትዮጵያ ዝሃሲ ኮይኑ ስለዝተሰመዓ ነቲ ብይን ክትቕልብስ ከም ዝፈተነት ይገልጽ። ጆን ቦልተን ኣብ ገጽ 347 ናይ’ቲ Surrender is not an option: Defending America ዝብል መጽሓፉ “ ክርደኣኒ ብዘይክእል ምኽንያት ፍረዘር መርገጺ [ኣመሪካ] ቀዪራ። ኣብ መጀመርታ ለካቲት 2006 ነቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚሽን ኣብ 2002 ዘሕለፎ ውሳነ ግጉይ ምንባሩ ብምድምዳም እንደገና ክኸፍቶን ሓደ ካብቲ ዘባእስ ዝነበረ ዓቢ ክፋል መሬት ንኢትዮጵያ ክወሃብ ሓቲታትኒ። በዚ ተዓኒደ፡ ንባይቶ ጸጥታ  ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኸመይ ከም ዝገልጸሉ ስለዝሓርበተኒ ከይገበርክዎ ሓሊፈ” ክብል ኣቐሚጥዎ ኣሎ።

ብድሕርኡ እውን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ኦባማ፡ ሱዛን ራይስ ዝተፈላለየ ዓበይቲ መንግስታዊ ቦታታት ሒዛ ስለዝነበረት፡ ንጥሕሰታት ኢትዮጵያ ተኸላኺላን ጉዳይ ዶብ ከኣ ከም ዝጽቐጥ ጌራን እያ። እዚ ጥራይ ከይኣክል፡ ካልእ ዘይነበረ ናጤባ ብምምሃዝን ብምክዋስን ነቲ ዓማጽን ዘይሕጋውን እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከምዝስግደድ ገይራ። ምስ መለስ ዜናዊ ዝነበራ ጥቡቕ ዝምድና ኩልና እንፈልጦ እዩ።

መንግስቲ ወያነ በቲ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ ዝህብዎ ዝነበሩ ናይ “ኣዮኻ ጎበዝ” ደገፍ ተተባቢዑ ነቲ ንኤርትራ ዝተወሰነ ልኡላዊ መሬትና  ጎቢጡ ክቕጽል ወሲኑ፡ ነቲ ደሞግራፍያዊ ባህሪ ናይ’ቶም ዓድታት “ትግራዋይ” ከምስሎም ድማ ትግራዎት ሰፋሮ ኣጣዪስሎም። ሰራዊቱ ክስሕብን እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ክምልከትን (demarcate) ስለዝኣበየ፡ ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዶብ ብመሰረት እቲ ብይን ዶባት ዝሃቦ መሰረት፡ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝነበረ ኣብ ባይታ ብአለክትሮኒካዊ መገዲ ማለት ብ GPS (ብናይ ሳተላይት ሓባሪ) ከም ዝምልከት ገይሩ ናይ መወዳእታን ቀያድን ምዃኑ ኣፍሊጡ ስርሑ ወዲኡ። ቅዳሕ ናይ’ቲ  ብኣዕኑድ-ኣልቦ ኤለክትሮኒካዊ መመልከቲ ዝተኸለለ ዶብ ( virtual demarcation) ነቶም ዝምልከቶም ማለት ንውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዋሂብወን። ብሳተላይት፡ ማለት ብGPS ዝኽለል ዶብ እቲ ኣዝዩ ዝተነጸረን ነባርን እዩ። ምብሕጓግ መሬት ይኹን ካልእ ባህርያዊ ሓዳጋታት ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ። እቲ ዝተረፈ ፖለቲካዊ ጉዳይ እዩ። ክልቲአን ሃገራት ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሐ መስርሕ ምንጻርን ምምልካትን ኣፍልጥፕ ሂበን ነቲ ጉዳይ ዶብ ክዓጽወኦ ኣለወን። ድሮ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ዶባት ብዘይቅድመ-ኩነት ከተግብሮ እየ ኢላ ኣላ። በቲ ናይ ቀደም ኣገባብ ምምልካት ማለት ኣዕኑድ ብምትካል ክፍጽምኦ እንተመሪጸን ድማ ኣብተን ድሮ እቲ ኮሚሽን ሓቢርወን ዘሎ ኣገደስቲ ዝበሃላ ናይ GPS ኣሳሪ-ኑቕጣታት (coordinates) ኣዕኑድ ምትካል እዩ። እቲ ናይ ዶባት ኮሚሽን፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ውሳነኡ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣዕኑድ ክተኽላ እንተወሲነን ነተን ኣዕኑድ ክትከለለን ዝወሰነን ሓበርቲ ወይ ኣሰርቲ-ኑቕጣታት (coordinates) ብንጹር ኣመልኪቱ ሓዲጉወን ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ናይ መወዳእታ ውሳነኡ፡ ማለት ናይ ኤለትርኒካዊ ምምልካት (virtual demarcation) ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ብ27 ሕዳር 2006 ናብ ክልቲአን ሃገራት ደብዳበ ሰዲዱ ነይሩ። እቲ ዶብ ብኣካል ኣዕኑድ ከይትከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዘየፍቀደ፡  ብሓገዝ ሳተላይት ነተን ኣብ ዝመጽእ ግዜ እንተተደልዩ ኣዕኑድ ክቕመጠለን ዝግበአን ንቑጣታት (coordinates) ናይ’ቲ ዶብ ኣላልዩን፡ ብኡ መሰረት ድማ እቲ ዶብ ከም ዝተኸለለ ከምዝሕሰብን ክልቲአን ሃገራት ከኣ ርኢቶታተን ክህባ ናይ 12 ኣዋርሕ ዕድል ከምዝሃበን ይገልጽ። እቲ ናይ ምሕባርን ምምኽኻርን ግዜ ድሕሪ እቲ ዝተወሰነሉ ናይ 12 ኣዋርሕ ገደብ-ግዜ ምስ ኣብቀዐ ድማ፡ እቲ ኮሚሽን ብ27 ሕዳር 2007 ናይ መጠረሽታ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ—ገለ ካብቲ መግለጺ፥-

“ ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ዶብ ብመሰረት እቲ ብ27 ሕዳር 2006 ንክልል ዶባት ኣነጺሩ ዝለኣኾ ወግዓዊ ምልክታ መሰረት፡ እቲ ዶብ ሕንጹጽን ምልኩትን ምዃኑ ደጊሙ ይገልጽበዚ ሕጂ ዘለዎ ድማ ከም ውዱእ ኮይኑ ይቑጸር-–በዚ መሰረት ድማ እቲ ኮሚሽን ስርሑን ሓላፍነቱን ከምዝወደአ ርእዩ ብ30 ሕዳር 2007 ብወግዒ ከምዝብተን ተገይሩ”  

 

ብእንግሊዘኛ፡ ቀጥታዊ ቃል ናይ’ቲ ኮሚሽን፡ “ The Delimitation Decision of 13 April 2002 and the Statement of 27 November 2006 remain binding on the Parties…In conclusion, the Boundary Commission reiterated that the boundary automatically stood as demarcated by the boundary points given on 27 November 2006, officially sent signed copies of the maps illustrating the points identified in the annex to the 27 November 2006 Statement to the Parties, considered its mandate fulfilled and decided to disband itself on 30 November 2007” [ኣድመቖት መስመር ናተይ እዩ]

 

ሓፈሻዊ መሪሕ ሓሳባት

 

  1. እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ከምዝቕበልን ብዘይቅድመ-ኩነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎን ቅሩብ ምዃኑ ኣፍሊጡን ፈሪሙን እዩ።
  2. እቲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ ግን ካብ መንፈስ መርገጺ ናይ’ቲ ኣባሉ ዝኾነ ገዛኢ ግንባር ኢህወደግ ዝወጸ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ ኣሎ። ነቲ “ብዘይቅድመ-ኩነት” ዝብል ማእከላዊ ሓሳብ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ ዝጻረር መግለጺታትን ግብራዊ ተግባራትን ከርኢ ጸኒሑ። ዓንቀጽ ኣርባዕተ ናይ’ቲ ኣብ ጅዳ ብተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝሕብሮ ክልቲአብ ሃገራት ንስምምዕ ብይን ዶባት ኣብ ግብሪ ከውዕላ እየን።
  3. መን እዩ እቲ ቀንዲ ተጻባኣይ ሰላም ኮይኑ ዘሎ? መን እዩ ኸ እቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ርኡይ ሓደጋ ክፈጥር ዝኽእል?  መራሕቲ ትግራይ ዓው ኢሎም’ዶ ኣይኮኑን ዝነግሩና ዘለዉ? ርኡያት ፖለቲካኛታትን ተሰማዕትን ትግራዎት (elite class) ኣግሂዶም’ዶ ኣይኮኑን “ተጋጊና፡ ቀይሕ ባሕሪ ክንቖጻጸር ነይሩና” ዝብሉና ዘለዉ? መዓስ ኸ ዘይፈተኑ፡ ኣይኮነሎምን እምበር።
  4. እቲ ዘሕዝን፡ ገለ-ገለ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ነዚ ርኡይ ጸረ-ሰላም ዝኾነ ፖለቲካዊ መርገጺታት መራሕቲ ትግራይ ክትኩንን ከለኻ ከም ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝነቐልካ ገይሮም ከቕርብዎ እንከለዉ እዮም። ንመራሕቲ ወያነ ምንቃፍ ከመይ ኢሉ እዩ ከም ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ምዝማት ዝቑጸር? እዞም ሰባት እዚኦም ከ ነቲ ንሰላም ጀሆ ዝሕዝ መራሕቲ ትግራይ ክኽተልዎ ዝጸንሑ እዉጅ መርገጺታት ከምቲ ዝግበኦ ነቒፎሞ ወይ ኮኒኖሞ’ዶ ይፈልጡ ይኾኑ?
  5. ኣብዚ ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ ዝዛዝመላ ዘለኹ ግዜ፡ ኣማሓዳሪ ትግራይ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ምስ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምሕትት፡” “ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ብምሉኡ ኣብ ግብሪ ኣውዒልና ክንቅጽል ይግባኣና . . .” ኢሉ ኣሎ [ትርጉም፡ ታደሰ ኪዳነ]። [ኣብ 41፡10 ደቂቃ ስማዕ https://www.youtube.com/watch?v=8lP_eiGSdJ0]። ዝለስለሰ ደኣ ይምሰል እምበር፡ ከምቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረሞ፡ ቁርጽ ዝበለ፡ “ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ብይን ዶባትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግበር ንቕበሎ” ክብል ኣይሰማዕኩን። ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ክተትን ተዓጠቕን ምልዕዓል ምዝሓሉ ጽቡቕ እዩ።
  6. ቅድሚ ሕጂ ደጋጊመ ከዘኻኽሮ ከምዝጸንሓኩ፡ ነባሪ ሰላም ክምዝገብ እንተኾይኑ፡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ክተዓረቑ ኣለዎም። ማለት ህግድፍን ህወሓትን ክራኸቡን ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ክፈላልዩዎም ዝጸንሑ ጉዳያት ዕቱብ ዝጸተ ክገብሩ ኣለዎም። ህወሓት ይኹን ካልኦት ፖለቲካውያን ሓይልታት ትግራይ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ፍትሕን ሕግን ዝተሰረተ ሰላም ምግባር ንትግራይ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ክግንዘቡ ይግባእ። እዚ ድማ ነቲ ክሳብ ሕጂ ክሕንግዱሉ ዝጸንሑ ስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ምቕባል ማለት እዩ።
  7. ብሓፈሽኡ፡ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጎሳ ፖለቲካ ክንጨማለቕ የብልናን። ምስ ኢትዮጵያ ድዩ ሰላም ጌሩ ክነብር ወይስ ክፍንጨል ናይ ወያነን ህዝቢ ትግራይ ጉዳይ እዩ። ብኤርትራ ወገን ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝቐንዐ ውዲታት ይግበር ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ወይ ከምኡ ዘስምዕ ዘረባታት ምቅላሕ ኣዝዩ ሃሳይን ሓደገኛን እዩ። ብቐዳምነት ከምኡ ዝኣመሰለ ወግዓዊ መርገጺ ርእየ ኣይፈልጥን። ወላ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩርን ጸልማትን ዝነበረሉ ግዜ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ትግራይን ነቶም ውሑዳት ገበርቲ እከይ መራሕቲ ወያነን ፈልዩ ዝርኢ መርገጺታትን ፖሊሲታትን ክኽተል ጸኒሑ። ተቓዋማይ ምዃን፡ ንሓቂ ምዝንባዕ ማለት ኣይኮነን። ዘይምግናን፡ መሳርሒ ናይ ገዛእቲ ደርቢ ትግራይ (elite class) ምዃን ምጥንቃቕ። እቲ ክሳብ ሕጂ ንሰላም ክዕንቅፍ ዝጸንሐ ወገን ፈሊኻ ምልላይን ንሰላም ክቕበል ምጽውዑን እዩ እቲ ሓላፍነታዊ ኣካይዳን መንፈስን። “ኣምሓራይ በልዓካ” እንዳበልካ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ከም ባህርያዊ ጸላእቲ ኤርትራ ገይርካ ምቕራብ ዘይሓላፍነታትዊ እዩ። ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ፡ ጸላእትና ስርዓታትን መንግስታትን ኢትዮጵያን ንዕኦም ዘርብሑ ጸለውትን ገዛእትን ደርብታትን ጉጅለታትን (elites) እምበር፡ ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣብ ልዕሊ ሓደ ህዝቢ ጃምላዊ ክስን ኩናነን ምስንዛር ዘይሓላፍነታትዊ እዩ።
  8. ብዛዕባ ጉዳይ ዶብናን ልኡላውነት ሃገርናን ክንግደስን ክንሽገርን ግቡእ እዩ። ሃገራዊ ጉዳይ ስለዝኾነ ንውሱናት ሰበ-ስልጣን ወይ ካድረታት ዝምልከት ኣይኮነን። ስለ’ዚ፡ እቲ ሻቕሎት ናይ ውሱናት ወገናት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኑ ግሉህ እናኾነ ክመጽእ ጸኒሑ። ጠንቂ ናይ’ዚ ብቕልውላው ጥራይ ክግለጽ ዝከኣል ሻቕሎት፡ ስሉጥን ምዙንን ሓበረታ ዝይምህላዉ ክኸውን ይኽእል። ብወገነይ ነዚ ሻቕሎታት’ዚ ንምውሓድ ወይ ንምውጋዱ መንግስቲ ንሓበረታ ዝምልከት ብዕቱብ ክሰርሓሉ ከዘኻኽር ጸኒሐ እየ። እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት ወላ’ኳ ደንግዩ ይምጻእ፡ እወታዊ እዩ። ክቕጽልን ክሰፍሕን ኣለዎ።

ንዝያዳ ንባብ

  1. https://eri-platform.org/updates/securing-peace-eritrea-ethiopia/
  2. http://addisstandard.com/full-text-of-the-ethio-eritrea-agreement-signed-in-jeddah/
  3. https://pca-cpa.org/en/cases/99/
  4. https://hornaffairs.com/tg/2018/06/13/statement-tplf-central-committee/

MAHMUD SALEH

sheideli95@gmail.com

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s