ኣብ መንጎ መራሕን ተመራሕን ዘሎ ፍልልይ’ዶ ሓቲትኩም’ዞም ደቀይ? ሕራይ በሉ።
ዕህም—-እሕም—
ተመራሕቲ ነቲ ዓቐብ ጥራይ እዮም ዝርእዩ። መራሕቲ ግን ኪነው’ቲ ዓቐብ ዘሎ ሜዳ ይርእዩ። ንበል ካብ ዙላ ናብ ዛላምበሳ ዝብገስ ሓይሊ ሰብ እንተወሰድና፡ እቶም ተመራሕቲ ነቲ በሪኽ ጎቦታት ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ርእዮም ጥራይ ሞራሎም ክስበር ይኽእል እዩ። ነቲ ኣርካን ጎቦታት ኤርትራ ዝኾነ ክሩዕን ልዑልን እምባሶይራ እንተርእዮም እሞ ንምብጋስ ዝኸውን ሓይሊ እውን ክኣኻኽቡ ኣይክእሉን። ተስፋ ይቖርጹ።
እቲ መራሒ ግን ኪነው እቲ ሰማይ ጠቐስ ደረት ትርኢት ናይ ኣጻድፍ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ስለዝርኢ እቲ ለሰን ጠልን ዝመልኦ ጎላጉል ሽመጃና ይጽበዮም ከም ዘሎ ከእምኖም ኣለዎ። ኣጆኹም ሽግር ሓላፊ እዩ። ኪነው ጸገም ራህዋ ኣሎ፡ ኪነው ጥሜትን ድኻምን ጽጋብን ዕረፍትን ኣሎ፡ ኣጆኹም ክብሎም ኣለዎ። መራሒ ስለዝኾነ ኪነው ተመራሕቲ ክርኢ ኣለዎ።
ብኻልእ ሸነኽ እውን ተመራሕቲ ብግዝያዊ ዓወት ክሰኽሩ ይኽእሉ እዮም። መራሒ ግን መራሒ ክበሃል እንተኾይኑ ክመርሕ ስለዘለዎ፡ ኪነው እቲ ፈንጣዝያን ታሕጓስን ዝህሉ ብደሆታት ክርኢ ኣለዎ። ነቶም ዝመርሖም ኣካልውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምድላዋት ክገብሩ ከንቀሳቕሶም ኣለዎ።
ተመራሒ ናይ ሎሚ ኩነታት ዘይቅየር ይመስሎ። ብኡ መሰረት ድማ ወይ ብተስፋ ይስንጠቕ ወይ ድማ ብደዉ እንከሎ ተስፍኡ ክመክኽ ትርእዮ። መራሒ ግን ሎሚ ሰረት ጽባሕ ምዃኑ ኣሚኑ ብዋዛ ኣይርእያን እዩ። ጽባሕ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕድላትን ብደሆታትን ሓዚላ ከምትመጽእ ኣሚኑ፡ ንጸጋታት ሎሚ ከም ናብ ጽባሕ ዘሰጋግር መዳለውን መንጠርን ይጥቐመሉ። “ብዓቐን ደኣ—moderation” ይመኽሮም ነቶም ተመራሕቲ።
ተመራሕቲ ክሉ ግዜ ዝያዳ ክረኽቡ እዮም ዝጸቓቐጡ—ዝያዳ ዕድል—ዝያዳ ሃብቲ—ዝያዳ ዕረፍቲ—ዝያዳ—ዝያዳ—መራሒ ግን ዝቕይዶ ነገር ኣሎ። እቲ ንተመራሕቲ ከካፍሎ ዝኽእል መሳርፍን ዕድላትን ውሱንን ውሑድን (scarce) እዩ፡። ድሕሪ ዓቐብ ኣምባሶይራ ዘሎ ብደሆታትን ዕድላትን ስለዝፈልጥ—“ብዓቐን ደኣ” እዩ ዝደጋግመሎም።
እንሓንሳብ መራሒ ብተመራሕቲ ዘይምረጽ ወይ ዘይድለ መደባትን ውሳነታትን ክወስድ ኣለዎ። ምኽንያቱ መራሒ እንድዩ። ንሱ ወይ ንሳ፡ ከም መራሒ ወይ መራሒት መጠን፡ ነቲ ተመራሕቲ ክርእይዎ ዘይክእሉ ክርኢ ስለዝኽእሉ። ምእንቲ ቀጻልነት ናይ’ቲ ጉዕዞ፡ እንሓንሳብ ወላ እቲ ማሕበረ-ሰቦም ዘይፈትውዎ ውሳነታት ክወስዱ መራሕቲ ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎ። ብድሌታትን ጠለባትን ተመራሕቲ ዝጋፍዑን ነነው-ነነው ዝብሉን እንተኾይኖም እሞ ካብቶም ተመራሕቲ ዝፈልዮም ደኣ እንታይ ኣለዎም?
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቅቡል ክኸውን ግን፡ መራሕቲ ብምጀመርታ ካብ ተመራሕቲ ናይ ምምራሕ መሰል (mandate) ምስ ዝረኽቡ እዮም። ቀጺሉ ድማ ተመራሕቲ ኣብቲ ዝግበር ናይ እንካን-ሃባን ተራ ምስ ዝህልዎም እቲ ኣብ መንጎ መራሕን ተመራሕን ዘሎ ጋግ ይጸብብ። ተመራሕቲ እውን በብእዋኑ ነቲ ኩነታት ዝፈልጡን ዝቖጻጸሩን ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህንጡይነትን ውድዓውነትን ዘሎ ጋግ ይጸብብ። ተመራሕቲ ንጡፋት ተዋሳእቲ ስለዝኾኑ፡ መራሒ ብመሰረት እቲ ንሶም ዘንበርዎ መርሆ ይኽይድ ምህላዉን ዘይምህላዉን ክቖጻጸሩን፡ ከምኡ እውን መደባቶም ንምዕዋት ነቲ መራሒኦም ድልዱል ደገፍ ክህቡን እንተሃውቲቱ ድማ ብኣጋኡ ከማእዝንዎን ይኽእሉ። በዚ ድማ ክሳራታት ይውሕድ። ዓወታት ድማ ይብርኩት።
በዚ መሰረት ድማ፡ እቲ ኣድላዪ ዘይኮነን ግዜን ጸጋታትን ዝበልዕ ኣብ መንጎ መራሕን ተመራሕን ዝግበር ዋጢጥ ይንኪ’ሞ ካብ ክሳራታት መኽሰባት እንዳ ዓበዩ ይኸዱ። ርእሰ-ተኣማንነት ተመራሕቲ ይብርኽ፡ ኣብ ጉዳያቶም ናይ ዋንነት ስምዒት ይሓድሮም። ኪነው ዓቐብ ኣምባሶይራ ጎላጉል ሽመጃና ከም ዘሎ ፈሊጦም ነቲ ዓቐብ ብሞራልን ሓይልን ይተሓሓዝዎ፡ ኣብሽር—ኣርክብ—ከብርየካ’ዶ ይብሉ—ይቀባበሉ—ውራዮም እንድዩ። መራሕን ተመራሕም ወሰን ደረቶም ፈሊጦም ክንሶም ግን ከኣ ከም ሓንቲ ብጽቡቕ ዝተዘየተት (oiled) ሞቶረ ብሓባር ይስጉሙ። ንጡፋት ተምመራሕቲ፡ ዘለዎም መሳርፍን ዓቕምታትን ብመንጽር ንውሓትን ዓይነትን ጉዕዞኦም እንተፈለጡ፡ ብዙሕ ካብ ትጽቢቶም ግምቶምን ወጻኢ ዝኾኑ ውሳነታት መራሕቲ ክህልዉ ኣይክእሉን። ንጸጋማት ድማ ብስያሳ ይሰግርዎም—ስያሳ እየ ዝብለኩም።
ሕራይ በሉ’ዞም ደቀይ፡ ደቂስክም’ዶ? ሰላም ሕደሩ—። ጽባሕ እታ ርግምቲ ኣላርም (alarm) ኣላ እንድያ—Good night!
ማሕሙድ ሳልሕ- MAHMUD SALEH