ምስ ዝዓበደ ዝይምዕባድ፡ ዕርፊ ምጽናዕ
ኣይተስተዋሕድዋ ናይ ጉያ-ጉያ እያ—ጸኒሐ edit እገብራ እኸውን)
ኤርትራ ልኡላዊት እያ፡ ልኡላውነታ ድማ ዘየማትእ እዩ። ብመንፋዕትና ድማ እናክድራዕ ክነብር እዩ። ወዲ/ጓል ኤረ፡ ኣብ ኣገዳሲ ጉዳያት ዕሰል፡ስመር፡ተኣኻኸብ። ውሽጣዊ ሓድነትናን ጽሬት ቤትናን እዩ ዋሕስ ኤርትራ። ተባእስቲ-ጓኖት ኣብ ዝገብርዎ ቖየቛን ምትህልላኽን ግዜናን ሓይልናን እንተዘየጥፋእና ይሓይሽ። ጉዳያቶም ክነሳልጠሎም ዝደልዩናን ኣክንድኦም ክንጥበስ ዝመጣልዑን ብዙሓት እዮም። ኤርትራ ውሽጣዊ ጽሬትን ምትዕርራይን የድልያ ኣሎ። ኣብኡ እንተኣተኮርና ይሓይሽ። ቀደም ሓይሊ እንከለዎም ዝዓመጹና ሎሚ ኸኣ ኣብ ድኻሞም “ኣምሓራ በልዓካ” እንዳበሉ ከሰናብዱና የብሎምን። መሓውራት ስለያኦም ብኸመይ ከምዝሰርሕ ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። ህዝቢ ኣምሓራ ጸላኢና ኣይኮነን፡ ገዛእቲ ኣምሓራ እዮም ነይሮም ጸላእትና። እቲ ንልኡላውነትና ብግልጺ ክወርር ዝፈተነ ግን እቲ ሎሚ “ኣምሓራ ጎበጠካ” ዝብለና ዘሎ እዩ። እቲ ናጽነትና ጽደፈረ ንሱ እዩ። እቲ ዶብና ከይሕንጸጽ ዕጭ ሓንፊፉ ዘሎ ንሱ እዩ። ኣብ ናይ ካልኦት ውግኣት ክንጥበስ የብልናን።
1. እንቢ ንዝኾነ ደፋር ኣስፋሕፋሒ ሕልምታት (ኣምሓራይ ይኹን ትግራዋይ ወይ ኦሮሞ—) ተታሒዝና ኣብ ባሕርና ክሰጥሙ እንተደለዩ ክገብርዎ ይኽእሉ። ይኹን እምበር ሎሚ ኣስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ ንኢትዮጵያ ኣኽቲቶም ክወሩና እዮም ኢልካ ምሕሳብ ንህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብግቡእ ዘይምንባብ እዩ። ይኹን እምበር፡ ክሉ ግዜ ክንዝክሮ ዝግባእ ነገር እንተሃልዩ፡ ዋሕስና ክሉ ግዜ ሓድነትና እዩ።
2. ምትእኽኽኣብ ኤርትራዊ ዓቕሚ
3. ድልዱል ህዝባዊ መንግስቲ ንምህናጽ ምጅማር
4. ጸቕጢ—ጸቕጢ—ጸቕጢ— ንጅማሮ ፖለቲካዊ ናጽነት ህዝብና—ህዝብና ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ርእሰ-ውሳነ ዝረኽበሉን ዝገብረሉን ኩነታት ክፍጠር ክጅመር ኣለዎ—ህዝቢ ኤርትራ ማእከሉ ዝኾነ ፖለቲካዊ መስርሕ ክጅመር ኣለዎ—ዕርፍና ድማ ንሱ እዩ—ቐጥ ኣቢልና ንሓዞ። ካልእ ክሉ ጓል መገዲ እዩ። ደድሕሪ ባንደራ ወይ ካርታ ሃገርና ዝሰነዐ ወልፋስ ክንጓየ ግዜ የብልናን—ኣብቲ ወግዓዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ቀዳማይ ሚኒስተሩ ዝብልዎ ግን ግቡእ መልሲ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ።
ዎ ደሓንኩም። ናይ ሎሚ ናይ ኣወል ቡን ርኢቶ ካብ ኣቦኹም ማሕሙድ ሳልሕ—ወዲ ኤለትርያ ወዲ ኣማርካ ወዲ—-
እዚ ህቦብላ’ዚ ክሃድእ እዩ። ኣብቲ ዘገድሰና ምትኳር ደኣ—
ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)