Categories
Uncategorized

ግዜ—ኣየ ግዜ፡ ዘይትገብሮ ዘይብልካ!!

ግዜ—ኣየ ግዜ፡ ዘይትገብሮ ዘይብልካ!!

ትማሊ ምስ ወያነ ሕጉብጉብ ዝብሉ ዝነበሩን ናይ ወያነ ሰይጣናዊ ፖሊሲታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምኽኑይ መታን ክኾኑ ዝጓየዩ ዝነበሩ፡ ሎሚ ተመሊሶም ብዛዕባ ክድዓት ክኸሱኒ ኣይክእሉን። ትማሊ ወያነ ንብይን ዶባት ረጊጹ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ ከበባ ወፈራታት ክገብር እንከሎ ከም ኤግዚቢት ዘቕርቦም ዝነበረ “ተቓወምቲ” ሎሚ ልዕሊ ሰቦም ሃገራውያን ክኾኑ ከቶ ኣይክእሉን። ትማሊ ነቶም “ዶብና ይተሓንጸጽ፡ ወያነ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ዶባትን ክቕበል ኣለዎ” ዝብሉ ዝነበሩ ሃገራውያን፡ ንመሬት ጥራይ ዘፍቅሩ፡ ማለት ንጎቦታትን ስንጭሮታትን ጥራይ ዝግደሱ እምበር ንህዝቢ ከምዘይግደሱ ኣምሲሎም ብምውንጃል፡ ብ ” ጸቢብ ሃገራውነት” ዝኸሱዎም ዝነበሩ፡ ሎሚ ተመሊሶም ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ ክምድርዎም ኣይክእሉን።

ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንብዙሓት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ጥብቖታት ወያነ ስረኦም ኣምሊቖም እንከለዉ እዩ ሃንደበት ወዲቕዎም። ናይ መጀመርታ ተስፈኦም ፕረሲደንት ኢሰያስ ኽሕሰሞ እዩ ዝብል ነበረ። ካብኡ ቐጺሉ ድማ ኣወዳድቓ ወያነ ከምቲ ዝረኣናዮ ሕማቕ ዝኸውን ኣይመሰሎምን ነይሩ፡ ኣብ መወዳኣታ ነገራት ክስወጦም ምስ ጀመረ፡ ናብቲ ዝመለኽዎ ናይ ምድንጋርን ናይ ምግናን ዘመተኦም ተመሊሶም። ስለምንታይ ግን ትማልን ሎምን ቃነኦምን ዛዕባኦምን ካብ ናይ ወያነ ክፍለ ዘይከኣለ? ቅሩብ ኸ ምምሕያሽ የለን?

ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር እያ። ብፍቶት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ወይ ብምጥራር ዶብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ እዩ ናጽነታን ልኡላውነታን ተኸቢሮም ዝነብሩ። ኣእሳር ተግባራቶም ከይደፈኑን ከይሓብኡን፡ ወያናይ ግለቶም ከይሓጸቡን ናብ ደምበ ሃገራውያን ምሕዋስ ኣይከኣልን። ንዕስራ ዓመታት ርእሲ ኲናት ወያናይ ሰይጣናዊ ውዲታት ኮይኖም ጸኒሖም ሕጂ ቕጽበታዊ ሪትለስ (ንድሕሪት- ተመለስ) ክገብሩ ኣይክእሉን። ግዜ የድልዮም፡ ዝሓለፈ ስትራተጂታቶም ንምግምጋም ግዜ ከድልዮም እዩ። ሰብነቶምን ሕልናኦምን ንምጽራይ ግዜ ከድልዮም እዩ። ብዙሕ ማይን ሳቡናን ከድልይዎም እዮም፡ ምሩጽ ሳቡናን ማይን።

ኣሳር ናይ ዝሓለፈ ጉዕዞታቶም ከየጥፍኡ፡ ሎሚ ነቲ ንናጽነቱን ልኡላውነቱን ን20 ዓመታት ሕሰም ዝተሰኸመ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ልኡላውነት ክምድርዎ ፖለቲካዊ ይኹን ሞራላዊ ሕላፍነት የብሎምን። ኤርትራ ኣይትሽየጥን ኣይትቑርመምን። ህዝቢ ንምድንጋርን ኣብ ሰንፈላል ንምእታዉን ቅልውላው ንምስናዕን ዝግበር ዝተወሃሃደ ዘመተታት ሕጂ እውን ፈሻሊ እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝምዕብል ዘሎ ዝምድናታት ቅርጹ እንዳሓዘ ምስ መጸ፡ ነገራት ክበርሁ እዮም። ልኡላውነት ኤርትራ እንዳ ደመቐን እንዳ ኣተኣማመነን እዩ ዝመጽእ ዘሎ። በዚ መዳይ እዚ ንህግድፍ ክትስዕሩ ኣይትኽእሉን። ብወገነይ ምስ ህግድፍ ዘሰማምዓኒ መዳይ እንተሎ፡ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ብዘለዎ መርገጺታት ዘጥረዮ ክብሪ (credibility) እዩ። ኣብቲ ዘይሰማምዓሉ መዳያት ድማ ናይ ምንቃፍ መሰለይ እጥቐም።

እቲ ጽላለ እንዳ ገደደ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ሕጂ እሞ ኸኣ ናብ ጥርዙ ክበጽሕ ዝተቐራረበ እዩ ዝመስል። ኣብ ውሽጢ ህግሓኤ ሓደ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ካብ ቀደሙ ጸረ ኤርትራ ዝነበረ “ሕቡእ” ዋህዮ ከምዝነበረን፡ ሕጂ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕባር ዕድል ረኺቡ ከምዘሎን ብፍጥነት ይሰርሓሉን ከምዘሎን እዩ ዝሕኪ እቲ ሓድሽ ኣቀራርባ።

ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ሰብነትን ኣተሓሳስባን የእርግ። ዃዕናን ጎቦታት የፍርስ፡ ንዘመናት ቐጠልያ ዱር ለቢሱ ዝጸንሐ መሬት ናብ ምድረበዳ ይቕይር፡ ላባማት ንዝነበሩ ናብ በሃማት ይቕይር፡ ጥዑያት ዝነበሩ ንበይኖም ከምዝዛረቡ ይገብር። ግዜ እንታይ ዘይገብር? ስዑርን ቀቢጻውን ስምዒታት እንተተሓዊስዎ እሞ ፎሎ እዩ ዝሰደካ፡ ከረውረው—-ግዜ እንታይ ዘይገብር!!

ብዝኾነ፡ ንቐፍ፡ ተቓለስ። ግን ክሉ ኣብ ጽሩይ ሕግታትን ኣብ ሓቅን ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ። ቀደም ዝተሳዕሩ፡ ዓስርተ ግዜ ኣብ ፍቐዶ በረኻታት ኤርትራ ኣላሽ ዘበልናዮም ናይ ቀደም ጀነራላት ቛቕ እንተበሉ እንታይ ዘሰንብድ ኣለዎ? ጥረጦም ኣይለመድናዮን’ንዶ? ኣይኮነን ሎሚ ጸሓዮም ምስ ዓረበት፡ ህዝቢ ኤርትራስ፡ እቲ ቐደም’ኮ ብደሞምን ዋዒኦም እንከለዉ እውን ብታህዲዶምን ብዘራፎምን ኣይረዓደን። ልኡላውነት ኤርትራ ኸኣ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ደልዲሉ ኣሎ። ዋሕስ ልኡላውነታ ኸኣ እቶም ብዘይካ መንነትን ፓስፖርትን ኤርትራ ካልእ ልጣፍ ዘይብሎም ዜጋታት እዮም። ኤርትራ ክብርቲ እያ። ክቡር ህዝቢ ኣለዋ። ንኽብረታ ዝመጣጠን ሓተታት ምቕራብ ክደሊ እዩ። እዚ “ኤርትራ ከደት—ተሸጠት” ዝብል ዘመተታት ንህዝቢ ኤርትራ ዝንዕቕ እዩ። ንኽብረቱ ዝትንክፍ እዩ። ደጊመ ክዘኻኽረኩም፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ክትስዕሩ ኣይትኽእሉን። ካልእ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ ሸወያ ክተድሙዑሉ ትኽእሉ። I’m frustrated with you. ቅሩብ ዒብ ምግባር።

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

From my FB page

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s