From my FB:
ሕጂ ነገር መጺኣ! እንዳ “ሃገር ከደት፡ ተሸጠት” ደኣ እንታይ ክብሉ እዮም?
ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ነጠፍትን መጎትትን ህግድፍ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ዝካየድ ዘተ እዩ ( ቀዳማይ ክፋል ኣይረኣኽዎን ግን ክግመት ይኸእል። ክንደይ ኸ ጽቡቕ ይዛረቡ ወደይ) ብዝኾነ ስጋ ዘለዎ ስቡሕ ዘረባ እዩ። የቐንየልና። ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ፡ እቲ ሜዳ ናይ ሓበረታ በዱ እንተተገዲፉ ዝጥቐሙሉ ኣይሰኣኑን’ሞ ሃየ መንግስትና ውጻእ፡ ነዚ ዝደናገር ዘሎ ህዝቢ ኣተሃዳድእ ክብል ጸኒሐ።
ብዝኾነ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝጅመር፡ በቲ ሓደ ወገን ሓጎስ ርኢና፡ በቲ ኻልእ ወገን ድማ ቅልውላው ስምዒታት። ዝበዝሕ እቲ ቅልውላዋት ናይ ስምዒታት ካብቲ ኤርትራውያን ንሃገሮምን ንመንነቶምን ዝኸፈልዎ ዋጋን ዝተለጠጥዎ ሕሰምን ዝብገስ እዩ። ልኡላውነቶም ከም ብሌን ዓይኖም ከም ዝሕልዉ ካብ ዘለዎም ድሉውነት እውን ክኸውን ይኽእል። ተመክሮ ቀሊል መምህር ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 70 ዓመታት፡ ኤርትራውያን ግዳይ ኣስፋሕፋሒ ዓለማውን ዞባውን ጥሙሓት ኮይንና ኢና። ንናጽነትና ክቡር ዋጋ ከፊልና።
ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብቲ ዞባ ኣብ ሓባራዊ ዞባዊ ጉዳያት ምውሳእ ናዓና ዘርብሕ እዩ። እዚ ግን ልኡላውነትና ብዘይትንክፍን ብዘየነኣእስን ምስ ዝኸውን እዩ። ምስ ምፍርራም ሰላምን ምብጽጻሕ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራትን ለሚድናዮ ዘይንፈልጥ ሓድሽ ቋንቋ ሰላምን ሓደስቲ ቃላትን (vocabularies) ተቐልቒሎም እዮም። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ንዘቤታዊ ሃልክን ምኽንያታት ኢሉ እንሓንሳብ ክህውትት ክረአ ጸኒሑ እዩ። ገለ ገለ ኢትዮጵያውያን እውን “ኣካላውን ፖለቲካውን ኣንድነት” ዝተረጋገጸ መሲልዎም ኣብ ሂስተርያ ኣትዮም ክገላበጡ ርኢናዮም ኢና። ግድን ነይሩ ድማ ኤርትራውያን ነዚ ተዓዚቦም ክሻቐሉ። ነዚታት ኢለ እየ ድማ መንግስቲ ኤርትራ መማእዘኒ መልስታት ክህብ ብተደጋጋሚ እጽውዕ ዝነበርኩን በታ ዘላትኒ ዓቕሚ ክምልስ ዝጸናሕኩን። ነቲ ውዱብ ዝመስል ብናይ ምስፍሕፋሕ ሓይልታት ዝግበር ዝነበረ መግለጺታት ይኹን፡ እቲ መስኪን ኢትዮጵያዊ ካብ ዘይምፍላጥ ከቓልሖ ዝጸንሐ ግጉይ መልሰ-ግብርታት፡ ከምኡ እውን ብቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝሞሉቑ ዝነበረ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝትንክፍ ዝመስል ቃላትን መደረታትን መደባትን ኣብ መቓኑ ኣእትየ ክርእዮን ከተሃዳድእን ፈቲነ። እዚ ንምግባር ናይ ዝኾነ ይኹን ወገን ናይ “ግበር” ትእዛዝ ይኹን ምልክት ኣየድልየንን እዩ።
እዞም ኣብ ታሕቲ ዝዝትዩ ኣሕዋትን ሓብትናን ነዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ብምሃቦም የመስግን። ኣጋጣሚ ኮይኑ ኸኣ ርኢቶኦምን ትንታነኦምን ናተይ ርኢቶን ትንታነን ዳርጋ ሓደ ኮይኑ ረኺበዮ። በዚ ኢና ኸኣ እንበዝሕ ኤርትራውያን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ብዙሕ ዝፈላልየና የለን፡ ንተኣኻኸብ፡ ንዘቲ ዝብል ዘለኹ።
እቲ ተሪፉ ዘሎ ጉጅለ እቲ ናይ “ሃገር ከደት፡ተሸጠት” ዝብል እዩ። ንሱ እውን ናብ ልቡ ክምለስን ምጉቱ ኣብ ሓቅን ኣብ ድሎን ዝተመርኮሰ ክኸውንን እጽውዕ። ዝኸድና እንተኸድና ደቂ ሃንቲ ገረብ ኢና።
ኤርትራውያን ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ዓሲሎም ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኒ።
1. ሓርፋፍ ስእሊ (timetable) ወይ ከኣ ክንጽበዮም ዘለና ስጉምትታትን (steps) ዘሎ ብድሆታትን (ግድን ኣይኮነን መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎ ዘሎ ካርድታት ንወያነ ከርኢ)—ግን ንህዝብና ኣንፈትን ምትህድዳእን ምሃብ ኣድላዪ እዩ።
2. ኣብ ምርግጋእ ሂወትን ናይ ህንጸት መደባትን ክውሰድ ዝተመደበ (ሓርፋፍ ስእሊ)፡ ጉዳይ ናይ ሕልና (ፖለቲካውያን) እሱራት፡ ዓቕምታት ኤርትራ ኣብ ምትእኽኻብን ምትሕብባርን ክውሰድ ዝተሓስበ መደባት ክግለጽ
3. ጉዳይ መጻኢ ፖለቲካዊ ካርታ (መርሆ)—ናብ ቅዋምነት ዝመርሕ መሰጋገሪ መድረኽ
ካብ ትዕዝብተይ፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ኣንፈታት ይኹን ወይ ጭቡጥ መደባት ምሃብ ንኤርትራውያን ተስፋን ኣንፈትን ዝህብ ክኸውን እዩ። እቲ ዝበዝሕ ሳቕሎት (anxiety) እውን ክሓይሽ እዩ።
——————-Below is a discussion of some of the top PFDJ-affiliated Eritreans. Thank you for jumping into the fray. I have been calling for the Eritrean government to come out and counterbalance the rhetoric. I have done my part in explaining things in my own limited role, in comments, articles, interviews, and other discussion forums. Though late, I welcome the initiative. When it comes to Eritrea, there are no pro-government or opponents because this is a national conversation that concerns all of us. Thank you for the great discussion.

2 replies on “ሕጂ ነገር መጺኣ! እንዳ “ሃገር ከደት፡ ተሸጠት” ደኣ እንታይ ክብሉ እዮም?”
ማሕሙድ እዚኣቶም ወላ ነታ ፈጺማ ዘይትምልስ ተሌፎን ዓዲ ሃሎ ክድውሉ ኣይፈተኑን ምኽንያቱ ተሌፎን ዓዲ ሃሎ እንተደወለት viva እንተዘይደወለት viva ጥራይ ዮም ተማሂሮም ኤልያስ ኣማረ ኣብ 2ይ ክፋል ዕግበቱን ናይ ሕልና ዘረባ ኣምሉቅ ኣቢሉ ነሩ ኣብ ሳልሳይ ግን ከም ዶር በርሀ ተገኒሑ ግልብጥ ኢሉ blind supporter ኮይኑ።
LikeLike
ብወገነይ፥ ከም ዛዕባ ምልዓሎም ጥራይ ንገዛእ ርእሱ ብኣወንታ ኣብ ፌ ቡክ ን Amanuel ከምዚ ኢለ መሊሰሉ ነይረ፡
“Amanuel Tecle Ghebremicael, thank you for your engagement. I love it when you hassle me; anyway, I have not watched it. I will post it but it will be redundancy since most people must have watched it by now. It was sent to me as an attachment early on but have not had the time to watch it. ኣምሓሩ እንታይ በሉ ትብሉ በዓል Amanuel፡ እንቁላል ቀሰ ብቀስ ብእግሩ ይሔዳል። ስለ’ዚ፡ ንውሕጅ ዘይፍልጥ ክሳገሮ ብዙሕ ወስታታት እዩ ዝገብር (ካብ ውሕጅ መረብ ዝተማሃርክዎ እዩ፡ ባድመ ናትና እንኮላ)፡ ነቲ ጫፍ ትንክፍ ተብል እሞ ንድሕሪት ሰጋእ ትብል፡ እንደገና ሓንቲ ስጉምቲ ንቕድሚት ትኸይድ’ሞ ትምለስ፡ ጸኒሕካ ክልተ ስጉምቲ ንቕድሚ ትኸይድ፡ አክምኡ እናበልካ ነቲ ውሕጅ ትግምግሞ እሞ ወይ ትሰግራ ወይ ትምለስ። ሕማቕ ኣጋጣሚ እንተኾይኑ ክትሰግር ክትብል ለኪሙካ ይኸይድ። ስለ’ዚ፡ ነዞም ኣሕዋት፡ ነቲ ጉዳይ ብምልዓሎም ጥራይ ክንድግፎምን ክነተባበዖምን ኣለና። ምኽንያቱ፡ እንቑላል ቀስ ብቀስ ብእግሯ ተሄዳል—“
LikeLike