Categories
Uncategorized

ብኽብረትኩም- ሓበረታ፡ ሓበረታ—ከበር ሀቡና

ብኽብረትኩም- ሓበረታ፡ ሓበረታ—ከበር ሀቡና

ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)

—ሃሎው፡ ዓዲ-ሃሎ—መቸም፡ ክሳብ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ኣይሰለጠን—” ዝደወልኩምሉ ዓሚል ኣይተረኽበን” ይብል ኤሪ-ተል–ግን እንታይ ይገበር—ክንድውል ኢና፡ ክሳብ መልሲ ንረክብ ወይ እቲ ኦፐረተር ክሳብ ዝቕየር—ሃሎው ዓዲ ሃሎ—

ኢትዮጵያ ብሚድያ ወሪራትና ምህላዋ ዘከራኽር ኣይኮነን፡ “ዓብሊላትና እያ” ዘብል እውን እዩ። ናብ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሚድያታት እንተኸድካ ከም ቀደሙ ጽሙእ፡ ዕባራ፡ ነቓጽ፡ ኣሰልቻዊ—-ጸሚቑካ ናይ ኣካል ቫይታሚን ዘይተውጻኣሉ፡ ኲዒትካ ሂወት ዝዘርእ ማይ ዘይትረኽበሉ፡ ደረቕ—-ምስ ግዜ ዘይቀዳደም፡ ኣይኮነን ንፍጻመታት ክቕድምን ክእምትን ሲ ይትረፍ፡ ከክንዲ ሓራምዝ ዝኾኑ ፍጻመታት ክጎትዎ ወይ ከበራብርዎ እኳ ዝይኽእሉ “ሚድያ” እዩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ንሱ እውን ሚድያ እንተበልናዮ እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ንርክባት ኢትዮ-ኤርትራ ከም ድላዩ ይገልጾ፡ ሓንሳብ “ወዳብችን” ይብል፡እንሓንሳብ ድማ ግዛዕ። ናይ ትግራይ ምክትል ኣማሓዳሪ (ንሱ እዩ እቲ ርእሰ-ምምሕዳር) ነቲ ርክባት ከም ድላዩ ይፈትሎን ይጠናንጎን። ፕረሲደንት ኢሰያስ ፍሽኽ እንተበለሉ ከም ቆልዓ ይሰራሰር፡ ብኢዱ ሒዙ ዘወር እንተበለ እሞ፡ ሰማይ ሰንጢቑ ናብ ህዋ ህልምዝብል እዩ ዝመስል። ኢሱ ጽውግ እንተበለሉ ድማ ናይ ክተት ነጋሪት ይወቅዕ። ናይ ኤርትራ ናይ ሚድያ ድኻም መዝሚዞም፡ ናይ ህወሓት ኣንጠፍትን ካድረታትን ምእኩል ዝመስል ዘመተ ከካይዱ ይረኣዩ ኣለዉ። ኤርትራ ናይ ሓበረታ ጸልማት ከዲንዋ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገድታት ይሓትት ኣሎ። ሰማዒ ክረክብ መዓጹ ኣብያተ ጽሕፈታት መራሕቱ ይኲሕኲሕ ኣሎ። ሃሎ ዓዲ-ሃሎ ይብል ኣሎ። ኣቱም ሰባት፡ ንርእዮ ዘለና ‘ኮ “ወይ ጉድ” ዘብል እዩ።

ነዚ ድኻም እዚ መዝሚዞም፡ ሓይልታት ምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ክጾምቑን ዘለዋ ዘበለ ክነግፉን ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። ብሓባር ኣብ ሓንቲ መኣዲ ክቕረቡ ዘይክእሉ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ባእታታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ ምስፍሕፋሕ ጥሙሓቶም ግን ሰሚሮም እዮም ክንቀሳቐሱ እንርእዮም። እዚ ቀይሕ-መስመር እዩ ዝብሎም ግዲ ስኢኖም፡ ንባህሪ ናይ’ቲ ዛጊት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገብረ ስምምዓትን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡን ቀደም ተኸተሉን ሓማሚሶም ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና። “ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ” ዝብል ድንቂ ዝመስል ጭርሖ ብምልዓል ነቲ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ዝሓለፈ በይን ዶባት ክብርዙ ይፍትኑ ኣለዉ። ሕጂ’ሞ ኸኣ መራ ደፊሮምስ “ቅድሚ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ብይን ዶባት ምዝታይና ብመጀመርታ ውዕል  (treaty) ክንፍርም ኣለና” ክብሉ ንሰምዖም ኣለና። እዋእ፡ ክንደይ ውዕላት ድዮም ተፈሪሞም ዘለዉ? ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ውዕልን (treaty) ስምምዕን (agreement) ተመሳሰልቲ እዮም። ኣፈጻጽመኦም ኣብ ጽቡቕ ድሌት (goodwill) ናይ’ተን ተፈራረምቲ ሃገራት ይምርኮስ። እሞ እዞም ሰባት ነቲ ዝፈረምዎ ውዕላት ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ጽቡቕ ድሌት ኣለዎም ድዩ ወይስ ንመፋኾሲ ናይ’ቲ ብውሽጢ ዝህውጾም ዘሎ ዘቤታዊ ፖለቲካ ይጥቀሙሉ ኣለዉ? ከመይ ኢሎም እዮም ንሶም ስድሪ ከይከዱ፡ ኤርትራ ኪሎመተራት ክትከይድ ዝደልይዋ ዘለዉ? “ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ” እንዶ ኣይተባህለን፥ ብመጀመርታ ነቲ ዛጊት ዝተፈረመ ውዕላት’ሞ ኣብ ግብሪ ነውዕል፡ ድሕርኡ ብዛዕባ ካልእ ውዕላት ንዛረብ። ብኤርትራውያን ኣብ ቀዳምነት ዝስራዕን ‘ኣደ ክሉ ጽቡቕ ድሌታትን ስናይ ጉርብናን’ ዝኾነ ተግባር ድማ ኣተገባብራ ብይን ዶባት እዩ። ኣብዚ ከይተሰማማዕኻ ዝግበር ክሉ ኻልእ ዓበድበድ፡ ከላም ፋርቕ እዩ

ኤርትራ፡ ናይ ሓበረታ ደልሃመት

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝጸሓፍክዎ፡ እዋናዊ ሓበረታ ምክፋል ነቲ መንግስቲ እውን ከምዝጠቅም ደጋጊመ ሓቢረ ነይረ። ኣብዚ ዘለናዮ መበል 21 ክ/ዘመን፡ ሓበረታ ናይ ምእካብን ምዝርጋሕን ካብ ኢድ መንግስታት እንዳወጸ እዩ፡ ደሞክራስያውን (democratized) ህዝባውን ጠባያት  እንዳ ሓዘ እዩ። ንራድዮን ተለቪዥንን ሃገር ክትቆጻጸር ትኽእል ኢኻ፡ ንስማርት ተለፎን ናይ ነብሱኢ ወከፍ ዜጋ ክትቆጻጸር ግን ኣይከኣልን። ሎሚ ሓሳባትካ ክተባጽሕ፡ ኢንተርነትን ስማርት ፎንን ግዜን ጥራይ የድልያኻ። ነዚ ዘይርዳእ በዓል ስልጣን ኣብ ዘመነ ጦፋት ዝነብር ጥራይ እዩ። ካልኣይቲ ነጥቢ ዘስመርኩላ ድማ፡ ምስ ሰላማዊ ምቅርራባት ክልቲአን ሃገራት ዝመጽእ ተኣፋፍነት ኣሎ። ነዚ ቀሊሱ ዘረጋግእን ተስፋን ኣንፈትን ዝህብን መንግስታዊ ትካል ማለት ከም ናይ ርክባት በዓል ስልጣን (ሚኒስትሪ ዜና እውን ክኸውን ይኽእል) ክምስረትን ሓበረታታት ኣብ ግዚኡ ንህዝቢ ክዝርግሕን፡ ሽግራትን ቅልውላዋትን እንተመጹ እውን ብእዋኑ ከመሓድሮምን ክቆጻጸሮምን ናብ እወታዊ መኣዝን ክመርሖምን ዝኽእል ኣካል ክቐውም ርኢቶ ሂበ ነይረ። ርኢቶይ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝተበገሰ እዩ ነይሩ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ካብ ዘረግትን ኣባኣስትን ዝከላኸልን ዝከናኸንን ንፖሊሲታት ክልቲኡ ሃገራት ንህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት በቲ ግቡእ መንፈሱ ዘብርህ፡ ምጥርጣር ወይ ድማ ክቱር ትጽቢታት ኽቓንን ከህድእን ካብ ምባል እዩ።

 

እቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ናይ ሓበረታ ደልሃመት ንኣባኣስትን ኣጣቘስትን ጠወይትን (distorters) ምቹእ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ። ብዙሓት ሞይቶም ዝነበሩ ሓይልታት ኢትዮጵያ ከይተረፉ ነቲ ጸቒጥዎም ዝነበረ ኣእማንን ሓመድን ነጊፎም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ስልጣን ቅልስ መዝሚዞም፡ ሎሚ ነቲ ቀደም ዝሞተ ሕልምታቶም ከበራብሩ ንርእዮም ኣለና። ኣመና ደፊሮም እውን ነቶም ኣብ ኤርትራ ክዋግኡ  ዝሃለቑ ናይ ቀደም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሓወልቲ ክትከለሎም እማመታት ክህቡ (ዳዊት ወልደጊዮርጊስ) ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ቀይሕ-ባሕሪ ክትምዕብልን ክትዓብን ከምዘይትኽእልን ናይ ይግበኣኒ መሰል ከምዘለዋ ክዛረቡን ንሰምዕ ኣለና (ጀነራላት ካሳ ጨመዳ፡ ጻድቃንን ካልኦትን)። ክልቲኦም ጀነራላት እንተረኣናዮም፡ ኣብ ዓውዲ ኲናት ነንሕዶም ዝተዋግኡ ክንሶም ኣብ ኤርትራ መጺኦም ግን ተመሳሳሊ ርኢቶታት ኣለዎም። ኣክንዲ ንጂኦግራፊ ዝረግሙ ንኤርትራ ይረግሙ ኣለዉ። ቀይሕ ባሕሪ (እቲ ናይ ኤርትራ ግዝኣት ዝኾነ ክፋሉ) ንሕና ናብ ኤርትራ ኣየግዓዝናዮን፡ ኣይሰረቕናዮን። ቀይሕ-ባሕሪ ካብ ቀደሙ ኣካል ኤርትራ ኮይኑ ምስ ኤርትራ ድማ ናጻ ወጺኡ። ዘመናዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ሃልይዋ ተፈጢራ ኣይትፈልጥን። ዶባት ናይ’ዛ ሎሚ እንፈልጣ ዘመናዊት ኢትዮጵያን ምስ ዶባት ዘመናዊት ኤርትራ ኣብ ሓደ ግዜ እዮም ተወሲኖምን ተኸሊሎምን።  ጣልያን ብቐጥታ ንኤርትራ ክሕዝ እንከሎ፡ ንጉስ ሚኒሊክ ድማ ምስ ኤውሮጳውያን ሓይልታት ብምሽራኽ ነዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ፈጢሩ። ዝተረፈ ኩሉ ናይ ጥንታዊት “ኣቢሲንያ” ዛንታ፡ ናይ ዘመነ ኦሪት ትረኻ እዩ። ስለ’ዚ እዞም ብሕማም ምስፍሕፋሕ ተኻኢሎም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ወይ ብልኡላላውነት ኤርትራ ኣሚኖም እዮም ክዛተዩና ዘለዎም፡ ወይ ድማ ብቕሉዕ ክጎብጡና ክመጹ ኣለዎም። ወይ ከም ቀደም ክንስዕሮም ኢና ወይ ድማ ተተሓሒዝና ናብቲ ዝሃርፍዎ ቀይሕ-ባሕሪ ክንጥሕል ኢና፡ እምበር ኤርትራ ምቑርማም የለን። ነዚ ሓሳብ እዚ ምጉላሕን ምስማርን (assert ምግባር) ከድሊ እዩ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ-ባሕሪ ስለዝሰኣነት ትደኽየሉ ምኽንያት የለን። ምኽንያቱ፡ ብጽቡቕ መንፈስ እንተቐሪበትን፡ ልኡላውነት ኤርትራ ከየናሸወት ነቲ ድሮ ፈሪማቶ ዘላ ስምምዓት ክተተግብር ቅርብቲ ምዃና እንተኣረጋገጸት፡ ንርእስና ኢልና ንንግዲ ኢትዮጵያ ክንስሕብ ክንሰርሕ ኢና። ኣብ ፍጹም ልኡላዊ መሰላት ኤርትራ ተመርኲሳ፡ ኢትዮጵያ ብወደባትና ክትጥቐም ይኹን ንምምዕባሉ ወፍርታት ክትገብር ንዓና የኽስብ እምበር ኣየኽስረናን። እኳ ደኣ ምስ ካልኦት ዓማውል ኢትዮጵያ (ከም ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ) ክንወዳደርን ናይ ባሕሪ ኣገልግሎትና ሰሓቢ ክኸውን ክንሰርሕን ኣለና። ሰላም ዝሰፈና ብልጽግቲ ኢትዮጵያ ንዓና ዓቢ ብልጫ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኪሎሜተራት ብሚሊሜተራት ኢኻ ትጅምሮ’ሞ ነዛ ዶብ ጥራይ ንወድእ።

ስለምንታይ ግን እዚ ፍንሕንሕ?

ኣነ ከምዝመስለኒ ናብዚ ዘለናዮ ናይ ሓበረታን ስነ-ኣእምሮኣውን ወራር ክንበጽሕ ዝኸእ፡ልና ብኽልተ ዓበይቲ ምክንያታት እዩ።

  1. ናይ መንግስቲ ኤርትራ ርኡይ ሸለልትነት፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዘዋርድ ዘትሕት ኣገባብ ኣካይዳ ክኽተል ጸኒሑ። ክሳብ ሎሚ ፕረሲደንት ኤርትራ ናብ ተለቪዥን ድዩ ወይ ህዝባዊ መድረኽ ቀሪቡ ነዚ ጉዳይ እዚ ብቐጥታ መብርሂ ክህበሉ ኣይተራእየን። ንኢትዮጵያውያን ብኽልተ ኢዱ ኣፍ-ልቡ ተንኪፉ የፍቅረኩም እየ (I love you) ካብ በለ፡ ንዓና እንተወሓደ ብሓደ ኢዱ ኣፍ-ልቡ ተንኪፉ I LOVE YOU ክብለና ትጽቢት ነይሩ እዩ። ክሕብረናን ከተሃዳደኣናን ተስፋ ነይሩ እዩ (እዚ ነቲ ካልእ ኩምራ ጠለባትና ገዲፍካ እዩ፡ ምናልባት የዋህ ትጽቢት ነይሩ ክኸውን ይኽእል)። እዚ ካብ ዘይኮነ ግን፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ፡ ነዚ ሓድሽ መድረኽ ዝበቅዕ ዜናውን ሓበረታውን ዳግመ ውዳበን ክግበር ምተገበኦ። እዚ መሰረታዊ መሰል ናይ’ዚ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ሕጂ እውን ክዕረን ክእረምን ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ጉዳይ ሓበረታ እትሕርሞ ህዝቢ፡ ካብቲ መግብን ኦስጅንን ኸሊእካ ኣብ ዕጹው ገዛ ተቐምጦ ፍጡር ኣይፍለን እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ናይ ህዝባዊ ርክባት (PR) እንተዘይገይሩ፡ ነቲ ሃጓፍ ካልኦት እዮም ዝመልእዎ። ናጻ ሜዳ ረኺቦም ድማ ከም ድላዮም ይጋልቡሉ ኣለዉ። እቲ ዝህሰ ዘሎ እቲ መስኪን ህዝቢ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንሰማዕቱ (audience/constituencies) ብዝጥዕም የቕርቦ፡ እንሓንሳብ ሓይሊ ባሕሪ ይብል፡ እንሓንሳብ ዓሰብ ተኻፊልና ይብል፡ እንሓንሳብ ንጉዳይ ዶባት የነኣእስ፡ እንሓንሳብ ወዳብችን ይብል፡ ኮታስ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዓት ይኹን ግስጋሰኡ  በቲ ኢትዮጵያውያን ክሕጎሱሉ ዝኽእሉ ቅጥዕታትን (format) ትርጓመን (version) ከቕርቦ ጸኒሑ። ብፍላይ ኣብቲ ፋልማይ ግዜ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን “መደመር” ክበሃል እንከሎ ፍጹም ግዝኣታውን ፖለቲካውን ኣንድነት መሲልዎም ብዙሕ ክብሉ ንሰምዖም ነይርና ኢና [ብወገነይ ንነገራት በቲ ዝመስለኒ ከብርህ ዓቕመይ ገይረ እየ፡ ግን ንመንግስቲ ዝትክእ ውልቀ-ዜጋ የለን። ናይ ዜጋታት ኣበርክቶ ከም ርኢቶ እዩ ዝቑጸር፡ ናይ መንግስታት መግለጺ ግን ወግዓውን ገዛእን- authoritative- ኣዩ]።

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስቶም ሎሚ ኢትዮጵያ ዝገዝኡ ዘለዉ ሓይልታት ዘይሰማምዑ፡ ይኹን እምበር፡  ኣብቲ ጎበጣዊ ሃንቀውታታትን ጥሙሓትን ግን ዝሕወስዎም ከኣ እዞም ቀደም ዘስታረርናዮም ተረፍ-መረፍ ባእታታት ኣለዉ። ኣብ ገሊኡስ እቲ ቀይሕ-መስመር ብወግዒ ምሕንጻጹ ጽቡቕ እዩ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብ መንግስቱ እንተዝሰምዖ ዝያዳ ምትእምማንን ናይ ኣረኣእያ ሓድነትን ምፈጠረ ነይሩ። እምበር ከ ሎሚ ድሕሪ 27 ዓመታት “ወዳባችን’ ክብሉ ከለዉ እንታይ ማለቶም እዮም” ክንብል ኣይምተገበአን። ገዘፍቲ ቀያሕቲ መስመራት ምቕማጥ ከድልየና እዩ።

2. ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፡ እቲ ኻልእ ምኽንያት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣንፈት-ኣልቦ ፖለቲካዊ ቀምበይበይ (fluidity)  እዩ።ንብዙሓት ባእታት ቅሩብ ሓይሊ ዝህቦምን ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝሕቖን ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ርእሶም ኣወጢሞም ጸምበለል ከብሎም ዘኽእሉ ነገራት ምግባር ናይ ፖለቲካኛታት ልሙድ ተግባር እዩ። ቀይሕ-ባሕሪ ድማ እቲ ዝያዳ ክብሪ (currency) ዘለዎ ጉዳይ እዩ። በዓል ዳዊት ወልደግዮርጊስ ይኹኑ ካልኦት ልኡላውነት ኤርትራ ጠፊእዎም ኣይኮነን። ግን ኣካል ናይ’ቲ ሰዓብቲ ከጥርዩ ዝገብርዎ ምጉንናጽን ናብ ስልጣን  ምቅድዳምን (jostling) እዩ። ዘዝመጸ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካኛ ቀይ-ባህራችን ከይብለና ግን ገጂፍ ቀይሕ-መስመር ክነቐምጥ ኣለና። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ርብርብ ከም ጸብሒ ሽሮ ክምሰል ይከኣል እዩ። ጦቕ-ጦቕ ይብልን ነነጢሩ ንልኡላዊ ጉዳያትና ይተናኽፍን የንድድን ኣሎ። እቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝብልዎ፡ ንኡላውነትና ዝተናኽፍን ዝንዕቕን ኣባሃህላታት ካብቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ርብርብ’ኳ እንተኾነ፡ “ኖእ—ከምኡ ኣይኮነን” ዝብል መንግስታዊ ቃና ክንሰምዕ ንጽበ። ሓቂ እዩ መምስዝመጸ ወልፋስ ፕለቲከኛ ክትጓየ ኣየድልን፡ ኣይከኣልን እውን። ግን ነቶም መሰረታውያን ነገራት ኣብ ግዚኦም ብምብራህን ንጹርን ግሉጽን ኣካይዳ ብምኽታልን ንሳዕቤናቶም ክትንኪ ይከኣል እዩ።

ክልተ ሕ/ሰባት፡ ክልተ መንግስታት

እቲ ካልእ ብዛዕባ ባህሪ ሕ/ሰባትን መንግስታትን ክልቲአን ሃገራት ዝትንክፍ እዩ። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኢትዮጵያታት እየን ዘለዋ፡ ብኡ መሰረት ድማ ሕ/ሰብ ኢትዮጵያ ክትብል ኣሸጋሪ እዩ። ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ብዙሕነት ጠንቂ ምጉዳል ሃገራውነት ኣይምኾነን። ይኹን እምበር፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 27 ዓመታት ስርዓት ወያነ፡ ንማእከላይ መንግሲ ዘዳኽም፡ ብሄራዊ ስምዒታት ካብ ሃገራዊ ስምዒታት ንላዕሊ ከምዝግንፍል ዘተባብዕ፡ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ ኣብ ነንሕድሕዶም ከምዝተፋነኑ ዝገብር ስነ-ሓሳብን ኣካይዳን ክኽተል ጸኒሑ። ምስ’ዚ ድማ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገበ ቑጠባዊ ዕብየትን ዘምጸኦ ተክኖሎጂ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነብሰ-ገለጻ (self-expression) ከማዕብል ክኢሉ።  ይኹን እምበር፡ ዝያዳ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ንምቅርራብ ኣክንዲ ዘገልግል፡ እዚ ተክኖሎጂ ንሚሳይላትን ታንክታትን ከላሽንን ተኪኡ፡ መንእሰያት ኢትዮጵያ ኣብ ውዑይ ኲናት ሓድሕድ ከምዝኣትዉ ገይርዎም ኣሎ። እቲ ብዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ዘተኣታትዎም ዘሎ ናይ ጽገና ለውጥታት ድማ፡ መንእሰያት ኢትዮጵያ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ሓርነት ኣጎናጺፍዎም ይርከብ። እዚ ከም ጸጋ ክረአ እኳ ዝኽእል እንተኾነ፡ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ መሰረታዊ ሓባራዊ (collective) ጉዳያት ክሰማምዑ ከጸግሞም ንርኢ ኣለና፡ እዚ ሓድጊ ናይ’ቲ ወያነ ዘተኣታተዎ ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ስርዓተ-ፖለቲካን ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣገባብ ኣተግባብርኡን እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ መማእዘኒ ማእከላይ መልእኽቲ (narrative) ክሳብ ዘይሰወደ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልላትን ማእከላይ መንግስትን ዘሎ ትኹላዊ ምትፍናን ይኹን እቲ ኣብ መንጎ ሕ/ሰባት ኢትዮጵዕያ ዘሎ ጋድማዊ ምፍሕፋሕ ክቕጽል እዩ።

መዋቕር ሓበረታና ከየማዕበልና፡ ምስ’ዛ ብትዊተር ወይ ፊስቡክ ኣእላፍ ስራሕ-ኣልቦ መንእሰያት ናብ ዘመተ ጥፍኣት ክተኽትተላ ትኽእል ኢትዮጵያ፡ ምስ’ዛ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝብድሁ ክልላትን ዝርከቡላ ሃገርን፡ ንማእከላይ መንግስቲ (ንሰራዊቱ ከይተረፈ) “ሹት ትሓልፍያ” ዝብሉ ጭፍራታት ብናይ ደቓይቕ ግዜ ብፌስቡክን ትዊተርን ክተለዓዕለላ እትኽእል ኢትዮጵያ፡ ብኸመይ ኢልና ኢና ምስ ሕንባበኣን ጽላለኣን ዘብዘብ ክንብል ንኽእል? እቶም ንገብሮም ስምምዓት ኸ ክሳብ ክንደይ ቀየድቲ ክኾኑ ይኽእሉ? ንሰራዊቱን ክልላቱን ክእዝዝን ክቖጻጸርን ዘይክእል ማእከላይ መንግስቲ፡ ብሓቂ ነዚ ን20 ዓመታት ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ዘህለቐን ዘተፋነነን ጉዳይ ዶብ ክዓጹ ኸ ዓቕሚ ኣለዎ’ዶ? ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ስምዒታትን ስምዒታውነትን ጭፍራዊ ማዕበላትን ይመርሑ ኣለዉ ክንብል ንኽእል ኢና። ፈደራል መንግስቲ ይኩን ናይ ክልላት መንግስታት ዳርጋ ከም ጅሆ ናይ’ዞም ብድሕሪት ንስምዒታት ህዝቢ ዘለዓዕሉ ባእታታት ኮይኖም ኣለዉ። ስለ’ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ-ፖለቲካ፡  ኣሰርን ሳዕቤናትን ህዝባዊ ተቓውሞ ዝርዳእን ዝሰምዕን እዩ። እኳ ደኣ ናብ ስርዓተ-ኣልቦነት ወይ ፋሉልነት (anarchism) ከየምርሕ የስግእ። እቲ ካብ ማእከላዊ መንግስቲ ክመጽእ እትፈርሖ ጸቓጥን መላኽን ባህርታትን እቲ ካብ ስምዒታውነት ናይ ህዝብን ካብ ጭፍራዊ ናዕብን ክመጽእ ዝኽእል ስግእት ናይ ስርዓተ-ኣልቦነት ዝቕልስ ፖለቲካውን ሕጋውን ትካላት መንግስቲ ክድልድሉ ኣለዎም።

ኣብ ኤርትራ እንተመጸና፡ ብኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንርእዮ ዘለና፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ናይ መኸተን ኣዝዩ ፍጹማዊ ምእኩል ምሕደራን ዘሎ ህዝቢ እዩ። ብኣንጻር ናይ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ኢንተርነት ይኹን ናይ ብዙሓን መራኸቢታት ዝርጋሐ የለን። ዕድል ይኹን ባህሊ ናይ ህዝባዊ ተቓውሞ የለን። ስለ’ዚ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካካዊ ስርዓታት ይኹን ናይ ኣሰራርሓ ባህሊ ብፍጹም ዘይራኸብን ነቲ ኣብ መንጎአን  ዝካየድ ርኽባት ድማ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ዝሰምዕን ዝፈርህን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን “ናይ ህዝቢ ተቓውሞ” ክሓስቦ ይኹን ከጋጥሞ ዘይጽበ ስርዓት እዩ። ንርእሱ እቲ ኣምር እውን ንዕኡ ጓና እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ጎስዩ ክኸይድ ዘለዎ ተኽእሎ ወይ ዓቕሚ (threshold) ኣዝዩ ታሕቲ እዩ። ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ ተቓውሞ እንተተላዓዒሉ ክምልሰሉ ወይ ምስ ህዝቢ ክጋባእን እሂን-ምሂን ክበሃሃል ይግደድ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ተቓውሞን ሰላማዊ ሰልፍን ለሚዱ እዩ። ጽቡቕ እውን እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝኣክል ሰብ ራዕ ኢሉ እንከሎ ‘ኳ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ከ ቓል ከምሉቑ። ክሉ እቲ ብዛዕባ ዶባት ምዕጻውን ምኽፋትን፡ ብዛዕባ መስርሕ ግስጋሰ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ካብ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ንረኽቦ ኣለና። ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ። ከም ዝመስለኒ፡ ኮነ ኢልካ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከልዕሎ ትጽቢት ዝተገብረክሉ ዓበይቲ ሕቶታት ብእዋኑ ንምድኻሙ ዝግበር ዘሎ እዩ። ቀደም ናይ “ኣይሰላምን ኣይኲናትን” ሃዋሁ ርዒምና፡ ንክሉ ሕመቕን በደላትን መንግስቲ ምኽንያት ክንገብረሉ ልምዲ ኣጥሪና (conditioned ኮይና) ሕጂ ድማ ነቶም ናይ ሕጂ ናይ “ሰላም ሃዋሁ” ጸይርዎም ከመጹ ዝተጸበናዮም ሱርነቀል ለውጥታትን መጻኢ ኣንፈትና ዝሕብሩ ናይ ዳግመ ስርርዕ ጅማሮታትን፡ ከምኡ እውን እቶም ንሶም ክህብዎም ዝኽእሉ ተስፋን ሩሕን ይሂወትን) ከይነቐሉ ክቕምስሉ ዝተኣመመ ኣካይዳ ይመስል። ነቲ “ኣብ ኤርትራ ወላ ሓንቲ ለውጢ ኣየድልን፡ ንኺድ ጥራይ ከም ቀደምና” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ክንውሕጥ ዝግበር ዘሎ ናይ ዳግመ ታዕሊም (reconditioning) መደብ  ኮይኑ ይስመዓኒ።

ስለ’ዚ፡ ክልተ ዝተፈላለየ ፖሊቲካዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት እየን። ኣብ ህዝበን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት እውን ርኡይ እዩ። ኣብ ዝገብርኦ ርክባት ክጸላለዋ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ፡  በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ግን፡ ኣብቲ ዝግበር ርክባት፡ ኤርትራ ከይትጉዳእን ከይትግዳዕን (disadvantaged ከይትኸውን) ስግኣት ኣለኒ።

“ኣይባህልናን እዩ(?)”

ንመንግስቲ ኣመልኪትና ብዛዕባ ድኻም ሓበረታ ኣብ ንዛረበሉ፡ ገለ-ገለ ኣፈኛታት መንግስቲ ኮይኖም ዝዛረቡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ “ባህልና ኣይኮነን” ይብሉ። ዝስሕትዋ ዘለዉ ነገር ግን፡ ሕ/ሰባዊ ባህሊ ይኹን ፖለቲካዊ ባህሊ (ኣብ ሓደ ስርዓት ዘሎ ጥርኑፍ ፕሊቲካዊ ኣመለኻኽታን እምነታትን ኣተሓሳስባን ልምድን) ማዕበልቲ እዮም። ምስ ግዜን ኩነታትን ይቐያየሩ እዮም። ኣብ ግዜ ሰውራ ዝነበረ ኣሰራርሓን ልምድን ከም ዘለዎ ኣብ ግዜ ሃገርነት ( ናጻ ኤርትራ) ክተተግብሮ ኣጸጋሚ እዩ። ነቲ ገስጋሲ ወገኑ ከም መሰረት ናይ ሃገራዊ ህንጸት ክትወስዶ ትኽእል፡ ነቲ ጎታቲ ጎድኑ ግን ያዕ ትብሎ፡ ብሓድሽ ኣመለኻኽታን ኣገባ ስራሕን ትትክኦ። ብሓፈሽኡ፡ ንለውጢ ወይ ንሓድሽ ነገር ፈሪሑ ኣብ ሓደ መድረኽ ተዓጽዩ ዝነብር ባህሊ ዳርጋ ሞይቱ እዩ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ሕ/ሰባትን ባህልታቶምን ምስ ምቕይያር ግዜ ከርክቡ ስለዘይከኣሉ ተሪፎም እዮም። በልዮም፡ ተረሲዖም።

ይኹን እምበር ብኣንጻር ምጉት ናይ’ዞም “ኣፈኛታት መንግስቲ” ኮይኖም ዝስመዖም ሰባት፡ ሕ/ሰባት ኤርትራ ካብ ጥንቲ እንዳማዕበለን እንዳተራቐቐን ዝመጸ ስርዓተ-ሓበረታ ነይርዎ እዩ። ብደርፍታት፡ ኣፈ-ታሪኽ፡ ብምብጽጻሕ፡ ኣብ ባይቶ፡ ኣብ ዕዳጋ፡ ኣብ መርዓን ሓዘንን ሓበረታ ክለዋወጡ ጸኒሖም እዮም። ንኣብነት ኣብ ሕ’ሰብ ትግረ፡ ክልተ ገያሾ ኣብ መገዲ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፡ ሰላምተኦም ክሳብ ፍርቂ ሳዓት ክኸይድ ይኽእል። ብዛዕባ ኩነታት ኣየር፡ እንስሳ፡ ሕርሽ፡ ብዛዕባ ዝሞተን ዝተወልደን ዝተሓጽየን ዝተመርዓወን፡ ብዛዕባ ኩነታት ዕዳጋ —ወዘተ ከይወድኡ ኣይፈላለዩን እዮም። ክፈላለዩ እንከለዉ እውን ክሳብ ክሰማምዑሉ ዘይክእሉ ርሕቐት ዝበጽሑ ዕላሎም ይቕጽል። ኣብ ካልኦት ሕ/ሰባት ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ልማዳት ከምዘሎ ተዓዚበ እየ። ኣብዚ ነዛ ኣርእስቲ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ህሞት፡ ካፈታትን ኣብያተ መግብን ሃገርና ብተላኻዒ ወረታት ሂር እዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ዘይወግዓውን ክተጻርዮ ዘይትኽእልን መርበብ ወረ’ዚ ሓድሽ ናይ ሓበረታ ምድብ (category) ካብ ዝወሃቦ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። “ባዶ ሰለስተ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ከም ልሙድ መተሓላለፎኢ ሓበረታ ተወሲዱስ ኣብ ኣተሓሳስባና ሱር ሰዲዱ እዩ።  ኣብ ኤርትራ ክሳብ ስሩዕን ሕጋዊ ደገፍን ዘለዎ ስርዓተ-ሓበረታ ዝትከል “ባዶ ሰለስተ” ክዕምብብን ክላባዕን እዩ። ብዙሓት ክኢላታት እውን ኣፍርዩ እዩ። ሓበረታ ምርካብ መሰረታዊ መሰል ወዲሰብን ናይ ክሉ ፍጡርን እዩ። እንስሳታት እኳ ናይ ገዛእ ርእሶም ሓበረታ ዝእክቡሉ ስርዓታት ኣለዎም። ክፋረዩ ይኹን መግቢ ክረኽቡን ካብ ተጻባእቲ ክሕብኡን ኣብቲ ዘማዕበልዎ ስርዓተ-ሓበረታ ይምርኮሱ። ብዘይክኡ ክነብሩ ኣይክእሉን። ኣብ መንግስቲ መጺእና እሞ፡ እቲ ዝሓሸ ነቲ ወረ ባዕሉ ክውጀሆን ክቖጻጸሮን ምሓሾ። መንግስቲ እንተዘይገበሮ፡ ክኢላታት ባዶ ሰለስተ ኣለዉ። በቲ ንሶም ዝደልይዎ መኣዝን ክጠውይዎን ክጠናንግዎን እዮም። ምስሳን ባዶ ሰለስተ ንድኻም ስርዓተ-ሓበረታ ናይ መንግስቲ እዩ ዘንጸባርቕ። ብዘይካ እዚ እውን ጸላእቲ ነዚ ሃጓፍ’ዚ መዝሚዞም ኮነ ኢሎም ገጋ ሓበረታታት ከናፍሱ ይኽእሉ (disinformation)፡ እዚ ፍሉጥ ስለያዊ መርባባትን ዝጥቐሙሉ ኣገባብ እዩ።

እቲ ኻልእ ጎኒ ኸ—

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፡ እቲ ተኣማንነት ከጥሪ ዝግበኦ ዝነበረ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ናይ ሓበረታ መርበባት እዩ። ክሳብ ሕጂ ብተበግሶ ውልቀሰባት ዝግበር ወብሳይታት፡ ናይ ዩ ትዩብ ቻነላት፡ ናይ ፌስቡክ ገጻት፡ ትዊተራት፡ ፓልቶካት—ወዘተ ዜጋታት ከሳትፉ ይጽዕሩ እዮም። ማእከላዊ መልእኽቲ ከመሓላፉ ግን ኣይከኣሉን። ብሰንኩ ድማ ገለ ገለ ውልቀሰባት ነዚ ዕድል ንኣዕናዊ መደባት ክጥቀሙሉ፡ ንሓቅታት ክጥምዝዙ፡ ክብርዙ፡ ንሕ/ሰባት ከዋቕዑን ይረኣዩ እዮም።  ነቶም ሃገራዊ ኣጀንዳ ዘሰላስሉ፡ ኣብ ሃገርና መሰል ዜጋታት ክኽበር፡ ቅዋማውን ትካላውን ኣሰራርሓ ክበጋገስ፡ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ክነግስን ልዕልና ህዝቢ ቦትኡ ክረክብን ዝጽዕሩ ዜጋታት ኣኽብሮተይ እገልጽ። ነቶም ህዝብና ክተናቕቱ ድቃስ ትስእኑ ዘለኹም ድማ ምሕረት የውርደልኩም ጥራይ እየ ዝብል፡ ምኽንያቱ እዚ ንርእዮ ዘለና ዘራጊ ዘመተታት ካብ ሕሙም ኣእምሮ ዝምንጩ እዩ።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዞም ዘረግቲ ዘመተታት ኮይኑ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ፌስቡክ ቀጥታዊ መልእኽተይ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብሓባራዊ መስዋእቲ ኤርትራውያን ዝተነድቐ እዩ፥ እቲ ናይ ሓባር ቃልስና ነቲ ዝበዝሐ እጃም ናይ ህንጸት ሃገራውነት ወዲእዎ እዩ። ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ነዚ ናትና ዕድል ክረኽባ ምተመነያ ነይረን” ኢለ ነይረ። ሓቂ እዩ። ሎሚ ኤርትራ ክትመታትሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ብሓድነትና ከይንጻወት ብደምና ዝመሓልና ህዝቢ ኢና። ሓደ ህዝብን ደቂ ሓንቲ ሃገርን ኢና (We are one people and one nation)። ዘሎ ጸገማት ብምክብባርን ምርድዳእን ጥራይ ኢና ክንፈትሖ ዘለና። ንሓደ ክፋል ኤርትራ ናይ መንነትን ናይ ምንባርን መሰል ሓሪምካ ብስም ኤርትራ ክትዛረብ ኣይከኣልን። ጎደሎ ኤርትራ ዝበሃል የለን። ወይ ኤርትራ እያ ወይ ድማ ኤርትራ ኣይኮነትን። እዚ ነቶም ብስም ክርስትናን ምስልምናን ንሕ/ሰባት ኤርትራ ክትጎዛዝዩ እትህቅኑ ዝምልከት እዩ። ነቶም ሕሙማት ምሕረት ከውርደሎም ጸሎተይ እዩ፡ ነቶም ተጎተትቲ ድማ “ዓፍራ ከይትረግጹ መሲሉክም እምኒ” ክብለክም እደሊ። ኣብ ወጻኢ ኮይንካ ንሕ/ሰባት ክተፋልስ ምጽዓር ናይ ሕማቓት ስራሕ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሃገራዊ ኣጀንዳታትናን ኣቀራርበኦምን ክዝረጉ ዝኸኣሉ ማእከላዊ መልእኽቲ ዘይምህላው እዩ። ክሉ በብዘለዎ የጣቕዕ ስለዘሎ፡ እዞም ሰራማት ዲል ይረኽቡ ኣለዉ። ስለ’ዚ ክሎም ግዱሳት ወገናት፡ ነቲ ብሕመቕ ወይ ብሰንኪ ዘይድሌት መንግስቲ ዝኽፈት ዘሎ ጋግ ንምምላእ እወታዊ ተበግሶ ክወስዱን፡ ንጻዕርታቶም ከስምሩን ከወሃህዱን እጽውዕ።

ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን

sheideli95@gmail.com

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s