Categories
Uncategorized

ኣይትዓድልለይ ሰዓተይ… (A Commentary)

ኣይትዓድልለይ ሰዓተይ…
3ይ ክፋል
ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ ቅጺ-2

ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተኸታቲላ ትወጽእ ዘላ ዛንታ እያ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ካብ ዛንታ ገድሊ ቅጺ-2 ዝተወስደት እያ። ክሳብ ሕጂ ሳልሳይ ክፋል በጺሓ ኣላ። ንሎሚ ከተኩረሉ ደልየ ዘለኹ ዛንታ ደቀንስትዮ ኤርትራ እዩ።

እቲ ፍጻመ፡ ብ 1984 ንግንባር ውቃው እዝ ንምድምሳስ ዝተፈጸመ ቀዳማይን ደምሳስን መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ። ኣሃዱታት ህ/ሰራዊት ቅልጣፈአን ስለዘይተወሃሃደ፡ እቲ ብስልዃ፡ ብድሕሪት ንቀንዲ መናሃርያ ናይ ግንባር ጸላኢ ክትርግእ ዝነቐለ ብርጌድ 23ን ተደራቢ ኣሃዱታትን ድሕሪ ገለ ጸገማት ኣብ ቦትኡ በጺሑስ ሽቶኡ ወቒዑ። ይኹን እምበር እቶም ግንባራዊ መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ዝበዝሑ ክፋላት ህ/ሰራዊት ብፍላይ ድማ እቲ መካናይዝድ ኣሃዱ ብቕልጣፈ ነቶም ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ተኸቢቦም ዝነበሩ ተጋደልቲ ከርክብዎም ስለዘይከኣሉ ብርጌድ 23ን ተደረብቲ ኣሃዱታትታን ኣብ ሌጣ ጎላጉል ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ንመካናይዝድ ኣሃዱታት ጸላኢ ተሳጢሓ። ጸላኢ እውን ብኡ ንብኡ እቲ መጥቃዕቲ ዘይተወሃሃደ ምዃኑ ስለዝፈለጠ ሓይሉ ኣብታ ተኸቢባ ዝነበረት ብርጌድ ገይርዎ። ተጋደልቲ ብርጌድ 23ን ምስኣ ዝኣተዉ ተደረብቲ ብጾትን ኣብቲ ጎላጒል ብዙሕ ቅያ ከምዝፈጸሙ ይንገር። ጽምእን ጥሜትን ድኻምን ገጢሞዎም፡ ምስ ሓጺንን ሓውን ተጋጭዮም። ከይማረኹ ነብሶም ፈንጂሮም፡ ዝወደቐ ብጻዮም ከይገድፉ ንነብሶም በጅዮም። እዚ ዘይበሃል መስተንክራዊ ቅያታት ፈጺሞም፡ ዝበዝሑ ፈንጺጎም ክወጹ እንከለዉ፡ ብዙሓት ግን ቦምባኦም ፈጂሮም ብጅግንነት ተረፉ።
በብዓይነቱ ምንስሓብ ወይ ኣዘላልቃ ኣሎ፡ እንዳ ተኸላኸልካ ምዝላቕ ኣሎ። እዚ ነቲ ኩነታት እንዳተቖጻጸርካ ኣብ ትጓዓዘሉ እዩ፡ ኣብ መንጎ እውን ነእሽቱ ጸረመጥቃዕትታት ክሕውስ ይኽእል። ኩነታት ካብ ቁጽጽርካ ወጻኢ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ግን፡ “በብዝጥዕመካ ውጻእ” እዩ ዝኸውን። ከከም ኩነታቱ ድማ ወይ ብጉጅለታት ወይ ብውልቂ ፈንጺግካ ምውጻእ እዩ። ዕላማ ናይ’ዚ ስልቲ እዚ፡ እቲ ኣሃዱ ንውጉኣት ወይ ስዉኣት ከልዕል ክብል ወይ ኣቕሑ ከውጽእ ክብል ዝኸፍአ ክሳራር ከየጋጥም እዩ። ሓደ ውግእ ኣብ ውሽጢ እቲ ነዊሕ ኲናት እዩ ዝረአ። ሓደ ውግእ ከም ሓደ ንእሽቶ ቀለቤት ናይ’ቲ ነዊሕ ሰንሰለት እዩ። ስለ’ዚ፡ ምእንቲ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ ክትዕቅብ፡ ብሉጻት ብጾትካ ከይቐበርካ ምውጻእ ወይ ውጉኣትካ ከየልዓልካ ምውጻእ ዝእዘዘሉ ኩነታት ነይሩ እዩ። ብርጌድ 23 እዚ እዩ ገጢምዋ።

ንሎሚ፡ ንተራ ደቀንስትዮ ዝምልከት ካብታ ሓንቲ ክፋል ጥራይ ዝረኸብክዎ ከካፍለኩም። ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱታት ይኹን ኣብ ክፍልታት ናይ ውድብና (ህግሓኤ) ወካሊ ተራ ደቀንስትዮና ምንባሩ ስለዝኣምን።

ንእግረመገድና፥ ደቀንስትዮ ኣዝየን ተባዓት ምባረን ምጥቃስ ኣድላዪ እዩ። ብመጠን ናይ’ቲ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዝነበረን ብዝሐን (ratio) ምስ ዝረአ፡ ብፍርሒ ይኹን ህድማ ኣይዝከራን እየን። ብድፍረተንን ትብዓተንን ብጽንዓተንን እየን ዝዝከራ። እዚ ሓቂ እዩ፡ ንፖለቲካ ኣይኮንኩን ዝብሎ ዘለኹ።

ተጋደልቲ በዚ ፍጻመ ናይ ብሓቂ ሓሪቖም ስለዝነበሩ፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዘይመልእ ንግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል (ውቃው) ጸራሪጎም ንሓዋሩ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ጒሒፎሞ። ብድሕርኡ ውቃው እዝ፡ ውጥም-ቅልቅል እንተዘይኮይኑ ብመሰረቱ ጥዕና ስኢኑ ማሲኑ፡ ድሕሪ ናይ 1988 ናይ ናደው ምድምሳስ ድማ ህላወ ስርዓት ደርግ ኣብ ሳሕል ኣኽቲሙ።

ስዒቡ ዝቐርብ፡ ካብዛ ሳልሳይ ክፋል ናይ’ታ ዛንታ ዝተወስደ ንደቀንስትዮ ዝምልከት እዩ።

  1. “…ዝኾነ ጉርዒ ወይ መኸወሊ የብሉን። ሰጣሕ ጎልጎል እዩ….ርቕያ መሓመድ እትበሃል ብጸይትና ኣብኡ ትስዋእ። ሓኪም ንሓደ ውጉእ እናሓከመ እንከሎ፡ ንሳ ትሕግዞ ነይራ። ጥይት ናይ ዙ-23 ረሻሽ ንዓኣን ነቲ ውጉእን ደሪቡ ዘቢጡዎም። እታ ጥይት ብኹሊት ርቕያ ኣትያ፡ ነቲ ውጉእ ለኪማ’ያ ወጺኣ። እቲ ዝገርመካ፡ ርቕያ ሽዑ’ያ ካብ እንዳ ኣዴታት (17) መጺኣትና። ‘ጽንሒ’ እናተባህለት እያ ‘ኣይተርፍን’የ’ ኢላ ኣብቲ ውግእ ኣትያ….”
  2. “…ሓባሪት እንብላ ትርሓስ ሃይለን ካልኣይታ ሳባ ሃይለን ኣየላበዋን። ብጥይት ተሃሪመን ሽዑ ንሽዑ ተሰዊአን”
  3. “…ኣስማት ናይተን ርእሰ-መስዋእቲ ዝፈጸማ፡ ተወጊአን ዝተረፋ፡ ነቲ ጎልጎል ሰንጢቐን ዝወጻ….ደቀንስትዮ ደቂ-ኣሃዱኡ እናልዓለ ከዕልል፡ ኣብ ምሉእ ኣካላተይ ገለ ዓይነት ተዘዝታ ይስምዓኒ ነበረ። ኣብ ዕላሉ፡ ትርሓስ ሃይለ ማራ ቀያሕ ብምዃና “ሓባሪት” ብዝብል ሳጓ ከምዝጽውዑዋ…. እንሓንሳብ እውን 4. “ክሻፋ” ከምዝብሉዋ…. ለማሽ ጸጒሪ ርእሳ፡ ጓል ኣስመራ ምዃና…. ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ንገድሊ ከምዝወጸትን ካብተን ኣለዋ ዝበሃላ ተዋጋእቲ ኣዋልድ ናይታ ሓይሊ ምንባራን ገለጸለይ”
  4. “…ለምለም ሓጎስ ካብ ካናለ ወጺእና ክንጎዪ ምስ ጀመረና፡ ነብሳ ትፍንጅር። ናይ ቀደም መውጋእቲ ስለዝነበራ ቁሩብ ትሕንክስ እያ”
  5. “…ሓንቲ ጓል ጸጋይ እንብላ’ውን ከምኡ፡ ቦምባኣ ትፍንጅር። ቀያሕ፡ ኮርዳድ ጸጒራ፡ ሓያል ተዋጋኢትን ሕውስትን’ያ ነይራ”
    “…ለምለም ጓል ጎይታና’ውን ርእሰ መስዋእቲ ካብ ዝፈጸሙ እያ። ለምለም እውን ኣብ 5ይ ወራር ተወጊኣ ነይራ እያ”
  6. “… ከም ውጉኣት ተመሲለን ዝወደቓ እየን። ሰዓት 5፡00 ናይ ምሸት’የን ወጺአን–ኣነ ምስአን እየ ነይረ። ጥቓኻ መን ኣሎ ጥራይ ኢኻ ትፈልጥ፡ ዳሕራይ ግና መውጽኢኻ ከተናዲ ከሎኻ ትራኸብ…. ኤልሳ ታደሰ ኣባል ባህሊ’ያ። ንሳን ጓል ጫሕማ ዝብሉዋ ኣብርሀት ጎይትኦምን፡ ብሓደ ኢና ወጺእና”

ንኡስ ወለዶ፡ ዘሕብን ዛንታ ኣለካ፡ ብግዘያዊ ሽግራት ከይትደናገር። ኤርትራ ሃገርና ተስፋ ዘለዋ ዓዲ እያ። ዝኸሰረቶ ግዜን ዕድላትን ክንመልስን ብዕጽፊ ንቕድሚት ክነሰጉማን ሓባራዊ ምርድዳእን ምምኽኻርን የድሊ። ነብሰ-ወከፍ ወለዶ ነቲ ሃገራዊ ህንጸት ሓሓንቲ ቀጸላ ወይ ደረጃ እዩ ዘቐምጠሉ። ተራኻን ግደኻን እዩ። ኣሰርካን ምህዞኻን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቦታትካን ኣያታትካን ዘሰላሰልዎ መንደቕ ሃገራዊ ህንጻ ክተንብርን ክትውስኽን ኣለካ። ክሎም ወለዶታት በቲ ዝነበርዎ ግዜን ኩነታትን ዘጋጠሞም ብደሆታትን ዝቐሰምዎ ተመክሮታትን እዮም ዝሕጸሩ። ናይ ግዜ ገድሊ ወለዶን ናይ ሕጂ ወለዶን ግድን ኣይኮነን ሓደ ክኾኑ ወይ ከኣ ብጥራሽ ክፈላለዩ። ከም መቐጸልታ ናይ ሓደ ዋሕዚ እዮም።

ዘልእለማዊ ዝኽሪ ነቶም ብዘይካ ራህዋ ኤርትራ ካልእ ጥሙሓት ዘይነበሮም ጀጋኑ ኤርትራ።

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s