(https://www.facebook.com/mahmud.hamed.148/posts/894403397432818?tn=K-R)
- ኣብዚ ዝሓለፈ ኣስታት ዕስራ ዓመታት፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ትስፉው ለውጥታት ክዉን ንምግባር ኤርትራ ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ክንሳ፡ ብሰንኪ ሕምቐት መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ መድረኽ ወይ ማእከል-ምርኢት (spotlight)፡ ኢትዮጵያ ሰሪቓቶ። ሰላም ብተበግሶ ኢትዮጵያ እምበር፡ ኤርትራ እዚ ክሉ ዓመታት ንሰላም ዋጋ ከም ዝኸፈለትን ሰላም ዝደሊ ወገን ትጽበ ከምዝነበረትን ዝዝክር ሰብ ውሑድ እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ በሪ ናይ’ዚ ሓድሽ መድረኽ ንምኽፋት ይኹን ከምዝተኸፍተን ብናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር እያ ዓለም ሰሚዓ። ንሕና እውን ከም ዓለምና ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሰሚዕናዮን ንሰምዖን ኣለና። ቅሩብ ‘ኳ ንእሽቶ ሕልፊ ከይህልወና። መንግስና ዓባስ ኮይኑ።
- ወያነ ምስ ክሉ ኣንጻር ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ሸርሕታቱ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ገጽ ፕረሲደንትና “ናይ ቀደም ሕሳባትና ኣይንገናጽል” በለ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ከም “ናይ ትማልን ዝኣረገን ስርዓት” ተባሂሉ ርዖኡ’ኳ ክጥቕልል ዕድል ብዘይህብ መገዲ ናብ ትግራይ ከምዘይተሰጐ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ ኣብ ገጽ ፕረሲደትና ናይ ሕሉፍ (ኣረጊት ስርዓት) ከምዘይኮነን ናይ መጻኢ ምዃኑን እዩ ነጊሩ። ጽቡቕ መደረ። ይግበረልና ጥራይ ንብል። ንሕና እውን’ኳ ወያነ ክሕደስን ናብ መጻኢ ክጥምትን ኢና ልደልዮ። ግን ሕጂ እውን እቲ ናይ ኤርትራን ትግራይን ናይ ምቅርራብ ስራሕ ብወያነ ተባሒቱ። መንግስትና ኣዝዩ ዓባስ እዩ። ንወያነ ብናይ ሕሉፍ (ኣረጊት ኣተሓሳስባ) ንኸሶ እሞ ንሕሉፍስ ሕሉፍ ከይህልዎ ንሰግእ ኣለና።
- ብሓፈሽኡ፡ ዜናን ትረኻን ናይ’ዚ መስርሕ ሰላም ብኢትዮጵያውያን ዝዝወር ኮይኑ ጸኒሑ። ናብ ኲናት ንምኻድ ዘገደድ ምኽንያት ልኡላውነት ኤርትራ ንምኽባር ነይሩ ካብ ተባህለ፡ ናብ ሰላም ንምኻድ ድማ ልኡላውነት ኤርትራ ከምዝተኸብረ ዘረጋግጽ መርትዖታት ብመንግስቲ ኤርትራ ክግለጽ ኣለዎ። ዝተገብረ ድግሳት ይገበር፥ ዓይንና ካብቲ ኣሽሓት ዝበልዐ ዶብናን ልኡላውነትናን ከቶ ኣይከዝብልን እዩ። እታ ዶብና ክትጥረር ኣለዋ’ሞ ድሕርኡ ክንሞጋገስን ክንትሓቛቐፍን።
ሰራዊታት ምፍንታቶም ጽቡቕ እዩ። ግን ኣንፈት ይኹን ናይ ግዜ መቓን ናይ’ዚ መስርሕ ብመንግስትና ክንሰምዕን መንግስትና ኣፉ ከፊቱ ምስ ህዝቡ እሂን-ምሂን ክብልን ክንደይ ምፈተና። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ልኡላውነት ኤርትራ ንምኽባር ኣብ ጎድኒ መንግስቶም ደው ዝበለኡ ኣባላት ህግድፍ ይኹን ዘይኣባላት ኤርትራውያን ክብሪ ምኾነ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን ብኣምሳሉ (ማለት በቶም መግለጺ ይኹን መብረሂ ዘይደልዩ ንዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝድግፉ) ጥራይ እንተዘይሓስቦም ጽቡቕ ነይሩ። ከመይ ሲ ልቢ መንግስትና ክነንብብ ዘይከኣልና ብዙሓት ኤርትራውያን ኣለና። መንግስትና ድማ ናይ ኩልና ክኸውን ይግባእ- ነቶም ልቢ መንግስቶም ዘንብቡን ነቶም ልቢ መንግስቶም ከንብቡ ኣኻእሎ ዝሰኣኑን። - ብዝተረፈ፡ ኣብ መንግስቲኢ ኤርትራን ኣካይድኡን ዝረአ ዘሎ ሱቕታ ብፍጹም ምኽንያታዊ ኣይኮነን። ኣዝዩ ሓላዂ ዝኾነን መንስታዊ ባህሊ ስለዝሳዕረረ ክኽወን ይኽእል። እዚ ግን ክስበር ኣለዎ። ከም ቀደም ይመስለክን ውሒጅ ይወስደክን ከይከውን፡ ወይ ማዕረ ፍጻመታት ዝጓየ ናይ ሓበረታ ምክፋል መርበባት ከማዕብልን ንዜጋታቱ ከካፍልን ኣለዎ ወይ ድማ ኣብ ከዘንትዎን ከካፍሎን ዘይክእል ፍጻመታት ክጎዪ የብሉን።
- ዘሕዝን እዩ። በዚ ዝረአ ዘሎ ክንፈርዶ እንተኮይኑ፡ ብደረጃ ሃገራት፡ ማለት ብደረጃ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ሓደ ቀዳማይ ሚኒስተርን ክልተ ማዕረ-ፕረሲደንትታትን (co-presidents) ዘለዉና ኮይኑ ይስመዓኒ። ብደረጃ ትግራይን ኤርትራን ክረአ እንከሎ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ወያነ እዩ ነቲ ትረኻ (narration) ተቖጻጺርዎ ዘሎ። Good for you Dr. Debretsion. ግን መንግስትና ኣፉ ንክኸፍት ምሕታት ኣዝዩ ዓቢ ድዩ?
- ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ዝገብሮ ናይ ትዊተር ለጠፋ ጽቡቕ ‘ኳ እንተኾኦነ፡ ዘድልየና ዘሎ ደድሕሪ ፍጻመታት እንዳጎየኻ ንዜናታት ምቅዳሕን ምልጣፍን (copy and paste) ዘይኮነስ፡ ንጡፍ ናይ ዜጋታት ጽምዶ ምትእትታውን ምብርታዕን እዩ። እቲ ሚኒስተር ዝልጥፎ ዘሎ ትዊተራት ኣብ ሻባይት.ኮም ክነንብቦ ንኽእል ኢና። ኢትዮጵያ ናይ ወደባትን ናይ ንግድን ካልእ ሓይሊ ዕማማት ኣቚማ ክትጓየ እንከላ፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሰምዐ ነገር የለን። ውሳነታት ብኸመይ ከምዝውሰዱን ዝትግበሩን’ኳ ኣይፍለጥን። እዚ ኣዝዩ መባእታዊ መሰል ናይ ዝኾነ ዜጋ እዩ።
- ብሓፈሽኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ በይነ-ሃገራት ይኹን ኣብ ዞባናን ዘርእዮ ዘሎ ተበተብ ዝምስገን እዩ፡ ይኹን እምበር ኣብቲ ንዘቤታዊ ጉዳያት ዝምልከት ክግበር ዝግበኦ ምድላዋት ይኹን ኣብቲ ንመስርሕ ዞባዊ ሰላም ዝትንክፉ ፍጻመታት ምስ ዜጋታቱ ኣብ ዕቱብ ጽምዶ ክኣቱ ኣለዎ። ኣብቲ ንዞባና ዝምልከት ጉዳያት ብናይ ማንትለ ፍጥነት እንተጎየየ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እውን እንተወሓደ ቅሩብ እታ ልምድቲ ናይ ኣባጎብየ ለመምታ እንተዘርኢ ክንደይ ተስፋ ዝህብ ምኾነ። ወላ እታ ናይ ኣባጎብየ ለመምታ ኢና ‘ኳ ስኢናያ።
- ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድንን ከይበለ (ቅርጹ-ከይሰበረ) ኣብ ዛላምባሳ ምስ መራሕቲ ወያነ ካብ ተዛነየ፡ ዘስግእ ነገር የለን ማለት እዩ፡ ብኩነተ-ኲናት ዝግበር ምኽንያታት ኣብቂዑ እዩ። ተሪፉ ዘሎ ዕማም ምውዳንን ምጽፋፍን ዘቤታዊ ዕዮና እዩ። ድሕሪ ሕጂ ወያነ ዝበሃል ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣይክህሉን እዩ። ምኽንያቱ፡ ፕረሲደንትና ባዕሉ ምስ ወያነ ምውቕውቕ ምባል ሓላል እዩ ኢሉና ኣሎ። እቲ ዶብናን ንዕኡ ንምኽባር ዝተሰውኡ ሰማእታትና ግን ገና እቲ ቀንዲ ዕማምና ኣይተጀመረን ይብሉና ኣለዉ።
- ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ዛላምባሳ ምስ መራሕቲ ወያነ ምርኻቡ ተባዕ ስጉምቲ እዩ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ናይ ሰላም መስርሕ ባዕሉ ከማእዝኖን ከዘንትዎን ክቖጻጸሮን ዕድል ነይርዎ እዩ። ደድሕሪ ኣዲስ ኣባባ፡ እታ ትቕጽል ንመራሕቲ ወያነ በዳሂት ክትከውን ዝግበኣ ዝነበረ ስጉምቲ፡ ናብ መቐአ ምኻድን ንቤትምኽሪ ትግራይ መደረ ምግባርን እያ ነይራ። ወይ ከኣ ከምኡ ክገብር ድሌት ከምዝነበሮ ግን ከም ዘይጠዓሞ ምግላጽ እያ ነይራ። እታ ዕድል እቲኣ ኣምሊጣ፡ መራሕቲ ትግራይ ብልክዕ ነዚ ዙር እዚ ብኣውዲቕካ ምስዓር (KNock out) ደምዲሞሞ ኣለዉ። ክሉ ብሰንኪ ስእነት ፖለቲካዊ ምትዕጽጻፍን ብሰንኪ ናይ ግዜና ናይ ሚድያን ናይ ልስሉስ ዲፕሎማሲ (soft diplomacy) ኣገዳስነትን ጥበባት ዘይምኽኣልን እዩ።
- እዚ ክሉ ዘነጽሮ እንተሎ፡ መንግስትና ሓገዝ የድልዮ ከምዘሎ እዩ። ምእንቲ ኤርትራን ሓድጊ ጅግና ህዝባን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኤርትራውያን ንምድማር ኣብ ዕቱብ ስራሕ ክኣቱ ኣለዎ። መቸም ኢትዮጵያን ዞባና ደሚርዎ እንድዩ። ተሪፉ ዘሎ ዝቤታዊ ምድማር ዓቕምታት ኤርትራ እዩ። ኤርትራ ዓቕምታታ ከተኣኻኽብ ኣለዋ። ብዙሕ ብኮታት ንርኢ ኣለና። ከምዚ ኢሉ እንተቐጺሉ፡ ኣስጋኢ ክይኮነ ኣይክተርፍን እዩ። ዝቕጽል ኣተኩሮ ኤርትራውያን ሓደትና ምጥንኻርን ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ጸቕጢ ምግባርን እዩ። ደጊም ብወያነ ምምኽናይ ኣብቂዑ እዩ። ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣሳታፊ መድረኽ ንምስግጋር ዝገትእ ምኽንያታት ክጠቅስ ኣይክእልን እዩ። ዝቕጽል መድረኽ፡ መድረኽ ቅዋምነትን ግሉጽነትን ክኸውን ምድፋእ እዋናዊ እዩ።