እዋይ እዛ ኢትዮጵያና ክንደይ ትህብትም!?
“እነሀልካ ደጊም፡ ብመጀምርያ ንኤርትራ ገዚኣ፡ መቸም ኢትዮጵያ “ቀይ ባሕር” ከይሓንፈፈት ኣይብረሃላን እንድዩ። ወላ እዚ ክሉ ቡን ኣፍርያን ቆልያን ደግዲጋን ኣፍሊሓን ብሻንከሎ እንተሓንፈፈቶ ኣይብረሃን እዩ። ንወልፋ ዝዕግስን ርእሳ ዘበራብርን ቀይ ባሕር ጥራይ እዩ። ጽንሕ ኢላ ንሶማል ገዚኣታ ወይ ሸሚታታ ድዩ ዝበሃል። ናይ ሶማል ኣግማልን ዓሳን ኣይኣኸላን ግዲ፡ ንጂቡቲ እውን ሰለሰታ (ጂቡቲ ግዳ ብቐዳማ ዘይ 10ይቲ ክልል እያ ነይራ፡ ግን ቅሩብ እንተኸፈለትላ እንታይ ጸገም ኣለዋ፡ ሃብታም እንድያ። ሕጂ ከኣ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ክሽየጣ ሪጋ ሒዘን ኣለዋ ተባሂሉ። ዓዳጋይ ከ መን መሲሉክን? ኢትዮጵያ። ሃብታም እንድያ። ወረ ንኣመሪካ ክትገዝእ እውን ትደናደን ኣላ ኢሎማ” በለት ትብለጸይ፡ ነዛ ፍንጃል ቡን ኣብ ኢዳ ክተጻውታ እንከላ።
” እቶም ኣህዛብ ከ ሱቕ ኢሎም ድዮም ዝሽየጡ ጓለይ” መለሰትላ ኣደይ ፋጥና ወለት ሓድገምበስ።
“ቺሊ፡ ዋእ፡ እቶም ጀጋኑ ደቂ ኤርትራ ኸ፡ ሎሚስ ጸዪቑልኪ እዩ ትብለጸይ” ወሰኸት ኣደይ ህድኣት።
” ዋእ፡ ኣበይ ኣለኽን? ዓለም ብዓለማ እንድያ ሃገርና ከደት፡ ተሸጠት እንዳ በለት ተእዊ ዘላ” መለሰት ኣደይ ትብለጽ።
” ንበዓል መን ኢኽን? ነዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ርኢኽን ዲኽን ‘ዓለም ብዓለማ’ ትብላና” ደገመት ኣደይ ፋጥና ወለት ሓድገምበስ።
” መን ደኣ’ሎ ካልእ? ንዕኦም እወ” በለት ኣደይ ትብለጽ፡ ከምታ ናይ ቀደማ ዓይኒ-ዓይነን እንዳጠመተት።
” እሞ፡ ጓለይ ሃገር እንዳተሸጠት ደኣ ካን ኣብ ዘረባ ኮይኖም ተሪፎም፡ ተልዕል ኣቢልካ ምኻድ እዩ ነይሩ—እህም—እወ እቲ ቐደም—ሎምስ ኣንበሳኡ ወኻርያኡ ክሉ ሓደ ኮይኑ” በለት ኣደይ ህድኣት። እታ ተካል ሕማም ርእሳ ዝተላዕለታ ትምስል፡ ርእሳ ብኽልተ ኣእዳዋ ሒዛ ድንን በለት።
“ኦች፡ ኣበይ ኣለኺ ንስኺ፡ ከይዶም እንድዮም ናብቲ—እንታይ እዮም ዝብልዎ ጓለይ–ጃኒባ ድዮም ዝብልዎ—”
” ጀነቫ ደኣ እሞ ኣብ ኣውሮጳ እንድያ፡ ዓድና ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ—መገዲ ድዩ ጠፊእዎም? ሃገር ክተድሕን ደኣ ናብታ ኣብ ሓደጋ ዘላ ሃገር ኢኻ ትጎዪ እምበር—ንጀነቫ?” ተገረመት ጓል ሓድገምበስ። ቀደም መምህር እንድያ ነይራ፡ ነዛ ካርታ ዓለም ከም ኣጻብዕቲ ኢዳ እያ ትፈልጣ።
“ደሓር ከ ጓለይ እዚ ኩሉ ን27 ዓመታት መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ንዶቡ ዝቖመ ህዝቢ እንከሎስ—እዚ ኩሉ ምረት ናብራን ኣህጉራዊ ጸቕጥን ዝኸኣለ ህዝቢ እንከሎስ—እንታይ ይበሃል ጓለይ ሃገር ተሸጣ ክበሃለለይ፡ ንዕቐት ህዝቢ ኤርትራ ድዩስ ወይስ እቶም በሃልቱ ዝድርብይዎ እምኒ ስኢኖም?” በለት ኣደይ ህድኣት፡ ከይተፈለጣ ነቲ ቡን ዝፈልሓሉ ዝነበረ ምድጃ ብኣእጋራ ነው ኣበለቶ። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ እታ ጀበና ወሪዳ ነይራ።
ኣደይ ትብለጽ ብሃንደበት ናብ ሽቓቕ ምስ ጎየየት እቲ ዕላልን ክትዕን ዝሒሉ። ብኡ ኣቢሉ ድማ፡ ትብለጽ ክትምለስ እንከላ ናብ ካልእ ኣርእስቲ ሰጊረን ጸኒሐንኣ።
Categories