ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ
ቀዳማይ ክፋል
ማሕሙድ ሳልሕ (MAHMUD SALEH)
[Was Posted on http://www.erigazette.org/?p=11919%5D
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ እኣምን ነይረ ይብል። ብርግጽ ካብዚ ኣቋም እዚ ዝፍለ ሰሚዕናሉ ኣይንፈልጥን። ይኹን እምበር፡ ህዝባዊ ወያነ ንናጽነት ኤርትራ ምድጋፉ ከም ንረብሓ ትግራይ ዘራጉድ “ስልታዊ” መትከል ድዩ ሒዙዎ ነይሩ ወይስ ንሓቀኛ ናጽነት ኤርትራ ኣሚኑ ዝወሰዶ መትከል እዩ? ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምልዓል ዝደፋፍኡ ብዙሓት ምዕባለታት ተቐልቒሎምን ይቕልቐሉን ኣለዉ። ዝያዳ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ነዚ ጉዳይ’ዚ ክንፍትሾ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ምዕባለታት፡ ወያነ ክሳብ ዝጥዕሞ ይሕንክስ ከምዝነበረ እዩ ዘርኢ። ንምዃኑ ኸ ንናጽነት ኤርትራ እኣምን ነይረ ክብል ከሎ፡ ርእሰ-ተኣማንነታ ዝሓለወት ናጻ ኤርትራ ድያ ትረኣዮ ነይራ ወይስ ሓንቲ ርእሳ ኣድኒና ኣብ ጽላሎቱ ጥራይ ትነብር ኤርትራ? ንሎሚ ናብ መደምደምታ ኣይክቐዳደምን እየ። ንሎሚ ኣብተን ኣቶ ገታቸው ዝሰንደወን ነጥብታት እየ ከተኩር።
ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል ሻድሻይ ዓመት ሞት ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ዝነበረ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣቶ ገታቸው ረዳ- ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት፡ ብዛዕባ እቲ ህዝባዊ ወያነ ይኹን መለስ ዜናዊ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝነበሮም መርገጽታት መደረ ሂቡ ነይሩ። ታሪኽን ሓድግን መለስ ዜናውን ውድቡ ህወሓትን ንኢትዮጵያውያን፡ ብቀንዱ ድማ ንትግራዎት ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፡ ሎሚ እውን መራሕቲ ወያነ ብሕሳብ ኤርትራ ክረብሑ ይሓስቡ ስለዘለዉ ንገለ-ገለ ካብቲ ኣብ ሓሶት ዝተሰረተ ትንታነ ኣቶ ገታቸውን ዝንቡዕ ኣቀራርብኡን መልሲ ምሃብ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።
ህዝባዊ ወያነን መራሕቱን፡ ብዛዕባ እቲ ቀዳሞት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረድዎ መዓት ክዛረቡ እንከለዉ “ቑስልኹም ኣይትሕከኹ” ይብሉ። እዚ ኣዘራርባ’ዚ ኣብ መጀመርታ ትስዓታት ብቐጥታ ካብ መለስ ዜናዊ ዝሰምዓኹዎ ክኸውን እንከሎ፡ በብግዚኡ መራሕቲ ወታነን ካድረታቶምን ክደጋግምዎ ይስምዑ እዮም። ኣቶ ገታቸው እውን ኣብቲ ዝተባህለ ዓውዲ-ዘተ ብመገዲ መለስ ኣቢሉ ደጊምዎ እዩ። እቲ እሸጊሩኒ ዘሎ ነገር ግን፡ እዞም ሰባት ግብሮምን መልሓሶምን በበይኑ ዝኸይድ ምዃኑ እዩ።
እቲ ኣብ መበል ሻድሻይ ዓመት ዝኽሪ ነብስሄር መለስ ዜናዊ ኣቶ ገታቸው ረዳ ዘቕረቦ መደረ ብፖለቲካዊ ሓሶት ዝዘቕበበ እዩ ነይሩ። ብኣገላልጻ ገታቸው ረዳ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። ህወሓት ልዕሊ ሻዕብያ ንህዝቢ ኤርትራ ተሓሊቑ እዩ—ወዘተ። እሞ ወያነና ከምኡ ካብ ኮነስ ስለምንታይ ደኣ ዳግማይ ዘይንጥምቖ? ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ ኢልና እንተሰመናዮ ኣየምሕረሉን’ንዶ? ይርሓስኩም እንዳ ገታቸው ረዳ።
ብዝኾነ “ኣቑሳልኩም ኣይትሕከኹ” ይብሉና መራሕትን ካድረታትን ወያነ። ገታቸው ረዳ እውን ነዚ ደጊሙልና። መን ከ ኣሎ ቑስሉ ክሓክኽ ዝደሊ? ቁስሊ ዝሕከኽ እኳ ብዘይፍቶት እዩ። ዘሳሒ መርዝታት ትነዝሑልና እሞ ኣቑሳልና ምስ ኣሳሓየና፡ “ኣይ፡ ኣጻፍር’ኳ ዘይብልኩም፡ ንዑ ደኣ በዓልና ክንሓከልኩም” ትብሉና። ሓኪኽኩምን በናጪርኩምን ከይኣኽለኩም፡ ነቲ ኣቑሳልና ጨውን በርበረን ነስኒስኩምሉ ትሓድጉዎ’ሞ ናብ ዘይጽወር ቃንዛ ንኣቱ ኮይንና እምበር፡ ኣቑሳልና’ዶ ክንሓክኽ ምመረጽና?
ኣብዚ ን6ይ ዝኽሪ ሞት መለስ ዜናዊ ዝተዳለወ ዓውደ-ዘተ፡ ገታቸው ረዳ ነተን ወያነ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ዝጃሃረሉ ግዜ ዝደጋግመን ነጥብታት ብዘይ መብርሂ ቡጥቑል-ቡጥቑል ኣቢሉ እዩ ክንውሕጠን ቀሪቡልና። ከምቲ ንፈልጦ፡ ንሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ኣብ ውሽጢ ሕጥበ-ጽሑፍ ኢኻ ትርጉመን ትረኽቦ። ውልቀ-ፍጻመታት ድማ ኣብ ውሽጢ’ቲ ፈለግ ናይ ታሪኽ እንተዘይረኣኻዮም ምሉእ ስእሊ ክህቡ ኣይክእሉን እዮም። ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ፡ እዚ ናይ ገታቸው ረዳ ገለጻታት ኣካል ናይ’ቲ ንመንነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርኻስ ክግበር ዝጸንሐ ዝተራቐቐ ዘመተታት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ረብሕኡ ዘይፈልጥ፡ ሰውራ ኤርትራ ንረብሓ ኤርትራ ዘይተኻየደን፡ ኤርትራ ብሳላ ወያነ ናጻ ከምዝወጸት ከስምር ዝህቅን፡ ንዓመታት ምስ ካድረታት ወያነ ኣብ ኢንተርነት ክንካትዓሉ ዝጸንሓና ምዃኑ እዩ።
እቲ ከም ቀንዲ ዒላማ ዘነጻጸሩሉ ፖለቲካዊ ኣካል ሻዕብያ እዩ። ነቲ ንገድሊ ኤርትራ ናብ መፈጸምትኡ ዘብጸሐ ሻዕብያ እንተ ደዊንካ፡ ንገድሊ ኤርትራ ትድውን ኣለኻ ማለት እዩ። ንገድሊ ኤርትራ እንተ ደዊንካ ድማ ነቲ ገድሊ ኤርትራ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ተላህም ኣለኻ ማለት እዩ። ነቲ ሰውራ ኤርትራ ዘንቀለ ዒላማ ወይ ምኽንያት እንተ ኣፍሪስካ ድማ ናጽነትን ህላወን ኤርትራ ትርጉም-ኣልቦ ትገብሮ ኣለኻ ማለት እዩ። እዚ እዱድ ዘመተ እዚ ብዝተፈላለየ መልክዓቱ እዩ ዝካየድ። ብርኡይን ሕቡእን ብጉጅለታት ዝተወደበ ኮይኑ፡ ኣብ ቃልዕ ብዝግበር ኮንፈረንሳትን ምውዕዋዕን ከምኡ እውን በቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዝግበር ንጡፍ ምንቅስቃሳት ክግለጽ ይከኣል። ብኣጣቓላሊ ክረአ እንከሎ፡ ዕላምኡ ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ።
እቲ ዘገርም ድማ፡ እተን ገታቸው ረዳ ዘልዓለን ነጥብታትን ኣቀራርብኡን ምስቶም ናጻ ምዃኖም ዝመጻደቑ ዝነበሩ ግን ቋንቋን ፍልስፍናን ወያነ ከስፋሕፍሑ ቀጻሊ ዘመተ ከካይዱ ዝጸንሑ ሰባት ዘቕርብዎ ዝነበሩ ክትዓት፡ ብትሕዝቶ ይኹን ኣቀራርባ ዝፈልዮም ነገር ዘይምንባሩ እዩ። እዚ ድማ ማእከላውነት ዘለዎ ዘመተ ወያነ ገና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቀጻሊ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ወያነ ካብ ኢትዮጵያ ተጸራሪጉ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ከምዘሎን እቲ ሓድሽ ግንባር ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑን ገሊጸ ነይረ። እቲ ንርእዮ ዘለና እውን ንሱ እዩ። ሎሚ ወያነ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዛዕባ ኤርትራ ክሕለቕን ንብዓት ሓርገጽ ጀበብ ከብልን ይረአ ኣሎ። ብካድረታቱን መራሕቱን፡ “ስለምንታይ ምስቶም ታሪኻውያን ጸላእቲ ዝምድና ትገብሩ፡ ንሕና ኢና ‘ኳ ኣሕዋትኩም፡ ኣብዚ ኢና ዘለና፡ ኤርትራ ተሸጠት፡ ኣንድነት ዳግም ደም ዘሪኡ—ወዘተ” ክብል ንሰምዖ ኣለና። ካብ ምስ ኣሕዋቱ ኢትዮጵያውያን ዝመክር፡ ኣብ ኤርትራ ደጀን ክሃንጽ ይጽዕር ኣሎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብስነሓሳቡ ዝተለኽፉ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣፍርዩ ስለዘሎ፡ ነቲ ዋርሳይ ኤርትራ ዝኾነ መንእሰይና ናብቲ ንወየንቲ ካብ ስልጣን ዓልዩ ኣብ መቐለ ከም ዝሽምቖቁ ዝገበሮም ማዕበል ናይ ቄሮን ፋኖን ክልውጦም ይፍትን ኣሎ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ፡ ነቶም ብሰሜን ዘስግኡና ኣኽረርቲ ዝበልክዎ፡ ሕጂ እውን ነቲ ብደቡብ ዝቀላቐል ዘሎ ወያነ፡ ኢድካ ኣክብ፡ ሽግርካ ምስ ኢትዮጵያውያን ተዛቲኻ ጥራይ ኢኻ ትፈትሖ፡ ናይ ኤርትራ ውሽጣዊ ጉዳያት ንኤርትራውያን ይምልከት ክብሎ እደሊ። ክንደይ ግዜ ዘይተዓሸና!! ከምቲ ወትሩ ዝብሎ ምስ ህዝቢ ትግራይ ባእሲ የብልናን። ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝምዕብል ዘሎ ምሕዝነት ክተባባዕ ኣለዎ። እንተ በዓል ገታቸው ረዳ ግን ካብ ዝባንና ክወርዱ ኣለዎም።
ናይ ወያነ ቀልባዕባዕ ደኺምናሉ ኢና። ሓዲኡ ክመርጽ ኣለዎ። ነጺሁ ንሰላም እንተቐረበ ምሓሸ። ኣቑሳልና ካብ ምብሕጫር ክቑጠብ ጥራይ ኢና ንሓቶ። እቲ ንኤርትራ ገይረዮ ዝብሎ ምምጽዳቕ ምስ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘውረዶ ዕንወት ክመዛዘን እንከሎ ብፍጹም ክደቓቐስ ኣይክእልን። ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዝወረደ በደልን ክሳራርን ወያነ እቲ ዝኸፍአ ስርዓት ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ ታሪኽና ክምዝገብ እዩ። ብዛዕባ እዚ ዘጠራጥር የብለይን። ቅድሚ ሕጂ፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ሻዕብያ ምስ ወያነ ዝገበርዎ ዝምድና ኣዕናዊ ውጽኢት እዩ ኣኸቲሉ። ካብዚ ተመኲርና፡ ብድሕሪ ሕጂ ዝግበር ዝምድናታት፡ ምስ ኩሎም ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝተዛነቐ ክኸውን ኣለዎ።
—————————————————————
ሓጺር መልስታት ንኣቶ ገታቸው ረዳ
ገለ ካብቲ ኣቶ ገታቸው ረዳ ኣብ ኣቑሳልና ዝነስነሶ ጨው-በርበረን ቀመማ-ቕመምን እስኪ ንርአ። ኣብ ጠቕሲ ኣትዩ ዘሎ፡ ዝበዝሕ ቃላት ገታቸው ኮይኑ ግን ብናተይ ድግማ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ቃል-ብቃሉ ዝጥቀስ ዘሎ ከምዘይኮነ ክሕብር እፈቱ።
1. “ተሓኤን ህግሓኤ (ELF/EPLF) ድሕሪ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይጠቕማ መለስ ይዛረብ ነይሩ”
ከምዚ ክብል እንከሎ ህወሓት ፍሉይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብን ኣወዳድባን ዝነበሮ የምስል። እተን ንህግሓኤን ንወያነ ዝፈላልያ ዝነበራ ክልተ ነገራት ነይረን። ንሰን ድማ ህግ ንምንጻል ትግራይ ይቃወም ነይሩ፡ ብሄራዊ ሕቶ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ደሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ክፍታሕ ኣለዎ ይብል ነይሩ። እቲ ካልኣይ ነጥቢ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ስትራተጂ (doctrine) ዝነበረ ፍልልያት እዩ። ንሱ እውን ወያነ ደኣ ንምፍልሳፍ የምጸኦ ኮይኑ እምበር፥ ቁመና ክልቲአን ውድባትን ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ወተሃደራዊ ክውንነትን ዝፈላለ ስለዝነበረ እዩ፡ እንታይ ዓይነት ወተሃድራዊ ስትራተጂ ትኽተል ዝውስን እቲ ውዱዕ ወተሃደራዊ ክውንነት እዩ። እቲ ወተሃደራዊ ክውንነት ድማ ኣብ ትግራይ ኤርትራ ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ። ብሰፊሑ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ክምለሶ እየ። ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ፡ ክልቲአን ውድባት ብዙሕ ዝፈላልየን ኣይነበረን። ክልቲአን ተኸተልቲ ናይ ጸጋም ፍልስፍና እየን ነይረን። ክልቲአን ውድባት ብምስጢራዊ ሰልፍታት ይምረሓ ነይረን። እኳ ደኣ ወያነ ነቲ ዝኸረረ ናይ ኣልባንያ ኮሙኒዝም ዝቐድሐ ውድብ እዩ ነይሩ።
ኣብ ህዝባዊ ኣወዳድባን ምሕደራን ይኩን ኣብ ኣሰራርዓን ቅርጺ ውድብን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣተሃናንጻ ሰራዊትን ወተሃድራዊ ቋንቋን ባህልን ኣመላኻኽታን—ወዘተ፡ ህወሓት ቅዳሕ ናይ ህግሓኤ እዩ ነይሩ። ናተይ ዝብሎ መበቆላዊ ፍልስፍና ይኹን ግብራዊ ኣሰራርሓ ኣይነበሮን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ምምሕዳር ህዝቢ ከይተረፈ፡ ካብ ባይቶ ዓዲ ጀሚርካ ክሳብ ኣውራጃ፡ ኣብ ወተሃድራዊ ኣወዳድባ ድማ ካብ መስርዕ ጀሚርካ ክሳብ ብርጌድ፡ ኣብ ሰማንያታት ንተጋደልቲ ክልቲኡ ውድባት ንዝረኸንበ ሰብ፡ ወይ ኣብቲ ክልቲአን ውድባት ዝቖጻጸርዎ ዝነበሩ ገጥራት ትግራይን ኤርትራን ንዝተዛወረ፡ ኣብ ርእዮተ-ዓለም ይኹን ኣብ ግብራዊ ኣሰራርሓ ዝፈላሊ ነገር ኣይምረኸበን ነይሩ። ኣብ ተጋደልቲ ክልቲአን ውድባት እንተመጸና እውን፡ ብዘይካ ላህጃን ጋንባለን (ናቶም ነዊሕ ናትና ሓጺር) ክፉፍ (ናቶም ክልተ ካዛና ናትና ሰለስተ ካዝና ዝሕዝ ብሽክሊት (ሎቆታ)፡ ንሕና ሽዳ ንሶም ጥላም፡ ካልእ ዝፈላሊ ነገር ኣይነበርናን። ስለ’ዚ፡ ኣብ ፖለቲካ መጺእካ፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ ብሄር ሕቶ፡ ካልእ ከልዕልዎ ዝኽእሉ ዝፈላሊ ነገር ኣይነበረን። ኣብኡ እውን ህዝባዊ ግንባር ንመሰል-ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ካብ መጀመርታ ክሳብ መጠረሽታ ኣሚኑ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መርሓ ሕንጻጽ እንተመጸና፡ ብኣንጻር እቲ ኣቶ ገታቸውን ወየንትን ዝብልዎ ንሕና ናብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዝወስድ ንጹር ሃገራዊ ፕሮግራም ነይሩና። ወያነ ግን ኣብ መንጎ ምምስራት ረፑብሊ ትግራይን ምቑጽጻር ምሉእ ኢትዮጵያን ኣብ ሰንፈላል እንከሎ እዩ ውድቀት ደርግ ዘርከቦ። ኣየናይ ዝጃሃረሉ ንጹር ፖለቲካዊ መስመር ነይሩዎ ኮይኑ እዩ ገታቸው ክንድ’ዚ ዘጽምመና ዘሎ?
ኣብቲ ግዜ እቲ ከይተረፈ፡ ንህግሓኤ ከም መሰል ብሄራት ዘየኽብር ብርጅዋዊ ሰውራ ይገልጽዎ ነይሮም። ጸኒሕና ማለት ወያነ ንኢትዮጵያ ምስ ተቖጻጸረ ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ወያነ ንኤርትራ ሓዚኦሞ ዝነበሩ ብሉጽ ፖለቲካ፡ እቲ ሎሚ ንኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ናይ ኤትኒክ (ጎሳ) ፖለቲካ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ እዮም ክሳብ ሎሚ፡ ኤርትራ ብብሄራት ክትመቓቀል ዝጽዕሩ ዘለዉ። እዚ እዩ እቲ ወያነ ንኤርትራ ክልግስዎ ዝኽእሉ ማይ ዘይጠዓመ ፖለቲካ።
“ምስ ህግሓኤ፡ ንጠቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ምሕዝነት ይግበር ነይሩ፡ ንህዝቢ ኤርታር ዘይጠቕም ናጽነት ንኢትዮጵያ እውን ጎዳኢ እዩ ኡሉ መለስ ይኣምን ነይሩ”
ህወሓት ምእንቲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ ሕሰም እናኸኣለ ምስ ህግሓኤ ክሰርሕ ይግደድ ነይሩ ይብለና ኣሎ ኣቶ ገታቸው ረዳ። እቲ ሓቂ ግን ህወሓት ምእንቲ ህላወኡ እዩ ምስ ህግሓኤ ክሰርሕ ዝተገደደ። ህወሓት ንትግራይ ንምግንጻል እዩ ዝቃለስ ነይሩ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝዓጦ ነገር ይኹን ንኢትዮጵያ ወኪሉ ክዛረብ ዘኽእል ዓቕሚ ይኹን ቑምና ኣይነበሮን። ህግሓኤ ካብ ወያነ ሓሊፉ ምስ ብዙሓት ውድባት ኢትዮጵያ ርክባት ነይርዎ እዩ። እዚ ገይርና ወይ እዚ ኣበርኪትና ምባል ደኣ ኣይባህልና ኮይኑ እምበር፡ ግደ ሓቅስ፡ ህላወ ህወሓት ብቐጥታ ምስ ህላወ ህግሓኤ ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ። ወያነ ካብ ኣበጋግስኡ ጀሚሩ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ፡ ህግሓኤ ካብታ ንእሽቶ ዓቕሙ የካፍሎ ነይሩ እዩ። ካብ ታዕሊም ተጋደልቱ ጀሚርካ ክሳብ ምልመላ ፍሉይ ኣሃዱታት፡ ከም ስለያ፡ ሃንደሳ፡ ሕክምና፡ ከቢድ ብረት፡ ራዲዮ ርክብን ጠለፋን፡ መካኒክ ጋራጃት፡ ሙዚቀኛታት—ወዘተ ገለ ካብቲ ዝጥቀስ እዩ። ድምጺ ሓፋሽ ክትምስረት እንከላ፡ ገና ኣብ ተንዳን ኣብ ጉዕዞን እንከላ፡ ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ ድምጹ ክስማዕ ብምባል ህዝባዊ ወያነ ፕሮግራማቱ ክፍንወላ ኣፍቂዱስ ጎስጓስ የካይደላ ነይሩ እዩ። ህዝባዊ ግንባር ኣጽዋር ዘፍርየሉ ፋብሪካታት ኣይነበሮን፡ ግን እግሪ መትከሊ ዝኸውን ካብቲ ካብ ጸላኢ ዝምንዘዖ ዝነበረ ኣጽዋር ዓቕሙ ዘፍቅዶ ወፍዩ እዩ። ብዝኾነ፡ ክልቲአን ውድባት ዝበዝሕ ኣጽዋረን ካብ ጸላኢ ዝተመንዘዐ እዩ ነይሩ።
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብቲ ናይ 1998-2000 ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ጽልኢ ዘመተታት ዘካይዱ ዝነበሩ ናይ ፕሮፓጋንዳን ስነጥበብን ክኢላታት ኣብ ሳሕል ዝጀመሩ እዮም ነይሮም። ዝበዝሑ ካብቶም ብደረጃ ኮሎነልነትን ጀብነራልነት ነቲ ኲናት ዝመርሑ ዝነበሩ ውልቀሰባት ብዝተፈላለየ ክእለታት ኣብ ሳሕል ዝተመልመሉ እዮም ነይሮም። ወያነ ስልታዊ ምሕዝነት ክብል ከሎ፡ ህግ ግን ብእስትራተጂካዊ ደረጃ ይሰርሕ ነይሩ። ወያነ ብፍርቀ-ልቡ ክዋሳእ እንከሎ፡ ህግ ግን ብምሉእ ልቡ እዩ ነቲ ምሕዝነታዊ ጉዳይ ዝሕዞ ነይሩ። እዚ እዩ እቲ መሰረታዊ ምንጪ ናይ’ዚ ኣብ መንጎ ወያነን ህግሓኤ ዝነበረን ዘሎን ግርጭት። እቲ ሓደ ብምሉእ ልቡ ክሰርሕ እንከሎ እቲ ካልኣይ ግን ብተንኮልን ብፍርቂ ልቡን እዩ ክኸይድ ጸኒሑ።
- “ተሓኤ ይኹን ሻዕብያ ኣንጻር ናይ ገዛእ ርእሶም ኣንጻር ረብሓ ህዝቦም ከይዶም እዮም። ንኣብነት ኣብ 1989 ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ህዝባዊ ግንባር ቶኽሲ ደው ከብልን ክተሓባበርን ወሲኑ”
ኣቶ ገታቸው እንታይ ክብል ከምዝደለየ’ኳ ፍሉጥ እዩ። ህግሓኤ ኣንጻር ጠቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸይድ ስጉምቲ ወሲዱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከዲዕዎ እዩ ዝብል ዘሎ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ? እስኪ ነዚ ዝስዕብ ትረኻ ንርአ።
ሀ- ኣብ መንጎ ኣብ ኲናት ዝኣትዉ ወገናት ርክባት ክግበር፡ ናይ ቶኽሲ ደው ምባል እማመታት ክገብሩን ከተግብሩን ልሙድ እዩ። በይናዊ ይኹን ክልተኣዊ ቶኽሲ ደው-ምባል ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ማለት ንታክቲካዊ ግምታት ክግበር ይኸኣል ወይ እውን በሃርያዊ ሓደጋ ምስ ዘጓንፍ ሲቪል ህዝቢ ረድኤት ክረክብ ተባሂሉ። ህግሓኤ ዕድል ስለዘይረኸበ እምበር ኣብ 1974፡ 1977፡ 1981፡ 1985—ወዘተ፡ ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ክንፈትሖ ቶኽሲ ደው ነብል ዝብል ወገን እንተዝረክብ፡ ንመሰል ር/ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዘይተጻረረ፡ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዕቃበ ድሌቱ ክገልጽ ዘፍቅድ መድረኽ ዝኸፍት ኩነታት እንተዝፍጠር፡ ቶኽሲ ደው መበለ ነይሩ። ህግሓኤ፡ እቲ ዝዓበየ ጾርን ምረትን ክሳራራታትን ናይ’ቲ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ዝዓለወ እሞ ደሓር ወያነ ዝረብሓሉ ኲናት ዝተሸከመ ሓይሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ካልእይ ክፋል ናይ’ዚ፡ ጽሑፍ ነቲ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝነበረ ኣሰላልፋ ሓይሊ ጸላኢ፡ ብመንጽር ዓቕምታትን ኣሰላልፋ ክልቲአን ውድባት ብምርኣይ፡ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደየናይ ኣደራዕ ናይ’ቲ ብ1991 ዝተደምደመ ኲናት ከም ዝተሸከሙ ከርኢ ክፍትን እየ። ወያነ ግን ንገድሊ ኤርትራ ናብ ጥሙሑ ማለት ናብ ሪፑብሊክ ትግራይ ንምብጻሕ ይጥቀመሉ ስለዝነበረ፡ ክሉ ግዜ ኣብ ኣሰራርሓ ህግሓኤ ኢዱ ከእቱ እዩ ተራእዩ። ኣብ ታሕቲ ከምዝረአ፡ እቲ ናይ 1989 ናይ ዕልዋ ፈተነ ብመስዋእቲ ህግሓኤ ዝመጸ እዩ ነይሩ። ወያነ ኣብ ዘይወዓሎ ውራይ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ክቐርብ ምርኣይ ዘገርም ኣይኮነን።
ለ- ስርዓት ደርግ ይኹን እቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ዝነበሩ ጀነራላትን፡ ንህግ እዮም ከም ቀንዲ ተቐናቓናይ ቆጺሮሞ ምስኡ ንዓመታት ክረባረቡ ዝጸንሑ። ስለ’ዚ ምስ ሻዕብያ ርክባት ክገብሩን ቶኽሲ ደው ኣቢሎም ናብ ምዝርራብ ከምርሑ ምውሳኖም ክድገፍ ዝነበሮ እዩ ነይሩ። እቲ መስርሕ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝኣመነ ህግሓኤ ክሰማማዕ ጸገም ክነብሮ ኣይክእልን። ህወሓት ከም ቀንዲ ተጻዋታይ ዘይምቑጻሩ ኣሕሪቑዎ ክኸውን ይኽእል። ግን እቲ ርክብን ናይ ቶኽሲ ደው ምባልን ውሳነ ህግ ዘንቀሎ ሕርያ ኣይነበረን። እቶም ጀነራላት ዝገበርዎ እዩ ነይሩ። ህወሓት ስርዓት ደርግ ተጸጊኑ እንተቐጸለ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ፈቲሑ ንጉዳይ ትግራይ ግን ኣንጠልጢሉ ከትርፎ እዩ ዝብል እምነት ስለዝነበሮ ነቲ ርክባት ክነጽግን ክቃወምን ባህርያዊ እዩ።
ሐ- ህወሓት ካብ ኣካባቢ 1983 ክሳብ ምድምሳስ ናደው እዝ (1988) ምስ ህግሓኤ ናይ ስራሕ ርክብ ኣይነበሮን። ንዓመታት ኣብ ኤርትራ ደማዊ ኲናት እንዳተኻየደ፡ ጸቕጢ ከጉድል ዝኽእል ስርሒታት እውን ኣይገበረን። ኣብ ውሽጣዊ ጽሬቱ ዘተኮረ ሰሚናራት፡ ኣስተምህሮታት፡ ኣኼባታት ክገብር እዩ ሓሊፉዎ፡ ኣብ ትርፊ ግዚኡ ድማ ህግሓኤ ንምድኻምን መተካእታ ንምምልማልን ክሰርሕ ጸኒሑ። ስለ’ዚ፥ ህግ እዩ ንሕቖ ደርግ ዝኸርተመን ነቲ ክግበር ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምኽንያት ዝኾነን። ከምቲ ዝኣመሰለ ልዑል ምስጢራዊ ስራሕ ምስ’ቲ ሽዑ ናብ ልቡ ዝምለስ ዝነበረ ህወሓት ከወሃህድ ጸገም ከምዝፈጥር ፍሉጥ እዩ ምኽንያቱ ቀጻሊ ምውህሃድ ወተሃደራዊ ስራሓት ይኹን ምስጢራት ናይ ምኽፋልን መደባት ዕዮን ምምሕዳራዊ ቅርጽን ዘተኣማምን ሰንሰለት ርክብን ኣይጸንሐን ክኸውን ይኽእል። ክልቲአን ውድባት ሽዑ እየን ዳግመ-ርክባት ጀሚረን ዝነበራ።
መ- ርክብ ህዝባዊ ግንባርን ጀነራላት ደርግን ንህዝቢ ትግራይን ቃልሱን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ክሳብ ዘይኮነ፡ ንህወሓት እንታይ ቖንጥይዎ ክሳብ ክንድ’ዚ ዘሕምሞ? ደሓር ከኣ፡ ጀነራላት ደርግ ነቲ እማመ ዘቕረቡ፡ ህግሓኤ ዕድል ክህቦም ( ኣብ ኤርትራ ጸቕጢ ከፍክሰሎም) ከምኡ እውን ገለ ክፋል ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነብረ ሰራዊቶምን መራሕቱን ኣብቲ ዕልዋ መንግስቲ ክሳተፉ ስለዝደለዩ እዩ እቲ ቀንዲ ናይ ቶኽሱ ደው ምባል ሕቶ ዝመጸ። እቲ ስርሒት እውን ብጉድለት ምድላውን ስጡም ናይ እዝን ቑጽጽርን ሰንሰለት ዘይምንባሩን እዩ ተኾሊፉ እምበር ወያነ ብዝገበሮ ስራሕ ኣይነበረን።
4- “ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቑልቁል ኣፉ ኣይድፋእን’ ኢሉ ጽሒፉ መለስ ”
ብ1986 ወይ 87ብዛዕባ እዚ መለስ ጽሒፍዎ ዝበሃል ዝነበረ መጽሓፍን ብዛዕባ እቲ ወያነ ኣንጻር ህግሓኤ ዝገብሮ ዝነበረ ጎስጓስን ኣብቲ ዝነበርክዎ ቦታ ብሓደ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህግሓኤ ሰሚናር ተኻዪዱ ነይሩ። ከም ዝዝክሮ፡ ብሓጺሩ ነቲ ኣርእስቲ ናይ’ቲ መጽሓፍ ገዲፍካ፡ ብትንታነ መለስ ዜናዊ እንተዝነብር፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ቁልቁል ኣፉ እዩ ተደፊኡ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ብመሰረት ትንታነ መለስ ዜናዊ፡ ህግሓኣኤ ህዝባውነት ዘይነበሮን ቅኑዕ ዕላማ ዘይውንን ብርጅዋዊ ውድብ እዩ ነይሩ። ህዝባውነት ዘይብሉ ሰውራ ድማ ንቁልቁል ኣፉ ምዃኑ መለስ ስሒትዎ ክኸውን ኣይክእልን። እቲ መጽሓ ብቐንዱ ነቲ ብፕሮፈሰር ተስፋጺዮን መድሃነ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ንምእራም ዘይኮነስ፡ ንፕሮፈሰር ተስፋጺዮን ከም መበገሲ ወሲዱ፡ ህዝቢ ኤርትራን መራሕቲ ውድባቱን ይኹኑ ምሁራቱ ኣይጠቕሙን፡ “እቲ መድሓኒኹም ዝኸውን ንሕና እንምርቖ ውድብን ንፋስና ዝለኸዮ ሰነ-ሓሳብን ጥራይ እዩ”ዝብል እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ እቲ መጽሓፍ ሻዕብያ ንምንጻል እዩ ክጥቀመሉ ፈቲኑ። መለስ ነቲ መዳራይ ዘየድልዮ ኣብ ጎድኒ ሰውርኡ ተሰሊፉ ዝዋደቕ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኣበራት ህግሓኤ ክምህሮ ቅሩብ ዒብ ክገብር ይግበኦ ነይሩ፡ ግን ኣመል ወያነ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ዒብ ዝበሃል ርኢናሎም ኣይንፈልጥን። መለስ ዜናዊ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ምሁራቱን ብዛዕባ ኤርትራ ዝነበሮም ተረድኦ ዘመሓይሽ ኣበርክቶ ገይሩ እንተዝነብር ክንደይ ምሓሸ። ግን ብኣንጻሩ፡ ንፕሮፈሰር ተስፋጽዮን ከም ምኽንያት ገይሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ሰውርኡ ክውይን እዩ ጎስጒሱ። እዚ እዩ እቲ ሓቂ- ሓላይ ተመሲልካ ድራሮም ወደኣሎም ዝዓይነቱ!
ክሳብ ምድምሳስ እዝ ናደው (1988)፡ ነቶም ካብ ናይ ደርግ ወተሃደራዊ ግፋ ዘምልጡ ዝነበሩ መንእሰያት ንኣዋርሕ ኣብ ደጀኑ ዓጊቱ፡ ኣንጻር ህግሓኤ ክስለፉ ከእምኖም (indoctrinate) ይፍትን ነይሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ትግራይ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣንጻር ህግሓኤ ዝቐንዐ ሰፊሕ ዘመተ የካይድ ነበረ። እታ ዘወጣውጣ ዝነበረ ዶኩመንት ድማ እዛ ብመለስ ዜናዊ ተጻሒፋ ትበሃል ዝነበረት መጽሓፍ እያ ነይራ። ክዓብዩ ደኣ ኣይከኣሉን እምበር መተካእታ ህግሓኤ ዝኾኑ ውድባት ኤርትራ እውን ጠፋጢፉ እዩ።
ቀንዲ ዕላማ ወያነ፡ ነቲ ዝበዝሐ ጾር ናይ’ቲ ኲናት ተሰኪሙ ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር፡ ምስ ህዝቡ ብምንቛትን ኣቓልቦኡ ካብቲ ተተሓሒዝዎ ዝነበረ ሓርነታው ኲናት ተኣልዩ ናብ ጓል መገዲ ክእለ እሞ ናብ ደረጃ ወያነ ክወርድ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ክሉ ወያነ ዘልዓሎ ናይ ፕሮፓጋንዳ ደሮናን ጫውጫዋታን፡ ህግሓኤ ሓንቲ ምልእቲ ሓሳብ ጥራይ እዩ ኣውጺኡ። “ ዝበሃል ስለዝሰኣና ዘይኮነስ፡ ትም ክንብል ስለዝመረጽና እዩ” እትብል ብድምጺ ሓፋሽ መሊሱ። እቲ ኣብቲ ምሸት ነቲ ሰሚናር ዝመርሐ ኣባል ፖሊት ቢሮ እውን ተመሳሳሊ መልሲ እዩ ነይርዎ። ክንዕገስን ቀንዲ ጸላኢና ስርዓት ደርግ ምንባሩን፡ ወያነ ግዜኦም ወሲዶም ልቦም ከዕብዩ ተስፍኡ ምንባሩን ምስኦም ኣብ ፕሮፓጋንዳዊ ሓሸውየ ከምዘእቶ እዩ ገሊጹልና።
5- ” ወያነ፡ ንናጽነት ኤርትራ ኣሽሓት ከፊሉ፡ ኣብ ናቕፋ ብሓባር ምስ ኤርትራውያን ተቐቢሮም ኣለዉ”
እዚ ዘረባ እዚ ወያነ ዝደጋግሞ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን እውን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቦ ወንበር ህወሓትን ምክትል ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይን ዝኾነ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ኢልዎ እዩ። ኣቶ ገታቸው ረዳ እውን ኣብዚ ን6ይ ዓመት ዝኽሪ ነብሰሄር መለስ ዜናዊ ዝተኻየደ ዓውዲ-ዘተ ደጊምዎ ኣሎ። ክልቲኣኦም መራሕቲ ወያነ ግን ኤርትራውያን እውን ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰውኡ ከይገለጹ እዮም ሓሊፎም። እቲ ነገር፡ ወያነ እዩ እቲ ሓጋዚ ዝነበረ ንምባል እዩ። ስርሒት ፈንቅል ብወያነ እዩ ተዓዊቱ ኢሎም ዝተማጎቱኒ ትግራዎት ኣለዉ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝኾነ ትግራዋይ እታ መጀመርያ ትወጾ መሐበኒት ቃል እዛ “ ብዘይ ሓገዝ ወያነ ኤርትራ ሓራ ኣይምኾነትን” ትብል እያ። ዝበዝሕ ነቲ ዝተደጋገመ ሓሶት ከም ሓቂ ስለዝተቐበሎ እዩ። ክተእምኖ እውን የጸግመካ እዩ። ግን ስለምንታይ ክሳብ ክንድ’ዚ፡ ምሕሳው? ዝሕበኑሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ታሪኽን ፍጻመታትን ውዕሎን የብሎምን እንድዮም እዞም ሰባት?
ብዝያዳ ኣብቲ ካልኣይ ክፋል ክጠቕሶ እየ፡ ግን ክልቲኣኦም ህዝብታት ንናይ ሓባር ጸላኢ ክስዕሩ ብሓባር ሰሪሖም እዮም። ተጋደልቲ ክልቲኡ ግንባራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ተዋዲቖም እዮም። ህዝቢ ትግራይ ንጽቡቕ ህዝቢ ኤርትራ ጸልዩን ተወፍዩን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እውን ንጽቡቕ ህዝቢ ትግራይ ብተመሳሳሊ ዓቕሙ ዝኸኣሎ ዘበለ ገይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ በዚ እንተ ዝድምደም ከመይ ምጠዓመ ነይሩ!!
እቲ ሓቂ ግን፡ እዚ ኣብ ቃልሲ ዝተጠርየ ምሕዝነታት ክልቲኣኦም ኣህዛብ፡ ንዘላቒ ሰላም ክጠቕም ኣይከኣለን። ወያነ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከባርር እንከሎ፡ ህዝቢ ትግራይ “ኖእ፡ ኣሕዋትና እዮም” ኢሉ ንመራሕቱ ኣይዓገተን። እኳ ደኣ ህጻናትን ነብሰጾራትን ናብቲ ብፈንጅታት ተኸሊሉ ዝነበረ ኣጻምእ በረኻ ክድርበዩ እንከለዉ፡ ካብ ትግራዎት ንታሪኽ ‘ኳ ዝኸውን ተቓውሞ ኣይተራእየን። ብኣንጻሩ ደኣ እቶም ካልኦት ኣህዛብ ኢትዮጵያ እዮም ንብረት ኤርትራውያን ኣብ ምሕባእ ይኹን ስንቂ ኣብ ምቕባልን ካልእ መሳለጢያታት ኣብ ምልጋስን ዓቕሞም ዘበለ ሓገዛት ዝገበሩ።
ኩናት 1998-2000 ኣዝዩ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ኮይኑ ክነብር እዩ። ምኽንያቱ እቶም ትማሊ ብሓባር ዝተቓለሱን ብሓባር ዝተሰውኡን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን፡ መራሕቶም ነጋሪት ኲናት ምስ ወቕዑ፡ ነንሕድሕዶም እዮም ተፋሊሶም። ጭካነ ብዝመልኦ ነድሪ’ኳ። እዚ እዩ እቲ መሪር ሓቂ። “ኣሕዋት ኢና” ዝብል ዘረባ ንናይ ትማሊ ህልቂት ክነወግድ ኣይጠቐመናን። ሎሚ እውን ካብ ልቢ ዝነቐለን ኣብ ጽኑዕ ሕጋውን ትካላውን ባይታ ዘይተመስረተ እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ቀዛፊ ኲናት ኣይክገትእን እዩ። እዚ እዩ እቲ ክንውሕጦ ዘለና ዕረ። ካብ ታሪኽ ክንመሃር ይግባእ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ክልቲኡ ህዝብታት ብባህሪኦም ባሃማት ስለዝኾኑ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እቲ ኣሕዋት ኢና ኢሎም ዝሕበኑሉ ዝምድና ኣብ ድልዱል ባይታ ዝተሰረተ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ብዝሐ-ብሄራዊ መልክዑ ክርእዮን ክቕበሎን ኣለዎ። ኤርትራውያን ደቂ ከበሳ ካብቲ ምስ ትግራዎት ዘለዎም ዝምድና ምስቶም ኣብ ዶብ ሱዳን ዝነብሩ ቢንዓምርን ሕዳረብን ደቂ-ሃገሮም ዘለዎም ዝምድና ዝጠበቐን ዝተረረን ከምዝኾነ ትግራዎት ክቕበልዎ ኣለዎም። ኩለን ኣብ ጫፋት ዝነብራ ኣፍሪቃውያን ቀቢላታት ወይ ብሄራት ምስተን ኣብ ስግር መዳውብቲ-ሃገራት ዝነብራ ቀቢላታትን ብሄራትን ናይ ደምን ታሪኽን ምትእስሳር ኣለወን። ግን ከም ዜጋታት ናይተን ዝምልከተን ልኡላውያን ሃገራት ኮይነን ተኸባቢረን ይነብራ። ኣብ መንጎ ሃገርነትን ብሄርነትን ዘሎ ሚዛን እንተተመዛቢሉ፡ ክሉ ግዜ ናይ መንነት ቅልውላው ዘንቀሎ ኲናት ቀጻሊ ክኸውን እዩ። ስለ’ዚ፡ ትግራዎት ብመጀመርያ ምስ ኣሕዋትኩም ኢትዮጵያውያን እሞ ሰላም ግበሩ፡ ድሕርኡ ምስ ኤርትራውያን ትገብርዎ ዝምድና ርጉእን ርጡብን ይኸውን።
ከም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ሕ/ሰባት ሰንኮፋት (fragile) እዮም። ግርጭታት ዝፈትሑሉ ኣልያት (mechanisms) ዘየማዕበሉን፡ ድልዱል ፖለቲካውን ሕጋውን ትካላት ዘይብሎምን፡ ዝበሰለ ክኢላውን ምሁራውን (intelligentsia) ዓቕምታት ዝጎድሎምን ስለስለዝኾኑ፡ ብቐሊሉ ብሰራማት ፖለቲከኛታት ናብ ሓዊ ክጥበሱ ዝኽእሉ ሕ/ሰባት እዮም። ታሪኽ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ቀረባ እዋናት እውን ነዚ ሓቂ እዚ ይምስክር።
6- “ኩናት ንመንእሰያት ስለዝቐዝፍ መለስ ዜናዊ ነቲ ዝነበረ ናህሪ ከህድእ ይደሊ ነይሩ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንምእላይ ብብጾቱ ምድፍፋእ ይግበረሉ ነይሩ” ይብል ኣቶ ገታቸው ረዳ።
እንታይ እሞ ክጠቅም፡ ድሕሪ ማይ ኣብ ባዓቲ ከምዝበሃል፡ ዓስርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ዝቐዘፈ ኲናት ዘካየደ መራሒ እዩ ነይሩ። ተመሊሱ ድማ “ትርጉም ዘይነበሮ ኣዕናዊ ኲናት” ኢሉ ከኣ ተዛሪቡለይ። ኣሽካዕላል እዩ። እዚ ነተን ደቀን ዝተቐዝፍወን ኣደታት ኢትዮጵያን ኤርትራ ደበስ ኣይከውንን እዩ። እቲ ሓቂ ግን እዚ ዝስዕብ እዩ።
ሀ- መንቀሊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ወያነ እዩ ነይሩ። ካብቲ ብ1976 ዘውጸኦ፡ ንብዙሕ ክፋል ኤርትራ እንኮላይ ፍርቂ ከበሳን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ናብ ሪፑብሊክ ትግራይ ዘካተተ ማኒፈስቶ ዝብገስ ጸገም እዩ። መለስ ዜናዊ፡ ክሳብ ዝደልዎ ሕንክስ ክብል ጸኒሑ፡ ኤርትራ ናጽነታ ምሉእ ንምግባር ባጠራኣ ክተሕትም ምስ መደበት ጠባይ መለስ ክልወጥ ከም ዝጀመረ ተራእዩ እዩ። መለስ ዜናዊ ኤርትራ ካብ ጽልውኡ ትወጽእ ከምዘላ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነቶም ንትግራይ ዘማሓድሩ ዝነበሩ ጸረ-ኤርትራ ባእታታቱ ነገራት ክጽሕትሩ ኣዚዙስ ነታ “ካርታ ዓባይ ትግራይ” ከም ትሳኣል ገበረ። በዚ መሰረት ዓድታት ኤርትራ ፈናቒሉ፡ ሰራዊቱ ናብ ልኡላዊ ግዝኣታት ኤርትራ ሰዲዱ (ንኣብነት፡ ዓዲምሩግ፡ 1997)፡ ኣብ ዶብ ዝግበር ዝነበረ ንግዲ ብተራ ሽፍትነት ዝመስል ኣገባብ ከም ዝሰናኸል ተገይሩ፡ ባጠራ ኤርትራ ናይ “ኣስላም እዩ ከይትጥቀሙሉ” ተባሂሉስ ከም ወረቐት ሽቃቕ ዝወዓለሉ ኩነታት ተመዝጊቡ ኣሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሰራውሩ ከደልድል ወያነ ጸረ ኤርትራን ሻዕብያን ክሰብኽ ጀሚሩ፡ ሻዕብያ ንቑጠባ ኢትዮጵያ ወሪሩ ተባሂሉ፡ ናይ ህወሓት ኩባንያታት ነቶም ኣብ ኢዮጵያ ጽቡቕ ናይ መጓዓዝያን ፋይናንስያዊ ኣገልግሎን ዝህቡ ዝነበሩ ሕጋውያን ኩባንያታት ኤርትራ ክወዳደር ስለዘይከኣለ ወይ ከኣ ከም ተወዳደርቲ መጠን ሰለዘስግእዎ (ማለት እተን ሽዑ ዝምስረታ ዝነበራ ኩባንያታት ወያነ ንዕዳጋ ኢትዮጵያ ክብሕታ ተባሂሉ) ኣብ ልዕሊ ቑጠባዊ ትካላት ኤርትራ ዘመተ ኣካየደ።
ኲናት ምስ ተጀመረ፡ እውን ግድን ኣይነበረን ብሓይሊ ክምልስ። ብሓይሊ እንተመሊሱ እውን ኣህጉራዊ ሕጊ ናይ ምክልኻል መሰል ጥራይ እዩ ዝህቦ። ተመጣጣኒ መልሲ ከኣ እዩ ክህብ ዝግበኣኦ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ብዝሒ ህዝብን ናይ ምሽማትዓቕሙን ተኣማሚኑ፡ ካብቲ ኣሳሓሓቢ ዞባ ወጻኢ ግንባራት ከፊቱ። ኤርትራ ተቖጻጺሩ ንመን ከም ዝኣስርን ንመን ከምዝርሽንን፡ ነየኖት ናይ ቑጠባ ትካላት ከምዝራስን ከምዝዕኑን ከም ስርዓት መምርሒ ሂቡ እዩ ቀዳማይ ወራሩ ጀሚርዎ። ኲናት እንዳተመጠ ምስ ከደን ባድመ ምስ ሓዘን እውን ነቲ ኲናት ደው ከብሎ ዕድል ነይርዎ እዩ። ብመሰረት እቲ ናብ ዓዋተ.ኮም ልሒኹ ዝወጸ ጸብጻብ ስዉኣት ኤርትራ ክረአ እንከሎ፡ ልዕሊ ፍርቂ ክሳራር ድሕሪ እቲ ኤርትራ ኲናት ደው ክብል ዝተቐበለቶ እዩ ነይሩ። እታ ርህርህቲ ልቢ መለስ ደኣ እንታይ ወሪዱዋ እዩ፡ ንባድመ ኣምሊሱ ክንሱን ኤርትራ ቶኽሲ ደው ክብል ተቐቢላ ክንሳን፡ ስለምንታይ እዩ መለስ ነቲ ቐዛፊ ኲናት ክቕጽል ዝመረጸ?
እቲ ሓቂ፡ ወያነ ኣብ መጀመርያ ዙር መንግስቲ ኤርትራ ንምግምጣል እዩ ተላዒሉ። እዚ ከምዘይከኣል ምስ በርሃሉ እቲ ካልእ ዒላማ ኮይኑ ዝተሰርሓሉ ንወደብና ዓሰብ ምቑጽጻር እዩ ነይሩ። ዓሰብ ክሕዝ ኣሽሓት መንእሰያት ኣህሊቑ። ኮን’ዶ ይኾነለይ ብምባል ክሳብ ሰራዊቱ ዘፍ ኢሉ ንድሕሪት ዝድፋእ ንስምምዕ ኣልጀርስ የደናጒ ነይሩ።
ጀነራላት ወያነ ንኤርትራ ከም ዝሰዓሩን ሕቖ ሻዕብያን ከም ዝሰበሩን እዮም ኣብ ወግዓዊ መድረኻት ዝዛረቡ። ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ዓቕማ ዓቂባ ተንስሕብ ከምዝነበረት መለስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ እቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ዝነበሩ እውን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። መለስ ባዕሉ ከምዝበሎ እውን፡ ኲናት ደው ዘበለ ዓቕሙ ኣብ ክሉ ግንባራት ስለዝተጸንቐቐ እዩ። ናብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተጓየየ እውን ቅዲ ኲናት ሻዕብያ ስለዝፈልጥ እዩ። ኤርትራ ጸረ-መጥቃዕቲ ናይ ምግባር ዓቕማ ከምዘይነከየ ብጽቡቕ ገምጊምዎ ነይሩ።
እቲ ዘሕዝን ካልእ ነገር ናይ ጀነራላት ወያነ ድማ፡ እዚ ክሉ ንሻዕብያ ንፈልጣ ኢና፡ ኣብ ኤርትራ ተዋጊእና እናበሉ፡ ናይ ሻዕብያ ወተሃድርራዊ ልምዲ ዘይምፍላጦም እዩ። ሻዕብያ፡ ክሉ ግዜ ክሳራታቱ ንምንካይ ንቦታታት ይለቅቅ እዩ፡ ብ1978 ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ናብ ሳሕል ተመሊሱ፡ ኣብቲ ቀዋሚ ግንባራት ከይተረፈ ክንደይ ግዜ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዘይተመዓራረየ? ክንደይ ግዜ ግንባራት ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ሓልሓልን ዘይተብስዑ! ክንደይ ግዜ ዘይደፍአን ዘይተደፍአን? ብ1981 ንሻድሻይ ወራር ዝኸውን ድፋዓቱ ከተዓራሪ ካብ ኣፍደገ ኣፍዓበት ናብ ናቕፋ ብውሳነኡ ተመሊሱ። ኣብ 1985 እውን ነቲ ኣብ ባረንቱ ዝካየድ ዝነበረ ውግኣት ዘየዋጽኦ ምስ ኮነ ኣቋሪጹዎ ናብ ናይ ቀደም ድፋዓቱ ተመሊሱ እዩ። ከረን ንምሓዝ ብ1988 ዝተገብረ ሰፊሕ መጥቃዕቲ እውን ምዕባለኡ ርእዩ ኣቋሪጹዎስ ድፋዓቱ ከመዓራሪ ንድሕሪት ስሒቡ እዩ። ሻዕብያ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘጥረዮ ወታሃድራዊ ተመክሮ ነይርዎ። ንሱ ድማ፡ ሻዕብያ ብደረጃ መራቶን እዩ ዝሓስብ። ንናይ ነዊሕ ጉያ እዩ ንነብሱ መልሚሉ። ወያነ ግን ናይ ሓጺር ጉያ እዩ። ሻዕብያ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ኣተሓሳስባን ስትራተጅን (mentality & doctrine) እዚ ስለዝረዓሙ እዮም ንምረት ኲናትን ናብራን ተጻዊሮም ጸጸኒሖም ቦሎኽ ክብሉ ዝረኣዩ። ካብ ባድመ ንባረንቱ ክንደይ ኪሎመተር እዩ? ክንደይ ሂወት ከ ተኸፊልዎ? ናይ ወተሃደራዊ ሞያ ክኢላታት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕስለ ህልቂት መሕፈሪኦም ምኾነ። ንጀነራላት ወያነ ግን መጃሃሪ እዩ። በዓልቲ ሚእቲ ሚልዮንን ሃገርን ዝተዓጻጸፍ ናይ ሎጂስቲክስ ናይ ምግዛእ ዓቕምን ሒዝካስ ንሓንቲ ካብ ናይ ሰላሳ ዓመታት ኲናት ዝተገላገለት ገና መንግስታ እውን ዘየጣየሰት በዓልቲ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ዝኾነት ጀማሪት ሃገር ገጢምካ፡ ብዋጋ ኣስታት 70 ሽሕ ናይ 10 ኪሎመተር ምድፋእስ ያኢ ዓወት ተቖጺሩለይ!? ሓደ ኣብቲ ኲናት ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ዓርከይ፡ “ ሕጂ ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ፡ ንጀነራላት ደርግ እንእድ። ጀነራላት ደርግ ሰራዊቶም ብምህላቖም ንንዕቖም ነይርና፡ ናይ ወያነ ጀነራላት ግን ንበይኖም እዮም” ኢሉኒ።
“መለስ ዜናዊን ህወሓትን ኣብ ናጽነት ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ” ይብል ኣቶ ገታቸው ረዳ።
እዚ’ሞ ካብቲ ኣብ ኣቑሳልና ዝንስንስዎ ዘለዉ ጨው-በርበረ እንድዩ፥ ግን ከ እንታይ ዋጋ እዩ ወያነ ንንጽነት ኤርትራ ዝኸፈሎ? ስለምንታይን ከ ንናጽነት ኤርትራ ዋጋ ዝኸፍል?
ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝበዝሐን ዝሓየለን ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘካትት ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ከርዲኑ፡ ድሂኹ ኤርትራ ብምልኣ ሓራ ገይርዋ። መለስ ዜናዊ ይኹን ዝኾነ ካልእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ንናጽነት ኤርትራ ክቕልብስ ተኽእሎ ኣይነበረን። ኤርትራውያን ብደሞም እዮም ናጽነቶም ክዉን ገይሮማ።ካብቲ ሻዕብያ ንናጽነት ኤርትራ ኢሉ ካብ ወያነ ዝደልዮ ዝነበረ፡ ኢትዮጵያ ንምርግጋእ ወያነ ካብ ሻዕብያ ዝደልዮ ዝነበረ ይበዝሕ ነይሩ። ዓለም እውን ኣብ መወዳእታ ናጽነት ኤርትራ ከም ኣብ ባይታ ክዉን ዝኾነ ነገር ተቐቢልዎስ ሓያላት መንግስታት ከይተረፋ ናጽነት ኤርትራ ከምዝእወጅ ጥርጥር ኣይነበረንን።
እምበር ከ፡ ብ1991 ወያነ ንኤርትራ ክዋጋእ ነይርዎ ማለት ድዩ? ንሱ እሞ ዘይከኣል እዩ ነይሩ። ደሓር እውን ዓቕሙ ምስ ኣደልደለን ኢትዮጵያ ምስ ኣረጋግአን ‘ኮ ተዋጊኡ እዩ፡ ግን ኣይኮኖን እምበር። 1991-93፡ ወያነ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ክረክብ ዝጽዕረሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ዝገብሮ ነገር ኣይነበሮን። ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ካብ ዓንኬል ጽልውኡ ከይወጸት ብቑጠባ ክቖጻጸራ ዝኽእል መሲልዎ ነይሩ ይኸውን። ናጽነት ኤርትራ ብሓቂ ዘኽብር ነይሩ እንተዝኸውን፡ ኤርትራ ባጠራኣ ክተሕትም ምስ ጀመረት ክሕጎስን ክብረሆን ነይርዎ። እንተኾነ ግን፡ ኲናት ንምጽሕታር ንበዓል ኣስራት ገብሩ ኣዋፊሩ እዩ። ብሕሳብ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ግዝኣቱ ከደልድል ኢሉ፡ “ኤርትራ ወሪራትና፥ ሎሚ ተረኽበ ንሻዕብያ ክንቐጽዕን ሕቖ ኤርትራውያን ክንሰብርን” ብምባል፡ ኤርትራ ብሓይሊ ኸምልሳ ከምዝኽእል ብዘምስል ዘመተ እዩ ኣማእት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ናብቲ ኲናት ጠቢሱ።
ብሓፈሽኡ፡ ንኣእምሮን ጠባያትን መራሕቲ ወያነ እትገልጽ ሓንቲ ቃል ኣላ። እንተ ብኣጋጣሚ ይኹን ወይ ከምቲ ኣነ ዝግምቶ ዘይትንጸል ኣካል ኣተሓሳስበኦም ኮይና፡ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካአል ይደጋግማ እዩ። ዝብርቕርቕ ትብል ቃል ንኣካይዳ ወያነ ግርም ገይራ ትገልጽ እያ። ቀደም ንሰውራ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ልዕሊ ውድባት ኤርትራ ንሓልየሎም እንዳበሉ ብግብሪ ግን ንቃልሲ ኤርትራ ዘዳኽም ዕንቅፋታት ይገብሩ ነይሮም። ኣብ ትስዓታት፡ ሚሊሻታት ትግራይ ንሓረስቶ ኤርትራ ከጋፍዑን ኣመሓደርቲ ትግራይ ነቲ ገዚፍ ክፋላት ኤርትርራ ዘጎበተ ካርታ ዓባይ ትግራይ ክስእሉ እንከለዉ፡ መለስ ዜናዊ ንመንግስቲ ኤርትራ “ግዲ የብልካን እቶም ታሕተዎ መራሕቲ ዝገብርዎ ዘለዉ እዩ” ይብል ነይሩ። ብግብሪ ግን ነቲ ገባቲ ትልምታት የተባብዕ ነይሩ። ሎሚ እውን ንሰላም ቅሩባት ኢና እንዳበሉ፡ ኣንጻር ሰላም ቅድመ-ኩነታት ይድርድሩ ኣለዉ። ኣብ ዝጥዕሞም ግዜ ልዕሊ ዓቕሞም ይጎዩን ይንፍሑን ኣብ ዘይጥዕሞም ግዜ ድማ ኣመና ይሕንክሱን ምሽክንክን ይብሉን። ነገራት ወያነ ዝብርቕርቕ እዩ።
ደሓር ከ፡ ፊን ኣብ ዝበሎ መንግስቲ ኤርትይራ ክዓሉን ወደባት ኤርትራ ክምንዝዕን ዝመጣላዕ ስርዓት፡ ንናጽነት ኤርትራ ይኣምን ነይረ ክብለና ኣይክእልን። ናጽነት ኤርትራ ከም መሳርሒ ንምርግጋጽ ጠቕሚ ትግራይ እምበር፡ ብሓቂ ናጻ ኤርትራ ንምርኣይ ከምዘይነበረ ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመታት ተጋሂዱ እዩ።
ስለ’ዚ፡ ኣቶ ገታቸው ረዳ፡ መለስ ዜናዊ ኤርትራ ዳግም ንምውራር ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ደኣ ክብለና የምሕረሉ እምበር፡ ንናጽነት ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ከፊልና ክብለናስ ኣይግድን። ብሱሩ እውን ኣይወሓጥን እዩ። ስለ’ዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባታት ኣቑሳልና ከም ዝባላዕ ካብ ምግባር ካልእ ዘበርክቶ ፋኢዳ የብሉን። ግን ከምኡ ኢልኩም ካብ ነቐጽኩም፡ ንናጽነት ኤርትራ ሕልፊ ውድባት ኤርትራ ሓሊናሉን ከፊልናሉን ክትብሉ ካብ ደፈርኩም፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ኤርትራ ኢለኩም ኣለኹ።
ነሓሰ 2018