Categories
Uncategorized

ድሕረ-ቅልውላው- 2ይ ክፋል

ስለምንታይ ሎሚ

ማሕሙድ ሳልሕ

እዚ ዝስዕብ ዓንቀጽ፡ መቐጽልታ ናይቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣርእስታት ማለት ቅልውላውን ድሕረ-ቅልውላው 1ይ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍጥነት ዝጓዓዝ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት (ሕጂ’ኳ ቅሩብ ሃዲኡ) ብዝተፈላለየ ኩርነዓቱ ዝድህስስ ፈተነ እዩ።  ብዙሓት ዜጋታት በቲ ኩነታት ክስከፉን ክሰግኡን እርኢ ስለዘለኹን፡ ነዚ ስግኣታት’ዚ ዝምዝምዙን ዘጋንኑን እውን በቲ ሓደ ወገን ስለዘለዉ፡ ብወገነይ “ብኸምዚ እንተረኣናዮ ኸ” ንምባል ከም ርኢቶ ዘቕርቦ ሓሳባት እዩ። ንሓደ ክውድብ ወይ ነቲ ካልእ ከሳድድ ዝገብሮ ስራሕ ኣይኮነን። ብሓፈሽኡ፡ ፖለቲከኛታት ይኹኑ ካልኦት ህዝቢ ንምጽላው ዝጽሕፉ ሰባት፡ ቅንዕና ከዘውትሩ  እላቦ።

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ከብረሆ ከምዝፈተንኩ፥ ዝበዝሕ ምድንጋር ነቲ ኩነታት ብግቡእ ካብ ዘይምግምጋም ዝብገስ ኮይኑ ይስመዓኒ። ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ይኹን ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ስሉጥ ምሕዳስ ዝምድናታት ከምኡ እውን ብሓፈሽኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍጥነት ዝምዕብል ዘሎ ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝን ሰናይ ጉርብትናን ንጥፈታት ብግቡእ ክንበብ እንተኾይኑ፡ እዚ ዝስዕብ መሰረታዊ ሓቂ ክነስተብህለሉ ኣለና።

እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ 27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ክገዝእ ዝጸንሐ ሓይሊ ምስ ፍልስፍንኡን ኣተሓሳስባኡን፡ ሎሚ የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ዳግመ-ስርርዕ ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱር እንዳ ሰደደ እዩ። ኣተሓሳስባ  መራሕቲ ወያነ ንጽልእን ቅርሕንትን ቅንእን ዕብለላን ዓመጽን ስርቅን ይውክል። ኢትዮጵያውያን ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣልዮሞ ኣለዉ። ዳግም ትንፋስ ከይዘርእ ድማ ኣብ ምርብራብ ኣለዉ። እዚ ተወጊኑ ዘሎ ፍልስፍና ወያነ፡ ንናይ ትማሊ ገፈጥ-መፈጥ ይውክል። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰረት ዝሕዝ ዘሎ ሓድሽ ኣተሓሳስባ፡ ከም ተቓውሞ ወይ ከኣ ነጸገታ (negation) ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ወያነ ክኽተሎ ዝጸንሐ ስነሓሳብን ሜላታትን ክውሰድ ይኸኣል። ስለ’ዚ፡ ነዚ ሓድሽ ኩነታት ብግቡእ ክንበብ እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ዘመነ-ወያነ ዝሳዕረረ ናይ ጎበጣን ዕብለላን ኣተሓሳስባን ቋንቋን ፖለቲካዊ ባህልን ብመሰረቱ ከምዝተቐየረ ክቕመጥ ኣለዎ። ነዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት’ዚ ከም ሓሳብ ቀሪጽካ ክተሰላስሎ ይኹን ክትርደኦ (conceptualize ክትገብሮ) እንተዀንካ፡ ኣተሓሳስባኻ ብሱሩ ካብ ዝመነ-ወያነ ክላቐቕ ኣለዎ። ኣብ ዘመነ-ወያነ ኮይንካ ነዚ ሓድሽ ምዕባለታት ብግቡእ ክትግግንዘቦ ኣይትኽእልን።

ካብዚ ቀጺለ ንሓደ ካብቶም ኣብ ኢንተርነት ዝመላለሱ ዘለዉ ሻቕሎት (anxiety) ዘበጋግሶም ሕቶታት ኣልዒለ ክዝቲ (discuss) ክፍትን እየ። ብሱሩ እውን ሻቕሎት፡ ነቶም ዘሻቕሉ ነገራት ጽቡቕ ገርካ ካብ ዘይምርዳእን ምቑጽጻሮምን ዝመጽእ ስለዝኾነ፡ መፍተሒኡ ክፉት ክትዕን ዘተን እዩ። ርሑውን ትስፉውን መንፈስ የሃልወና እምበር እዚ ናይ ምድንጋር ግዜ ከይተሸርመምናን ከይተቖርመምናን ብደሓንና ክንሰግሮ ኢና- stay positive.

ስለምንታይ ሕጂ

“ ስለምታይ ኢና ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬትና ከይወጸን ዶባትና ከይተኸለሉን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሰላም ዘተ ንኣቱ? ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ ስለምንታይ ንጻውዒት ናይ’ቲ ብወያነ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢልና ቅድሚ 16 ዓመታት ኣብ ዘተ ዘይኣተና? ” ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። እዞም ሰባት ነቲ ኣብ መእተዊ ዘቐመጥክዎ መሪሕ-ሓሳብ ማለት ሎሚ እቲ ትማሊ ዝገዝእ ዝነበረ ወያነን ኣተሓሳስብኡን ከምዝተቐየረ ገና ዘይተሰወጦም እዮም። ብዝኾነ፡ ነዚ ምጉት’ዚ በዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከፍርሶ ክፍትን እየ።

ሀ. መንግስቲ ወያነን ኣተሓሳስብኡን  እዮም ዝተዋገኣኡናን ምስኡ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝኸድናን’ምበር እዚ ብዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኣይኮነን። ሎሚ መንግስቲ ወያነን እቲ ንሱ ዝውክሎ ኣተሓሳስባን የለን።  ወያነ ከም ወሳኒ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ክቅጽል እዩ። ክሕደስ ተስፋ እገብር። ይኹን እምበር፡ እቲ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጸጋታቶምን ብሒቱ ንህዝብታት እዚ ኣካባቢ ሰላም ዝከልእ ዝነበረ ወያነ ሎሚ የለን።  መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ እንተደኣ ዘይገበረ፡ ነዚ ዝመጽእ ዓመታት ወሳንነቱ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕረ ቑምንኡ (ማለት ከም ወካሊ ናይ 6% ህዝቢ ኢትዮጵያ) ክኸውን እዩ።

እቲ ወያነ ዝዕብልሎ ዝነበረ ኢህወደግ እውን ብመሰረቱ ተቐዪሩ እዩ። ስም ደኣ እዩ ዘሎ እምበር፡ ኣካይድኡን ኣረኣእያኡን፡ ኣመለኻኽትኡን ፍልስፍንኡን ኣብቲ ሕጂ ንኢትዮጵያ ዝገዝእ ዘሎ ሓይሊ የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሰውራ እዩ ተኻይዱን ዝካየድ ዘሎን። ካብ ኣብራኽ ኢህወደግ ዝወጸ ሓይሊ፡ ነቲ ግንባር ብደዉ እንከሎ እዩ ብሰላም ተቖጻጺርዎ።  ስለ’ዚ፥ ግዜ ተቐዪሩ እዩ። እቶም ዘይምርድዳእን ጎነጽን ዘስዕቡ ዝነበሩ ናይ ዕብለላን ናይ ምትህልላኽን ኣተሓሳስባታት የለዉን። ብሓቂ’ውን፡ ኢህወደግ ኣስከረኑ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ሓንጎሉን ኣንግዑን ተሓዲሱ እዩ። ሓድሽ ኣመለኻኽታን ቋንቋን እዩ ኣብ ኢዮጵያ ሰፊኑ ዘሎ። እዚ ድማ ንቀዳምነታት መንግስቲ ኤርትራ ክጸሉን ምትዕጽጻፍ ክገብርን ኣተባቢዕዎ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገበሮ ምትዕጽጻፍ ኣብ ግዚኡ ዝመጸን ክምስገን ዘለዎን እዩ።

ለ. ከምቲ ኣብታ “ቅልውላው” እትብል ጽሑፈይ ኣስሚረሉ ዘለኹ፡ ብራእን ድሌትን ደረጃ ክረአ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስቶም ነዚ ብዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዉን ንምግባር ንዓመታት ዝተዋደቑ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ርኢቶኦም ስጡም ወይ ዝመሳሰል ኮይኑ ክምዕብል ዝጸንሐ ይመስል።  ኣብ ዝተፈላለየ መዳያትን በዚተፈላለየ ደረጃታትን እውን ርኽባትን ምውህሃድ ስራሕን ምንባሩ ርዱእ እዩ። ነዚ ምዕባለታት’ዚ ዘይተኸታተለ ሰብ፡ እቲ ዝረኣናዮ ናይ “እንቋዕ ኣሓጎሰና” ድግሳት ከም ሃንደበት ኮይንዎ ይኸውን። ስለ’ዚ፡ ምስ ምውጋን ወያነ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘለዉ ሰበ-ስልጣን፡ ብዛዕባ ኣፈታትሓ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዞባናን ዘለዎም ራኢ ተመላላኢ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። እቲ ነቲ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ባብ ረጊጡ ዝነበረ ወያነ ምስ ተኣልየ፡ ነገራት ብስሉጥ ክምዕብሉ ክኢሎም።

ሐ. ወያነ ንእማመ ብይን ዶባት ብመትከል ደረጃ ጥራይ እዩ ተቐቢለዮ ኢሉ። እዚ እውን ድሕሪ ክንደይ ኣህጉራዊ ጸቕጢ እዩ። ኣብ ቋንቋ ዲፕሎማሲ፡ “ብመትከል ተቐቢለዮ ኣለኹ” ምባል፡ ብልዙብ ቃላት “ነጺገዮ ኣለኹ” ከም ምባል ማለት እዩ። ቤት ፍርዲ ከይዱ ከብቅዕ፡ ነቲ ፍርዲ  “ብመትከል ተቐቢለየ ኣለኹ” ኢሉ፡ ግን ብግብሪ ነቲ ብይን ረጊጹ ክኸይድ ጸኒሑ። ኣብ ጎቦ ስለዝተጸገዐ ዘፍረሖ ነገር ኣይነበረን። ሎሚ እቲ ናይ ቀደም ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ- ከም በዓል ሱዛን ራይስን ጃንዳይ ፍራዘርን ፕረሲደንት ባራክ ኦባማን- ዝሃነጽዎ ናይ ዕብለላን ዓመጽን ጎቦ ሃደሽደሽ ዝብል ዘሎ ይመስል። ምስኡ ድማ እቲ ኣብኡ ተኣማሚኑ ፖሊስ ዞባና ኮይኑ ዝጸንሐ ወያነ ተለኪሙ ከይዱ ኣሎ።

ስለ’ዚ፡ ምስ ሓደ ነቲ ብይን ብክፉት ልቡ ከተግብሮ ቅሩብ ዘይነበረ ሓይሊ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኤርትራ ስዩም ንምባል ክጽዕር ዝጸንሐ ሓይሊ ንዘተ ምቕራብ ብዘይካ ቀሓርን ጣዕሳን ካልእ ፋይዳ ኣይምተረኽቦን ነይሩ። መንግስቲ ወያነ ንመንግስቲ ኤርትራ ንምዕላውን፡ ኤርትራ ርእሳ ከምዘይተቕንዕ (assertive ከምዘይትኸውን) ንምብግባራን፡ ኣብ ኤርትራ ናቱ ተለኣኣኽቲ ብምሻም፡ ንዝምድና ኤርትራን ትግራይን ናብቲ ናይ ባሕሪ-ነጋሽን ነገስታት ትግራይን ዝነበረ ደረጅኡ ንምምላስ እዩ ነይሩ እስትራተጅኡ። ገና ሕጂ እውን ካብዚ ሕልሚ ተገላጊሎም ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋሁን ምስ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ጉጅለን ንዘተ ኮፍ ምባል ትርጉም ኣይምሃለዎን። ዓው ኢሎም’ኳ ነጊሮምና እዮም፡ “ ኤርትራ ከምዘይትትንስእ ክንገብራ ኣለና፡ ሕቖ ኤርትራውያን ክንሰብር ኢና” ኢሎምና እዮም። ሕብእብእ ዘይብሉ።

መ.  ብሓጺሩ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ቅልጡፍ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ሃዋሁ ኣብ መቓብር ጽልኢ ዝጥጥዕ ዘሎ ፍቕሪ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።  ንስምምዕ ኣልጀርስ ይኹን ብይን ዶባት ምሉእ ብምሉእ ተቐቢለዮ ኣለኹ ዝብል ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ እውን ንኤርትራን ህዝባን ኣኽብሮት ዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ኢትዮጵያን ምምጽኡ ነቲ ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ ይቕይሮ። እዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣተሓሳስባ ብ1998 ኣብ ኢትዮጵያ እንተዝነብር ፡ እቲ ከም መንቀሊ ኲናት ዝኾነ ናይ ጽልእን ቅንእን ኣተሓሳስባ መራሕቲ ትግራይ ዝደረኾ ካርታ ዓባይ ትግራይን ንሱ ዘበገሶ ምክልባት ናይቶም ኣብ ዶባት ዝነበሩ ዓድታት ኤርትራን ተግባራዊ ኣይምኾነን። ኣክንዲ እቲ ናይ ኣውዲቕካ ሕለፍ ዝመሰረቱ ኣተሓሳስባ መራሕቲ ትግራይ፡ ብሓባር ንርባሕ፡ ንደጋገፍ፡ ንደመር፡ ንመላላእ ዝብል ቋንቋ ምሃለወ ነይሩ። ኣክንዲ ናይ ዕዉት-ስዑር ጽምዶ (zero-sum) ናይ ዕዉት-ዕዉት (win-win) ኣተሓሳስባ ምሃለወ ነይሩ። ንኲናት ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ብኣግኡ ምተወገዱ።

ስለ’ዚ፡ እቶም ስለምንታይ ቅድሚ 16 ዓመታት ምስ መንግስቲ ወያነ ዘይተዛተና ዝብሉ ሰባት፡ ወያነ “ንዘራረብ” ክብል እንከሎ፡ “ናይ ወያነ ሓሳብ ወይ መደብ እንታይ ነይሩ” ኢሎም ተመሊሶም ንርእሶም ክሓቱ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ተዘራሪብካ ክፍታሕ ስለዘይተኻለ እዩ ናብ ኲናት ማዕቢሉ። ተዘራሪብካ ክፍታሕ ስለዘይተኻእለ እዩ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ዘምረሐ።

ሰ. እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ኣብ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝተመስረተ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ሽዑ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ወላ እቲ ግጭት ከም ገለ ኢሉ እንተዝፍጠር እውን ቀልጢፉ ምዓረፈ ነይሩ። ኣብ ፖለቲካ ፍጹም ዝበሃል የለን፡ ኲናት ብጽሉላት ጀነራላት እውን ክባራዕ ይኽእል እዩ። ብቕልጡፍ ድማ ካብ ቁጽጽር ፖለቲካውያን መራሕቲ ክወጽእ ይኽእል እዩ። ግን ከምዚ ዶ/ር ዓቢ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ እንተዝነብር፡ ኲናት ቀልጢፉ ደው ምበለ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ዘኸይድ ነገር እውን ኣይምተረኽበን። ወላ ንሕጋውን ተክኒካውን መዳያት ናብ ቤት ፍርዲ እንተዝኽየድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ተቐቢሉስ ኣብ ባይታ ምተተግበረ’ሞ ቀደም ኣቑሳልና መሕወና ነይርና። ግን ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ኢትዮጵያ ግዝኣት ወያነ ነይራ። ምስ ሓደ ንሃገራዊ ክብርኻ ዝዳፈርን ኣብ ቅርሕንትን ተንኮልን ዝነብር ሓይሊ ሰላም ክግበር ዝከኣል ኣይኮነን። ወላ ኤርትራ ነቲ “ንዘራረብ” ዝብል ጻውዒት ወያነ ተቐቢላ እቲ ተክኒካዊ መዳያት ናይ’ቲ ዶባት እንተዘኽትም፡ ወያነ ሰላምን ብልጽግናን ኤርትራ ንምዝራግ ካልእ ምስምስ ኣይምሰኣነን ነይሩ። ምኽንያቱ ዶብ ምጥራር፡ ከምቲ ንሕማም ቃንዛ ዝወሃብ መድሃኒት፡ ነቶም ምልክታት ደኣሉ የዕግስ እምበር ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ኣይፍውስን። ወራርን ጎባጥን ኣስፋሕፋሕን ኣተሓሳስባ ክሳብ ዘሎ፡ ምጥራር ዶብ ውሕስነት ኣይህብን እዩ። ስለ’ዚ፡ እቶም “ስለምንታይ ሎሚ” ኢሎም ዝሓቱ ሰባት ወይ ኮነ ኢሎም ንፖለቲካዊ ረብሓ ዝብልዎ እዮም ወይ ድማ ዘመን ከምዝተቐየረ ገና ዘይተረደኦም እዮም።

ስርዓት ወያነ ምስ ኣተሓሳስብኡ ምስ ተወገነ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ዓይነት ትስፉው ኣየር ክነፍስ ምጅማሩ፡ እቲ ጠንቂ ናይ “ኣይሰላም ኣይ ኲናት” ወያነ ከምዝነበረ ብዘየወላውል ክረጋገጽ ይኽእል።

ድሕረ-ጽሑፍ፥

ኣብ ኤትዮጵያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግጥምያ ናይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ይካየድ ኣሎ። ነቲ ኣረጊት ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ኣሰራርዓን ክመልሱ ዝፍትኑ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ኻልእ ድማ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ተስፋ ናይ ለውጢ ከየምልጦም ዝቃለሱ ዘለዉ ወገናት ኣለዉ። ንኣብነት፥ ኣብዚ እዋን፡ ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ጂጂጋ ኣትዩ ነቲ ወያነ ብስም “ፍሉይ ፖሊ” ዘዕጠቖን ዘተባብዖን ፕረሲደንት-ነበር  ናይ’ቲ ክልል ኣልዩ፡ ሓድሽ ፕረሲደንት መዚዙ ኣሎ።

እዚ ተረኽቦታት እዚ ሞገታዊ ሳዕቤን ናይ’ቲ ወያነ ዝተኸተሎ ከፋፋሊ ፖለቲካ እዩ። እንግሊዛውያን ነቶም ክገዝእዎም ዝጸንሑ ኣህዛብ ለቒቖም ክወጹ እንከለዉ ሓዊ ዘሪኦምሎም እዮም ዝከዱ። ብዓሌትን ሃይማኖትን እንዳታትን ከፋፊሎሞምን ኣቀራሒኖምን እዮም ዝገድፍዎም። እቶም ኣህዛብ ንግርጭታቶም ምምሕዳር ምስ ሰኣኑ፡ ነቶም ገዛእቶም እንግሊዛውያን “ ንዑ’ባ ኣታዓርቑና፡ ምኸሩና” ክብልዎም ይግደዱ። ወዮ እንግሊዝ ድማ ነቲ “ሓድሽ መግዛእቲ” ዝበሃል ሜልኡ ብምኽታል፡ እቶም ኣህዛብ ዓብዮምን ልቢ ገይሮምን ሓዳሮም ከምዘይፈልዩ ይገብሮም። እቲ ሓድሽ መግዛእቱ ብተለኣኣኽቱ ቀጻልነት ከምዝህልዎ ይገብር።

ወያነ እውን ንኢትዮጵያ ናይ ዓሌት ፖለቲካው ዘሪኡላ እዩ ናብታ መዕቆቢቱ ትግራይ ተመሊሱ ዘሎ። እዚ ሓድሽ ስርዓት ናይ ኣቢ ኣሕመድ፡ ብርቱዓት ብደሆታት ከምዘጋጥምዎ ፍሉጥ እዩ።  ኣብዚ ናይ ምርግጋእ ግዜ፡ ስለስተ ድኹማት መላግቦታት ከይብተኹ ምስትውዓል ከድሊ እዩ። ብመንጽሩ ድማ ሃገራዊ ረብሓና ብኸመይ ከምዝጽሎ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ንሶም ድማ፥

ዝምድና ትግራይን ማእከላይ መንግስትን (ኣብ መንጎ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ርኡይ ምንሕናሕ ይረአ ኣሎ)
ዝምድናታት ኦሮሞን ሶማለን (ኣብ ጎሳ/ዓሌት ዝተመርኮሰ ግጭታት ብሰላም ክፍኡ ኣለዎም)
ክጎሃሃር ዝኽእል ዓቕሚ ተኸትልቲ ስርዓታት ሃይለስላሰን መንግስቱ ሃይለማርያምን ከምኡ እውን እቲ ናይ ምስፍሕፋሕን ትምክሕትን ፖለቲከኦምን

ኣብ ጎረቤትና ትግራይ፡  ህወሓት ክበስልን ቅልጡፍ ጽገናታት ከተኣታቱን ኣለዎ። እንተደኣ እዚ ንርእዮ ዘለና ገታር ኣካይድኡ ቀጺሉ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ምግጫዉ ኣይተርፎን እዩ። ብሓፍሽኡ፥ ኣብቲ ንትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝምልከት ጉዳይ፡ ነቲ ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ኣብ መንጎ ሃጸይ የውሃንስን ሚኒሊክን ዝነበረ ምፍኽኻርን ውድድርን ዘዘኻኽር ተርእዮታት ይቅልቀሉ ኣለዉ። ብኣግኡ ክውገኑ እትስፎ።

ከምቲ ወትሩ ዝብሎ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለና ሰናይ ዝምድና ብደረጃ መንግስትን ህዝብን ክድፈኣሉ ኣለዎ። ከም ኣብ ክሉ ካልእ ወገን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝስንዘር ዝኾነ ይኹን ናይ ዓሌት መጥቃዕቲ ክንቃወም ይግባእ። ባእስና ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ፡ ምስቶም ብስሙ ዝሃብተሙ ውሑዳት ደመኛታት መራሕቲ ወያነ እዩ። ንሶም ግን ካብ ዝባንና ክወርዱ ኣለዎም።

ነሓሰ 2018

sheideli95@gmail.com

ድሕረ-ቅልውላው- 2ይ ክፋል ስለምንታይ ሎሚ? ማሕሙድ ሳልሕ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s