ናብ ዝኸበርኩም Meskerem.net ካብ ዜግነታዊ ሓላፍነትን ጽቡቅ ድሌትን ተበጊሰ ጥራሕ እየ መሊሰ …… ማሕሙድ ሳል
Source: http://www.erigazette.org/?p=10747
ዝኸበርኩም መስከረም፡ ንስኹምን መሳትኹም ወብሳይታትን ነቲ ርእይቶታናን ሓሳባትናን ብናጻ ክንገልጽ ትገብርዎ ዝጸናሕኩም መሪሕ ተራ እናመስገንኩ ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ነቀፈታይ ብምስጋና ክጅምሮ።
አዝዮም ሓጸርቲ ግን ከኣ ጎጠይትን ጠወቅትን መልእኽትታት ብምትሕልላፍ ዝወዳደረኩም ዘሎ አይመስለንን። አብ ዝተወሰኑን ዝግበኦምን አጋጣሚታት ክስረሓሎም ከሎ ነንባባይ ንጹርን ስሉጥን ሓበሬታ የሕልፉ። ከመይ ሲ አክንዲ ገጻት ዝሽፍን ገለጻታት ናብቲ አድላዪ ቁምነገር ድቅድቅ ስለትብሉ፤ ካብቲ ገለና እንገብሮ ኮለል ምባል ድሒንኩም ብጊሓቱ ክሳድ ስለትሕዙ። እቲ ሓጸርቲ መልእኽትታት ገይርኩም ንፖለቲካውያን ውድባትን መራሕተንን እትገብርዎ ጸቅጢ ጽቡቅ እዩ ምኽንያቱ አብ ፊት ህዝቢ ቀሪቦም ነቲ ብድሕሪ መጋራጃታት ዝገብርዎ ናይ ውረድ-ድይብ ርክባት ክገልጹ ስለዝግደዱ። እንተ ወሓደ እቲ ነባባይ እንታይ አንፈታት ከምዘሎ ተገንዚቡ ነቲ ሓቂ ክፈልጥ ናቱ ጻዕርታት ክገብር የተባብዕ።
እንተኾነ ግን ገለ-ገለ ጉዳያት ትዕግስትን ጥንቃቀን ዝደልዩ ኮይኖም ይስምዑኒ። በቲ ፍሉጥ ናይ መስከረም ናይ ምውቃዕ ቅዲ ክተሓዙ የብሎምን ዝብል እምነት አለኒ። ንፖለቲካኛታትን አተሓሳስበኦምን እንተአዋቃዕኩም ጸገም አይፈጥርን እዩ። ንምንታይ ሲ አካል ናይቲ ዝኾነ ሚድያ ክገብሮ ዝግበኦ ስራሕ እዩ። በዚ መዳይ’ዚ ክትምስገኑ ይግበኣኩም። ንህዝቢ ዘዋቅዕ ዝመስል ምውዕዋዕ ግን ሐደገኛ እዩ።
መንቀሊ ጽሑፈይ እቲ አብዚ ቀረባ ግዜ ንቤት-ትምህርቲ አል-ድያእ አል-እስላሚያ መሰረት ገይሩ ብተደጋጋሚ አብ ቀዳማይ ገጽ ወብሳይትኩም ክልጠፍ ዝጸንሐ ሓጸርቲ መልኽትታት እዮም። ነቲ ብዝተፈላለዩ መሻይኽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ክመሓላልፈ ዝጸንሐ ዝንቡዕ ስብከታዊ መግለጽታት ምኽንያት ብምግባር፡ ብተደጋጋሚ “አንታ፡ ዝምልስ አስላማይ የለን’ንድዩ” ክትብሉ ረኤይኩም። ዕላማኹም ምይይጥ ክካየድ ነይሩ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግን እቲ መልእኽቲ ካብቲ ሃናጺ መዳዩ እቲ ናይ ምውዕዋዕ መዳዩ ዝጎልሐ ኮይኑ ይስምዓኒ። ኮይኑ ድማ ብዙሓት ንእሽቶ ትንክፍ ተድልዮም ዝነበሩ ሰባት ናብቲ ናይ ጽልእን ምጉዝዛይን ጨፈቃ ክዘሉ ግዜ አይወሰደሎምን። እሞ ደኣ ንእልፊ አንጻር ኣስላም ዝፍኖ ግዕዘይ ሰሚዐ ወይ አንቢበ “ሃየ በሉ መስከረም መልሱ አባ” ክብል ድየ?
ክቡራት እንዳ መስከረም፡ እዚ ጉዳይ እዚ ሃገራዊ ጉዳይ እዩ። ብወገነይ ሓሳበይ ክገልጽ ፍቃድ ዝሓቶ ወገን የለን። በሃሊኦም ብዘየገድስ፡ ነገራት ቅኑዓት ድዮም አይኮኑን እዩ ዘገድሰኒ። ነቲ ናይ ኣግአዝያን ኩምራ ዘለፋን ጽልእን ዝመለስኩሉ አስላማይ ስለዝኾንኩ’ሞ ስለዝቆንጠወኒ ኣይነበረን። ዜግነታዊ ግቡአይ ስለዝደረኸኒ እየ መሊሰሉ [1ይ፣ 2ይ]። ከምኡ እውን ድሕሪ ምምስራት ማሕበር ደቂ መታሕት፡ ብሳልሕ ጆሃር ናይ ዓዋተ.ኮም ዝተጻሕፈት ዓንቀጽ ዝተርጎምኩ አስላማይን ወዲ መታሕትን ስለዝኮንኩ’ሞ እቲ ነገር ዝያዳ ይብጸሓኒ እዩ ስለዝበልኩ አይኮነን [3]። እንታይ ደአ ሃገራዊ ሓላፍነተይ ስለዝደረኸኒ ጥራይ እዩ። እቲ ብስም ደቂ መታሕት ዝተበገሰ ምትእክካብ ካብ ረብሓኡ አበሩ ከም ዝዛይድ ስለዝተረደኣኒ እዩ። ኮይኑ ድማ ብዘይካ ምጥርጣርን ምፍንጫልን ክሳብ ዕለት ሎሚ ዘመዝገቦ እወታዊ መክሰባት የለን። ንሃገር ዝምልከት ጉዳያት ዝተወሰነ አካል ናይቲ ሃገር ዝውስኖ አይኮነን። ፈቲና ጸሊእና አብ መወዳእታ ክንጋባእ ኢና። ነዚ ክብል እንከለኹ፡ ንሰላምን ምክብባርን ሓድነታዊ አመለኻኽታን ካባይ ንላዕሊ ዝሰርሑ ከምዘለዉ አይዝንግዕን እየ።
መስከረም ኣብ ቀዳማይ ገጽ ወብሳይቱ፡ ከምቲ ልሙድ “ አበይ ደኣ አለዉ እዞም ኣስላም ዘይምልሱ” ድሕሪ ምባሉ ነቲ ቤት-ትምህርቲ አል-ዲያእ አመልኪቶም ብወጻእተኛታት መሻይኽ አብ ዝተፈላለየ መሳጊድ ዝተዋህበ ዝንቡዕ መግለጽታት ይዝርዝር’ሞ ነቲ ዝንቡዕ መግለጽታት መልሲ ዝሃቡ ኤርትራውያን ኣስላም ከምዘይረኣየ ሓቢሩ “ ኣይረኤናን ኣይሰማዕናን፡፡ብዘይካ ተባዕ ማሕሙድ ሳልሕ። ካልኦት ኣሕዋት ወይ ኣሓት ኣስላም ዓገብ ክብሉ ወይ ከኣ አቦና ሓጂ ንከምዚኣይኰነን ተኣሲሮም፡ ጥርዓንን ሰልፍን ተመሃሮ ኣኽርያ ጂሃዳዊ ምልዓል ኣይነበርን ኢሎም ዝዛረቡ ዝጽሕፉ ዝሕለቑ ኣየርኣናን።ምናልባት ዘይነንብቦ ብዓረብ ዝተጻሕፈ እንተልዩ እዝጊ ዋንኡ” ይብል።
እዋእ እዛ ጉዳይ ናይ ኩልና ‘ዶ አይኮነትን? ንተስፋጽዮን ክምልስ እንከለኹ “ኣታ አበይ ኣለዉ እቶም ዝምልከቶም” ‘ዶ ኢለ እየ? መስከረም ከ ስለምንታይ እቲ ነገር ናብ ኹሉ አፍቀርቲ ሰላም ኤርትራውን ዘየቅርቦ? ካብ መጀመርትኡ እውን ዜና ምእሳር አቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑርን ሰልፊ ቤት-ትምህርቲ አልድያእ ከውጽእ እንከሎ መስከረም ነታ “አላሁ አክበር” ትብል ልምድቲ ናይ ምስልምና ብሂል (ጸሎት) ከጉልሕ ፈቲኑ። ስለምታይ እዩ መስከረም ን”ኣላሁ ኣክበር” ከም ዓቢ ነገር ዘጋንኖ። እታ ኤርትራ ረሲዕናያ ዲና? ሓደ ወጻእተኛ ን”አላሁ አክበር” ምስ ግብረ-ሽበራ እንተኣዛመዳ “ማዕለሽ፤ ንሱ ካብ ቪድዮታት ግብረሽበራውያን ሰሚዕዋ፤ ብኡ ምኽንያት ድማ ምስ ምስያፍን ምፍጃር ንጹሃትን አዛሚድዋ” ኢልና ምኽንያት ክንስንዕ ምከኣልና። መስከረም ዝኣክል ወብሳይት ግን ከምዚ ገይሩ ንነገራት ከጋድድ ብጣዕሚ ሞራል ዝትንክፍ እዩ። ፍርቂ ህዝባ አስላማይ ካብ ዝኾነት ሃገር መጺእና፤ አስላምናን ክርስትያንናን ብሓባር ክንነብር ጸኒሕና….ወዘተ እናበልናስ ብ”አላሁ አክበር” ክንብህርር ቅሩብ የተሓሳስብ እዩ።
ሓደ ከብቶም ጀመርቲ ወብሳይታትን ብባህላዊ መዳይ ክረአ እንከሎ እውን ደሓን ፍልጠት ናይ ባህልታትን እምነታትን ሃገርና ኣለዎ ኢለ ዝግምት ወብሳይት መሪሕነታዊ ተርኡ ብዘይምጽዋቱ ብቅሉዕ ክነቅፎ እደሊ። ሎሚ አብ ኤርትራ ዝመርሕን ዝምህርን ማዕከን ሚድያ የድሊ ኣሎ። መስከረም ነዚ ተራ’ዚ ክጻወት ትምኒተይ እዩ። ናይ ኤርትራ ሳይበር-ሚድያ ብዙሓት ኣጣቆስትን ኣባኣስትን አለዉዎ። ንሶም ይኣኽሉና።
አነ ልዕሊ ሰበይ ተቢዐ አይብልን። ሓቂ ንምዝራብ እውን አብ ንቡር እዋን ሓቂ ምዝራብ ትብዓት ዘድልዮ አይኮነን። እቲ ትብዓት ዘድልዮ ሓሶት ምዝራብ እዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ምዝራብ ኣብ ፍጥረት ወዲሰብ ዘሎ ባህሪ እዩ። እቲ ንቡር ከኣ ሓቂ ምዝራብ እዩ። ሓሶት ግን ዘይንቡርን ኣናዋርን ስለዝኾነ፡ ንምሕሳውን ሕማቅ ንምስራሕን ቅሩብ እታ ዒብ አንብላ ነገር ዝሰብር ሰብ እዩ ዝውዕለን። ብመሰረቱ እውን መስከረም ደኣ አይረኣዮን እምበር እቲ ኣስላማዊ ክፋል ህዝብና ልክዕ ከምቲ ክርስትያናዊ ክፋል ህዝብና ዝገብሮ ዘሎ ነቲ ፍጻመ በብደረጃኡን ይዛረበሉ አሎ። ነቲ ኣስላማዊ ክፋል ከም ሓደ ፍልልይ ዝይብሉ “ሓደ ዝዓይነቱ ህዝቢ” ምውሳዱ ግጉይ እዩ።
ልክዕ ከምቲ አብ ክርስትያናዊ ዓለም ዘሎ፡ እቲ ሙስሊም ዓለም እውን ጥሩፋትን አኽረርትን (radicals); ልዙባት (moderate)..ወዘተ አለዎ። ፖለቲካዊ አረኣእያኡ እውን ብኡ ይፈላለ። ገሊኡ አብ ዕልማናዊ (secular) ፖለቲካ ከአምን እንከሎ ገሊኡ ግን ፖለቲካ ኣካል እምነተይ እዩ ዝብልን መንግስትን ፖለቲካ ዝሓዋውስ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ምናልባሽ መስከረም ዘይረኣዮ ክኸውን ይኸእል እምበር ኣብ አስላምዊ ዓለም ይኺን አብ መንጎ ኤርትራውያን ኣስላም ዲቅ ዝበለ ክትዓት ይካየድ እዩ።
ብመሰረቱ እውን መሻይኽ ይኹኑ አቅሽሽቲ ተካእቲ ፈጣሪ አይኮኑን። አነ ከም አስላማይ መጠን፡ ንሓደ ስብከት ወይ “ኹጥባ” ዝህብ ሼኽ ከም ፍጹም አይርእዮን እየ። ተካኢ ናይቲ ሓቂ ንምፍላጥ ባዕለይ ክገብሮ ዝግበኣኒ ጻዕሪ (እጅትሃድ/ጀሃድ) ክኸውን አይክእልን እዩ። ጥቅስታት ቁርኣንን አሓዲስን (ብሂላት ነቢእ) ከምዝኾነ ካልእ ጥቅስታት ከምዝደለኻዮ ክትፈትሎ ይከኣል እዩ። ንሰላምን ኲናትን ብዘገልግል መገዲ ክትፍሕሶን ወይ ክተዳውሶ ትኸእል ኢኻ። ዝኾነ ኹጥባታት (እንኮላይ ናይ ዓርቢ) ሓላፍነቱ እቲ ዘቅርቦ ሰብ እዩ ዝስከሞ። እቲ አብ ዝተወሰነ መስጂድ ብዝተወሰነ ግለሰብ ዝኽለስ ኹጥባ፡ መልእኽቲ ናይቲ ዝስነዖ ዘሎ ሰብ እዩ እምበር ፍጹም መልእኽቲ እዝጋብሄር አይኮነን። ካልእ ንሰላምን ምክብባርን ወዲ ሰብ ዝሓስብ ሼኽ፡ ነተን ጥቅስታት ንጽቡቅ ሕ/ሰብ ብዘስምዕ መገዲ ከቅርበን ይኽእል። አብ ምስልምና፡ አብ መንጎ አማኒን ፈጣሪኡን ደው ዝብል ማእከላዊ አካል የለን። ናይ ተግባራትካ ተሓታታይ ባዕልኻ ንስኻ ኢኻ። ስለ’ዚ፡ ብዙሕ ክንርህጸሉ የብልናን። ምንቅቃሕ ጽቡቅ እዩ ግን ካብ ዓቀኑ ንላዕሊ ክምጠጥ የብሉን። ክንደይ አንጻር አስላም ዝቀንዐ ግዕዙይ ዘለፋታት ዘይረኣና። ንኹሎም አሕዋተይ ክርስትያን ድየ ክውንጅለሉ?
እዚ ክብል እንከለኹ፡ ንሓቅታት ክቀብር ስለዝደለኹ አይኮነን። ሕጂ እውን እታ ባቡር ሕምትልትል ደኣ ተብለኒ እምበር ሓቂ ተዛሪበ አብታ መገዲ ባቡር ክድቅስ እየ። እቲ ሓቂ ድማ እዚ ዝሰዕብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ንሓድነት ኤርትራ ዝፈታተኑ ጂሃዳውያን ባእታታት ከምዘለዉ ስዉር አይኮነን። እቲ ዶክተር ዓብዱልሓይን ካልኦት ወጻእተኛታት ዝብልዎ ጥምዙዝ ገለጻታት ካብዞም ኤርትራውያን ጂሃዳውያን ባእታታት ዝወሰድዎ እዮም። እቲ ሕቶ፡ “ እዞም ኤርትራውያን ጂሃዳውያን ባእታት እዚኦም፡ ወከልቲ አስላማዊ ክፋል ህዝብና ድዮም” ዝብል ክኸውን አለዎ። ልክዕ ከምቲ ሌባ ተስፋጽዮን ንኩሩዕ ህዝቢ ትግርኛ ክውክል ዘይክእል እዞም ውሑዳት ጂሃዳውያን’ዞም ንኤርርትራን ህዝባን ዘይፈልጡ ካብታ አፍምጨኦም ሚሊመተር ትኹን እውን አርሒቆም ክርእዩ ዘይክእሉ ኣብ ሽመታ መንነት ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለዉ እዮም። ኤርትራ፡ ኤርትራ እያ። አስላማውን ዓረባውን ጽልዋታት ክህልዋ ይኽእል እዩ፤ ግን ናይ ገዛእ ርእሳ መንነትን ፍሉይነታትን ዘለዋ ሃገር እያ። መስከረም ነዚ ጉዳይ’ዚ አብ መቃኑ ኣእቲኹም ክትሰርሑሉ ይግባእ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ቀንዲ ክንቀፍ ዘለዎን ሓቂ ንምዝራብ ትብዓት ዘድልዮን መንግስቲ ኤርትራ እዩ። ኣስመራ ተኣክል ከተማ ብተኹሲ ተናዊጻ ክንሳ ወላ ሓደ ወግዓዊ መግለጺ ክህብ እውን አይከኣለን። እቲ ዝጃጀወን ሰላማዊ ሰልፊ ቆልዑ ናይ ሓንቲ ቤት-ትምህርቲ ዝነቃነቆን እቲ መንግስቲ እዩ ነይሩ። ኣክንዲ ብተላኣኽቱ ገይሩ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ቤት-ትምህርቲ አልድያእ ከም ናይ ጀሃድ ኣምሲሉ ዘሰራጩ ስለምንታይ ነቲ ነገር አብ እዋኑ ወግዓዊ መብርሂ ዘይሃበሉ?
ህግድፍ ንኹሉ መዳያት ሂወትና ክቆጻጸር ድኳናት ርትዒ መስሪቱ። ንቁጠባ ብድዃናት ርትዒ፤ ንባህላውን ፖለቲካውን ሂወትና ብድኳን ርትዒ (እንዳ ባህላዊ ጉዳያትን፡ እንዳ ዜና፡ እንዳ ማሕተም ሕድሪ…ወዘተ)፤ ንናይ ምግባር ዓቅምና ብድኳናት ርትዒ ናይ ሃገራዊ አገልግሎትን ህዝባዊሰራዊትን ቀበለታትን…ወዘተ። እዚ ክየአኽሎ ናይ ምሕሳብ ዓቅምና እውን ብድኳናት ርትዒ ክቆጻጸሮ ጸኒሑ። ንመንጭታትን መዘርግሕን ሓበሬታ ተቆጻጺሩ በቶም ሓለፋ ዘለዎም አጣቃዕቱ ዝኾኑ ወብሳይታትን ባዶ ሰለስተን ገይሩንእ ነቲ ንሱ ክንሰምዖ ዝደልየና ጥራይ ብኩፖን ይዕድለና አሎ። ኩሉ ብመሳርፍ ኮይኑ!
ስለ’ዚ እተን ናይ ብሕቲ ማዕከናት ሓበሬታ ናታተን ናጻ ዝኾነ መርሆ ክህልወንን ንሰላምን እወታዊ ዘተን ክቀንዓ ይግባእ። መስከረም ነዚ መዳይ እዚ ክተስተወዕሉሉ ይግባእ። ንነገራት ክተዕኑ ቀሊል እዩ። ክርቢት ንምሽምጣጥ ዝሓምቅ የለን። እቲ አማእት አሽሓት ዝቀዘፈ ህልቂት ርዋንዳ ብሓደ መደበር ራዲዮ እዩ ጀሚሩ። አክንዲ ዝምልስ ኣስላማይ የለን ምባል፡ ነቲ ኤርትራውያን ብዘይ ሃይማኖፕታዊ አፈላላይ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፍታት ክተቃልሑ ምተገበአ ነይሩ። ምናልባሽ እቲ መልሲ ሕቶኹም ካብቲ ሃይማኖት ዘይፈለየ ምልሰ-ግብሪ ናይ ኤርትራውያን ምረኸብኩሞ ነይርኩም።
ደጊመ ንሓሳባተይ ክተተኣናግዱ ፍቃደኛታት ብምዃንኩም እናመስገንኩ አሳልጦ እምነየልኩም።
ጠቀምቲ ንባባት፡