ማሕሙድ ሳልሕ
መቅድም፦
ብዙሓት አሕዋትን አሓትን ነታ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝጸሓፍክዋ “Hands off, Dr.Yussuf, We are capable of dealing with our internal affair” እትብል ዓንቀጽ ክትርጉማ ተማሕጺኖምኒ፡፡ ንኹሎም ነታ ዓንቀጽ ዝተገደሱላ ናይ ሜድያ ትካላትን ናይ facebook ለጠፋታትን የመስግን። እነሆ ድማ ፈተነይ።
xxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxxx
**Also on Radio Assenna.com:http:https://goo.gl/33Kj7T
አብዚ እዋን’ዚ አስላማዊ ዓለም ብጽንኩርን ፈታንን መድረኽ ይሓፍ አሎ። ንዓስርተታት ዓመታት ዝአክል ምዕራባውያን ሃገራት አብ ልዕሊ አስላማዊ ዓለም ዝተኸተልኦ ጉጉይ ሜላታት ምስቲ ዘቤታውያን መራሕቲ አብ ልዕሊ ህዝቦም ዝተኸተልዎ ጨኳኒ አተሓሕዛ ተደሚሩ አብተን ሃገራት ግብረ-ሽበራውያን ጉጅለታት ከም ዝሰዕርራ ገይሩ አሎ። ሓይልታት ዖውለማ (globalization) ንዓለምና ናብ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ክድርኹዋ እንከለዉ፡ እቶም ሃንደስቲ ግብረ-ሽበራ ዝኾኑ ጠቢባን ግን ንአስላማዊ ዓለም ናብ ጸላምን ሕንፍሽፍሽን ደቅዲቆሞ ይርከቡ። እቶም ቀንዲ አሳወርቲ ናይዚ ግብረሽበራዊ ጥፍአት ዝኾኑ ውልቀሰባት ድማ እቶም ንናይ ዓርቢ ኹጥባ (ስብከታዊ መደረታት) ናብ ምንጪ እቶት ዝቀየርዎ ግብረ-እከይ መራሕቲ ሃይማኖት ኮይኖም ንረኽቦም።
ንአብነት’ኳ ሱዳናዊ ዶክቶር ዓብዱክሓይ ዩሱፍ፡ አብቲ ብስም “ዝተረሰዐ ጉዳይ፡ ኤርትራውያን አስላም” ብዝብል አርእስቲ ዝሃቦ ቁጥዐ ዝመልኦ ኹጥባ፡ ንኹሎም አስላም ዓለም ንኤርትራውያን አስላም ክሕግዙ ጸዊዑ። ንሱ አብቲ ናይ ዓርቢ መርዛም መደረኡ፦
- ኤርትራ 70% አስላም ከም ዝኾነት ግን ብዴሳውያን ባዓሳውያንን እዝጋብሄር ዘይብሎም መራሕን ከም እትምራሕ
- ኤርትራ አካል ናይቲ ብቱርካዊ (ዑስማናዊ) ካሊፈት (caliphate) ዝምራሕ ዝነበረ አስላማዊ ዓለም ምንባራ
- እምብራጦር ሃይለስላሴ አንጻር ኤርትራውያን አስላም ናይ ሃይማኖት ኲናት የካይድ ከምዝነበረ
- ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኤርትራውያን አስላም አንጻር እቲ ካብቶም ቅሚኡ ዝነበሩ ክርስትያን መራሕቲ ዝገድድ ስርዓት ኢሰያስ አፈወርቂ ሓቢሮም ይቃለሱ ከምዘለዉ
- ኤርትራውያን አስላም ነቲ ዝኸሰርዎ አስላማዊ ስርዓት ክመልሱ ሓቢሮም ይቃለሱ አለዉ
- ኢሰያስ አፈወርቂ፡ አብ አስላም ዘለዎ ጽልእን ቅርሕንትን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝገደደ ኮይኑ አብ ልዐሊ አስላም ኲናት አዊጁ አሎ…ንመንጭታት ፍልጠት ምስልምና ጸንፊፉ…ሰበኽቲ ማእመናን (ዱዓት) አሲሩን አሳቅዩን አባሪሩን…ብስም ሃገራዊ አገልግሎት ንክብሪ አስላም ደቀንስትዮ ደፊሩ…ንክርስታያን ክምርዓዋ ከም ዝግደዳ ገይሩወን…
- ንቋንቋ ዓረብ ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ቆጺሩስ ሱር ከይሰድድ ይጽዕር አሎ…ወዘተረፈ
እዚ አብ ላዕሊ ዘሎ ብጥቋላት ካብቲ ዶክቶር ዩሱፍ አብ ሓደ ዓርቢ አብ ካርቱም ዝሃቦ ሕርቃንን ጽልእን ዝመልኦ መግለጺ ዝተወስዱ እዮም። ትምክሕትን ድንቁርናን ዝተፋረቆ ግን ከኣ አብ ሃይማኖታዊ ደረቅነት ዝተሰረተ ተንኮለኛ ተበግሶ እዩ። እቲ ዶክቶር፡ ነዚ መርዛም ስብከት’ዚ ምስቲ አብ አስመራ ዝተኸስተ ተቃውሞ ቤት-ትምህርቲ አል-ዲያእ አል-እስላምያ አመሳሲሉን አተአሳሲሩን እዩ ከሕልፎ ፈቲኑ።ኤርትራውያን፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም ብዘየገድስ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ምስቲ አብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከምጽኡ ዝገብርዎ ዘለዉ ቃልሲ አዛሚዶም ብዘይአፈላላይ ይዝትዩሉ አለዉ። ስለ’ዚ፡ ዓላማ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ነቲ ሱዳናዊ ሰባኺ ነቲ ንኤርትራ ን ህዝባን ታሪኻን ብዝምአልከት ዘመሓለለፎ ሓቂ ዝመስል ግን ጥምዙዝ ገለጻ ንምእራም’ዩ።
ገለ ሓቅታት ወስ ከብል፡
ብመጀመርያ፡ ዶክቶር ዩሱፍ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ህዝቢ ሱዳን ከላሊ አየድልዮን እዩ። ናይ’ዚ ዶክቶር ኩነታት ደኣ አይፈልጥን እምበር፡ እቲ ነዘን ክልተ ሃገራት ዝፈሊ ዶብ ነቶም አሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ፈልዩ ወይ ጋሪዱ አይፈልጥን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሱዳን ከም ካለአይቲ ሃገሮም ይቆጽርዋ። ሱዳናውያን አሕዋትን አሓትን እውን አብ ኤርትራ አይጋየሹን እዮም። ኤርትራውያን፡ አስላሞም ይኹን ክርስትያኖም፡ ብዛዓባ’ቲ ተቀባሊ-ጋሻ ዝኾነ ባህሊ ህዝቢ ሱዳን በአድናቆት ምስ ተዛረቡ እዮም። እቶም ካብ ሱዳን ዝወጹ ኤርትራውያን እውን ንህዝቢ ሱዳን ኩሉ ግዜ ብጽቡቅ ምስ አልዓልዎም እዮም። ነታ ፍልጥቲ ናይ ምሕዝነት “አኽዋን አኽዋን ኤሪትርያ ዎ ሱዳን” ማለት “ኤርትራን ሱዳንን አሕዋት ኢና” እትብል ደርፊ እንዳ ደጋገሙ ዝኽርታቶም ይሕድሱ።
እዚ ነቲ ተራ ህዝቢ ይምልከት። ይኹን እምበር ሃይማኖታዊ ትካላት ሱዳን ብዝምልከት፡ ተመክሮና ቅሩብ ዝተፈልየ እዩ። አብቲ ጥሩፍነት ናብ ስግረ-ዶባት ንምስፍሕፋሕ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምርብራብ፡ ጥሩፍ ፖሊቲካዊ ሃይማኖት ክብትኑ ዝደልዩ ሱዳናውያን ውልቀሰባትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ንኤርትራ ሓሓሊፎም ዕላማ ክገብርዋ ጸኒሖም። አብ ከም ሶማል ዝአመሰሉ ቦታታት ተዓዊቶም እዮም። አብ ኤርትራ ግን እቲ ዛንታ ዝተፈልየ እዩ ነይሩ። እዞም ግብረ-እከያት እዚኦም ንህዝቢ ኤርትራ ክፈናጥሑ አይከኣሉን። እቲ ዘይጸዓድ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከኣ እዩ እቲ ቀንዲ መስመር-መከላኸሊ ናይ ሰላምናን ህልውናናን ኮይኑ ዝጸንሐ።
ደድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ጥሩፋት አስላማውያን አኽረርቲ ንተመክሮ ሙጃሂዲን ኣፍጋኒስታን አብ ኤርትራ ክደግምዎ መደቡ። ሰላም ናይቲ ንሱዳን ዝዳወብ ክፋላት ሃገርና ክዘርጉን ሽበራዊ ተግባራት ክፍጽሙን ተራእዩ። እቶም ኤርትራውያን አኽረርቲ፡ መደበሮም አብ ሱዳን ኮይኑ ካብ ከም ሓሰን አቱራቢ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መራሕትን መንግስቶምን ሓገዝ ይረኽቡ ነይሮም። ኤርትራ ብሳላ ሓድነት ህዝባ ነቲ ንዞባና ክህውጽ ጸንሐ ናይ ጥሩፍነት ንፋስ ክተሽከዖ ክኢላ።
እሞ ኸ ደኣ፡ ዶክቶር ዓብዱልሓይ ዩሱፍ፡ ነቲ ናይ ቤት-ትምህርቲ አል-ድያእ ተቃውሞ መዝሚዙ ታሪኽ ክደግም ደልዩ’ዶ ይኸውን? ነቲ አዕናዊ መደባቱ ንምትግባር ንኩነታት ህዝብና ዳግም ይፈታትን ‘ዶ ይህሉ? ነቶም አብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ዞባ ዝተቀጥቀጡን ዝተዳኸሙን ናይ ጸላምን ባርባርነትን ሓይልታት ናብ ኤርትራ ከእንፍቱ’ዶ ይሕብር ይህሉ ይኸውን?
ሓይልታት ሽበራ፡ አብ አፍጋኒስታን፡ ዒራቅ፡ ሶርያ፡ ሶማሊያን ካልእ ቦታታትን ይደሃኹ ስለዘለዉ፡ ከም ዶክቶር ዓብዱልሓይ ዩሱፍ ዝአመሰሉ ሃንደስትትን መገብትን ግብረ-ሽበራ፡ ናብ ካልእ አማራጺ ቦታታት ከማዕድዉ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ። ተዛረብቲ ትግረ ከምዚ ዝአመሰለ ኩነታት ምስ ዘጋጥሞም፡ “ ኢትትሃመል” ይብሉ። ትርጉሙ ድማ፡ “አይትዘንግዕ” ከም ማለት እዩ። ክንዝንግዕ የብልናን። ንሓድነትና ከም ብሌን ዓይንና ክንሕልዋ አለና።
ሓጸርቲ መልስታት ነቲ ሰንካም ዶክቶር
- “ኤርትራ 70% አስላማዊት እያ” ይብል ዶክቶር ዓብዱልሓይ ዩሱፍ። እቲ ሓጺርን ቅኑዕን መልሲ ግን “አይኮነን” ዝብል እዩ። ናይ’ዚ ቀረባ ግዜ ቆጸራ-ህዝቢ ደኣ አይሃሉወና’ምበር፡ ኤርትራ ዓዲ አስላምን ክርስትያንን እያ፤ ከማኡ እውን ዓዲ 9 ብሄራት እያ። አስላም ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኒ እንከለዉ፡ አብ ታሪኽ ኤርትራ ሃይማኖት ምኽንያት ምፍንጫልን ንትርኽን ኮይኑ አይፈልጥን እዩ። ሃይማኖት ሓደ ካብ ብዙሓት መለለዪታትና እዩ፤ ካብ ሃይማኖት ሓሊፉ ብዙሓት ካልኦት ንህዝቢ ኤርትራ ዘተኣሳስሩን ዘዋስቡን መጥመሪታት አለዉ እዮም። ኤርትራውያን፡ ብዘይሃይማኖታዊ አፈላላይ አብ ሓደ ድፋዕ ተዋጊኦምን ተሰዊኦምን እዮም። እቲ ዓለም ቀቢጻቶ ክንሳ ብዓወት ዝዛዘምዎ ቃልሶም፡ ምስጢሩ ጥምረቶምን ሓድነቶምን እዩ ነይሩ። ንድሕሪት ነዊሕ ከይከድና፡ ምምሕዳር ብሪጣንያን ንጉስ ሃይለ ሰላሰን ንጉዳይ ሃይማኖት ክምዝምዙ ፈቲኖም እዮም። እቲ ሰራም ሃይማኖታዊ አጀንዳኦም ግን ንህዝቢ ኤርትራ አይመታተሮን።
- “ኤርትራ አካል ቱርካዊ (ዑስማናዊ) ካሊፈት ወይ ድማ አካል አስላማዊ ዓለም ነይራ” ንዝብል ዘረባ እውን መልሱ “አይኮነትን” ዝብል ይኸውን። ኤርትራ ነዚ ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ካርታኣ (ኣቋም) ምስ ምምጻእ ጣልያን ብ1890 እያ ሒዛቶ። ግዘአት ቱርኪ አብቲ ብብዝሒ አስላም ዝቅመጡሉ ዝነበሩ መታሕት ዝተወሰነ እዩ ነይሩ። እቲ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ክርስትያናዊ ክፋል ህዝብና ዝቅመጠሉ ዝነበረ ከበሳ አብ ትሕቲ ካልኦት ምምሕዳራት እዩ ነይሩ። ቱርኪ ግዘአታ ንምስፋሕ ንከበሳ ገጻ ክትደፍእ ፈተነታት’ኳ እንተገበረት በቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ተቃውሞ ንምሉእ ስፍሓት መሬት ናይ’ዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ክትቆጻጸር አይከኣለትን።
ካብቲ ዕብዳን ዝደረኾ መደረኡ ክንርደኦ ከም እንኽእል፡ ሼኽ ዩሱፍ ካብ መጀመርታኡ ንሰናይ ምኽሪ አይተበገሰን። ከምኡ እንተዝኸውን፡ ቅድሚ ነዚ ተኣፋፊ ጉዳይ’ዚ ምልዓሉ ቅሩብ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ከጽንዕ ምኸኣለ ነይሩ። ንሱ ግን ከምቲ ልሙድ ንኣእምሮ የዋሃት ክስምምን አብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሓድነቱን ኲናት ክእውጅን እዩ አንቂዱ።
- “ኤርትራውያን ምስ ገዛእቲ ኢትዮጵያ አብ ሃይማኖታዊ ኲናት ተጸሚዶም ነበሩ” ንዝብል ሓሶትን ዘለፋን ድማ መልሱ እዚ ዝሰዕብ ይኸውን።
ሰውራ ኤርትራ ሃገራዊ መተከላት ዝነበሮ ኮይኑ አንጻር ገበጣን ዓመጽን ዝተካየደ ቃልሲ እዩ። ሰውራ ኤርትራ አብ መታሕት ስለዝጀመረ ጥራይ ናይ አስላም ምልዕዓል ክገብሮ አይክእልን እዩ። ጂኦግራፊ ንሃገራዊ ትሕዝቶኡ አይጸለዎን። ንኹሉ ዘሳተፈ ሰውራ እዩ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ አብ መታሕት’ኳ ይጀመር’ምበር፡ ደቂ ከበሳ ክጽንበርዎ ግዜ አይወሰደሎምን።
ልክዕ እዩ ሃይለሰላሰ ይኹን ቅድማኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ንኢትዮጵያ ከም ሓንቲ አብ ምድረበዳ እትርከብ ናይ ክርስትያን ምድረ-ገነት ወይ ኦኣሲስ (oasis) ከቅርብዋ ክፍትኑ ጸኒሖም’ዮም። ከምኡ እውን ንሰውራ ኤርትራ ብዓረብ ዝሳወር ናይ አስላም ምልዕዓል ብምምሳል ጸለሎ ክቀብእዎ ፈቲኖም። ዕላማ ናይዚ እኩይ ውዲት’ዚ ከኣ አብ ውሽጢ ህዝብና ሃይማኖታዊ ምጥርጣርን ምክፍፋልን ብምዝራእ ንሓድነት ህዝብና ንምሽርሻን ብኡ አቢሉ ድማ ንሰውራ ኤርትራ ንምድኻምን’ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ንዘመናት አብ መንጎ ዓረባዊ ዓለምን አቢሲንያውያንገዛእቲ ደርብታትን ፈኸም ክብል ዝጸንሐ ናይ ጽልኢ ጓህሪ ንምንብድባድን ዝዓለመ ሜላ ኮይኑ ክውሰድ እውን ይከኣል’ዩ።
እዛ ነጥቢ’ዚኣ ዝያዳ ንምብራሃ፡ አብተን ቀዳሞት ዓስርተ ዓመታት፡ መነባብሮ ተጋደልቲ ኤርትራ ምሉእ-ብምሉእ አብ ህዝቢ መታሕት ዝተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ንመግቢ ይኹን፡ ምግዕዓዝ ወይ ድማ ሓበሬታ አብ ምርካብን ምቅባልን፡ አቲ አብ ውሽጡ ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ህዝቢ እዩ ዝዕንግሎም ነይሩ። አብ መወዳእታ 1960ታት፡ ገድሊ ኤርትራ እንዳሰወደ ምስ መጸ፡ ንጉስ ሃይለስላሰ “ ዓሳ ንምቅታል ነቲ ባሕሩ ምንጻፍ” ብዝብል ሜላ መሰረት ናይ ሓደጋ እዋን ድንጋገ (state of emergency) አዊጁ ንናይ መታሕት ቁሽሰታት አብ ዝተወሰኑ አብ ትሕቲ ሓለዋ ዝጸንሑ መአከቢ ንቁጣታት ክኣትዉ አዊጁ። ዝበዝሐ ህዝቢ አብዩ። ከም መልሰ-ግብሪ ከኣ ኢትዮጵያ አብ መታሕት ኤርትራ ሰፊሕ ናይ ምጽናት ወፍርታት ብምክያድ አሽሓት ንጹሃት ዜጋታት ብእኩብን ብተመልከተለይን ቀቲላ፤ ክትግምግሞ ዘጸግም ብርሰት ናይ ጥሪትን ሃብትን ፈጺማ። አብዚ እዋናት’ዚ እዩ እቲ ኣስታት 75 ሽሕ ዝግመት ቀዳማይ ማዕበል ስደተኛታት ኤርትራውያን ንዶብ ሱዳን ዝሰገረ። አጋጣሚ ኮይኑ አነ ውጻእ-መዓት ናይቲ ህልቂት እየ። እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ አንጻር ሰላማዊ ህዝቢ ዘካየዶ ዘመተ አዝዩ ጨካን ይኹን እምበር አብ ሃይማኖታዊ ምኽኒታት ዝተመርኮሰ አይነበረን። ብሱሩ እውን ሰውራ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ምልዕዓል አይነበረን። ክርስትያን አሕዋት፡ እንኮላይ ኢሰያስ አፈወርቂ፡ አባል ናይቲ ሃይለስላሰ ዝሃድኖ ዝነበረ ሰራዊ ሓርነት እዮም ነይሮም። ብዙሓት ክርስትያን ዜጋታት ነቲ መብዝሑ አስላማይ ዝኾነ ህዝቢ መታሕት ክከላኸሉ ክብሉ አብ ጎድኒ አስላም ተጋደልቲ አሕዋቶም ተሰዊኦም እዮም።
ሰውራ ኤርትራ አብ ከበሳ ጀሚሩን ሰሪቱን እንተዝነብር፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክርስትያናዊ ህዝቢ ከበሳ እትኸውን ዝረህረሃት ልቢ አይመጥረዩን። ጽሕፍቶ (fate) ህዝቢ ከበሳ ካብ አሕዋቶም ደቂ መታሕት አይምተፈልየትን። ድሒሩ ከም ዝተራእየ እውን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ንከበሳ ምስ ደየበ ቁሸታት ከበሳ ክነዳ ጀመራ። ህዝቢ ከበሳ እውን ከምቲ ደቂ መታሕት ዘጓነፎም ክህደኑን ክሕረዱን ጀሚሮም። አብ መወዳእታ እውን ህዝቢ ኤርትራ ንምልእቲ ኤርትራ ዝሽፍነ ቀዛፊ ኲናት ስዒሩ እዩ ተዓዊቱ።
ገዛእትቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ይኹኑ ተመራመርትን ጸሓፍትን ዓረብ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝደጋግምዎ ዝንቡዕ ትረኻ አሎ። ንሱ ድማ ኢትዮጵያ ክርስትያናዊት ሃገር እያ ዝብል እዩ። ይኹን’ምበር፡ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ኢትዮጵያ አስላማይ እዩ። ንጉስ ሃይለስላሰ ንሃይማኖታዊ ኲናት ዘንቀደ እንተዝነብር ቅድሚ ናብ አስላም ኤርትራ ምምጥጣር፡ ንአስላም ኢትዮጵያ ከጽሪ ምቀለሎ ነይሩ። ንሃይለስላሰ ዘገድሶ ነገር እንተ ነይሩ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ፤ ንሱ ድማ ስልጣኑ ምዕቃብ እዩ።
ነዚ አብነት ዝኾነና እቲ ሃይለስላሰ ብ1943 አብ ትግራይ ዝፈጸሞ ህልቂት እዩ። ነቲ ብቀዳማይ ወያነ ዝፍለጥ ምልዕዓል ህዝቢ ትግራይ ንምጭፍላቅ፡ ንጉስ ሃይለስላሰ ንነፈርቲ ብሪጣንያ ተጠቂሙ አሽሓት ክርስትያናዊ እምነት ዝነበሮም ትግራዎ ቀዚፉ እዩ።
ስለ’ዚ፡ ነቲ ኢትዮጵያ አብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘካየደቶ ኲናትን ወራራትን ከም መስቀላዊ ኲናት (crusade) ምግላጹ ጌጋ እዩ። ከምዚ ዓይነት ዝንቡዕ አገላልጻ ንሰውራ ኤርትራ ከም ሓደ አስላማዊ ምንቅስቃስ ዘምስል እዩ። እንተኾነ ግዳ፡ ገድሊ ኤርትራ ንኹሉ ክፋላት ኤርትራ ዝሓቈፈን ዘሳተፈን ሰፊሕ ሃገራዊ ሰውራ እዩ ነይሩ።
ይአክል ሼኽ ዓብዱልሓይ ዩሱፍ!
ናይ ጽልኢ ስብከት ይአክል። ማእከላይ ምብራቅ ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ስብከታት ይሕመስ አሎ። ከም አፍጋኒስታን፡ ዒራቅ፡ ሶርያ፡ ስማልያ፡ ናይጀርያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብሰንኪ እቶም ከምዚ ዓይነት ስብከታት ዝበከሎም ግብረሽበራውያን ሰባት ይርበጻ አለዋ። እቲ ዝሕዝን፡ ዓለምና አብ መዳያት ሳይንስን ተክኖሎጅን ንቅድሚት እንዳመረሸት እንከላ፡ አስላማዊ ዓለም ግን አብ ድቅድቅ ጸላምን ዕግርግርን ተሸሚሙ ይርከብ። ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ሼኽ ዓብዱልሓይን መሰልቱን ንኣእምሮ የዋሃት መንእሰያት ብምስራቆም እዩ። በዓል ሼኽ ዓብዱልሓይ፡ ምህዞን ፍልጥትን፡ ከማኡ እውን ምክእኣልን ሜላ ሓቢርካ ብሰላም ምንባርን አክንዲ ዝኹስኩሱ፡ ንሂወት ወዲሰብ እንዶ ዘይብሎም አክራርያን አሸበርቲ የፍርዩ አለዉ። እዞም ደረቅን ጥሩፋትን እዚኦም ነቲ ዝበቆሉሉ አስላማዊ ማሕበረሰብ እውን አየናሕሰዩን እዮም። ዝኸፍኡ አገባባት መስቀይቲ መሊኾምስ ንንጹሃት ሰባት ብሂወቶም ከቃጽሉ፡ ክስይፉን ከማኡ እውን ነቶም ነቲ ናቶም ዝኾነ አኽራሪ ትርጉም ሃይማኖት ምስልምና ክስዕቡ ዝኣበዩ አህዛብ ከዕምጹን ናብ ባሮት ክቅይሩን ዘይሓፍሩ አረሜን ፍጥረት ፈጢሮም።
እዞም መርዛማት ሰበኽቲ እዚኦም ንመንእሰያት ናብ ሞት ልኢኾም እዮም። እቶም ናብ ሞት ዝተላእኩ መንእሰያት ድማ ንእግረ-መገዶም ብኣሽሓት ዝቁጸር ንጹህ ህዝቢ ፈጂሮምን በታቲኖምን ጠፊኦም። ስለ’ዚ፡ ናይ ሼኽ ዓብዱልሓይ ሰራም መግለጺ ብዘይካ አብ ልዕሊ ኤርትራን ሓድነታን ኲናት ምእዋጅ ካልእ ትርጉም ክርከቦ አይክእልን እዩ። እዚ ሰብ’ዚ ንኦሳማ ቢን ላድን ዘለዎ አኽብሮትን ሰዓብነትን ገሊጹ አሎ። ከማኡ ዝኣመሰሉ ሰበኽቲ፡ ንዕድል ወዲ-ሰብ ዝጨበጡ ክመስሉ፡ ዋጋ ናይቲ መርዛም ስብከቶም ጅበኦም እንዳኣህጠሩ ነቲ ዝውለዱሉ አስላማዊ ዓለም ናብ ደልሃመት ከቲቶሞ አለዉ። ውጽኢት ናይዚ ናይ ጽልኢ ስብከት ከኣ ከም አልቃዒዳ፡ አስላማዊ መንግስቲ (ISIS)፡ ቦኮ ሓራምን ኣልሸባብን ዝብል አስማት ዝለበሳ ግብረ-ሽበራውያን ውድባትን ጫሌዳታተንን ንዓለምና ይህውኻ አለዋ። እሞ ደኣ ዶክቶር ዓብዱልሓይ ነዚ ጥሩፍ ደረቀ-እምነቱ ናብ ኤርትራ ክውጀሆ’ዶ ደልዩ ይኸውን?
ዘይጥዑም ወረ ክህበካ አቶ ዶክቶር። እዚ ሜላ’ዚ ቅድመኻ ተፈቲኑስ አብ ኤርትራ በርዒኑ እዩ።
እሞ ደኣ ስለምንታይ ብሃገርካ ሱዳን ዘይትጅምር? ብዛዕባ እቶም አብ ዳርፉር ዝተጋፍዑ ሱዳናውያን አስላም ሓሲብካ’ዶ ትፈልጥ? ነቶም ንቁሸታት ዞባ ዳርፉር ዝደሃኹ ዓሌታውያን ጃንጅዊድ (ምልሻታት መንግስቲ ሱዳን) ኮኒንካ’ዶ ትፈልጥ? መንግስትኻ ብምጽናት ዘርኢ-ወዲ ሰብ አብ አህጉራዊ መጋበአያታት ተኸሲሱ ምንባሩ ኣይትፈልጥን እንዲኻ? እሞ ኸ ጉዳይ አስላም ሱዳናውያ አሕዋትካ ዘይዓጠጠካስ ከመይ ኢሉ እዩ ንኣስላም ኤርትራ ክትረድእ እትህቅን? እዋእ፡ እንታይ ይገበር ሼኽና! ብዕብዳን ዝተረመሰ ሓንጎል ካብ’ዚ ሓሊፉ እንታይ ከየፍሪ? ግን በጀኻ፡ ኣእዳውካ ጥራይ ካብ ኤርትራና አክበልና።
ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዐባ’ቲ ኣብ ልዕሊ ምሁራት አስላም ዝተፈጸመ ምእሳራት ብዙሕ ተዛሪብካ። ይኹን እምበር መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትና እውን ካብዚ አይደሓኑን። አብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንትካላት ክርስትና እውን አጨናኒቅወን እዩ። አብዛ ነዚ ጽሑፍ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ህሞት፡ ክርስትያን ተማሃሮ ምልክታት እምነቶም ዝኾኑ ነገራት ክድርብዩ ተኣዚዞም አለዉ።
ዶክቶር ዩሱፍ አብ ናይ በይኑ ዓለም ይነብር ከይህሉ እምበር መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ምግሃስ ሰብአዊ መሰላት መዛረቢ ኮይኑ አሎ ።
አብ ኤርትራ አስላማይን ክስታይን ከይበለ ንብምልኡ ህዝብና ዘከላብት መንግስቲ እዩ ዘሎ። ዘላቂ ፍታሕ ዝመጽእ፡ ብዘይኣፈላላይ ንኩሎም ኤርትራውያን ዘሰልፍ ዝተወደበን ዝተወሃሀደን መደብ-ዕዮ ጥራይ እዩ። ብዙሕ አይትሸገር ሼክና። ክንሰግሮ ኢና። ሽግርና ካልኦት ክፈትሑልና ተጸቢና አይንፈጥን። ቅድሚ ሕጂ ገይርናዮ ኢና፤ ሕጂ እውን ክንደግሞ ኢና። ኤርትራ ብአዝዩ ፈታኒ መድረኽ ትሓልፍ ከምዘላ አየካተዕን እዩ። ይኹን ደኣ’ምበር፡ እቲ ሰበብ ሃይማኖታዊ አፈላላይ ዘይኮነስ ፖለቲካዊ ውሳኔ ናይዚ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ እዩ።
አብዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ህሞት አብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከውሕሱ ዝቃለሱ ዘለዉ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓይልታት አለዉ። ከምቲ ሼኽ ዓብዱልሓይ ዝበሎ ዘይኮነስ፡ ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ ነቲ አብ ልዕሊ ተማሃሮን መምሃራንን ቤት-ትምህርቲ አል-ድያእ ዝተወስደ መጠኑ ዝሓለፈ መልሰ-ግብሪ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ይሓቱሉን ይኹንንዎን አለዉ። ዶክቶር ዓብዱልሓይ፡ አብዚ ጉዳ’ዚ፡ ክርስትያን ዜጋታትና ምስ አሕዋቶም አስላም ደው ኢሎም ይምርሹ ከምዘለዉ ክነግረካ እንከለኹ ሓጎስን ሓበንን እዩ ዝስመዓኒ። [ተተኮስ ግዲ]።
ናይ ዶክቶር ዓብዱልሓይ ሰክራም ሃተውተው ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታተን አይኮነን። መልስና፡ “እምቢ ንምፍልላይን ምምቅቃልን!” ዝብል እዩ። ብሓንሳብ እንወድቅን ብሓንሳብ እንትስእን ህዝቢ ኢና። ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያትና ዋናታቱ ባዕልና ኢና። ኣእዳውካ አክበልና በጀኻ!