ምዅዓውስተዃዕዩ’ዩ፡ግናኸ፡እንደገና ክሕፈስ ዝኽእል እዩ
ማሕሙድሳልሕ
ኣብ መንጎ ናይ ኣሰና ዳት ኮም ኣማንኤል ኢያሱን ኣሕመድ ሸሪፍን ዝግበር ዘሎ ናይ ሚድያ ምግጭጫብ ዘየጕሃዮፈታውውሑድእዩክኸውንዝኽእል።ኣጋጣሚኮይኑንኽልቲኦምኣሕዋትእፈልጦምእየ።ምስኣማንኤል ንኣስታት 40 ዓመት ዝጽጋዕ ፍልጠት ክህልወኒ እንከሎ፡ ንኣሕመድ ሸሪፍ እውን ኣብተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ሕደት ዓመታት ተላልየዮን ኣብሓደ ከባቢ ሰሪሕናን ኢና። እማንኤል ከም ዓቢ ሓዉ ዝርእየንን ዘኽብረንን እዩ።ኣነ እውን ከም ንእሽቶ ሓው እየ ዝርእዮን ዘኽብሮን። ምስ ኣሕመድ ሸሪፍ እውን ጽቡቕ ዝኽርታት እንተዘይኮይኑ ዘቕሕር ሕማቕ ነገር ኣይፈልጠሉን እየ። ትሑትን ተዋዛያይን ምንባሩ እዝክር። ክልቲኦም ሰብ ሞያን ኣበርክቶን እዮም። ክልቲኦም ኣሕዋት ነዚ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎን ብጋህዲ ዝቓወሙዎ ዘለዉን እዮም። በብዓቕሞም በብወገኖምን ድማ ንዓቕምታት ኤርትራውያን ከተሓባብሩ ዝሰርሑ ዘለዉ ዜጋታት እዮም። ንኤርትራብዙሕ ‘ኳእንተኣበርከቱላ፡ኤርትራጌናኣይጸገበትሎምን’ያ።ብዙሕእያትጽበየሎም።እንታይሓደጋ ደኣ ተረኽበኣብከምዚምግጭጫብዝኣትዉ? መልሱ ሓጺር እዩ። ሕማቕ መዓልቲ ውዒሎም። ሰባት ኮይኖም፡ ተጋግዮም። ንዝጋገዩ ኣሕዋት ምትዕራቕ ከኣ ሓላፍነትና ጥራይ ዘይኮነስ ባህልና እውን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ፡ ብዓቕመይዓገብ ክብሎም መሪጸ። ዓገብበሉ ኣንቱምሰባት፡ዓገብበሉይብሉኹምኣለዉፈተውትኹም። ኣብዛ ሓጻር ናይ ሃታ-ሃታ ጽሕፍቲ፡ ነቲ ቪድዮታቶም ዘመሓላለፍዎ ወይ ከሕልፍዎ ዝፈተኑ መልእኽቲ ክህይስ ኣይነቅልን እየ። እንታይ ደኣ፡ ነንባባይ እቲ መልሰ-ግብርታት ብከመይ ከምዝማዕበለ ጥራይ ኣሚተ፡ ናብ ምዕዶክሰግርእየ። ከምዝመስለኒ፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣቶ ሃብተማርያም ኣብርሃ ዝሃብዎ ተኸታታሊ ቃለ-ምልልስ “ኣስላም ኣይሰርሑን…እቶም ንሰማማዕ ክርስትያን ሓቢርና ንቃለስ…ወዘተ” ክብሉ ርኢቶኦም ሃቡ። ንእግረመገዶም እውን ንድሕሪት ተመሊሶም ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ኣብ ተ.ሓ.ኤ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስያን ኣሕዋት ዝወረደዝበልዎግፍዕታትእውንተንኪፎም።ኣማንኤልከማእዝኖምፈቲኑ፡ግንኣቶሃብተማርያምኣብብሂሎም ነቒጾም። እቲ መንቀሊ ናይዚ ኣብ መንጎ እዞም ኣሕዋት ዝካየድ ዘሎ ዳርባታት እዚ እዩ። እንታይ ደኣ ኢና ካብዚ ክንጸምቆንክንመሃሮንእንኽእልቁምነገር? ሀ. ኣቶ ሃብተማርያም ዝስመዖም ተዛሪቦም። ሰብ-ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣይትጽበየሉን። ርድኢቶምን ርኢቶኦምን ንሱ እዩ። ንኣቶ ሃብተማርያም ዝኾነት ትኹን ቂምታ የብለይን። ኣቶ ሃብተማርያም ወካሊ ደቂ ከበሳ ወይ ክርስትያን ዝገበሮም ወገን ስለዘየለ፡ ናይ ውልቆም እምበር ንደቂ ክርስትያን ወኪሎም ይዛረቡ ከምዘየለዉ ፍሉጥ እዩ። ዘረበኦም ሓቂ ዝጎደሎን ዘይሓላፍነታውን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣክንዲ ዘቀራርብን ዘተሓቛቕፍን ቁምነገር ዝምህሩና፡ ጉዕዞ ቃልሶምን ሂወቶምን ብኸምዚ ክድምድሙ ምምራጾም የሕዝን እዩ። ግን ዘሰራስርን ድቃስዝኸልእንኣይኮነን።ኤርትራብብዝሐ-ርኢቶታትንብዝሐኣመለኻኽታንዝቖመትሃገርስለዝኾነት፡ብድሕሪሕጂ እውን ተመሳሳሊ ዘረባታትን ዛዕባታታትን ክጋዋሕ ከምዝኽእል ምጽባይ ጠቓሚ እዩ። ብኡ መጠን እውን ቅሩብ ቆርበት ክነርጉድ ከድልየና እዩ። ሕርቃንን ህዉኽ መልሰ-ግብርታትን ንነገራት የጋድዱ እምበር ፍታሕ ኣይኮኑን።
ለ. ኣማንኤል ኢያሱምርጫነይርዎ።ነቲምስ መትከላት ትካሉዘይሰማማዕዘለፋታት ክቖርጽን ክድርብን መሰሉጥራይዘይኮነስሓላፍነቱእውንእዩ።እቲቃለ-ምሕትትኣቀዲሙዝተመልአንክሓስበሉእውንግዜዝነበሮን እዩ። መሰልን ግቡእን ተመዛዚነን እየን ዝኸዳ። እታ ሓንቲ ብዘይካ እታ ካልእ ከቶ ክትነብር ኣይትኽእልን። ኣቶ ሃብተማርያም ነቲ ዘለፋ ኣብ እንዳ ሻሂ ወይ እውን ኣብተን ምስ ርኢቶኦም ዝሰማምዓ ሚድያታት ከኮማስዕዎ ይኽእሉእዮም።ሰብእውንብዙሕኣይምተገደስሎምንእዩ።ኣዘራርበኦም፡ከምቲዘለዎንብጥረኡንኣብኣሰናዳት ኮም ክስመዓለይ መሰለይ እዩ ኢሎም ዝከራኸሩሉ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣሰና ይኹን ኣቶ ሃብተማርያም ሓቅነትን ሓላፍነትን ዝጎደሎ ዘረባታት ከየመሓላልፉ ግቡእ ኣለዎም። ኣሰና ይኹን ኣማንኤል እውን ንዓመታት ዓቕምታት ኤርትራውያን መታን ክተተሓባብር ክትጽዕር ጸኒሕኩምስ ብስም “ናጻ ርኢቶ” ከምዚ ዝኣመሰለ ሓቅነትን ሓላፍነትን ዝጎደሎ ዘረባ ክተሕልፉ ግቡእ ኣይነበረን። ብሓጺሩ፡ ታጋጊኻ ኣማንኤል ሓወይ። ብወገነይ፡ ልብኻ ምስ ኣባሃህላ ኣቶሃብተማርያም ከምዘይሰማማዕእፈልጥ እየ።ውሳኔኻ ግንሚዛን ዝጎደሎእዩ ነይሩ (You made a bad judgement)። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መልሰ-ግብሪ ናይ ኣሕመድ ሸሪፍ ስዒቡ። ኣሕመድ ሸሪፍ፡ ምስ ኩሉ ኣኽብሮት፡ መልስኻ ሃናጺ ኣይነበረን። ናብ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ዘተኮረን ናብ ፍርዲ ምሃብ ዝጓየን ኮይኑ ረኺበዮ። ነተን ትቃወመን ነጥብታት ሓደ ብሓደን በቲ እንፈልጦ ልዙብ ቃላትካን ኣቀራርባኻን ክተነጽረን ምኸኣልካ ነይርካ። ናብ ውልቃዊ ኣማንኤልን ስድርኡን ዘመጣጥር ኣይነበረካን። እቲ ዝሃብካዮ ሓበረታ እውን ሓቅነት ዝነበሮ ኣይኮነን። ካብ ንኣማንኤል ዝያዳ ነቶም ምስቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሎም ስድርኡን መቕርቡን ነቲ ዝውለደሉ ህዝቢ ክርስትና ዘጥቅዕ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ እቲ ንመኣረምታ ዘንቀለ መደብካ ብኣሉታታት ተበኪሉስ ፋይዳ-ኣልቦ ኮይኑጥራይዘይኮነስንኣሉታዊመልሰ-ግብሪዝዕድምኮይኑ። ኮይኑ ድማ፡ ኣማንኤል ኢያሱ ኣብቲ ሓራቕ መልሱ፡ ንኣሕመድ ሸሪፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ኣስላማይ ዘበለ ብኣልማማ ጨርጒፉና። ዝሓሰበሉ ኣይመስለንን። ነቲ ብኣሕመድ ሸሪፍ ኣብ ልዕልኡ ዝተሰንዘረ መጥቃዕቲ ብዕጽፊ መሊሱዎ። ኣሕመድ ሸሪፍ እውን ከይደንጎየ ካልእ ቪድዮ ፈንዩ ኣሎ። ንኣማንኤልስ ያኢ ምስ ኣግኣዝያን ኣጸጊዕዎ። ኣብዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ ህሞት፡ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ክትንብህ ኣይክእልን እየ። ግን በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ ሃናጺ መልሰ-ግብርታት ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ኣቱም ኣሕዋት፡ ኣስተውዕሉ። ሕማቕ መዓልቲ ውዒልኩም። ኣክንዲ ኣብቁምነገር ናይቲ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባ ተድህቡ ናብ “ቅልጡፍ ዓወት የመዝግብ’ዩ” ኢልኩም ዝኣመንኩምሉ ውልቃዊ መጥቃዕትታት ትጓየዩ ኣለኹም። ብሕርቃንኩም ኣይትመልሱ። ሕርቃን ከምኡ እዩ ዝገብር። ሕርቃን’ኮ ንኣሕዋት ደቂ ሓንቲ ኣደ የቃትል እዩ። ከም ንቡር፡ ንጥቃዕ ከምዘለና ምስ ዝስመዓና ምዩቕ ወይቁንጥይዘየብለናኣይኮነን።ባሃርያዊእዩ።ግን ዝሓስብን ዝምርምርን ሓንጎል ተዋሂቡና እዩ እሞ፡ከም እንስሳ ተመሳሳሊ ወይ ዓጸፌታ ክንህብ ክንጓየ ኣይግባእን። ክልተኹም ነቲ ዝህውጸኩም ዘሎ ኣንንነት ንግዚኡ ያዕ ኢልኩም ናብቲ ክተካይድዎ ዝጸናሕኩም ሃናጺ ዕማማት ተመለሱ። ደሓር ከኣ ምህሮ ደኣ ሽግርን ብደሆን ንምፍታሕ ክተንጸባርቖ ኣለካ እምበር፡ ስማይ ጠቐስ ድግርታትን ባጀላታትን ደርዲርኩም ስራሕ ቆልዑ ትሰርሑ እንተኮይንኩም ደኣ እንታይ እዩ እቲ ፋይዳ? እቲ ደርዲርኩሞ ዘለኹም ባጀላታት ነዛ ንእሽቶ ነገር ብህድኣትን ብስነፍልጠታዊ መገድን ክትፈትሕዋ ኣየኽኣለኩምን። ስለ’ዚ፡ ምዝርዛር ባጀላታትኩም ንሰማዒ ዘደንጹ ኮይኑ ኣሎ።ኣይግድን! ሕጂእውንንኸምዚዝኣመሰለነገርርጉእንህዱእንኣእምሮጥራይእዩዝፈትሖ’ሞቅሩብትንፋስን ንፋስንርኸቡ። ኣብመወዳእታክብሎዝደሊ፡እዞምክልተብጾትተጋግዮምእዮም።እቶምክትፈርድዎምትጓየዩዘለኹም ሰባት ወይ እውን ድሮ ዝፈረድኩሞም እንተሃለኹም፡ “ ቅሩብ ደኣ ህድእ በሉ” ክብለኩም እደሊ። ንኽልቲኦም
ብተኣማንነት ክሓልፈሎም እኽእል እየ። ዓገብ ጥራይ ምባሎም። ክልቲኡ ወገን ህዝብና መጣቖስትን ዘረግትን ኣይተሳእንዎን።ኣማንኤልኢያሱን ኣሕመድሸሪፍግንካብኦም ኣይኮኑን።ክልቲኦም ሃገራውያን ዜጋታትን ቆራጻት ተቓለስቲንሓርነትወዲሰብንእዮም።ንእስነቶምኤርትራንምምጻእኣብልዮማእዮም። ሓዲኦም ኣብ ሜዳ እቲ ካልእኣብደገ፡ እቲ ሓደከም ተጋዳላይእቲካልእከም ውፉይሓፋሽ ውድብነይሩክኸውን ይኽእል።እንተኾነግን፡ ክልተኦም ሃገራዊ ግቡኦም ፈጺሞም እዮም። ሕጂ እውን ይፍጽሙ ኣለዉ። ኣይኮነን’ንዶ ኣብ ደገ ዝነበረ ሰብ፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ተጋዳላይ እውን ውድብን ቃልስን ኣብ ዝመደቦ ይሰርሕ ነይሩ እምበር ከም ድሌቱ ክገማጠል ዕድል ኣይነበሮን። ብዙሓት ክጋደሉ ዝደለዩ ኣባላት ሓፋሽ ውድባት ዕማም ውድብ ገዲዱዎም ኣብ ደገን ኣብ ውሽጢ ጸላእን ኮይኖም ይሰርሑ ነይሮም እዮም። ብዙሓት ኣብ ግንባራት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ክምደቡ ዝደልዩ ሞያውያን ተጋደልቲ ብዘይድሌቶም ኣብ ክፍልታት ይሰርሑ ነይሮም እዮም። ክፍልታትን ግንባራትን ዝናወጹሉ ግዝያትብዙሕእዩነይሩ።መዓስናብግንባርትኸትትመዓስከናብክፍልታትትሰሓብዘይትፈልጠሉዓመታትእዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ግንባራት ዝነበረ ተጋዳላይ ነቲ ኣብ ክፍልታት ብዘይድሌቱ ዝሰርሕ ዝነበረ ሞያዊ ክወራዘየሉ ወይ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ተጋዳላይ ነቲ ኣባል ሓፋሽ ውድብ ከቃጭጨሉ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ኣመዳድባ ብውልቀ-ሕርያ ዝግበርኣይነበረን። ኤርትራውያን በብዓቕሞምን በብዝነበርዎን ሰሪሖም እዮም።ስለ’ዚ ኣማንኤል ንኣሕመድ ወይ ኣሕመድ ንኣማንኤል ክንዕቕ የብሉን። ልዕሊ ኩሉ ኣንንነት ትበሃል ሕማም ክተወግዱ ይግባእ። ኣብዚኣ፡ ክልተኹም ሸታሕታሕ ኢልኩም ኢኹም። ደሓር ከኣ ኣማንኤል ዓርከይ፡ ብስንክልና ኣሕመድ ሸሪፍ ክተባጩ ምስ ሰማዕኩኻ ናይ ብሓቂ ጎህየ። ታህዋኽ ሕማቕ እዩ። ሓንጎልና ብሕርቃን እንተተዓብሊኹ ቃላትን ሓሳባትንክንመርጽዕድልይኸልኣና።ብታህዋኽእንዓሞዕዮዕዉርፍርያትይወልድ። ብተወሳኺ፡ ነቐፌታ እዋናውን ንጹርን ውሱንን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ድማ፡ ነቲ ክትነቕፎ እትደሊ ኣብ ግዚኡን ብንጹርነት ማለት ነተን ትነቕፈን ቡንቅስ ኣቢልካ ምፍላይ ማለት እዩ። እቲ ዝተረፈ ድማ ነቐፌታኻ ውሱንንነት ክህልዎ ኣለዎ። ንኣማንኤል ዝምልከት እንተኾይኑ ንእማንኤል ግብሩን ይምልከት። በዚ መሰረት ድማ “ኣንድነታውያን፡ ኮማንድስን…ኣግኣዝያን…” ዝብሉ ናይ ኣሽሙር ቃላት ወይ ከኣ (coded words) ዘእቱ የብሉን። ኣማንኤል ኣንድነታዊ ይኹን ኣግኣዝያን ወይ ኮማድስ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ወዲ ሓወበኡ ወይ ወዲ ዓዱ ኣንድነታዊ ወይ ኮማንድስ እንተነይሩ ድማ ንዕኡ ኣይምልከትን እዩ። ኮማንድስ ንክቡር ህዝብና ህዝቢ ከበሳ ዘይውክሉ ንኸብዶም ጥራይ ምንባሮም ኣይጠፍኣካን። ነተን ኣብ ኣካባቢ ኣስመራ ዝሃለቓ ዓድታቶም’ኳ ክከላኸሉ ኣይከኣሉን። ደሓር እውን ዳርጋ ብምልኦም ናብ ሰውራ ተጸንቢሮም እዮም። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ነቐፌታ ንኣሕመድ ሸሪፍ ዝምልከት እንተኮይኑ፡ ኣብ ኣሕመድ ሸሪፍ ዝውሰን ክኸውን ኣለዎ። እንታይ ዝገበርኩ ደኣ ትልከመኒ ኣማንኤል ዓርከይ? ግብረሸበራውያን ‘ኮ ንዓይ እውን ኣይምሕሩንን እዮም። ንኣሕመድ ሸሪፍ “ኣሕዋትካ” ካብ በልካዮ፡ ብተዛዋዋሪ ንዓይ እውን ኣሕዋትካ እዮም ትብለኒ ኣለኻ ማለት እዩ። ኣይዘረባን። እዞም ግብረሸበራውያን እዚኦም ዝያዳ ንኣስላም የህልቑ ከምዘለዉ ዝጠፍኣካ ኣይመስለንን። “ከምቲ ሓወቦይ ሃብተማርያም ዝበልዎ” ኢልካ ንበዓል ኣሕመድ ሸሪፍ ክሰርሑን ከስርሑን ከምዘይክእሉ ኣሚትካ። ኣቶ ሃብተማርያም ግን ንብምሉኣኡ ኣስላማይ እዮም ለፍዲዶም። ከምኡ ምባልካ፡ ከይተፈለጠካ ንኣባሃህላ ኣቶ ሃብተማርያም ትድግፍ ኣለኻ ማለት እዩ።ሃይማኖት ይኹን ወገን ከይፈለኻ ንምልእቲ ኤርትራ እትቃለስ ሰብምዃንካ እፈልጥ እየ እማንኤል።ግን ናይ ኣመዛዝናጉድለትገይርካ።ናህሪግናይእዩ።ተዛረብቲትግረ “ሻፍግ ዕዉርወልድ” ይብሉ።ትርጉሙድማ “ህዉኽ ሰብ ዕዉር ይወልድ” ከም ማለት እዩ። እንታይ ደኣ ረጊእካ ከይሓሰብካ ትሰርሖ ስራሕ ዕዉር ውጽኢት ይወልድ። ክልተኹም ንሂርኩምን ተሃዊኽኩምን። ብታህዋኽን ናህርን ተሰላስልዎ ዘለኹም ጽምዶ ዕዉር ፍርያት ይዝርግሕ ኣሎ’ሞከይተዕዉሩናንሰግእኣለና።ብስኩጆታት(ንጣራት) ዳርባታትኩምተወዲእና።ስለ’ዚኣሕዋት፡ልቢግበሩ።
ኣሕዋት ኣማንኤልን ኣሕመድን፡ ኽልተኹም በሊሕ ቀለምን ኣኣምሮን ብቕዓትን እትውንኑ ሞያውያን ኢኹም። ነቲ ምእንቲ ግዝእተ-ሕግን ፍትሕን ትገብርዎ ዝጸናሕኩም ጻዕርታት ቀጽልዎ። ክልተኹም ንሕ/ሰብ ኤርትራ ትፈልጡ ሰባት ኢኹም። ካብቲ ዝፈላልየኩም እቲ ዘሰማመዓኩምን ዘሕብረኩምን ነገር ይበዝሕ’ሞ ሕጂ እውን እቲ ጉዳይ ክንብል ኢሉስ ቕሩብ ደኣ ይከዖ’ምበር እንደገና ክሕፈስ ዝኽእል እዩ። እንተከኣልኩም ንፈተውትኹምን ነበብትኹምን መብርሂ ሂብኩም ናብ ዕማማትኩም ተመለሱ። እንተዘይኮይኑ ድማ ክሳብ ግዜ ዘራኽበኩምን ፍልልያትኩም ብህዱእ መንፈስ ክትፈትሕዎ እትኽእሉን እቲ ትገብርዎ ዘለኹም ምግጭጫብ ክተቋርጽዎ እምሕጸን። እቲ ዘለኹሞ ናይ መራኸቢታትን መድያ ስራሕን እቲ ዘኻዕበትኩሞ ተመክሮን ንጽቡቕ መዓላ ወይ ድማ ንግናይ ግብሪ ክትጥቀሙሉ ተኽእሎ ኣሎ። ንህዝቢ ክተቃርቡ ወይ ክተራሕቝ ዓቕምን መሰላጥያታትንኣለኩም።ምትህልላኽናብዘይትደልይዎኣንፈትከይወስደኩምነብሰ-ምእሳርከድሊእዩ። ስኒትን ሕውነትን ዘንግስ ተራ ክትጻወቱ እዋናዊሓላፍነትከምዘለኩም እንዳኣዘኻኸርኩ፣ ዘይጋገየለን’ሞናብልብኹምን ናብቲ ዘምሕረልኩም ጉዳይን ተመለሱ። ክልተኹም ኣሕዋት ብጣዕሚ ዘኽብረኩምን ዝፈትወኩምን ስለዝኾንኩ፡ ንለባዋይብሕውነታዊመንፈስክትቅበልዎተስፋእገብር።