Categories
Uncategorized

ሴፍ፡ ኣብ ከብዲ ናደው

ጥዑምዝጊ ተስፋይ
ምድሪ ሳሕል፡ ቀንዲ መግሃር ኲናት ካብ ዝኸውን ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ እዩ። እምባታትን ኣጻድፍን፡ ሩባታትን ሰናጭሮን፡ ጐላጉልን ኮጃጅትን፡ ዕርቃኖም ወጺኦም ኣብ ቃውሮ ምድሪ-ቤቶም ንፋስ ከም ቃሕታኡ ይዕንድር። ምድሪ ሳሕል፡ ንዓመታት ሚዛኑ ብዘይልካዕ ሓጻውን ተቐጥቂጡ፡ ተውሳስ ዝኸደኖ ኣካላት ይመስል። ነቲ ዒቕ ዝበሎን ደም ዘይብሉን ኲናት “እንደለኻ!” ከም ዝበሎ ከኣ፡ ብሓጻውን ክሳብ ዝድራዕ ሃዲኡ ይጽበ። ብመሳኹቲ ዕርድታቶም እናስሎኹ ምንቅስቓስ ጸላኢ ዝከታተሉ ተጋደልቲ፡ ካብ ዕራርቦ ክሳብ ዕራርቦ፡ ልሙድ ንጥፈታቶም ከካይዱ ይረኣዩ። ንሳቶም እውን፡ ረመጽ ኣብ ዝተነጽፎን ጓህሪ ኣብ ዝዘንቦን ምድሪ ምንባር ለሚዶሞ እዮም። ወግሐ-ጸብሐ ብጻይ ምቕባር፡ ወግሐ-ጸብሐ ገለ ካብ ኣካላቶም ምስኣን፡ ወግሐ-ጸብሐ ጥንቃቐን ሃለኽለኽን፡ ወግሐ-ጸብሐ. . . ከም ዕለታዊ ውህብቶኦም ወሲዶሞ።  ዕርድታት ስዋራ፡ ናኹራ፡ ቴስታ፡ ተዓጠቕ፡ ፈርኔሎ፡ እንዳ ቡምባ፡ ሳልፈር፡ ፊደል “ፐ”፡ እምባ ደንደን. . . ንኽልተ ኣንጻር ሓይልታት ኣፋጢጦም ክነሶም፡ ሰላም ዝዓሰሎም ይመስሉ። እቲ ብዘይምስልካይ ን10 ዓመት ዝቐጸለ ጨካን ውግእ ዘስዓቦ ተዛማዲ ርግኣት!!! እቲ ዘይርብርብ ናይ ምርብራብ ቃልሲ ኣላሽ ከም ዝበለ ዝእውጅ ህድኣት! ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ምድርባይ ሓጺን ዘየዕረፈ ቀላጽም ክልተ ኣንጻር ሓይልታት ‘ይኣክል’ ከም ዝበለ ወስታ ኣቋሪጹ። ክልተ ሓይልታት በብወገኖም፡ ምስ’ቶም ሰማይ ዝጥንቁሩ እምባታት፡ ብፈንጂ ዝተተኽተኸን ድልዱልን ዕርድታቶም፡ ከም ዓይኒ ዓራት ዝምብዝሖም ዝጠማመቱ ኣፈሙዛቶም፡ ትሕዝቶኦም ብቐሊሉ ብኣንጻር ሓይሊ ከም ዘይድፈር ርእሰ-እምነት ነይሩዎም። ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ግንባር ናቕፋ፡ ንኽልተ
ሴፍ፡ ኣብ ከብዲ ናደው
1ይ ክፋል ሓይልታት ኣፋጢጡ ካልኦት ዕቑዳት ዝውስኽ ይመስል ነበረ። ኣዒንቲ ግን፡ ንሓድሕደን ክናቘራ ከም ዝበላ፡ ካብ ምፍጣጥ ዓዲ ኣይውዕላን። መንኮርኮር ግዜ ይዘውር – ምትሕልላው ይቕጽል። በቃ – ኣብ ዘዘለኻዮ – ነታ ዘይተፈልጠት፡ ግን ከኣ ነቲ ከቢድ ርግኣት እትሰብር መዓልቲ ምቁማት። መድሎ ክሳብ ዝርከብ ምሕንሓን፡ ቅልጽም ክሳብ ዝተርር ሓይሊ ምዕቃብ፡ ሰዓሪ ክሳብ ዝፍለጥ ምፍካር. . .። ኣብ’ቲ ዕርድን መቓብርን ዝጐልበቦ መሬት፡ ክንዮ እቶም ክስገሩ ዘይሕሰቡ ዕርድታት ዝኸይድ መጥቃዕቲ ዝፈተነ ሓይሊ “ወይልኡ” ከም ዝተባህለ፡ ግዝኣትካ ብጽኑዕ ምሕላው ዝዓበየ ዕማም ኰይኑ ሓሊፉ። ሓደ ወገን ወስ እንተ ኢሉ፡ እምባታት ሳሕል፡ ሓጺን ውሒጦም ሓጻውን ክተፍኡ ቅሩባት ነበሩ። ተጋደልቲ ሳሕል እውን፡ ትንፋስ ሂቦም ትንፋስ ክፈጥሩ ድሉዋት! ሓደ ካብ’ቶም ተፋጠጥቲ ሓይልታት፡ ነቲ ሰማይ ከም ምፍራስ ዝቑጸር ግንባር ናቕፋ ንኸፍርስ ሜላታት ኣብ ምውዳድ ተጸሚዱ ነበረ። ዕርድታት ግንባር ናቕፋ፡ ዘይኣመሉ ብስቕታ ኣብ ዝተጎብኣሉ እዋን፡ ኣብ ውሻጠ ዝእለም ገለ ነገር ነይሩ። እዋኑ ሓልዩ ዝነቱግ ከቢድ ተተኳሲ ምንባሩ፡ እቲ ዘይቅዱው ጸጥታ ኣመት ካብ ምሃብ ኣይተረፈን። ኣንበሳ ብዘይድምጺ እንክጓዝም – ነብሪ ደሃዩ ኣህጢሙ እንከድቢ – ብዘይካኡ ዝሰምዕ ኣይነበረን።  ንጥፍኣት ናደው፡ ስለያታት ህዝባዊ ግንባር መጽናዕቲ ኣጻፊፎም ሰራዊት ናደውን ኩነታቱን ኣብ ኢዶም ጨቢጦሞ እዮም። ምስ’ቲ ደርማስ ሓይሊ ፊትንፊት ምርጻም፡ ወተሃደራዊ ብስለትን ጥበብን ዘየሰነዮ ኒሕ ጥራይ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ናብ ከብዲን ርእሲን ናደው ከምልቑ ዝኽእሉ ማፋታት፡ ዋላ’ውን ሽሕ ግዜ ይጽበቡ ስሑላት ሰብ ዳንጋ ክሰግሩ ነይሩዎም። ምስ’ቲ ገጂፍ፡ እሙን ደርጊ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዀነ ሰራዊት ብኣእጋር ምርጋሕ፡ ነቲ ዓቢ ሸቶን ጉዕዞን ዝቐዱ ከም ዘይኰነ፡ ተፈቲሉን ተተንቲኑን ተኣሚኑሉ እዩ። ናደው፡ ከብዱ ተበትቢቱ ገጹ ናብ ገዛእ-ርእሱ ምስ መለሰ፡ ርእሱ ተሃሪሙ ንቡር መምርሒታትን ትእዛዛትን ምዝርጋሕ ምስ ሰኣነ፡ ብገጂፉ ዓነው ከም ዝብል ትጽቢት ተገይሩ። ግን ከኣ፡ ወተሃደራዊ ክውንነት፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ብእትኸውን ጌጋ ምሉእ-ብምሉእ ናይ ምቕያር ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ነዚ ክትግብሩ ዝተረቑሑ ስሑላት ዳንጋ “ንሓዲኣ” እዮም ክረጋረጉ። ወይ ከብዲ ናደው ክብትብቱ፡ ወይ ኣብ ከብዲ ናደው ክሓቅቑ።    ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተወርዊራ፡ ኣብ ጎልጅ ዝዓረደ ሓደ ሻለቃ ሜካናይዝድ ኣረማሲሳ ብርኪት ዝኣተወት 2ይቲ ቦጦሎኒ – ብርጌድ 26  ክፍለ-ሰራዊት 16፡ ጉዕዞ ብምቕጻል፡ ናብ ሳንዳቺና፡ ኣንቶረ፡ ጀርበት፡ ሽላሎ፡ ዓዲ ሃኪን፡ ዴዳ. . . ሩባ መረብ ሰጊራ፡ ብማይድማ ናብ ዝባን ሰራየ ብምውጻእ፡ ኣብ ዓዲብሓይላይ፡ እርግዛና፡ ኩዶብዑር፡ ማይልሓምን ከባቢኡን ተዘርዩ ንዝነበረ ሚሊሻ ስርዓት ደርግ እናጸራረገት ናብ ዴዳ ተመሊሳ። ካብኡ ከኣ ኣብ መካይን ተጻዒና ሃወሻይት ተራእያ። እዛ ቦጦሎኒ ኣብ ሃወሻይት ከላ፡ ስርሒት ናደው ንኽፍልም ውሑዳት መዓልታት ጥራይ ይጽበ ነበረ። ንሳ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ናይ ስርሒት ቦጦሎኒ ክትከውን ተመዲባ ነበረት። ብጸቢብ ቦታ ሓሊፋ፡ ናብ ዝባን ጸላኢ ተጠውያ፡ ርእሲ ክትሃርም ከም ዝተመደበት ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ኣይነበራን።  ምኽንያቱ፡ እቲ ምስጢር ኣብ ቦታኡ ጥራይ ተዓቚሩ ብምንባሩ።    14 መጋቢት 1988፡ ንእሽቶ መኪና መልእኽቲ ሒዛ ኣብ ሃወሻይት ደበኽ በለት። እቲ መልእኽቲ፡ ናብ ኣዛዚ ናይ’ታ ቦጦሎኒ ቀላቲ ሃይለ (ወዲ ሃይለ) ዝተላእከ ክኸውን ከሎ ‘ቀልጢፍካ ምጻእ” ዝብል ነበረ። ናብ’ቲ ክነቱግ ብዝቐረበ ህዋህው ተባሒቱ ዝነበረ  ግንባር ናቕፋ! ወዲ ሃይለ፡ ብዘይምድንጓይ መኪና ተሰቒሉ ናብ ግንባር ናቕፋ ኣምርሐ። ምክትል መራሒ ቦጦሎኒ ሚኪኤል ንግሩ (ወዲ ንግሩ) ነታ ቦጦሎኒ ሒዙ ብዓበይቲ መካይን ይስዕብ። 15 መጋቢት፡ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ወዲ ሃይለ፡ ምስ መራሒ ክፍለ-ሰራዊት 16 ብመኪና ናብ ሮራ ባቕላ ብምምራሕ፡ ናብ ሃሆት ደየቡ። ወዲ ሃይለ፡ ናደው ክጥቃዕን ኣፍዓበት ሓራ ክትከውንን መደብ ከም ዝወጽአ ተሓበረ። ካብኡ ንደሓር፡ ሸቶ ናይ ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ምንጻር ኣድልዩ።
ናብ’ቶም ንዓመታት ዝደልደሉን ነቕ ዝብሉ ዘይመስሉን ዕርድታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣማዕድዮም። ካብ መንቀሊኦም ክሳብ ዕርድታት ኣንጻሮም፡ ብኣመና ኣጻድፍን ስብርባር ቅርጺ መሬትን ዝተመልአ እዩ። ኣብ ሰንሰለት ናይ’ቲ ዕርድታት፡ መምርያ ናይ ሓደ ሻለቃ ዝነበራን ብጽኑዕ ዕርድታት ዝተኸበበትን “ስጋድ” ተራእያቶም። ብሓደ ሸነኻ ኣመና ጸዳፍ ብምዃና፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብውሑዳት ወተሃደራትን ቡምባ ኢድን ተኣማሚኑ ክሕልዋ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲኡ እውን እቶም ዝተጠናነጉ ተቐበርቲን ተተከልቲን ፈንጂታት ሓንቲ ስጉምቲ’ኳ ዘኽይዱ ኣይነበሩን። ስጋድ፡ ናይ ቦጦሎኒኡ ሸቶ ምዃና፡ ናደው እዝ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ስርሒት ካብ ወሰንቲ ቦታታት ምዃና፡ ናይ ስጋድ ኩነታት ኣብ መዓልቦኡ ከይበጽሐ፡ ምሉእ ግንባር መጥቃዕቲ ከም ዘይጅምር፡ ብኣጠቓላሊ፡ በቲ ግንባር ዝብገስ መጥቃዕቲ፡ ናይ’ታ ቦጦሎኒ ኣሳልጦ ክጽበ ከም ዝዀነን፡ ንግንባር እተጀምር ቦጦሎኒ ንሳ ምዃናን፡ መራሒ ክፍለ-ሰራዊት ብዝርዝር ሓበሮ። “እዛ ቦጦሎኒ ድማ ነዚ ስርሒት ተወፍያ ኣላ. . . መዓልቲ – መዓልቲ ቀደምኩም ይግበረልኩም” ክብል ከኣ ሓበሬታ ዛዘመ።   “ቅሰን! – ህዝባዊ ግንባር ዝዕወተሉ ዝዀነ ይኹን ተልእዀ ክፍጽም ድሉው እየ። እንተ ዀነ ክንዕወት ኢና፡ እንተ ዘይተዓዊትና ግን ንዓይ እውን ቅበጹኒ – ብሂወት ክምለስ ኣይደልን እየ!. . .” ርእሰ እምነት ዝሓዘለ ሓጺር መልሲ ሃበ – ወዲ ሃይለ። “እንተ ዘይተዓዊና ኣነ የለኹን” ደጊሙ – ደምደመ።  ወዲ ሃይለ፡ ካብ’ቶም ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝገበሩ ኣባላት ስለያ ክፍለሰራዊት 16 ዝዀነ ተሾመ ዘድልዮ ሓበሬታ ንኽወስድ፡ ሰለስተ ሕቶታት ኣቕረበ። ፈለማ “ዓቕሚ ኣብ’ዛ ቦታ ዘለዋ ወተሃደራት ክንደይ ይግመት?” – “ሓደ ሻለቃ እየን” – ካልኣይ ሕቶ፡ “ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ካብ’ቲ ልሙድ ዝዀነ ምንቅስቓሰንን ጠባየንን ወጻኢ እንታይ ትዕዝብቲ ኣሎ” – “ዝዀነ ሓድሽ ነገር የለን” ሳልሳይ ሕቶ – “ካብ’ዚ ክሳብ ስጋድ ንዓኻትኩም ክንደይ ይወስደልኩም ነይሩ?” – “ሓንቲ ሰዓት”። በቃ፡ እተን ንኣሃዱኡ ዘድልያ ሓበሬታ ምስ ሓዘ፡ ብወገነይ ወዲአ ኣለኹ በለ። ተሾመ ግን ሓንቲ ሓበሬታ ኣስዓበ። ብኣእዳዉ እናሓበረ፡ “ኣብ’ታ ትረኣየካ ዘላ ቀራና ግን፡ ውርውር ኢለን ዋርድያ ዝወጽአ ሰለስተ ወተሃደራት ኣለዋ” በሎ። እታ ቦታ መገብቲ ሩባታት ዓቢልባ፡ ክቡብ ብዕራይን፡ ሃሆትን ካልኦትን ዝራኸቡላን ንቕድሚት ውጽእ ዝንበለትን ብምዃና፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንቐንዲ ዕርድታቱ ውሕስነት ንኽትከውን ከም ዝመረጻ ዝሰሓት ኣይነበረን። እቶም ኣብኣ ሓለዋ ዝወጽኡ ወተሃደራት፡ ዝዀነ ሓደገኛ ዝመስል ምንቅስቓስ እንተ ርእዮም፡ ተኹሲ ብምኽፋት፡ ነቲ ኣብ ቀንዲ ዕርድታት ዝተዘርገሐ ሰራዊት ናይ ተዳሎ ምልክት ክህቡ እዮም።  እታ ቦጦሎኒ በታ ቀራና ክትሓልፍ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ፡ የማነ-ጸጋማ ብኣጻድፍን ሰራዊት ክጓዓዘሉ ምቹእ ዘይኰነን መሬት ዝተዓብለለ እዩ። ቦጦሎኒ ዝኣክል ብጸቢብ ቦታ ከይተሰምዐ ክሓልፈሉ ዝኽእል ዕድል ኣመና ውሑድ እዩ። ስለ
ዝዀነ፡ ወዲ ሃይለ ምስ ኣሃዱኡ፡ ነቶም ሰለስተ ዋርድያ ሰራዊት ደርግ ብኸመይ ክሓልፉዎም ከም ዝኽእሉ ኣሰላሰለ። “ጸገም የለን – ብዝዀነ ይኹን መንገዲ ክንሓልፈን ኢና” ሽዑ እውን ብርእሰእምነት ምስ ተሾመ ተዘራረበ።   ካብ’ቶም ክምግብዎ ዝኽእሉ ኣባላት ስለያ ዝኣኽሎ ሓበሬታ ምስ ሰነቐ፡ ካብኡ ንደሓር ኣሃዱኡ ብኸመይ ከም ዝምድብ ንዑኡ እዩ ዝምልከት። ኣሰላሲሉ – ሓሲቡ። ኣብ መደምደምታ ምስ በጽሐ – ንኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ዝርዝር ውጥኑ ብሓጺሩ ገለጸሉ። “እዛ ቦታ ነቶም ብውሑድ ቁጽሪ ዝንቀሳቐሱ ኣባላት ስለያ ሰዓት ትወስደሎም እንተ ዀይና፡ ቦጦሎኒ ብጥንቃቐ ሓሊፉ ኣብ ሸቶኡ ንኽበጽሕ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ክትወስደሉ እያ። ስለ’ዚ ናይ ዜሮ ሰዓትና ልክዕ ሓሙሽተን ፈረቓን (ወጋሕታ) ክኸውን እዩ። ካብ መበገሲና ሰዓት ሰለስተ (ናይ ለይቲ) ክንነቅል ኢና። ነተን ኣብ መንገድና ዘለዋ ሰለስተ ወተሃደራት ብኸመይ ከም እንሓልፈን ክንጣበብ ኢና!. . .”      “ስለ’ዚ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን መጥቃዕቲ እንተ ጀሚርና፡ ንሽዱሽተ ዕስራ ጎደል ብራድዮ ተኸታተሉኒ። እንተ ደንጎኹ ከኣ፡ ክሳብ  ንሽዱሽተ ዓሰርተ ጎደል ተጸበዩኒ። ካብ’ዚ ግዜ’ዚ እንተ ሓሊፉ ግን፡ ከም ዘየለና ቅበጹ። እቲ ረብሓ ናብ ጸላኢ ከም ዝዘዘወ ንእመን።” ቁሩጽ ውሳነኡ ኣፍሊጡ ናብ ኣሃዱኡ ተበገሰ።  ኣብ 15 መጋቢት 1988፡ ካልኣይ ቦጦሎኒ፡ ኣብ መካይን ተጻዒና ድሕሪ ናይ 32 ሰዓት ጉዕዞ ግንባር ናቕፋ ምስ ኣተወት፡ ኣባላታ ናብ’ታ ከም መበገሲት ዝተወስደት ‘ሃሆት’ መንገዲ ፍርቂ ሰዓት ምስ ተረፎም፡ ኣብ ማይምዖ ወረዱ። ሰራዊት ጸላኢ ሓድሽ ምንቅስቓስ ናይ ኣንጻሩ ክርኢ የብሉን። ካብኡ ንንየው እቲ ጉዕዞ ብእግሪን እናተመሳሰልካን ክግበር ጥራይ እዩ እቲ ኣማራጺ። መካይን እውን ምስ ጸልመተ ክሳብ ዝእለያ፡ ኣብ ጽዑቕ ጽሕድን ኣውሊዕን ተዓሺገን ኣጽቀጣ። ምንቅስቓስ መካይን ብጸላም ጥራይ ክኸውን ነይሩዎ። ምኽንያቱ ንብርሃን እንተ ድኣ ተቓሊዐን፡ ኣብ ሽገ፡ ዓቢልባ፡ ጀዛን. . . ዝዓረደ ሓይሊ ጸላኢ ብቐሊሉ ክርእየን ስለ ዝኽእል፡ በቲ ፍሉይ ኩነት ተደሪኹ ጥንቃቐ ክገብር ይኽእል እዩ።
ይቕጽል. . . ምንጪ ሓበሬታ ኣባላት ቦጦሎኒ 2 ቀላቲ ሃይለን ተኽለሃይማኖት ገብረንጉስን

Click to access haddas_ertra_20092016.pdf

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s