Categories
Uncategorized

ነጥበ መቐይሮ by ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ

Ghedli Ertraካብ ዛንታታት ተመኩሮ ገድሊ
ነጥበ መቐይሮ ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ
ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ እዩ። ልክዕ ኣብ’ታ ህሞት እቲኣ፡ ሰለስተ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ውጉኣት ጽዒነን ናብ ማእከላይ ሆስፒታል ኦሮታ ይኣትዋ ነበራ። ካብ ቅድሚኡ መዓልቲ ጀሚረን ሓያሎ ውጉኣት ዝጸዓና መካይን ናብ’ቲ ሆስፒታል ኣትየን እየን። ገለ ካብ’ቶም ውጉኣት ብቐጥታ ካብ ዓውደ-ውግእ (ሕክምና ቦጦሎኒታት) ዝመጽኡን ህጹጽ መጥባሕቲ ዘድልዮምን ነበሩ። መጥባሕቲ እናገበርኩሎም ኣብ መንጎ፡ ግርማ ኣስመሮም፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣባል ክፍሊ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ሓደ ጋሻ ሒዙ መጺኡ። ምስ’ቲ ጋሻ ድሕሪ ምልላይ፡ “ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ሰራዊት እዩ። ብዛዕባ ኩነታትን ኣተኣላልያን ውጉኣት መብርሂ ክህበካ ይኽእል’ዩ” በሎ። እቲ ግዜ፡ ህዝባዊ ግንባር ናደው እዝ ንምድምሳስ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ የካይደሉ ኣብ ዝነበረ ዕለታት እዩ። ስም እቲ ጋሻ ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብድሕሪኡ ዝህቦ ዝነበረ ሓበሬታ ብምሉኡ ክሕዞ ኣይከኣልኩን። ብመጽሓፍቱን ንጥፈታቱን ጥራይ ዝፈልጦ ዝነበርኩ ብኣካልን ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኩነትን  ስለ ዝረኸብኩዎ ኣዝየ ተገሪመ። እቲ ጋሻ፡ ህቡብ ደራሲ በሲል ደቪድሰን፡ እዩ። ካብ 1960ታት ክሳብ 1980ታት ቃልስታት ኣብ ዘካይዳ ዝነበራ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበጽሐን ብዛዕባ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኣፍሪቃ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈን ደራሲ እዩ። መብርሂ ክህቦ ክጅምር ክብል ከለኹ፡ ሓደ ካብ ኣባላትና መልእኽቲ ከም ዘለዎ ንግርማ ስለ ዝሓበሮ፡ መልእኽቱ ክቕበል ከደ። ምስ በሲል ዘረባ ቀጸልና። ብዛዕባ ውጉኣት ወዲእና ናብ ካልእ ዕላል ሰጊርና – ታሪኽ ቃልሲ ህዝብታት ኣፍሪቃ ንናጽነት። ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ገለ ካብ መጻሕፍቱ ኣንቢበ ስለ ዝነበርኩ ንኣበርክቶኡ ድሕሪ ምምጓስ፡ “ሓርነታዊ ቃልሲ ብዛዕባ ዘካይዳ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዙሕ ጽሒፍካ፡ ኣብ ገለ በጺሕካ፡ ኣብ ገለ’ውን ኣብ ግንባራት ምስ መራሕቲ ተጓዒዝካ፣ ንኣብነት ምስ ኣሚርካል ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ጊኒ ቢሳው፡” ድሕሪ ምባል፡ “ስለምንታይ ግን ብዛዕባ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይጸሓፍካ?” ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩሉ። “ስለ ዝኣረግኩ።” ብቐጥታ ክምልሰለይ ከም ዘይደለየ ተረዳእኩ። “ሕጂ ዓቕሊ እንተ ዝህልወኒ ምጸሓፍኩ። ስለ ዝኣረግኩ ግን ክጽሕፍ ኣይክእልን እየ። ኣብ’ቲ ዝጽሕፈሉ ዝነበርኩ እዋን ግን ንቓልስኹም ኣይኣመንኩሉን ነይረ” ከም ዝብል ዘሎ ገይረ ተረዳእኩዎ። ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ሃንደበት መሬት ዝንቕንቕ ብርቱዕ ተኹሲ ፈኮስቲ ብረታት ጀመረ። ጸኒሑ እውን ነቶም ፈኮስቲ ብረታት ከበድቲ ማሺንጋናትን  ጸረ-ነፈርቲን ተጸንበሩዎም። ብምሉኡ እቲ ከባቢና ድማ ብድምጺ ተዂሲ ተናወጸ። “እንታይ ተረኽበ?” በሲል ብምግራም
ሓተተ። “እዚ ናደው ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተደምሲሱ፡ከተማ ኣፍዓበት ድማ ሓራ ወጺኣ!” መለስኩሉ። ነቲ ውግእ ብቐረባ ክከታተሎ እየ ውዒለ። ግርማ፡ ኣብ መንጎ ምግራሙ ተመልሰ። ናደው ምድምሳሱን ከተማ ኣፍዓበት ሓራ ምውጻኣን ደጊሙ ኣበሰሮ። ሽዑ-ሽዑ ተፋንዮሙኒ ከኣ ተበገሱ። ኣነ ድማ ምእላይ ውጉኣት ቀጸልኩ። ድሕሪ 24 ሰዓት ኣቢሉ ይኸውን በሲል ደቪድሰን፡ ካብ’ቲ ግንባር ንውግእ ኣፍዓበት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ከም’ዚ ኢሉ ጸብጻብ ከመሓላልፍ ተሰምዐ። “እቲ ዝዓበየ ዓወት ድሕሪ ውግእ ዴን ብየን ፉ (1954)” “ውግእ ኣፍዓበት ምስ ዴን ብየን ፉ ብሓቂ ዝዳረግ ድዩ?” ንነብሰይ ሓተትኩ። በሲል ሓደ ካብ መኮንናት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም  ምንባሩን ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ብምዃኑን፡ ብዛዕባ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምን ቃልሲ ህዝብታት ኣፍሪቃን ድማ ብዙሕ ዝጸሓፈ ብምንባሩ ነቲ ዝበሎ ልዑል ሚዛን ሃብኩዎ። “በሲል፡ ቀደም ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ኣይጸሓፍካን። ‘ስለ ዝኣረግኩ ክጽሕፍ ኣይከኣልኩን፡’ ኢልካ። ኣብ’ዚ ህሞት’ዚ ግን ሓደ ዓቢ ቅጺ (Huge Volume) መጽሓፍ ጽሒፍካ” በልኩዎ፣ ንምድምሳስ እዚ ናደው ምስ’ቶም ናይ ዘመናት ዓበይቲን ወሰንቲን ዓወታት ውግኣት ዓለምና ብምስርዑ – ምስ ዴን ቤን ፉን ካልኦትን። ቅድመኡ ኣብ ዝነበረ ክልተ ዓመትን መንፈቕን፡ ድሕሪ ውግእ ባረንቱን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሻሙናይ ወራርን (ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ 1985)፡ ርዝን ዝበለ ወተሃደራዊ ግጥም ኣይነበረን። ድሕሪ’ዚ ኩሉ እዩ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ መጋቢት 1988 ህጹጽ መምርሒ ዝተዋህበኒ – ምድላዋት ንመጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ። ክልተ ኣሃዱታት መጥባሕቲ ናብ’ቲ ግንባር ከበግስ ተወሳኺ መምርሒ ተዋህበኒ። ኣብ’ቲ ግንባር ድሮ ሓሙሽተ ኣሃዱታት መጥባሕቲ ተሰሊፈን ነይረን። እንደገና ኣብ 14 መጋቢት ብህጹጽ ሓንቲ ካልእ ኣሃዱ መጥባሕቲ ከበግስ መመርሒ ተዋህበኒ። ነተን ቀዳሞት ክልተ ከበግስ ከለኹ ብዙሕ ላዕሊን ታሕቲን ነይሩ። ሓንቲ ካልእ ኣሃዱ መጥባሕቲ ምስ ተባህለ ግን ወጥሪ ኰይኑ። ካብ’ተን ዝነበራ ጋንታታት ጸንቂቕና ስለ ዘበገስና ካብ ማእከላይ ሆስፒታልናይ ህዝባዊ ሕክምና  ሓንቲ ኣሃዱ ከነበግስ መደብና። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ፡ እታ ጋንታ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ኣቋሪጻ፡ ኣብ ምድላው ኣተወት። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ምድላዋታ ወዲኣ። ዶክተር ወረደ መስፍንን ሓድሽ ሃይለን ሒዞማ ተበጊሶም።  ናቕፋ ኣትያ ንኣዛዚ ግንባር ክትረክብ ሓቢርና ኣፋኒናያ። ብመሰረቱ ግን መደባ ምስ ክፍለ-ሰራዊት 85 ክኸውን እዩ ተሓቢሩ። እዛ ኣሃዱ ብሃታትሃታ ትብገስ ብምንባራ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊን ንዋታዊን ምቅርራብ ስለ
ዘይገበረት ብዙሕ ኣሰከፈትኒ። ካብ ኩነታት ኣበጋግሳኣ ዝነቐለ ቀጻሊ ስኽፍታ ነይሩኒ። ነተን ኣሃዱታት ንምድልዳል ተደረብቲ መጥባሕቲ ዘካይዱ ሓካይም ከበግስ ግድን ነይሩ። ኣብ ሓደ ግንባር ክንድ’ዚ ዝዀና ኣሃዱታት መጥባሕቲ ምድላው፡ ቅድሚ’ዚ እዋን’ዚ ተራእዩ ስለ ዘይፈልጥ ድማግር በለኒ። ነተን ክልተ ኣሃዱታት መጥባሕቲን፡ ተደረብቲ መጥባሕቲ ዘካይዱ ሓካይምን ኣብ ዘበግሰሉ ዝነበርኩ እዋን ከም ወትሩ ወተሃደራዊ ኩነታት ክብገስ ከሎ ዝስመዓኒ – ስኽፍታን ሓጎስን ተፈራሪቑኒ። ኣሰላልፋ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ካብ ኣሰላልፋ ኣሃዱታት መጥቃዕቲን ብቐረባ ምስ ኣዘዝቲ ምርኻብን ኣጸቢቕ ተረዲአዮ ነይረ። ነብሲወከፍ ክፍለ-ሰራዊት ዝሓዘቶ ቦታን ኣዛዚኣን እፈልጥ ነይረ። መበገሲ ሓጎሰይ ርዱእ ነይሩ። እንተ እቲ ስኽፍታ ግን ካብ’ቲ ሓይሊ ጸላኢ ኣብ’ቲ ግንባር ዝነበረኒ ገምጋም እዩ ተበጊሱ – ብዝሒ ሰራዊትን ኣጽዋርን ዘይተኣደነ ኰይኑ ስለ ዝተራእየኒ። ብገምጋመይ ድማ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሓይሊ ጸላኢ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ካብ ዝነበረ ይኸውን ዝብል እምነት ስለ ዝነበረኒ እዩ። ብተወሳኺ እቲ ኣተሓሕዛ መከላኸሊ መስመር ጸላኢ ድልዱል ምንባሩ ገምጋም ነይሩኒ። ካብ’ዚ ዝተበገሰ ድማ በየናይ ተኣትዩ በየናይ’ኰን ይድምደም ይኸውን ዝብል ሕቶ የልዕል ነይሩ። ዝተኣማመነሉ ግን ነይሩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝወጠኖ መጥቃዕቲ ፈሺሉ ኣይፈልጥን ነይሩ። ምልስ ኢለ ነቶም ኩሎም ወጢኑ ዘተግበሮም ሕልፍ-ሕልፍ በልኩዎም – ብዘይካ ናይ ዓዲቐይሕን ናይ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ቀዳማይ ገጽን ፍሽለት ኣጋጢሙዎከም ዘይፈልጥ ኣረጋገጽኩ። እዚኣተን’ውን ነናተን ምኽንያት ነይሩወን። እታ ናይ ዓዲቐይሕ (ግንቦት 1978) ብምኽንያት ባህሪ ዝፈጠሮ  ጸገም (ሓያል ጸፍዒ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ)፡ ነቲ ጽቡቕ ዝግስግስ ዝነበረ መጥቃዕቲ ስለ ዝዓንቀጾ፡ እቲ ናይ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል  ቀዳማይ ገጽ (ለካቲት 1984) ድማ እቲ ብየማይ ክንፊ ከጥቅዕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣሃዱ ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ እዩ ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መስዋእቲን መውጋእቲን ከይበዝሕ ደኣ ሰጋእኩ’ምበር ብዓወት ክዛዘም ምዃኑስ ኣይተጠራጠርኩን። እንተ ዀነ ብድሕሪኡ ከም’ቲ ድሕሪ ሓርነት ባረንቱ ዝተኸስተ ኩነታት (ቀጻሊ መጥቃዕትታትን ጸረ-መጥቃዕትታትን፡ ከምኡ’ውን ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ) ከይቅልቀል ተሰከፍኩ። ወተሃደራዊ ኩነታት ተጀሚሩ። ጽቡቕ ገስጊሱ። ውጉኣት ናብ ዳሕረዎት ሆስፒታላት (ኣብ ደጀን ዝነበሩ) ክውሕዙ ጀመሩ። ሓያሎ ካብ’ቶም ውጉኣት ኣብ ሕክምና ቦጦሎኒታት፡ ኣሃዱታት መጥባሕቲን ሆስፒታል ክፍለ- ሰራዊትን ከይተኣልዩ ብቐጥታ ናብ ዳሕረዎት ሆስፒታላት ክውሕዙ ተራእዮም። ከምኡ’ውን ካብ ኣሃዱታት መጥባሕቲ ብህጹጽ ይመሓላለፉ ነይሮም። ካብ’ዚ ዝተበገሰ ድማ መጠን ሃልክታትን መስዋእቲን ክውስኹ ተራእዮም። እዚ ክኸውን ዘይነበሮ እዩ። ስለምንታይ እዚ ፍሉይ ተርእዮ ኣብ ምድምሳስ እዚ ናደው ተቐልቂሉ” ብንጹር ተረዲእካ ስጉምቲ ክውሰድ ግድን ነይሩ። ስለምታይ ግን ኣብ’ዚ ውግእ’ዚ ካብ ዓውደ-ውግእ  ናብ ዳሕረዎት ተቐበልቲ ሕክምናታት ቅልጡፍ ምትሕልላፍ ተኸሲቱ? ካብ’ዚ ዘካየድናዮ ዳህሳስ፡ ሕክምና
ቦጦሎኒታትን ኣሃዱታት መጥባሕቲን ኣዝዩ ቅልጡፍምልውዋጥ ቦታታት ይገብራ ብምንባረን እዩ። ውጉኣት ናብ ቦታ ሕክምና ቦጦሎኒታትን ኣሃዱታትን መጥባሕቲ ይለኣኹ፡ ቦታታት ለዊጠን ይጸንሓ። ውጉኣት ካልእ ኣማራጺታት ስለ ዘይነበሮም ድማ ብቐጥታ ናብ ዳሕረዎት ሆስፒታላት ክመሓላለፉ ይግደዱ ነይሮም። እዚ ክዀነሉ ዝኸኣለ ከኣ እተን ድሕሪ ዓውደ-ውግእ ዝነበራ ተቐበልቲ ኣሃዱታት ሕክምና ቀልጢፈን ቦታታት ክልውጣ፡ መምርሒ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ይወሃበን ስለ ዝነበረ ምስ’ቲ ቅልጡፍ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ኩነታት ከኣ ክወሃሃድ ስለ ዝነበሮ እዩ።  ፍሉይ ተርእዮ ውግእ ኣፍዓበት ድማ ኰነ። ብተወሳኺ፡ ነፈርቲ ኲናት ተደጋገፍቲ ኣሃዱታት ኣለዋኦ ኢለን ዝጠርጠራኦ ሰናጭሮ ይድብድባ ብምንባረን ኣሃዱታት መጥባሕቲ ቀልጢፈን ቦታ ክልውጣ ይግደዳ ነይረን።       ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝወጠኖ መጥቃዕቲታት፡ ብዘይካ ኣብ ምድምሳስ እዚ ናደው ፡ ከም’ዚ ኩነት ተኸሲቱ ዳርጋ ኣይፈልጥን ነይሩ። ጸላኢ ኣብ ዝወጠኖ እንተዀነ’ውን ሳሕቲ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ምዝላቕ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ክንዓርድ ዝጀመርናሉ ሳልሳይ ወራር (ጥሪ 1979) ካብ ግንባራት ናብ ማእከላይ ሆስፒታል ሰርቀጠ (ሰበርቐጠ ብኣጸዋውዓ ተጋደልቲ)፡ ኣብ ሻምናይ ወራር (ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ) ቀዳማይ ገጽ (ጥቅምቲ 1985) ካብ ግንባራት ናብ ሆስፒታል ሽዕብ (ዓንበርበብ) ነይሩ። ኣብ’ዚ ኣቶም’ውን እቶም ምኽንያታት ተመሳስልቲ ነይሮም። ጸላኢ ተሃንዲዱ ይንቀሳቐሳን ይገላበጥን ስለዝነበረ ብማዕረኡ ድማ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ይንቀሳቐሳን ይገላበጣን፡ ምስአን’ውን እተን ሕክምና ቦጦሎኒታት ኣሃዱታት መጥባሕተን ይንቀሳቐሳ ስለዝነበራ እዩ። ንጠንቂ ቀጥታዊ ምትሕላፍ ውጉኣት ዝዀኑ ተወሰኽቲ ጭብጥታት ንምርካብን ነቶም ዝተኸሰቱ ጸገማት ንምእላዮምን ብህጹጽ ናብ ኣፍዓበት ምብጋስ ግድን ነይሩ። ምስ ሃይለ ምሕጹን ኢና ነይርና። ሕዳይ ሓሊፍና ናብ ዓሽሩም እናቐረብና ምስ ከድና ዝተበታተነ ንብረት ጸላኢን
ሬሳታትን እናወሰኹ ከይዶም። ካብ ክሳድ ዓሽሩም ዝወረደ ሩባ ምስ ሓዝና ድማ ኣብ የማነ -ጸጋም’ቲ ጽርግያ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ወተሃደራዊ መካይን ፡ድሩዓት መካይን፡ ታንክታት፡ሬሳታት ክንርእይ ጀመርና። ሓንቲ ካብተን ወተሃደራዊ መካይን ብሓዊ ዝሓረሩ ሬሳታት ነይሮማ። ሩባ ወዲእና ዓቐበት ሕዝ ምስ ኣበልና ገና ምቅጻል ዘይወድኣ መካይን ንርኢ ነበርና። ኣባላት መጓዓዝያን ህንጻን ምዃኖም ዝተሓበረና ይቃጸላ ንዝነበራ የጥፍኡ፡ ጽርግያ ዓጽዮም ንዝነበሩ ይጸርጉን የርሕቑን፡ ክእርነብ ዝግብኦ ንብረት ከኣ ይእክቡ ነይሮም። ቀስ እናበልና ዓቐበት ክንወጽእ ከለና እኹል መረዳእታ ፍጻመ ዓሽሩም ሒዝና’ኳ እንተ ነበርና፡ ቅድሚ ክሳድ ዓሽሩም ምብጻሕና ዘዕግብ መረዳእታ ንምርካብ፡ ካብ መኪና ወሪድና። ብሓደ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ተወሳኺ መግለጺ ተዋህበ። በቲ ፍጻመ እናተገረምና ድማ ጒዕዞና ቀጸልና። ኣፍዓበት ኣቲና ሓደርና። ብዛዕባ’ተን ኣሃዱታት መጥባሕቲ ውሱን ሓበሬታ ረኺብና። እቲ ኩነታት ይቕጽልን እተን ኣሃዱታት መጥባሕቲ ድማ ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቓስ ስለዝነበራን ብቐጥታ ክንረኽበንን ጸገማተን ክንፈልጥን ዕድል ኣይረኸብናን። መብዛሕትአን ኣብ ግንባር ሮራ መንሳዕን ግንባር መስሓሊትን እየን ነይረን። እታ ኣብ መወዳእታ ብሃታሃታ ዝተበገሰት ኣሃዱ መጥባሕቲ’ውን ኣብ ግዝግዛ ምንባራ ኣረጋገጸኩ ።ኣቐድም ኣቢለ’ውን ካብ’ቲ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብደብዳብ ነፈርቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ንብረታን ኣባላታን ጉድኣት ወሪዱዋ ምንባሩ ፈሊጠ ነይረ።  ናብ ዓረርብ ተመሊስና ህጹጽ ስጒምቲ ወሰድና። ክልተ ሆስፒታላት ኣብ ናቕፋን ዛራን ኣቘምና። እተን ናይ ክፍለስራዊት  ሆስፒታላት ድማ ኣብ ኣገደስቲ ቦታታት ኰይነን ግቡእ ተራአን ክጻወታ መምርሒ ተዋህበን። ድሕሪ’ዚ፡ ኣተኣላልያ ውጉኣት ጸፊፉ። እንደገና ግን ምድህሳሱ ኣገዳስነት ነይሩዎ።
ይቕጽል ምንጪ – ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s